Print this page

ክቡር ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትና፡ ወትሩ ህያው’ዩ

2020-05-23 06:57:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2135 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እነሆ መበል 29 ዝኽሪ ናጽነት ኤርትራ ናብ እንዝክርላ ዕለት፡   24 ጉንበት 2020  በጺሕና። ነዛ ዕለት'ዚኣ ክንዝክር እንከለና፡  መጀመርያ ዝዝከሩ እቶም ክቡር ሂወቶም ከፊሎም ሃገራዊ ናጽነት ዘውሓሱ ጀጋኑና እዮም። ንዓኣቶም ክንዝክር እንከለና ብጅግንነቶም ንሕበንን ነመስግኖምን። በቲ ካልእ ሸነኽ ግና፡ እቲ ንሳቶም ዝተሰውእሉ ዕላማ ተጨውዩ፡ ኣብ ጠቕሚ ዉሑዳት ክውዕል ክንርኢ እንከለና ንሓዝን። ነዚ ዝሓለፈ ናይ 29 ዓመታት ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ክንመዝኖ እንከለና ከኣ “እምበርዶኸ እቲ ናብ ናጽነት ንምብጻሕ ዝተኻየደ መሪር ቃልስን ዝተኸፍለ ረዚን ዋጋን ንረብሓን ራህዋን ህዝቢ ኤርትራ እዩ ነይሩ?” ዘየብል ኣይኮነን። ምኽንያቱ መሰረታዊ ህይወት ህዝቢ ኤርትራ ኣብዘን ናይ ናጽነት ዓመታት ምስቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ዘሕልፎ ዝነበረ ሕሰም ክነጻጸር እንከሎ ዘይሓይሽ፡ ወረ ኣብ ገሊኡስ  ዝሓሰመ ግዜ እዩ ነይሩን ዘሎን ዘብል እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መሪር ኩነታት ዝነብር ዘሎ፡ ከምቲ ገለ ካብ ቀደም ናጽነትና ዘይተዋሕጠሎም ዝሓስብዎ "ኤርትራ ነብሳ ኣይትኽእልን እያ" ዝብል ዘይኮነ፡ ነቲ ብክቡር ዋጋ ዝተረኽበ ናጽነት፡ ሞሳ ህዝቢ ኤርትራ ብግቡእ ዘንጸባርቕ ሓላፍነታዊ መሪሕ ኣካል ዘይምርካቡ እዩ። ናጽነት ባዕሉ ግና፡ ጠንቂ ሕሰምና ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዘይኮነ ኢና ድማ፡ ብናጽነትና እንሕበንን ብማንም ከይድፈር ከም ብሌን ዓይንና እንከላኸለሉን። እምበኣር፡ ሎሚ’ውን “ዋጋ ዝተኸፍሎ ናጽነትና ወትሩ ህያው’ዩ” ኣሞ፡  ኣብ ዓድን  ወጻእን ንዘሎ መላእ ህዝብና “ዮሃና እንኳዕ ኣብጸሓካ ኣብጸሓና” እንብሎ።

ናይ ሎሚ ዘመን መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ፡ ከምተን ናይ ቅድሚ ሕጂ በዓላት ናታ መለለይ፡ ስግኣታትን ተስፋታትን ኣለዋ። ልዕሊ ኩሉ እቲ ንመላእ ዓለም ኣጨኒቑ ዘሎ ተላጋቢ ሕማም ኮሮና ቫይረስ፡ ጌና ናይ ስግኣት ደበናኡ ኣንጠልጢሉ ኣብ ዘለወሉ ኣስጋኢ ህሞት ኢና ንዝክራ ዘለና። ስግኣት ህዝቢ ኤርትራ ግና እዚ ጥራይ ኣይኮነን። እቲ ህዝብና ንናጽነቱ ንዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ጠሊሙ፡ ብኢደወነኑ ንዝሓለፈ 29 ዓመታ ኣብ ስልጣን ተኾዲጩ ዘሎ በላዒ ሰብ ጉጅለ ክወርዶ ዝጸንሐ ውርደትን ዓመጽን መመሊሱ ዝውስኽ እምበር ናይ ምንካይ ምልክት ኣብ ዘየርኣየሉ ኩነታት ኢና  ቅነ ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነትና ንርከብ ዘለና።

ብኣንጻሩ ኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዝተፈላለዩ ኣገባባትን ኣብ ዝተፈላለዩ ኩርንዓትን ዲክታትርነትን ምልክን ኣወጊድካ ብዲሞክራስያዊ ስርዓት ተኪእካ፡ ኤርትራን ህዝባን እቲ ተሓሪምዎም ዘሎ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራስን ምኽባር ኩሉ መሰላትን ናጽነታትን ንክውንኑ ዘካይድዎ ቃልሲ ኣብ ዘበረኽሉ ደረጃ ምብጻሕና ተስፋ ኣብ ዝህብ ኩነታት ምህላውና ዘመልክት እዩ። በብዘለኻዮ ምልዕዓል ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ “ኣብ ክንዲ በበይንኻ ብሓባር፡ ኣንጻር ህግዲፍ ምቅላስ” ዝብል ኒሕ እውን ብኹሉ ወገናት ቆላሕታ ረኺቡ ኣብ ደሓን ደረጃ ምድያቡ ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ዘሎ ትስፉው ምዕባለ እዩ። ስለዚ ንናይ ሎሚ ዘበን መዓልቲ ናጽነት ብስግኣታትን ተስፋታትን ኢና ንዝክራ ዘለና።

ናጽነት ኤርትራ ንኹሉ ኤርትራዊ ብማዕረ ዝብጸሖ ክብሪ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ዋጋ ዝኸፈለሉ እዩ። እቲ ሓቂ፡ እቲ ውሑዳት መራሕቲ ጉጅለ ኢሳያስ ብሒትካ ንምግዛእ ንክጥዕሞምን ንመገዛእታዊ ኣታሓሳስባኦም ምኽኑይ ንምምሳልን፡ ናጽነት ኤርትራ ብናይ ውሱናት ወገናት ከም ዝመጸ ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ዘይኮነ፡ ከምቲ ኣብ መቕድም ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) “ብተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ (ተሓኤ) ብ1961 ኣንጻር መግዛእታዊ ሓይሊ ኢትዮጵያ፡  ዝተባርዐ ነዊሕ ሓርበኛዊ ዕጥቃዊ ቃልሲ፡ ድሕሪ ሰላሳ ዓመታት ብ24 ግንቦት 1991 ብወሳኒ ተራ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ (ህግሓኤ) ሃገራዊ ናጽነት ጋህዲ ኰነ።” ብዝብል ኣስፊርዎ ዘሎ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ብዓድን ብበረኻን መምስቲ ዝመረጾ ውድብ ተሰሊፉ ከከም ክእለቱ  ናይ ዘበርከቶ ውጽኢት እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ን30 ዓመታት ኣብ ዝተኻየደ ከምዚ ኢልካ ክትጽብጽቦ ዘጸግም ናይ ህይወትን ንብረትን ዕንወትን ምዝንባልን ዘኸተለ ዝተናውሐ ቃልሲ፡ ክቡር ዋጋ ክኸፍል እንከሎ፡ ደሓር እውን ኣብ ወርሒ ማዝያ፡ 1993 ኣብ ዘካየዶ ውሳነህዝቢ (ረፈረንደም)፡ ብኣዝዩ ልዑል ድምጺ “እወ ንናጽነት” ዝበለ፡ ኣብታ ዘውሓሳ ናጻን ልኡላዊትን ሃገሩ ትጽቢት ነይርዎ እዩ። ትጽቢቱ ድሕሪ ናጽነት ሰፊሕ ዝርዝር ዝነበሮ ኮይኑ፡ ክጠቓለል እንከሎ “ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ” ዝብል ሓሳብ ዝተረጋገጸሉ፡ ሰላምን ዕቤትን ዝሓቑፍ ዘተኣማምን ሃዋህው ንፍምጣር እዩ ነይሩ። እንተኾነ  ከምቲ ዝተጸበዮ፡ ራህዋን ሰላምን ዘዑቁብ፡ ምዕሩይ ቁጠባዊ ተጠቃምነት ዘውሕስ መንግስቲ ስለ ዘይተዓደለ፡ ነዚ ንዕዘቦ ዘለና፡ ኣብዚ መዋእልዚ “ኣብ እገለ ሃገር ተራእዩ” ንዘይበሃል ኣበሳ  ተቓሊዑ ኣሎ። እቲ ቀጻሊ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ከኣ፡ ነዚ ኣብዚ ጻማኡ ዝተነፍገ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ በደል ንምዕጻፍ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ እዚ ሃገርናን ህዝባን ንሓልፎ ዘለና ጸገም፡ ብግቡእ ብሰንኪ ዘይምርዳእ፡ ወይ ቃልሲ ነዊሑካ ብምርብራብ፡ ጠንቁ ናጻ ሃገር ብምዃና ከም ዝመጸ ኣሉታዊ ሳዕቤን ኣምሲልካ ብምቕራብ፡ ንክብሪ ናጽነትን ነቲ ኣብኡ ንምብጻሕ ዝተኸፍለ ዋጋን ዝተኸደ መስርሕን ብምርኻስ፡ ናብቲ ፈቲንናዮስ ዘየርበሓናን ዘየዋጽኣናን ምዃኑ ተረዲእና፡ ኣንጻሩ ተቓሊስና ዝሰዓርናዮ መግዛእቲ ክመልሱና ዝደናደኑ ዝንባለታት ይቀላቐሉ ኣለዉ። ሕሉፍ ሓሊፎም ናብ ናይ ዘበን እኒ-እኒ ነበረ'ያ ነበረ ታሪኽ ተመሊሶም፡ ብዘብለጭልጭ ኣስማት ኤርትራዊ ሓድነትና ኣፍሪሶም፡ ንገሌና ብሄር ንደቡብ ንገሌና ቋንቋ ከኣ ንምዕራብ ክበታትኑና ይቕረ ዘይበሃሎ ትንዕምንዕ ዝብሉ ኣለዉ። ናይዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ናይ ዲክታተር ኢሳያስ ጸፋዕፋዕን ምዕልባጥን እውን ነዚ ዘራጉድ እዩ። እዚ ንድሕሪት ዝጥምት ዝንባለ ካብቲ ኣንጻር ኢሳያስን ጉጅለኡን እነካይዶ ዘለና ቃልሲ ብዘይንእስ ክንምክቶ ዝግብኣና እዩ።

ዝኽሪ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንድሕሪት እንዳጠመትና፡  ናይ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት፡ ጅግንነትን ተሳትፎን፡ ናይ ናጽነት ክብርን  ክብደትን፡ ብጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ክወርድ ዝጸንሐ በደላት እንዝርዝረሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንመጻኢ እንዳማዕደና “ኣብ መጻኢኸ እንታይ ንግበር?” ንዝብል ቀንዲ ቆላሕታ እንህበሉን ቃል እንኣትወሉን እዩ ክኸውን ዝግበኦ። ነቲ ሒዝናዮ ዝጸናሕና ቃልሲ ምሕያልን ምጽናዕን እንተዘይኮይኑ ሓድሽ ንጅምሮ ቃልሲ የብልናን። ናይ ቀረባን ቀዳማይን ዕማምና ንጉጅለ ህግዲፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምውጋድ እዩ። እቲ ድሒሩ ዝመጽእ ከኣ ልኡላውነት ኤርትራ ዓቂብካ፡ ኣብ መቓብር'ቲ ዝተወገደ ጉጅለ፡ ሕገ-መንግስታዊ፡ ህዝባዊ፡ ዲሞክራስያውን ብዙሕነታውን ስርዓት ምትካል እዩ። ነዚ ኣብ ምዕዋት እቲ ቀንዲ እጃም ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ሓላፍነት ኮይኑ፡ ብደረጃ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ሲቪላዊ ማሕበራት፡ ካለኦት ውዳበታትን ህዝባዊ ምልዕዓላትን ኣብ መስርዕ ናይ ለውጢ ቃልሲ ዘለና ኣካላት፡ ባህርን ተልእኮን ውዳበታትና ብዘፍቅደልና ብሓባር ክንሰርሕ ዘለና ድልዉነት ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ከነሕድሶ ይግበኣና። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ከኣ ከም ወትሩ፡ መጻኢና ትስፉው ክኸውን እናተመነየ፡ ነቲ ኣብ ምውጋድ ጉጅለ ህግዲፍ ቀንዲ መሳሪሕና ዝኾነ ሓድነት ሓይልታት ለውጢ፡ ንድሕሪት ብዘይምለስ ኣብ ምዕዋት ቃልሱ ኣሕይሉ ክቕጽሎ ምዃኑ ኣብዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ቃሉ የሕድስ።

24 ጉንበት መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ንዘለኣለም ትንበር!

ዘለኣለዊ ክብርን መጎስን ንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Saturday, 23 May 2020 09:03