Print this page

ሸታሕታሕ ኢሳያስ

2020-02-09 09:20:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2182 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቂ ንነዊሕ ግዜ ካብተን ናቱ መራኸቢ ብዙሃን እውን ርሒቑ ምስ ጸንሐ ብ7 ለካቲት 2020 ንኣስታት 2 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ዝኸውን ግዜ፡ ነቶም ልሙዳት ጋዜጠኛታቱ ሱሌማን ዑስማን ዓበን ጳውሎስ ነታባይን ኣብ ቅድሚኡ ኮፍ ኣቢሉ ከሕተት ኣምስዩ። ኩልና ከም እንፈልጦ ቃለ- መጣይቕ ክበሃል እንከሎ ሱሌማንን ጳውሎስን፡ መልእኽቲ ምብጻሕ ከበሃል እንከሎ ድማ ዑስማን ሳልሕን የማነ ገብርኣብን ቀወምቲ ተሰለፍቲ ኢስያስ እዮም።

እቲ ነዚ ናይ ትማሊ ቃለ-መጠይቕ ኢሳያስ ኣዝዩ ፍሉይ ዝገብሮ፡ ብዘይተለምደ ኣገባብ፡ ዘቤታዊ ጉዳይ ገዲፉ ብናይ እንዳማቱ ብፍላይ ከኣ ብናይ ኢትዮጵያ ኩነታት ምጅማሩ እዩ። ኣብ ቆጸራኡ ክጸንዕ ድዩ ኣይጸንዕን እንድዒ እምበር “ዳሕራይ ክንመጾ ንኸውን ኢና” ብዝብል፣   ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ዘድህብ ቃለ-መጠይቕ ክገብር ቆጸራ ሒዙ ኣሎ። ኢሳያስ ኣብዚ ናይ ትማሊ ዘረባኡ፡ ካብቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘሎ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ንላዕሊ መራሒ ኢትዮጵያ ኮይኑ ከም ዝቐረበ ኩልና ብምግራም ተዓዚብናዮ ኢና። እዚ ከኣ ነቲ ከወጥሞን ከቐልቅሎን ዝጸንሐ ሸታሕታሕ ኣብ ሉኡላውነት ኤርትራ መሊሱ ዘራጉዶ እዩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ኤርትራውያን “ናይ ካለኦትከ እንታይ ገደሶ ቅድም ናቱ ዘይገብር” ከም ዝብልዎ ርዱእ እዩ።  ብሓፈሻ ክረአ እንከሎ ከምቲ ብዙሓት ተዓዘብቲ ክመዝንዎ ዝጸንሑ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ክተዓራረኽ እንከሎ ዝወጥኖ ውዲታት ከምቲ ዝተጸበዮ ከም ዘይኮነሉ እዩ ብእንጽርጽሮት ዝገዓረ።

ጉዳይ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝጠቐሶ ዘይዕቱብን ተገላባጥን እዩ። እቲ ጥንቂ ናይ ዘይምዕዋቱ ናቱ ንኤርትራዊ ዛዕባ ጠንጢንካ ናብ ጉዳይ ዓባይ ኢትዮጵያ ምድላው ክነሱ፡ ነቲ ብቃላት ክጻወት እንከሎ “ዝነደየ ጃንዳ” ዝብል ሓድሽ ስም ዘጠመቖ፡ ኣብ ጉዳዩ ዘሎ ህወሓት ከላግበሉ ሰሚዕና። ብቐደሙኸ ኢሳያስ ምስታ ብቐረባ ምስ ኤርትራ እትዳወብ ኣካል ኢትዮጵያ ዝኾነት ክልል ትግራይ ዘለዎ ዝኸሓነ ጽልኢ መመሊሱ እንዳጻሕተረን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ካለኦት ኢዱ እንዳእተወን ጸወታ ተወዲኡ፡ (game is over) ብዝብል እንዳሽካዕለለ፡ ዶብ ተመልኪቱ ንኤርትራ ዝምልከት ንኤርትራ፡ ንኢትዮጵያ ዝምልከት ከኣ ንኢትዮጵያ ክወሃብ ይሓስብ ነይሩ ማለት ድዩ። ኣብቲ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሮ ቃለ-መጠይቕ ኣብ ቅድሚ እቶም ትማሊ ምስኡ ዝነበሩ ጋዜጠኛታት፡ “ድሕሪ ሕጂ ጉዳይ ዶብ ምስ ኢትዮጵያ ዘልዕሉ፡ ነቲ ኣብ መንጎ ክልቴን ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ሰላም ክስምሙ  ወይ ክምርዙ ዝደልዩ እዮም” ከም ዝበለኸ ረሲዕዎ ማለት ድዩ። እዚ ከኣ ከምቲ “ባዕላ ሰቒላቶ ርሓቐ፡ ባዕላ ሰንኪታቶ በሓቘ” ዝበሃል እዩ። ስለዚ ሕጂ እውን ጉዳይ ዶብ ንከይውዳእ እቲ ናይ ኢሳያስ ጉዳይካ ከይወገንካ ብህርፍን ዓብይ ግዝኣት ተሰሊብካ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጠብሎቕሎቕ ምባል ካብቲ ጠንቅታት ሓደ እዩ።

እቲ ኣዝዩ ዘገርም ኣብዚ ንኢትዮጵያ ኣብ ዝምልከት ዳርጋ 1 ሰዓትን 20 ደቓይቕን ኮለል ዝበለሉ ዘረባኡ፡ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዋላ ንባድመ ዝምልከት ገዲፍና ክንግደሰሉ ኢና ኢሉ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ከም ታራ ጉዳይ ጐረቤት ዘይኮነ፡ ከም ቀንዲ ጉዳዩ ክንሰርሓሉ ከም ዝጸንሐን ከም ዝቕጽሎን ገሊጹ። እዚ ከኣ ኣብ ኤርትራ ራህዋ ዝመጽእ፡ ኣብ ኤርትራ ብዝስራሕ ዘይኮነስ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝረአ ውጽኢት እዩ ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ኢሳያስ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተራእየ ለውጢ ዕረያ ብዝብል ስም ኣመላኺዑ ገሊጹ፡ ከምቲ ትጽቢት ዝገበረሉ ከምዘይተዓወተ፡ ዝያዳ በዓል ጉዳይ ኮይኑ ሻቕሎቱ ገሊጹ። ኢሳያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነስ ኣዝዩ ጠሊቑ፡ ኣብቲ ኣብ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ፍልልያት ፈጢሩ ዘሎ እዋናዊ ዛዕባኦም ኣትዩ፡ ሰልፉ ምስቲ ዘይምእኩል ምምሕዳር ፈደራሊዝም ዘይድግፍ ሓይሊ ምዃኑ ኣንጸባሪቑ።

እቲ ዝያዳ ዘገርም ኢሳያስ ኣብቲ ዝያዳ 20 ዓመት ዝተሰርሓሉን ምርኡይ ኣውንታ ዘመዝገበን ሎሚ ከኣ ይመሓይሽዶ ይሰረዝ ዘዛርብ ዘሎ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ርኢቶ ክህብ ተሓቲቱ ከም ዝነበረን ርኢቶኡ ምስ ሃበ ሓሳቡ ከም ዝተነጽገን ክገልጽ ሰሚዕናዮም። እቶም ሽዑ ርኢቶ ክህብ ዝዓደምዎ ሓቆም ሰብ መሲልዎም። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና ወዮ ሃገር ብዘይሕገ-መንግስትን መንግስታዊ ትካላትን ብጉልበት  እንዳገዘአስ ብዛዕባ እንታይነት ናይ ኢትዮጵያ ሕገመንግስቲ ከመጻረ እንከሎ ክሳብ ክንደይ ዘይሓፍር ደረቐኛ ወይ ጉዳያት ምግንዛብ ዝጸገሞ ዓዋን ምዃኑ ዘመልክት እዩ።

እዚ ኣንጽርጽሮት ዝተሓወሶ ዘረባ ኢሳያስ፡ ካብ ዘመሓላለፎ መልእኽታት፡ እቲ ጐሊሑ ዝርአ፡ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ተመሳጢሩ፡ ንኢትዮጵያ እቲ ሒዛቶ ዘላ ምስ ኩነታት ኤርትራ ክወዳደር እንከሎ ኣዝዩ ዝሓሸ ዲሞክራስያዊ ኣንፈት ንድሕሪት ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ማእዘኑ ኣጥፊኡ ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ ሰብ ዝወደቐ ምምሕዳር ናይ ምምላስ ሕልሙ ከም ዘይተዓወተ ዘመልክት እዩ። ኣብ ዘይዓቕሙ ነዚ ብዙሓት ዋናታት ዘለዉዎ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣፍሪሱ ክሰርሕ ኣብ ቅድሚ ዝለኣኽዎ ጐይተቱ እንታይ ከም ዘመኽኒ ከም ዝጠፈኦ እውን ምርዳእ ይከኣል። ብፍላይ ከኣ ነቲ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዝፈርሖ ናይ ዲሞክራሲ ሓደ መርኣያ ዝኾነ “ምርጫ” ክሳብ ክንደይ ትርጉም ከስእኖ ከም ዝፈተነ  ተዓዚብናዮ።

እቲ ካልእ ኢሳይስ ዘንጸባረቖ ብውገን ኢትዮጵያ ኮነ ብሱዳን ይምዕብል ብዘሎ ለውጥታት ተኸቢቡ ዓቕሉ ጸቢብዎ ከም ዘሎን፡ እቲ ለውጥታት፡ ናብ ኤርትራ ከይለሓመ ኣብ ዘዘለዎ ክቕህመሉ ዝነበሮ ሕልሚ  የብርዕን ከም ዘሎን ከም ዝሰንበዶን እዩ። ብዓይኒ ኢሳያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኮነ ኣብ ሱዳን ዓወት ተመዝጊቡ ኢሉ ዝኣምን ናብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጽልሙት ኩነታት እንተ ተመሊሱ እዩ። ምናልባት እውን ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመት ንሱ ትርጉም ከም ዘየብሉ ረሲእ ተሰጊሩ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንበይኑ ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ምርካቡን ብሓደ ሓደ ናይ ወጻኢ ትካላት ንኣብነት ባንኪ ዓለም፡ ንኣብይ ይንእድዎ ምህላዎም ሕማም መርዘን ከም ዝኾኖ ኢሳያስ ኣመልኪቱ እዩ። ደጋጊሙ ንናይ ግዳም ሓይልታት ዝራገም ዝነበረ ከኣ ነዚ ዘመላኽት እዩ። እንተ ብዛዕባ ተለኣኣኽነት ኮይኑ ኣብዚ ከባቢና ዋጋ ዳኣ ኣየውጽአን እንበር፣   ክንድኡ ጉዳዩ ገዲፉ ልኣኹኒ በሃሊ መራሒ የለን።

ኣብቲ ንኢጋድ ኮነ፡ ነቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተመስረተ ማሕበር ሃገራት ገማግም ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤልመንደብን ዘቆናጸበሉ ሓሳቡ ከኣ፡ ሓንቲ እትገርም ሓረግ ጠቒሱ። “ንሕና ሓሳብ ነቕርብ ካብ ናትና ዝሓሸ ሓሳብ ንዘቕርቡ ድማ ንሰምዕ” እትብል። ሰማይ ንሃገርኩም ኢሳያስ ዝሰምዕ እዚኒ ኣለዎ ማለት ድዩ። ዝሰምዕ እንተዝኸውን ደኣ ቅድሚ ኩሉዶ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይመሰመዖን። ምዃንኳ ጉዳይ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳምነቱ ከም ዘይኮነ ሎምስ መመሊሱ በሪሁ እዩ።

Last modified on Sunday, 09 February 2020 10:25