ክንቃወም ኮነ፡ ክንድግፍ፡ ብምኽንያት!

2019-07-01 20:37:22 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2431 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ንሓደ ጉዳይ ምቅዋም ኮነ ምድጋፍ መሰረታዊ ሓሳብካ ብናጻ ናይ ምንጽብራቕ መሰል እዩ። እንተኾነ እቲ ተቓውሞኻ ኮነ ደገፍካ ቀጻልን ተቐባልነት ዝረክብን ምእንቲ ክኸውን ምኽንያታዊ ክኸውን ተደላይነት ኣለዎ። ምኽንያት ብምኽንያቱ ከኣ፡ ኣብ ባይታ ዝድህሰስን ዝረአን ክኸውን ይግብኦ። ኣብዚ ናይ ምቅዋምን ምድጋፍን መስርሕ፡ ነቲ ምቅዋም ኮነ ነቲ ምድጋፍ ዘሰጉሙ ኣካላት ክከባበሩ ይግበኦም። ምክብባር ማለት እቲ ሓደ ናይቲ ካልእ ርኢቶ ይፍተዎ ኣይፍተዎ ክቕበል ምቕሳብ ማለት ዘይኮነስ፡ ምስ ኩሉ ዕቃበታቶም፡ ኣብቲ ዘይፈላላዮም ብሓባር ክጐዓዙ ምብቃዕ ማለት እዩ። ኩሉ ግዜ ወሲዱ ናቱ ርኢቶ ቅንዕና ናይ ምርዳእን ምጽላውን እምበር፡ ነቲ ካብ ናቱ ዝተፈልየ ሓሳብ ዘለዎ ኣካል፡ ኣመንጊጉ ከውሕጦን ከገድዶን መሰል ከም ዘይብሉ ክግንዘብ ይግበኦ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ኣብ ሓደ ጉዳይ ተፈላሊኻ ተቓዋምን ደጋፍን ምዃን ናብ ናይ ሓሳብ ፍልልይን ውድድርን እምበር ናብ ጽልኢ ዘምርሕ ክኸውን ከምዘይግባእ ምግንዛብ የድሊ። ፍልልያት ናብ ጽልኢ እንተ ማዕቢሉ እቲ ዘየፈላሊ ዝነበረ’ውን መምለሲ ብዘየብሉ ክጠፍእ ይኽእል። ኣብዚ መስርሕ ምቅዋምን ምድጋፍን፡ ጹረት ስኢኑ ዘዕለብጥን ጽልኢ ንምብላሕ ዝጐይን እቲ ኣብ ሓቅነት ናይ ዘቕርቦ ምኽንያት ዘይተኣማመን እዩ።

ኤርትራውያን፡ ጉዳይ ናይዚ ንሃገርና ዝሕምሳ ዘሎ ዘራጊቶ ጉጅለ ህግዲፍን ምሕደርኡን ክለዓል እንከሎ፡ ተቓወምትን ደገፍትን ኮይና ካብ እንስለፍ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብቲ መጀመርያ ሓቀኛ ባህርያት ናይቲ ጉጅለ ከምዚ ናይ ሎሚ ከይተቓለዐ እንከሎ፡ እቶም ደገፍቱ ካብቶም ተቓወምቱ ዝበዝሑን ዝሓየሉን ከም ዝነበሩ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮና እዩ። ሕሉፍ ሓሊፉ ነቲ ጉጅለን ስርዓተ- ምምሕዳሩን ምቅዋም ማለት ክሳብ ከም ንዝህቢ፡ ሃገርን ሰማእታትን ኤርትራ ኣሕሊፍካ ምሃብን ክብሪ ምንፋግን ዝቑጸረሉ ግዜ ከም ዝነበረ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እቶም ካብ ንግሆኡ ዝቃወምዎ ዝነበሩ ኤርትራዊ ወገናት ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ እቶም ደገፍቱ ሓደ እዋን ክርሕርሕዎ ምዃኖም ርግጸኛታት ነይሮም። ጸኒዖም ተቓውመኦም ንክቕጽሉ ዘተባብዖም ከኣ እዚ ዘይተርፍ ምኽንያት ነይሩ። እዞም ዝቃወሙ ኮነ ዝድግፉ መነኦም እዩ ሓያልን ርትዓውን ካልእ ኮይኑ፡ ነናቶም ምኽንያት ነይርዎምን ኣለዎምን። ናይቶም ዝቃወሙ ምኽንያት ካብ ናይቶም ዝድግፍዎ ምኽንያት ዝሓየለን ሓቀኛን ምንቡሩ ከኣ  እዚ ሕጂ ዝረአ ዘሎ ኤርትራዊ ኣሰላልፋ ዝምስክሮ እዩ።

እቶም ንጉጅለ ህግደፍ ዝቃወሙ ኤርትራዊ ወገናት ነቕርቦ ዝነበርናን ዘለናን ምኽንያት፡ ሎሚ ነቲ ግዳይ ዝኸውን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ቅድሚ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ቅቡልን ሓቀኛን ምዃኑ ኣመስኪሩ እዩ። ብሰንክዚ ንክቡር ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ ዝጨወየ ጉሒላ ጉጀለ፡ ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስታዊ ምምሕዳር ዘይምህላዉ፡ ኩሉ መሰረታዊ ሰብኣውን ፖለቲካውን መሰል ዘይክበር ምዃኑ፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይፈልጦ ፖሊስን ዘይመረጾ መሪሕነት ይግዛእ ምህላዉ፡ ልዕልና ሕግን ሕጋውነትን ምብኳሩ፡ ክቡር ዋጋን ነዊሕን መሪርን ግዜ ዝተኸፍሎን ኤርትራዊ ልኡላውነትን ክብርን ይገሃስ ምህላዉ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ደረጃ ህዝብና ባይታ ምዝባጡ…… ወዘተ ካብቶም እቲ ተቓውሞ ዝምስረተሎም ዝድህሰሱን ባዕላቶም ዝዛረቡን ምኽንያታት እዮም። ነዚ ርኡይ ምኽንያታት ዋላ ሓደ ዝኽሕዶ ኣይኮነን። ህግደፍ እውን ነዚ ጸረ-ህዝቢ ተግባራቱ ህዝቢ ኣሜን ኢሉ ንከይርዕሞ እዩ ምስምሳት ዘብዝሕን ንካለኦት ከላግበሎም ዝፍትንን እምበር፡ ኣፉ መሊኡ “ ጸገም የለን” ዝብለሉ ሞራል የብሉን።

እቲ ነዚ ጉጅለ ክድግፍ ዝጸንሐን ዘሎን ኤርትራዊ ወገን፡ ሎሚ ኣብ ሓዊ ከም ዝእተጠብሰ ቋንጣ ዝቖሪ ዘሎ፡ ሚዛን ዝወሃቦ መደገፊ ምኽንያት ዘየብሉ፡ ኣብ እንዳ ህግደፍ ዝተቓመመ መርዚ ተጸሚሙ ኮሶ ይሰቲ ከም ዘሎ ሰብ ዝምሰል እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ምስ ውልቃዊ ረብሓን ግዝያዊ ማሕበራዊ ዝምድናን ዝተኣሳሰር ምኽንያት ዝሰዓሮም ጥራይ እዮም ብዝላሕተተ ድምጽን ዝማህመነ ፍናንን “ኣለና ምሳኻ” ዝብልዎ ዘለዉ። ምስ መሰረታዊ መሰልን ክብርን ሰባት ክወዳደር እንከሎ፡ ምእንቲ ዝኾነ ግላዊ ንብረት ከይውሰደካ፡ ናብ ቀብርን መርዓን ካልእ ማሕበራዊ ጉዳያት ኢልካ ምጋሽ ከይትኽላእ ዝኣመሰሉ ካብቶም ናይ ደገፍቲ ህግዲፍ ምኽንያታት እዮም። እዚኣቶም ምኽንያታት ኣይኮኑን’ኳ እንተዘይተባህለ ኣዝዮም ዕባራን መህደምን ምኽንያታት ምዃኖም ግና ዋናታቶም’ውን ክእመንሎም ዝግበኦም እዮም። ደሓር ከኣ ካብቶም ተረዲኦም ንህግዲፍ ዝድግፉ፡ ክድግፉ ርእዮም ከየመዛዘኑ ዝድግፉ ይበዝሑ።

ጉጅለ ህግዲፍ ኣብ ፍትሓዊ ዕዳጋ ወሪዱ ገዛኢ ዝረክብ ምኽንያታዊ መንነት ኮነ ኣተሓሳስባ የብሉን። ምእንቲ እዚ እዩ ድማ ሓቀኛ ባህሪኡ ሓቢኡ ብናይ ሓሶት መንነት ክሽቅጥን ዕድመኡ ከናውሕን ዝጸንሐ። እንተኾነ እቲ ሓቀኛ መንነት ናይቲ ጉጅለ ኣቃሊዕካ፡ ነቶም ብዕባራን ዝኣረጉን ምኽንያታት ክግድፉዎ ዝጸንሑ ናጻ ንምውጻእ ክካየድ ዝጸንሐ ቃልሲ ናይቲ ዝቃወም ወገን ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ግዜ እውን ነቲ ጉጅለ “ብሓሳዊ ምኽንያት ምትላል ይኣኽለካ” ኢልዎ እዩ። እነሆ ከኣ ህግደፍ እቲ መዕሸዊ ቁርበቱ ተገፊፉ ሓቀኛ ምስሉ ምምጻኡ ብቓሉ ክምስክር ኣብ ዝግደደሉ ደረጃ በጺሑ። እቲ ኩሉ ግዜ እንደጋግሞ ናይዚ ዝሓለፈ ዓመት መደረታት መራሒ ህግዲፍ ፈትዩ ዘምጸኦ ዘይኮነ መዓልቱን ብስለቱን ሓልዩ ዝመጸ እቲ ጉጅለ ዝተቓለዓሉ ተረኽቦ እዩ። እቲ መጋረጃ ተቐንጢጡ ሓቀኛ መንነት መራሒቲ’ቲ ጉጅለ ብግብሪ ዝረአዩን ዝሰምዑን ወገናት ከኣ፡ ከምቲ “ገ ክብሉኻዶ ትጋገ” ዝበሃል፡ እነሆ ደጊም “ብዘይምኽኑይ ኣካይዳ ህግዲፍ ኣይንታለልን” ኢሎም ኣብ መድረኽ “ይኣክል” ይኣልዩን ይቕልሱን ኣለዉ።

ህግዲፍ ናይ ሞትን ሕየትን መድረኽ ገጢምዎ ስለ ዘሎ፡ ፈትዩ “ኣላሽ” ኢሉ ኢዱ ኣይክህብን እዩ። ምኽንያቱ ድሕሪኡ ህይወት ከምዘይህልዎ ስለ ዝፈልጥ። ደጊም ጉዕዝኡ ንቁልቁል ምዃኑ ግና ኣይኮነንዶ ንሕና ንዓኡ’ውን ነብሱ ነጊርዎ ኣሎ። ንሕና ከኣ ተቓውሞና ኣንጻር ህግዲፍ ምኽንያታዊ ምዃኑ ንቃልስና  ዘተኣማምን ባይታ ዘትሕዝ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዓወትና ከምዘይኮነ ክንኣምን ናይ ግድን እዩ። ንክንዕወት ኣብቲ ምኽንያታዊ ጉዕዞና ግብራዊ ውጽኢት ከነመዝግብ ይግበኣና። ናብዚ ንክንበቅዕ ከኣ፡ ምጽውዋር፡ ምክእኣል፡ ምክብባር፡ ቀዳምነትካ ብግቡእ ምስራዕ፡ ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ብጽልኢ ዘይኮነ ብዓይኒ ሰላማዊ ውድድር ምርኣይ፡ ዝሕመረቱን ህዝቢ ዝማእከሉን፡  ብመትከል ፍልላያዊ ሕድነት ዝተቓነየ ናይ ሓባር ቃልሲ ከነካይድ ክንበቅዕ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ወዮ ህግደፍ ብምርሕሓቕና ተደሪሩ ክሓድር ኩሉ ዝኽእሎ ፋላላይ ኣእማን እንዳፈንቀለ፡ ንሕና ንኡሳን ዝፈላልዩና ጉዳያት ኣባሊሕና፡ ነቲ ዘሰማመዓና ዓበይቲ ዛዕባታት ኣዳኺምና፡ በበይንኻ ምውፋር እንተቐጺልና፡ ንመላእ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ሓደጋ ነውድቕ ከም ዘለና፡ ደሓር ከየጣዕሰና ከሎ ጌና ከነስተብህለሉ ዝግበኣና መሰረታዊ ጉዳይ’ዩ።

Last modified on Monday, 01 July 2019 22:40