Print this page

ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻት

2019-11-18 09:37:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2307 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ሕጂ ዘለዎ ዘይቅሱን ኩነታት ንክበጽሕ ብዝተፈላለዩ ምዕራፋትን ውረድ ደይብን እዩ ሓሊፉ። እቶም ዝሓለፎም ምዕራፋት ኩሎም ናይ ቃልስን ብደሆን ኮይኖም፡ ከከም ኣመጻጽእኦም ክምክቶምን ክስዕሮምን እዩ ጸኒሑን ዘሎን። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ቃልሲ ዘጋጠምዎ ገዛእትን ጨቆንትን ከኣ፡ ንኤርትራን ህዝባን ኣንበርኪኽካ ናይ ተፈጥሮኣዊ ጸጋታታን እስትራተጅያዊ ሰሓብነታን ተጠቃሚ ክትከውን ምድላይ ከም መሰረታዊ ጉዳይ ወሲዶም ኩሉ ዝከኣሎም ሰሪሖም እዮም። እንተኾነ ናይ ዋላ ሓደ ካብኣቶም ተኸታተልቲ ገዛእቲ መደብ ተዓዊቱ ንኤርትራ ከምቲ ዝደለዮ ኣራጢጡ ዝገዘኣ የለን።

ገዛእቲ፡ መግዛእታዊ ሕልሞም ንምዕዋት፡ ነቲ መግዛእቲ ዘይቅበል ህዝቢ ንምንብርካኽ ዝተጠቕምዎ  ቁጠባዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራውን ጽላታት ጥራይ ዘይኮነ ረቀቕቲ ናይቲ ህዝቢ ልምዲ፡ ሕግን ባህልን ዝብርዙ ውዲታትን ፍሕሶታትን እውን ተጠቒሞም እዮም። ኣብ ሓደ እዋን ኤርትራዊ ናይ ስራሕ ቋንቋታት ትግርኛን ዓረብን ኣብ ሕጋውን ትምህርታውን መዳያት ከም ዝሃስሱ ዝተገብረ ዘይዕዉት ሃቐነ ናይዚ ኣብነት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ መግዛእቲ ዘየናሕስን መንነቱ ዘጥፍእን ምዃኑ ኣደልዲሉ ምስ ተረደ፡ ካብዚ ዕንወትን ብርሰትን ንምድሓን ዝመረጾ መተካእታ ዘየብሉ መዋጸኦ በቲ ዝበለሐ ኣገባብ ምቅላስ ጥራይ ነይሩ። ናይቲ ከም መቐጻለታ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዘይጐነጻውን ፖለቲካውን ቃልሲ ብ1961 ብረታዊ ቃልሲ ምጅማር ከኣ ምስጢሩ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናብዚ ከቢድ፡ ግና ቀያሪ ቅዲ ቃልሲ ክነቅል እንከሎ፡ ኣብቲ መስርሕ ዝኽፈል ዋጋ ከቢድ፡ ዝወስዶ ግዜ ከኣ ነዊሕ ምንባሩ ስሒትዎ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ነቲ ነዊሕ ግዜን ከቢድ ዋጋን ስኑ ነኺሱ ከፊልዎስ ንዋጋኡ መስዋእቱ ዝምጥን ዓወት ናጽነት  ጨቢጡ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ንመስዋእቲ ጀጋኑና ኣብ መዓላኡ ዝወዓለ ሰማእትነት እዩ እንብሎን ነዚ መስዋእትነት ንዘራኽሱ እንኹንን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ነዊሕን መሪርን ጉዕዞ ቃልሲ ናብ ናጽነት፡ ንዓኡ ጥራይ ዘይኮነ ንኻለኦት ምእንቲ መሰሎም ክቃለሱ ዝግበኦም ኣህዛብ ኣብነት ዝኸውን ግዜ ዘይስዕሮ ናይ ጽንዓትን ትብዓትን ተመኩሮ ኣመዝጊቡ እዩ። ብድምር ከኣ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዘመስክስረ ጽኑዕ ህዝቢ” ዝብል ኣኽሊል ጽንዓት ደፊኡ። ኣብዚ ምዕራፍ ቃልሲ’ዚ ህዝቢ ኤርትራ ንብዝሒ ሰራዊትን ዘመናዊ ዕጥቅን ዓበይትን ሓያላትን ኢና ንዝብሉ መንግስታት ከይተረፈ፡ ብጽንዓትን ትብዓትን ብምስዓሩ ስሙ ኣብ ዓለም-ለኻዊ መድረኽ ከይተረፈ ገኒኑን በሪኹን ሰፊሩ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይረአ ግና ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኩሉ ጅግንነት ክፍጽም እንከሎ፡ “ጽባሕ ድሕሪ ናጽነትከ እንታይን ከመይን ክንገብር ኢና?” ዝብል ተረድኦኡ ምስቲ ናይ ብረታዊ ቃልሲ ብቕዓቱ ይመጣጠን ከምዘይነበረን ሕጂ ዋጋ የኽፍሎ ከም ዘሎን ኣብ ግምት ክኣቱ ዝግበኦ እዩ።

ደራሲ መጽሓፍ ሃገረይ ኤርትራ፡ ካብ 2000 ክሳብ 2012 ሚኒስተር ፋይናንስ ኤርትራ ዝነበረ፡ ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኪዳነ ውሉደ-ኳንድባ፡ ኣብ መጽሓፎም፡ “ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ፡ ናጽነት ኤርትራ ንከምጽእ ክቃለስን ክስዋእን ዝብል እንተዘይኮይኑ፡ ብዛዕባ ድሕሪ ምምጻእ ናጽነትና ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት እንታይ ክግበር ከም ዝኾነ ብንጹርን ብዕምቆትን ፈሊጡ ዝቃለስ ተጋዳላይ ህግሓኤ ዳርጋ ኣይነበረን እንተተባህለ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ኣበሃህላ ኣይኮነን” ብዝብል ኣስፊረምዎ ኣለዉ።

ብኣንጻርዚ ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ውፉይ፡ ተባዕን ኩለ-መዳያዊ ተሳታፍን ክኸውን፡ ድሕሪ ናጽነት ግና ፈራሕ፡ ምእዙዝን ከም ድላዩ ዝዕንድረሉን ግኡዝን ንክኸውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ  ኣድብዩ ተንኮላት ይምህዝ ከም ዝነበረ ንምግላጽ፡ እዞም ኣቐዲምና ስሞም ዝጠቐስናዮ ሎሚ ሃለዋቶም ዘይፍለጥ ተባዕ ደራሲ፡ “ድሕሪ ናጽነት ፍረ ናጽነት ኤርትራ ምእንቲ መሊኡ ከይምቅር፡ ኣቶ ኢሳይያስ ከም ኣመሉ ንናይ ሰራዊት ይኹን ናይ ሲቪል ላዕለዎት ሓለፍቲ እናመቓቐለ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ክኽእል እሞ ንኤርትራ ብዘየዳግም ንከዳኽማ ዘኽእሎ ዕድል ክረክብ ሃቂኑ” ዝብል ብሱል ትዕዝብቶም ኣስፊሮም ኣለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስቲ ናጽነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ዘርኣዮ ንድሕሪት ዘይብል ተሳትፎን ተወዳዳሪ ዘይነበሮ ትብዓትን ፍቕሪ ሃገርን ክርእአ እንከሎ፡ ኣብ ድሕሪ ናጽነትና ግና ነኪዩ ኣሎ። ነክዩ ክንብል እንከለና  ነቲ ምእንታኡ ዝተቓለሰሉ፡ መሰረታዊ ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ሕገመንግሳታዊ ስርዓትን ማዕረ ተጠቃምነት ጸጋታት ሃገርን ኣዋዲቕዎ ማለትና ዘይኮነ፡ በቲ ብግቡእ ተወጢኑ ብህግዲፍ ዝስረሓሉ ዘሎ ህዝቢ ናይ ምድንዛዝን ምክፍፋልን ውዲት ተሃስዩን ክልተሻዕ ተራእዩን ንምባል ዝኣክል እዩ። ኣቶ ብርሃነ ኣብርሀ ኣብዚ መዳይዚ’ውን “ሓቂ ስለ ዝኾነ ብዘይቃለ-ዓለምን ብጋህድን ክብሎ፡ ህዝብና ብሓፈሻኡ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ዘለዎ ንቕሓት ትሑት ኮይኑ ረኺበዮ” ይብሉ። ምስዚ ኩሉ ግና ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብኢሳይያስ ዝመሃዝ ዘሎ ልኡላውነት ናይ ምሕሻሽ ውዲታት ከምዘይዕወት ንምብራህ እዞም ዝጠቐስናዮም ተባዕ ደራሲ “ታሪኽ ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ናይ ኢሳይያስ ዓይነት ሕሱራት ጸወታታት ንኽዕወቱ ዲልን ዕድልን ኣይህብን እዩ” ብዝብል ናይ ህዝቢ ኤርትራ ዘይዕጸፍ ጽንዓትን ዘይተርፍ ዓወትን ንምግላጽ ኣስፊረምዎ ኣለዉ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር መግዛእቲ ዝተቓለሰ፡ ኣንጻርቲ “መግዛእቲ” ዝብል ሓፈሻዊ ቃል ዘይኮነ፡ ኣንጻር ኩሉ እቲ ገዛኢ መንዩ ብዘየገድስ ምስኡ ተሓዚሉ ዝመጽእ ጥልመታትን ግህሰታትን እዩ። ወረ ህዝቢ ኤርትራስ ካብ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝወርዶ ዝነበረ እቲ ካብ ባዕዲ ዝተጸበዮ እዩ። ከምቲ “ሓወይ ዝብል ኣይውቃዕካ” ዝበሃል ደኣ፡ ብመስዋእቱ ኣብ ዘውሓሳ ሃገር፡ እሞ ኣብቲ ቃልሲ “ናትካ ኢና” እንዳበሉ እቲ ግናዮም ሓቢኦም ብልኡም ቃላት ክሽህጥዎ ብዝጸንሑ ወገናት፡ ካብ ናይ ግዜ ባዕዳውያን ገዛእቲ ብዝገደደ ጭቆና ክወርዶ እንከሎ ግና ዝያዳ ከምዘጉህዮን ከም ዝመሮን ፍሉጥ እዩ። መፍትሒኡ ከኣ ከምቲ ንናጽነት ዝኸፈሎ ዋጋ፡  ትስፉውን ጽኑዕን  ኮይንካ ምቅላስ ጥራይ እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቶም ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኤርትራ “ዝከኣል ዘይመስል ዝነበረ ከም ዝከኣል ዘመስከረ ጽኑዕ ህዝቢ” ኢሎም ዝነኣድዎ፡ ተመሊሶም  “ህዝቢ ኤርትራ ሎምስ ክልተሳብ ተራእዩ” ኢሎም ክሓምይዎ እዮም።

Last modified on Monday, 18 November 2019 10:42