Print this page

ካብ ተመኩሮና እንተዘይተማሂርና!

2020-01-10 09:48:51 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2045 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና፡ ሓጐጽጐጽ ዘይተፈልዮ፡ ነዊሕ ዝተጓዕዘ፡ ብኣዝዩ ዝተሓላለኸ ስርሒታት ዝሓለፈ፡ ናይ ኣእላፍ ንጹሃት ዜጋታት ደም ዝፈሰሶን ኣዕጽምቲ ዝተኸስከሶን፡ በዓል ሃብታም ተመኩሮ ምዃኑ ኣይኮነንዶ ንዓና ንዋናታቱ፡ ናይዚ ከባቢና ፖለቲካዊ መስርሕ ብዝከታተሉ ክኢላታት’ውን ዝተመስከረሉ እዩ። ተመኩሮና ኣውንታን ኣሉታን ዝሓቖፈ በብግዜኡ ናይ ብዙሓት ወገናት ተሳትፎ ዘተኣናገደ ረቂቕ ሰንሰለታዊ ኮይኑ፡ ሕጂ እውን ቀጻሊ ዘሎ ፍጻመ እዩ። ተመኩሮና ናትና ናይ ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣእዳው ብዙሓት ነናቶም ሕሳባት ዝነበሮም ወገናት ክኣትዎ ዝጸንሐ እዩ።

ናይ ዝኾነት ሃገር ተመኩሮ፡ ናይ ግዳም ኢድ ዘየብሉ ገዛ ዓጺኻ ዝስራሕ ከምዘይኮነ’ኳ ንርዳእ እንተኾነ፡ ናትና ግና ብሰንኪ ኣብ ኣዝዩ ተበሃጊ ኩርናዕ ዓለም እንርከብ ምዃና፡ እቶም ኣብ ጉዳይና ውጥም ቅልቅል ዝበሉ ሰብ ሓያል ህርፋንን ነዊሕ ኣባትርን እዮም። ብሰንኪ እዚ እዩ ከኣ ኣብ ብዙሕ ዞባውን ዓለማውን ታሪኻዊ ኣጋጣምታትን መድረኻትን ጉዳይ ሃገርና ብምርጫን ስምዒትን ህዝብና ዘይኮነ፡ ብረብሓ ናይ ደገ ሓይልታት ክውገን ዝጸንሐ። እዚ ናይ ግዳም ህርፋን ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘስፋሕፍሓሉ ምቹእ ባይታ ክረክብ እንከሎ ክሳብ ክንዳይ ጐዳኢ ከም ዝኸውን ከኣ እቲ ሃብታም ዝበልናዮ ተመኩሮና የረደኣና። እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ከኣ፡ ሎሚ እውን ንዝሓለፈ ተመኩሮና ብጌጋ ካብ ዝቓኒ ሓደጋ ናጻ ዘይወጻእና ምዃና እዩ።

“ካብ ተመኩሮና ንመሃር” ክንብል እንከለና፡ ነቲ ኣውንታ ምስ ህልዊ ኩነታት ብዝሰማማዕ ኣገባብ ነማዕብሎ፡ ነቲ ኣሉታዊ ጐኑ ድማ ኣይንድገሞ ማለትና እምበር፡ ነቲ ሓንሳብ ምስተፈጸመ ዘይምለስ ኣሉታ ንድሕሪት እንዳጠመትና ብኣኡ ንቘዝም ማለት ኣይኮነን። ንኣሉታዊ ተመኩሮ ካብኡ ተማሂርና እንተዘይደጊምናዮ፡ ከምቲ “ገ እንዳበሉኻዶ ትጋገ” ዝበሃል፡ እሙን መምህርና እዩ። ንዓኡ ነቲ ኣሉታዊ ተመኩሮ ከም ዘለዎ እንተደጋጊምናዮ ግና ካብ ብርሃን ንጸልማት ካብ ምምራጽ ፈሊኻ ዝረአ ኣይከውንን እዩ።

ተመኩሮና ብዓበይትን ናእሽቱን ፍጻመታት ዝተቐመረ እዩ። ኣብቲ ካብ ተመኩሮ እንመሃረሉ መስርሕ እምበኣር፡ ቀንዲ ቆላሕታ ክንህቦም ዝግበኣና፡ ናቶም ጽልዋ ዘለዎም ዓበይትን ዛዕባታት ክኾኑ ይግበኦም። ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ፡ ምሕላው ልኡላውነት ሃገር፡ ምርግጋጽ ብዙሕነታዊ ሓድነት፡ ምንጻር ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ዛዕባታትን መጻኢ መንገድኻ ብኣኡ መሰረት ምጽራግን … ወዘተ ካብ ተመኩሮና ክንመሃር እንከለና፡ ዝያዳ ከነድህበሎም ዝግበኣና ኣዕኑድ እዮም። ብመንጽር እዞም ዝተጠቕሱ ገዘፍቲ ሃገራዊ ዛዕባታት፡ ተመኩሮና ክንመዝን እንከለና፡ ጌና ዘተኣማምን ንድሕሪት ዘይምለስ መልክዕ ዘየትሓዝናዮም ጉዳያት ንረክብ ኢና። እዚ ከኣ ብዘተኣማምን ደረጃ ከይንውግኖም ዝዓንቀፉና ሕጽረታት ከም ዘለዉና ዘመልክት እዩ። ካብ ተመኩሮና ንምሃር ማለት ከኣ ነዞም ሕጽረታት ክትኣሊ፡ ኩሉ ዋጋ ክትከፍል ድልዊ ምዃን ማለት እዩ። እዚ  ቅሩብነት እንተልዩን ቅድሚ ኣጻብዕትኻ ናብ ካለኦት ምምልካት ብዛዕባኻ ክትሓስብ ቅሩብነት እንተልዩ ዘይከኣል ዘይኮነስ፡ እኳ ደኣ ቀሊል እዩ።

ካብ ተመኩሮና ዘይምምሃር ሳዕቤኑ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ናይ ሰንፈላል ኩነታት ምንባር ጥራይ ኣይኮነን። ምናልባት እውን ጠቕሊልና ካብ ፖለቲካዊ መስርሕ ሃገርና ክንወጽእ ንኽእል። ናትና ካብቲ ውራይና ዝሕንብሰሉ ፖለቲካዊ መስርሕ ምውጻእ ከኣ ሳዕቤኑ ኣብ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛን “እንጉይ ዝብኢ ብላዕን” ከም ዘስዕብ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ካብ ተመኩሮና ንመሃር ማለት ካብዝን ካልእ ከጋጥም ዝኽእል ሓደጋን ምድሓን ማለት እዩ። ሎሚ ንሕና እቶም መሰረታዊ ለውጢ ከነምጽእ ንሃልኽ  ዘለና ኤርትራውያን እንተዘይተዓዊትና፡ እቶም ንረብሓኦም ክብሉ ህዝብን ሃገርን ዝውሕጡ ናይ ቀረባን ርሑቕን ኣዛብእ ካብ ደገ ዝመጹ ጥራይ ዘይኮኑ፡ ኣብ ማእከል ሃገርና እውን ይንቅዉ ምህላዎም  ነቲ ሓደጋ መሊሱ የግድዶ። ሎሚ ክንዲ ኢሳያስን ኮራኩሩን ዝኣኽሉ ጉልባቦም ዝቐልዑ ኣዛብእ ኣቐሚጥና፡  ንድሕሪት ተመሊስና፡ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ታሪኽና ዝተጋገዩ  ብምርጋም፡  ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምምዕዳው ናይ ዝሓለፈ ታሪኽ እሱራት ኣብ እንኾነሉ ኩነታት ኣይኮናን ዘለና።

ከምቲ ካብ ተመኩሮና ክንመሃር እንከለና፡ ኣብ ፍሩያትን ጸለውትን ዛዕባታት ዝያዳ ነቕልብ ዝበልናዮ፡ እስኪ ከም ናይ ለውጢ ሓይልታት ብዛዕባቲ ወሳንነት “ፍልልያትካ ኣመሓዲርካ፡ ኣብቲ ዘሰማምዓካ ዛዕባታት፡ ኩልኻ ኣብ ዝተሰማማዕካሉ መእከቢ መድረኽ ብሓባር መስራሕ ህዝብን ሃገርን ኣብ ምድሓን መተካእታ የብሉን” ዝብል ነቕልብ። ብዛዕባኡ ትንፍስና ውሒጥና ንሕሰብ። በቲ ጀሚርናዮ ዘለና ምቅርራባት ትስፉዋት ንኹን። “ይከኣል” ዕጥቅና ይኹን። ነዚ ክንበቅዕ እንተዘይክኢልና ግና ካብ ኣሉታዊ ተመኩሮና ከምዘይተመሃርና ንተኣመን። ምኽንያቱ በበይንኻ ምውፋር ፋይዳ ከም ዘይብሉ፡ ናይ 40ታት፡ 50ታት፡ 60ታትን 70ታትን ዘይኮነ፡ ናይዚ ዘለናዮ እዋን ተመኩሮና ኣርእዩና እዩ። ኣብ ክንዲ ካብኡ ተማሂርካ ናይ ሓባር መንገዲ ዓወት ምቕያስ፡ በቲ ዓዲ ዘየእቱ መንገዲ በበይንኻ ምውፋር እንተቐጺልና ግና፡ ክሳብ ክንደይ ዕድመ ምልኪ ነናውሕ ከም ዘለና ካልእ ተዓዛቢ ክነግረና ክንጽበየሉ ኣይኮነን።

በዓል ኢሳያስ ዘተባብዕዎም ከም በዓል ኢትዮጵያዊ ታምራት ነገራ ዝኣመሰሉ ኣዛብእ ኣብ ቅድሜና እንዳነቀዉን ክውሕጡና እንዳንበሃቑን ደቂስና ንሓድር እንተሊና የለናን ማለት እዩ። ሎሚ ኣበይን ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ፖለቲካዊ ውደባን ንሃሉ ብዘየገድስ፡ ኩልና ሰብ ሕድሪ ስዉኣት ኤርትራውያን ብግብሪ መዋጸኦ ክንረኽበሉ ኣብ ዝግበኣና ወሳኒ እዋን እምበር፡ ርእስኻ እንዳሓኸኽካ “እዚ ሰብኣይዚ እንከሎ ሰላምን መሰልን የለን” እናበልካ ኣብ እተዕረምርመሉ እዋን ኣይኮናን ዘለና። እቲ ሎምስ ስሙ ክትጽወዖ እውን ዝኩርኩሕን ዘስገድግድን ነውራም ሰብኣይ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ጉዳዩ ከም ዘይኮነ፡ ካብ ዝነገረና ነዊሕ ኮይኑ እዩ። ናብ ኢትዮጵያ እንተገሸ፡ ኣባል ማሕበር ሃገራት ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ባብኤል መንደብን እንተኾነን ንኻልእ ጉዳይ ፈቐድኡ እንተገሸን ሸቶኡ ሓንቲ እያ። ንሳ ድማ ዕድመ ልክዕ ኣብ ስልጣን ምቕጻል።  

Last modified on Friday, 10 January 2020 10:52