ቃልስና ሕነ ናይ ምፍዳይ ዘይኮነ፡ ናይ መሰል’ዩ

2019-07-12 07:08:56 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2348 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ኣንጻር ህግደፋዊ ኣተሓሳስባ ተቢዖም ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ወገናት፡ ናብዚ ንክበጽሑ ነናይ ገዛእ ርእሶም መንቀሊ ኣለዎም። ማእከላይ መራኸቢ ሸቶኦም ከኣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ንቡር ዘየብሉ ወጽዓ ኣወጊድካ ብሕገመንግስታዊ፡ ዲሞክራስያውን ብዙሕነታውን ስርዓት ምትካእ እዩ። እዞም ናይ ለውጢ ወገናት ኣብዚ ናይ ቃልሲ መስርሕ ናይ ምስታፍ ዕድመኦም ዝተፈላለየ እዩ። ገሊኦም ከሎ ጋና ኣቕጣጫ ናይ ሽዑ ህዝባዊ ግንባር ናይ ትማሊ ህግዲፍ፡ ናይ ሎሚ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ኣሰኪፍዎም፡ ካብ ቅድመ-ናጽነት ኤርትራ ጀሚሮም ተቓውመኦም ዘሰምዑን ክሳብ ሎሚ ዝቐጸሉን እዮም። ኣብዚ ተመኩሮ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራን ደሓር ካብኣ ዝወጻ ውድባትን ንኣብነት ዝጥቀስን ነዚ ሕጂ ዘሎ መቃወሚ ባይታ ዘንጸፈን እዩ።  ገሊኦም ከኣ ክሳብ ናጽነት ኤርትራ መሬት ኣማን ኢሎም ክጐዓዙ ዝጸንሑ ደሓር ግና ግፍዕን ጥሕሰታትን ህግዲፍ መመሊሱ እንዳሳዕረረ ምስ ከደ፡ “ክሳብ ትኣምን ኪድ፡ ካብ ዘይተኣምን ተመለስ” ኢሎም ነብሶም ወዲቦም ክቃወሙ ዝጀመሩ ኣለዉ።

መን መዓስ ምቅዋም ጀሚሩ ብዘየገድስ፡ “ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ተቓወምቲ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ሃገራውያንን ስለምንታይ ንህግዲፍ ይቃወምዎ?” ዝብል ሕቶ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ፡ “ምቅዋም ኣየድልን’ዩ” ካብ ዝብል ርኢቶ ጀሚርካ፡ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናይ ገዛእ ርእሶም መልሲ ነይርዎም። እቲ ካልእ ነዚ ሕቶዚ ዝወሃብ ዝነበረ መልስታት ገዲፍካ፡ ድሕረ ባይተኦም ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ዝኾኑ፡ ክሳብ ሕጂ ካብ መድረኽ ቃልሲ ዘይበኾሩ ውድባት፡ ቀንዲ ድርኺት ተቓውምኦም ናይ ዝሓለፈ ቂምን ቅርሕንትን ሕነ ንምፍዳይ ከይከውን ዝጠራጠሩ ወገናት’ውን ነይሮም እዮም።

ከነካይዶ ዝጸናሕና፡ ነካይዶ ዘለናን ንመጻኢ እውን ክሳብ ዓወት እንቕጽሎ ናይ ምቅዋም ቃልሲ፡ ሕነ ናይ ምፍዳይ ከይከውን ዝጠርጠሩ፡ ጥርጠራኦም ምስቲ ብብዙሕ ውረድ ደይብን ምድማይን ዝሓለፈ ቃልስና፡  መሰረት ዘይብሉ ኣይኮነን። ንድሕሪት ተመሊስና ጉዳያት ክንጽብጽብ እንከለና ኤርትራዊ ውድባት ዝካሰስሉ ክሳብ ሕጂ መዕረፊ ዘይረኸበ ጉዳያት ክህልወና እዩ። እንተኾነ እዚ ግዜ ዝበልዐ ዘይተዓጽወ ፋይላት ንተመራመርቲ ዝግደፍ እምበር፡ ሎሚ ካብኡ ዝዓቢ ብሓባር ንቃወመሉ ህዝብን ሃገርን ናይ ምድሓን፡ ኣጀንዳታትን ምኽንያታትን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ እንዳሃለወ መፍደይ ሕነን ቅርሕንትን ክንገብሮ፡ ብኹሉ መለክዕታት ቅቡል ኣይኮነን።

እምበረከ እቲ ናይ ቅድም ሕነ ንምፍዳይን ሕዱር ቂምን፡ ዝብል ሃበስቀደስ ይጽናሕ እሞ፡ እዚ ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘስካሕክሕ ጸረ ህዝቢ ተግባራት ህግዲፍከ፡ ንክትቃወም ዝዕድምን ተቓሊስካ ንክትቅይሮ  ሓላፍነት ዘሰክምንዶ ኣይኮነን እዩ? ነቲ ብናይ ቀደም ጉዳያት ምጽብጻብ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ንታሪኽ ገዲፍና፡ ብሰንኪ ግጉይን ስሱዕን ባህርያት ህግዲፍ፡ ኣብ ኤርትራ፥ ሕገመንግስትን ሕገመንግስታዊ ስርዓትን ዘይምህላዉ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ዘይክበር ምዃኑ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ምዝንግዑ፡ ኤርትራዊ ዓዱ ገዲፉ ይፈልስ ምህላዉ፡ ሃገርና “ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ” ዝብል ሳጓ ኣብ ዝተዋህበትሉ፡ ኮታ ልኡላውነት ሃገርናን ክብሪ ህዝብናን ተጋሂሱ መስሓቕ ሸራፋት ምዃናኸ፡ ንክንቃወምዶ ኣይድርኸናን እዩ? ነዚ ባዕሉ ዝዛረብን ኣብ ባይታ ዝረአን ከም ዜጋ ክትቃወሞ ሓላፍነት ዘሰክም ሰፍ ዘይብል ጸገም ርእዮም ኣንጻር ህግዲፍ ዘይስለፉ፡ ኤርትራውያን እንተልዮም፡ “ፈሊጦም ዘጽቀጡ፡ መመላኻዕቲ ምልኪ” ምዃኖም ክንዝንግዕ ኣይግበኣናን።

ሎሚ ድሕረ-ባይታኦም ተሓኤ ድዩ ህግሓኤ፡ ብዘየገድስ ነባራትን መንእሰያትን ኤርትራውያን፡ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ህግዲፋዊ ምልክን ኣተሓሳስባን፡ ብሓባር ክወፍሩ ጀሚሮም ኣለዉ። እቲ ኣብ መንጎኦም ዝጸንሐ፡ ድሕረ ባይታዊ፡ ሜላውን ናይ ዕድመን ፍልልይ፡ ተቐንጢጡ “ኣጆኻ ኣለኹልካ” ተበሃሂሎም ከይተመላልኡ፣  ኣንጻር ህግዲፍ ምዕዋት ዘበት ምዃኑ ብግብሪ ይረአ ኣሎ። ድሕረ-ባይታናን ተመኩሮናን በበይኑ፡ መርኣያ ብዙሕነትና ብዙሕ ስለ ዝኾነ፡ ንጉዳያትና ብሓላፍነት፡ ብምክኣልን ምጽውዋርን ኮታ ብውሕልነትን እንተዘይሒዝናዮ ከረሓሕቐና ዝኽእል ብዙሕ እዩ። ሎሚ ዝሓለፈ ቁስልን ስንብራትን እንዳጐዳእካ ምቑዛም፡ ንቕድሚት ስለ ዘየስጉም፡ ብዛዕባኡ  ከመራመሩ ንዝደልዩ ንግደፈሎም እምበር፡ ኣብ ርሑቕ ዝተቐመጠ ፋይላት እንዳኸፈትና መፍቶ ህግዲፍ ክንከውን ኣይግበኣናን። ካብ ቀደሙ እውን ቃልስና፡ ሰላም፡ ልዕልና ፍትሒ፡ ዲሞክራስን ልምዓትን ምእንቲ ክረጋገጽ፡ እምበር፡ ሕነ ንምፍዳይን ቅርሕንቲ ንምጽሕታር ኣይኮነን ንመጻኢ እውን ኣይክኸውንን እዩ።

ህግዲፍ ነቲ ነዊሕ ሱር ዘለዎ ጸረ ህዝቢ ኣተሓሳስባኡ ንክሓብእ፡ ነቶም ዝቃወምዎ “ኣበይ ዝነበሩ እዮም” ብዝብል ትዒቢት ተሰንዲሑ፡ ንድሕሪት ተመሊሱ እዩ ዝኸሶም። ነቲ ከም ተቓወምቲ ክሳብ ሕጂ ዘይከኣልናዮ፡ መተካእታ ዘየብሉ ኣብ ሰፊሕ ጽላል ኣንጻሩ ምስላፍ፡ ንከይንበቕዖ ናተይ ኢሉ ዝሰርሓሉ በታኒ ስልቱ እዩ። ንቃልስና ብዓይኒ ሕነ ምፍዳይ ከም ዝረአ ገይሩ ከቕርቦ ምፍታን ከኣ ካልእ ካብቲ ንምርሕሓቕና ዝምህዞ ርጉም ሜላኡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከከም ዝሰለጦ ብሃይማኖት ድዩ ብኸበሳን መታሕትን ወይ ብኻልእ ተቓወምተይ ይብትነለይ ብዝብሎ  ክመጸና ከም ዝፍትን ተረዲእና ብጽንዓት ክንምክቶ ይግበኣና።

Last modified on Friday, 12 July 2019 09:19