Print this page

መንቀልን ሸቶን ቃልስና ንጹር’ዩ

2020-05-15 08:48:12 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2165 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሎሚ’ኳ መንቀልን ሸቶን  ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝተነጸረ፡ ኣብ እንታይነቱን ከመይነቱን ዝቐርብ ብዙሕ ሕቶ የለን። ቅድሚ 29 ዓመታት ኣብ እዋን ናጽነት ኤርትራን ውድቀት ደርግን ግና፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ፡ “ናይ ሽዑ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ፡ ናይ  ሎሚ ህግዲፍ መሰዋእትን ሕድርን ደቀይ ክሒዱ ክጠልመኒ እዩ”፡ ዝብል ስግኣት ስለ ዘይነበሮ፡ ነቶም ካብ መጀመርታኡ ካብ ተመኩሮ ብዘዋህለልዎ ኣፍልጦ፡ ተወዲቦም ዝቃወምዎ ዝነበሩ ኤርትራዊ ኣካላት፡ “ሎሚኸ ቃልሲ ተወዲኡ እንከሎ፡ እንታይ ደልዮም እዮም ደገደገ ዝብሉ ዘለዉ፡ ብመንግስቲ ዝተዋህቦም ምሕረት ተጠቒሞም፡ በብውልቆም  ተማእዚዞም ዓዶም ክኣትዉዶ ይጽውዑ ኣየለዉን?” ዝብል ሕቶ ይቐርቦም ነይሩ እዩ። ቀንዲ ዕማም ናይቶም ካብ  ሸዑ ጀሚሮም ኣንጻር ህግዲፍ ዝተሰለፉ ወገናት ግና “እተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቑለኣ እንከላ እፈልጣ” ከም ዝበሃል፡ እቲ ዝተታሕዘ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ንናጻን ሓዳስን ሃገረ-ኤርትራ ዘይምጥንን ንፍረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘየውሕስን ምዃኑ ስለ ዝተረድኡ ናይ ለውጢ ቃልሶም ቀጺሎም።

ኣብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ ቀንዲ ዕላማ ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ መንቀልን ሸቶን  ቃልሶም እንታይ ምንባሩ ምብራህ እዩ ነይሩ። ኣብቲ መስርሕ መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ምንጻር ዝሕግዙ ምዕባለታት ብክልተ ሸነኻት ክገሃዱ ክኢሎም። እቲ ሓደ ሸነኽ፡ እቲ ዘይሕለል ጽዕጹዕ ጐስጓስ ብዛዕባ ጸረ ህዝቢ ባህርያትን ኣተሓሳስባን ጉጅለ ኢሳያስ ናይ ምርዳእ ጻዕሪ ናይቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝቃለሱ ዝነበሩን ዘለዉን ኤርትራውያን ውዱባት ኣካላት ኮይኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ  ምምሕዳር ኢስያስ ኣፈወርቂ፡ ሓቢእዎ ዝኸይድ ዝነበረ ጸረ ህዝቢ ባርያቱ በብእዋኑ እንዳተቓልዐን እናተጋህደን ክመጽእ ክኢሉ። ብትእዛዝ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ማይ ሓባር መሰሎም ዝሓተቱ  ናይ ውግእ ሓርበኛታት ምስተረሸኑ፡ እቲ ተግባር ህዝቢ ዘሰንበደ፡ ዘቖጠዐን ንኣረሜንነት ኢሳይስ ዘቃልዐን ፍጻመ ነይሩ።

እዚ ናይ ክልቲኡ ኣቕጣጫታት ተረኽቦ ተደሚሩ ከኣ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ “ክሳብ ተኣምን ኪድ ካብ ዘይትኣምን ተመለስ፡ እዚ ሰብኣይ በዓል ደሓና ኣይኮነን” ዝብል ግንዛበ ሰሪጹን ኣስፋሕፊሑን። መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነትን ልኡላውነትን፡ ወጽዓን ጭቆናን ናይቲ ኣብ ናጽነት ክሕባእ ዝፈተነ ትዕቢተኛ ጉጅለ ምንባሩ ከኣ ብብሩህ ተራእዩ። ምስዚ ኩሉ ግና እቲ መንቀሊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ብሩህ ክነሱ፡ ህግዲፍ ነቲ ሓቂ ከይርእዩ ብትዕቢትን ትምክሕትን ዘዕወሮም “ርእዮም ከምዘይረኣዩ” ክኾኑ ዝፈተኑ ኣዝዮም ውሑዳት ኤርትራውያን ኣይነበሩን ሕጂውን የለዉን ማለት ኣይኮነን። እቲ ተመሊሱ ተስፋ ዝህብ ግና ካብዞም ተዓሽዮም “ወሰደየ ወዲ ኣፎም በዓል ስረ” ዝብሉ ዝነብሩ፡ ሎሚ ኣብ መስርዕ ተቓውሞ ተሰሊፎም ይቃለሱ ምህላዎም እዩ።

ቃልስና ንጹር መንቀሊ ካብ ሃለዎ፡ ዘዕውቶ ሸቶ ወይ መዓርፎ ክህልዎ ከኣ  ባህርያዊ እዩ። በዚ መሰረት ናይዚ መመሊሱ ዝጉህር ዘሎ፡ 2ይ ምዕራፍ ቃልስና ሸቶ፡ ናይ ጽባሕ ኤርትራ፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ምዕቃብ፡ ጉጅለ ህግደፍን ናይ ጭቆና ትካላቱን ምውጋድ፡ ድሕሪ ውድቀቱ ኣብዘሓ-ሰልፋዊ ስርዓት ምትካልን ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ ምርግጋጽ፡ መሰረታዊ መሰላትን ሓርነታትን ህዝቢ ምውሓስን ዝኣመሰሉን ዝርከብዎም ምዃኖም ብሩህ  እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ መሰረታዊ ዕላማኡ ነዚ ዝተጠቕሰ ኤርትራዊ ሽቶ ምውሓስ ምዃኑ ካብ ዘረጋግጹ ሰነዳቱ፡ ኣብ ራኢኡ፡ “ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ከም ኣካል ሃገራውን ዲሞክራስያውን ፖለቲካዊ ኤርትራዊ ሓይልታት ደምበ ደለይቲ ፍትሒ፡ ኣብ ቅድመ ግንባር ተሰሊፉ፡ ንምልክን ሰረታቱን ካብ ስሩ ኣልጊሱ፡ ኣብ ክንዳኡ፡ ንኹሉ ናጽነታት ህዝቢ ኤርትራ ዘውሓሰ፡ ንኤርትራዊ ሓድነትን  ልዑላውነትን  ዝከላኸልን ዝዕቅብን፡ ስሙርቲ፡ ብልጽግትን ቅዋማዊትን ሃገረ ኤርትራ ክሃንጽ ዝቃለስ ሰልፊ እዩ” ዝብል ምስፋሩ ከም ኣብነት ምጥቃሱ ይከኣል።

እቲ ኣብ መንጎ መንቀልን ሸቶን ናይ ቃልስና ዘሎ ርሕቀትን ዝበልዖ ግዜን እንተ  ክነውሕ ወይ ክሓጽር ዝውስን እቲ ንሕና ኣንጻር ምምሕዳር ኢሳያስ እነድመዖ እዩ። እዚ መስርሕዚ፡ በቲ ሓደ ወገን ንሕናን ህዝብናን ነቲ ኣራዊት ጉጅለ ንምንብርካኽ፡ በቲ ካልእ ከኣ እቲ ጉጅለ ንከይሰዓር ሓያል ምትሕንናቕ  ዝረኣየሉ እዩ። ኣብ መወዳእትኡ ግና ናይ ህዝቢ ተዓዋትነት ዘይተርፍ ስለ ዝኾነ ተሰዓርነት ህግዲፍ ውሁብ እዩ። እዚ ካብ መንቀሊ ቃልስና ክሳብ ምውሓስ ሸቶና ዝኽየድ ጉዕዞ፡ ሕልኽልኻት ዝመልኦ፡ ናይ ብዙሓት ተሳትፎ ዝሓትት፡ ናይቶም ናይ ሓባር ዕላማ ስለ ዘለዎም ብሓባር ክቃለሱ ዝግበኦም ኣካላት ስጥመት፡ ኮታ መትከል ፍልልያዊ ሓድነት ጐሊሑ ክረኣየሉ ዝግባእ መድረኽ ስለ ዝኾነ፡ ብዙሓት ተሻረኽቲ ኣካላት ዝፍተንሉ እዩ።

እቲ ንህዝብና ደም እንዳንበዐ፡ ካብ ንቡር ኣተሃላልዋ ወጺኡ፡ ነብሱ ሓቢኡ፡ ጭንጭራዓበደ ዝጻወት ዘሎ መራሒ ናይዚ ኤርትራዊ ጠላም ጉጅለ፡ እዚ ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ ንቀጻልነቱ ኣብ ስልጣን ዝውስን ስለ ዝኾነ፡ ንምብርዓኑ ኩሉ ዓቕሙን ንብረቱን ዘዋፍረሉ ምዃኑ ካብቲ ናይ ክሳብ ሕጂ ናይ ዓቕሊ ጽበትን ምህዳም ካብ ሓቅን ተግባራቱ ምግንዛብ ይከኣል። ነዚ ድሌቱ ንከዕውት ክኣስር፡ ክስውር፡ ክቐትል፡ ኩሉ መሰላት ክነፍግ፡ ምናልባት እውን ነቲ ዋጋ መስዋእቲ ብዙሓት ዝኾነ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ንድሕሪት ከምዘይበል ካብቲ ክትኣምኖ ዘጸግም መደረታቱ ተረዲእናዮ ኣለና። እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዘርእዮ ዘሎ ኩለመዳያዊ ንዕቀት ከኣ ኮነ ኢሉ ሃንዲሱ ዝስረሓሉ ዘሎ እዩ።

ድሕሪ ሕጂ እዚ ንዛረበሉ ዘለና ጸረ ህዝቢ ጉጅለ፡ ብናቱ ብርታዐን ተሰማዕነትን ዝሓሰቦ ከተግብር  ዘለዎ ዕድል ኣዝዩ ዝጸበበ ምዃኑ፡ ኣይኮነንዶ ንዓና ንዓኡ እውን ንጹር እዩ። ኣብ ክንዲ ነዚ ውድቀቱ ተቐቢሉ ሞቱ ዝጽበ፡ መቐጸሊ ዕድመ ንምርካብ ዳምዳም ካብ ምባል ዓዲ ከምዘይዕል ግና ርዱእ እዩ። ካብቲ ኣብ ስልጣን ንከቐጽሎ ተስፋ ኣንቢሩ ዝሰርሓሉ ዘሎ ምርጫታት ሓደ ከኣ፡ ናትና ናይቶም ንለውጢ ንቃለስ ዘለና ኤርትራዊ ሓይልታት ድኽመትን ብሓብር ክንቃለሶ ዘይምብቃዕን ምምዝማዝን ኣብ ክንዲ ምቅርራብና ምርሕሓቕና ንክሰፍሕ ምጽዓትን እዩ።

ስለዚ ቀንዲ ህልዊ ጸገምና፡ ካበይ ነቒልካ ኣበየናይ ሽቶ ከም እትበጽ ዘይምርዳእ ዘይኮነ፡ በቲ ናብ ዓወት የብጸሓኒ ዝበልካዮ ናይ ለውጢ ጐደና፡ በቲ ዝድለ ፍጥነትን ስጥመትን ብቐጻሊ ክትስጉም ዘይምብቃዕ እዩ። እዚ ድኹም ጐድኒዚ ከኣ ተስፋ ኣቑሪጹ ካብ ቃልሲ ዘብኩረና ወይ ከኣ ካልእ እቲ ወጻዒ ጉጅለ ዝምዝምዞ ኣቋራጭ መንገዲ ክንሕዝ ዘገድደና ዘይኮነ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ከነዕርዮ ዝግበና እዩ። ንቃልስና መሪር ዝገብሮ ከኣ ከምዚኦም ዝኣመሰሉ፡ ካልእ መተካእታ ዘይብሎም ብደሆታት ናይ ምስጋር ህልኽን ጽንዓትን ዘጠቓልል ብምዃኑ እዩ።

Last modified on Friday, 15 May 2020 10:54