Print this page

ኤርትራ፡ ሰላም ዝሓረማ ሃገር!

2019-09-23 07:12:49 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2461 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓደ ጉዳይ ኣብቲ እዋኑ ከተልዕሎ እንከለኻ ኣገዳስነት ኣለዎ። ካብዚ ነቒልና ኢና ድማ ኣብ ቅነ  ዓለም-ለኻዊ  መዓልቲ ሰላም፡ ብዛዕባ ሰላም ኣብ ኤርትራ ክንድህስስ ዝመረጽና። ሰላም ከም ባሕሪ ኣዝዩ ሰፊሕ ኣምር እዩ። ኣገዳስነቱ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ወሳኒ እዩ። ትርጉሙ ከኣ ኣዝዩ ሰፊሕ እዩ። ሰላም ኣብ ኩሉ ህይወት ደቂ ሰባት ቦታ ኣለዎ። ብዙሓት ወገናት ንሰላም “ውግእ ብዘይምህላውን ድምጺ ተኹሲ ብዘይምስማዕን” ጥራይ ይገልጽዎ። ብርግጽ ውግእን ወረ ውግእን ዘይምህላዉ ሓደ ምልክት ሰላም እዩ። እንተኾነ ውግእን ተኹስን ዘይምህላዉ ጥራይ ዘተኣማምን ሰላም ኣሎ ምባል ኣየኽእልን።

ሓቂ እዩ፡ ውግእን ድምጺ ጥይትን ዘይምህላዉ መርኣያ ሰላም  እዩ። እንተኾነ ብኩራት ሰላም ብረቂቕ ድምጺ ኣልቦ ጨንቅን መከራን እውን ዝግለጽ እዩ። “ሰላም ማለት ውግእ ዘይምህላው’ዩ” ዝብል ትርጉም ዘየዕግቦም ወገናት ንሰላም፥ ምስ ርግኣት፡ ዕረፍቲ፡ ራህዋ፡ ስምምዕ፡ ሕብረት፡ ዕርቅን ልዋምን ኣሰንዮም ይገልጽዎ እዮም። እዞም ምቁራት ቃላት ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘይምህላዎም ከኣ፡  ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላዉ ዘመልክት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ናይ ሕልናን ኣተሓሳስባን ህድኣት የብሉን። እዚ ኩሉ ተደሚሩ ከኣ ሓደ መርኣያ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ሰላም ዘይምህላው እዩ። ኣብ ኤርትራ ሰላም ብዛዕባ ዘይምህላዉ ብዙሕ ምርምር ምክያድ ዘድልዮ ኣይኮነን። ርሑቕ ከይከድና ነቲ ኩሉ ዝርእዮ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት እንተዳህሲስናዮ፡ ሰላም ዘይምህላዉ ምርዳእ ኣይክጽግመናን።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ፡ ፍትሒ የለን፡ ኣብ ኤርትራ ሓሳብካ ምግላጽን ምውዳብን ኣይፍቀድን እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኣመንካዮ ሃይማኖት ናይ ምስዓብ መሰል የለን። እዛ ብዛዕባ ሰላማ ንዛረበላ ዘለና ኤርትራ ኣብ ህልውናኣ ከም ሃገር  እውን ሓደጋ ኣጋጢምዋ ኣሎ። ምኽንያቱ መሬት ኤርትራ ብዘይኣፍልጦ ህዝባን ብዘይግሉጽ ውዑላትን ይሽየጥን ይልወጥን ስለ ዘሎ። ብሰንኪ ስርዓት ህግዲፍ ኣብ ዓዶም ምስራሕ፡ ምምሃርን ምውላድን ምዝማድን ዝሓረሞም መንእሰያት እግሮም ናብ ዝመረሖም ስለ ዝፈለሱ ዓድታት ኤርትራ ሰብ ኣልቦ ኮይነን እየን። እቲ ኣብ ዓድኻ ሓሪስካን ነጊድካን ምፍራይን ምዕባይን ይትረፍ እሞ፡ ሎሚ ብዙሓት ቁሸታት ሃገርና ሰብ ምስ ሞተ ጉድጓድ ዝኹዕትን መኣውይቲ ዝነግርን መንእሰይ ይሓርመን ከም ዘሎ ኩሉ ዝምስክሮ እዩ። ወላድ መኻን ኮይኖም ዝጥውሮም ዝሰኣኑ ሽማግለታት ከኣ ብዙሓት እዮም። ካብዚ ዝዓቢ ምስኣን ሰላም ከኣ የለን።

ብዓብይኡ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ስርዓት የለን። እታ ሃገር እትምረሓሉ ሕግን ዝመርሓ ዘሎ ኣካልን ኢደ-ወነናውያን እዮም። እቲ ናይ ወጻዕን ተወጻዕን ዝምድና ከኣ መመሊሱ ይኸርር’ዩ ዘሎ። እቲ ዝምድና ዝያዳ ክኸርር እንከሎ ከኣ እቲ ቃልሲ ብኽንድኡ ደረጃ እዩ ዝዓርግን ዝውጠርን። እዚ ከኣ ናይ ሰላም ምህላው ምልክት ኣይኮነን።  ህግዲፍ ከይሓፈረ ጸረ-ሰላም ባህርያቱ ሓቢኡ፡ ኤርትራ ሰላም ዝሓረማ ክንሳ “ናይ ሰላም ደሴት” ክብላ ዝፍትን ምዃኑ ከኣ ዘገርም እዩ። ገለ ሰባት ነቲ ኣብ ኤርትራዊ ባይታ ዘሎ ባዕሉ ዝዛረብን ኣብ ክንዲ ዘንብቡን ዝድህስሱን፡ ነቲ ናይ ህግዲፍ ሸፋጢ ናይ ሰላም ኣተረጓጉማ ተኸቲሎም፡ ንኤርትራ ከም ብሰላም እትልለ ኣብ ገነት እትነብር ሃገር ክገልጽዋ ምፍታኖም ዘገርም  እዩ። እሞ ኸኣ ኣብ ዘዘለዉዎ ናይ ስደት ሃገር ሓቀኛ ሰላም እንዳስተማቐሩ።

ንኤርትራ ምስ ኩነታት የመን፡ ሶርያን ሶማልያን ኣወዳዲርካ፡ ዝሓሸ ሰላም ዘለዋ ትመስል እያ። ናይዚ መበገሲ ከኣ ኣብ ኤርትራ ተኹሲ ዘይምስምዑን ኣብ ውግእ ሰባት ዘይምማቶምን እዩ። እቲ ቀንዲ ናብ ከምዚ መደምደምታ ዝወስድ መደዓዓሲ ምኽንያት እቲ ናይ ህግዲፍ ንኤርትራን ህዝባን ምስ ካብኣቶም ዝሓሸ ዘይኮነ፡ ምስ ካብኣቶም ዝኸፈአ ናይ ምውድዳር፡ ንቕድሚት ዘይኮነ ንድሕሪት ዘማዕዱ ኣካይዳ እዩ። ኣብዚ ሓደ ክበርህ ዝግበኦ ነጥቢ፡  ኣብ ኤርትራ ሰባት ኣብ ውግእ ዘይሞቱ ምዃኖም እዩ። ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ሰላም ዘይምህላዉ፡ ሰባት ኣብ ዓው ኢልካ ዘይዝረበሉን ዘይግሉጽን ውግእ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት ክስደዱ እንከለዉ ኣብ ዶባት ኮነ ኢልካ ብትእዛዝ ሰብ መዚ መንግስቲ ዝቕንጸሉ መንእሰያት ብዙሓት እዮም። ኣንጻር ስርዓት ሓሲብኩም፡ ልኡኻት ናይ ወያኔ  ኢኹም እናተባህሉ፡ ዝእሰሩን ዝቕተሉን፡ ናይ ላምፓዱሳ ተረኽቦ ወሲኽካ ኣብ ባሕርን ምድረበዳን ዝሃልቁ ዘለዉ’ውን ውጽኢት ኣብ ኤርትራ  ሰላም ዘይምህላው እዩ። እዚ ከኣ ሰላም ማለት ውግእ ዘይምህላው ማለት ጥራይ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ። ብዓብይኡ እንዳ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ወሪዱ ዘሎ ናይ ሕልናን ሞራልን ሞትን ተስፋ ምቑራጽን ዓብይ ግምት  ዝወሃቦ መርኣያ ብኩራት ሰላም እዩ።

ንሕና ንሰላም፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ኢና እንቃለስ ዘለና። ኣብ ሃገርና ሰላም እንተዝህሉ፡ ዘሎ ሰላም ከነምጽእ ኣይመተቓለስናን። ህዝብና ከኣ ወትሩ ንሰላም ዝሃርፍ እዩ። “ሕረስ ሓረስታይ፡ ንገድ ነጋዳይ ዝብል ምምሕዳር ኣምጸኣልና” ዝብል ኣበሃህላ ህዝብና፡ ሰላም ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምዃኑ እዩ። ምርግጋጽ ሰላም እቲ ሓደ “ህዝቢ ይመርሕ ኣለኹ” ዝብል ኣካል ከረጋግጾ ዝግበኦ መባእታዊ ሓላፍነት እዩ። ህግዲፍ ነዚ ከውሕስ ስለ ዘይከኣለ ጥራይ “ውዱቕ ምምሕዳር እዩ” ምባሉ እንተዘይውሒድዎ፡ ኣይበዝሖን እዩ። ኣብዚ ዓለም-ለኻዊ ሰላም ዝዝከረሉ ቅነን ሰላም ዓብይ ኣጀንዳ ኣብ ዝኾነሉ ግዜን ብዛዕባ ሰላም ምዝራብና፡ ዓለም በይና ሰላምና ከተረጋግጸልና ንምጽዋዕ ክኸውን ኣይግበኦን። ናይ ግዳም ጽልዋታት ኣብ ምርግጋጽ ሰላም ብጽሒት ከም ዝህልዎ ርዱእ ኮይኑ፡ ቀንዲ ሰላምና ካብ ኢድና እዩ። ብመሰረቱ ቃልስና ምዕዋቱን ዘይምዕዋቱን  ኣብዛ ሰላም ሓሪምዋ ዘሎ ኤርትራና ዘተኣማምን ሰላም ብምርግጋጽ’ዩ ክግለጽ።

Last modified on Monday, 23 September 2019 09:21