Print this page

ኤርትራ፡ ንኹልና፡ ብኹልና!

2019-06-07 08:29:18 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2522 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ

ኤርትራ እታ ብኣደ እንምስላ ኤርትራ እያ፡ ህዝባ ከኣ ምስ ኩሉ ሕብራዊ መልክዕናን ኣተሓሳስባናን ደቃ ኢና። ንሕና ከም ደቃ በጃ ክንሓልፈላ፡ ንሳ ከኣ ከም ኣደ ክትሕብሕበና ግቡእን ባህርያውን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ ምእንቲ ናጽነታን ክብራን ኣብ ዝተኻየደ ነዊሕን መሪርን ቃልሲ “ኤርትራ ወይ ሞት” ንብል ዝነበርና። ከምቲ ዝጨራሕናዮ ከኣ እነሆ ንኤርትራ ረኺብና። እንተኾነ ኤርትራ ጌና ከም ዘይቀሰንትን ቀጻሊ ሓለዋ ከም ዘድልያን፡ ኣይኮነንዶ ንደቃ ንሕብረሰብ ዓለም እውን ብሩህ እዩ።

ኤርትራ ኣደ ብዙሓትን ውሁዳትን እያ። ደቃ ከምቲ “ከስዐ ኣደስ ጉራጉራ” ዝበሃል ዝተፈላለየ ናይ ብዙሕነት ሓለገት ኣለዎም። እዚ ብዙሕነቶም መልክዖምን ምስጢር ሓያልነቶምን ምዃኑ ከኣ ኣብ ተመኩሮ ቃልስና ተረጋጊጹ እዩ። ናይ ክሳብ ሕጂ ተመኩሮና ከም ዘረጋግጾ፡ ክንበዝሕ እንከለና ንበዝሕ ሓደ ክንከውን እንተደሊና ከኣ ሓደን ሓያልን ንኸውን። ሳላ ከምዚ ዓይነት ውሕልነትናን ተዓጻጽፍነትናን ከኣ፡ ሎሚ ደኣ ስምናን ክብርናን “መሬት ዘቢጡ” እምበር፡ ኣብ ሓደ ኣጋጣምስ “ዘይከኣል ዝመስል ከም ዝከኣል” ናይ ዘመስከረ ተባዕ፡ ጽኑዕን እሙንን ህዝቢ ኣብነት ኮይና ብሓበን ተጠቒስና ኢና። እዚ ናይ ጽንዓትን ትብዓት ኣብነት ሕጂኸ ዓቅብናዮዶ ኣለና ወስይ ኣይፋልናን ከኣ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ዘሕዝን እዩ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ናይ ብርታዐን ጽንዓትን ኣብነት ኮይና ተጠቒስና ከነብቅዕ፡ ሎሚ ግና ናይ ስንፍና፡ ጭቆና ኣሜን ኢሉ ዝተቐበለ ህዝቢ፡ ድኽመትን ስደትን ሕማቕ ኣብነት ኮይና፡ ክልተ ግዜ ከይንርአ ኣብ እንሰግኣሉ ደልሃመት ከም ዘለና ክንእመን ይግበኣና። ትማሊ “በጃ ሃገሩን ህዝቡን” ክሓልፍ ቅሩብ ዝነበረ ኤርትራዊ፡ ሎሚ ንሃገሩ “ድሕሪ ሕጂ ገጽኪ ኣየርእየኒ” ኢሉ “እግረይ ኣውጽእኒ” ናይ ዝብል ዜጋ ኣብነት ከይንኸውን ኣብ እንሰግኣሉ ደረጃ ኢና ዘለና። እዚ ከኣ ጀግንነት መምስቲ ዝፍጠር ኩነታት እንተዘየሕዲስካዮ፡ ብናይ ትማሊ ክትሕበን ጥራይ ክትነብር ከም ዘይከኣል ዘረደኣና እዩ።

ናይ ሃይማኖት፡ ዕድመ፡ ጾታ፡ ብሄር፡ ኣቀማምጣ እንነብረሉ ጀኦግራፍያዊ ከባቢ፡ ምምሕዳራዊ ክፍልታት….ወዘተ ፍልልያት ኣለና። እንተደኣ ኣበየናይ ዛዕባን መዓስን፡ በቲ ዝፈላልየና ዛዕባታት በበይንና ንዋሳእ፡ መዓስከ ነዚ ፍልልያትና ኣብ በቦታኡ ኣቐሚጥና ኣብቲ ፍሩይ ኤርትራዊ መንነትና ብሓባር ነትክል፡ ዝብል ብግቡእ ኣጽኒዕና ክንርደኦ ይግበኣና። ማለት ሓደን ብዙሓትን ኮይና ክንስለፍ ክንበቅዕ ይግበኣና። እዚ ከኣ ሓድሽ ዘይኮነ፡ ብዙሕነትና ብዘየገድስ፡ ኣብ ሓደ መድረኽ ኣብ ሓደ መኣዲ ከቢብና ብምምጋብ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ብምቕባር ኣመስኪርናዮ ኢና። ሎሚ’ውን ከምዚ እንተዘይበቒዕና ቀጻልነት ኤርትራ ከም ሃገርን ቀጻልነትና ከም ህዝባን ዘተኣማምን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብፍላይ ከኣ ኣብዚ ሓድነት ሃገርናን ህዝባን ንምብላዕ “ውጥም ቅልቅል” ኣብ ዝብልሉ ወገናት ዝበዝሕሉ ግዜ፡ ብኽንድኡ ደረጃ እቲ ትርጉም ሓያልነትና ዝኾነ ሓድነት ኣትሪርና፡ ትኩራትን ቅሩባትን ክንከውን ይግበኣና። “ይኣክል” ንበሎ ካልእ ምንቕናቕ’ውን ብመንጽር’ዚ ክቃነ ይግበኦ። እዚ መሰረታዊ ዕማም ባዕልና እንዕቅቦ እምበር፡ ናይ ሃገሩ ረብሓ ንዝዓዞ ናይ ግዳም ሓይሊ ዝምልከት ኣይኮነን። እንተ ህግደፍ ካብ ምፍልላይና ስለ ዝዕንገል፡ ሓድነት ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ክሕልወልና እዩ ኢልና ከይንኣምኖ ሓደራ ንብል። ኮታ ከምዚ ዕንበባ መሮር ብዙሕ ሕብሪ ስለ ዘለዎ ዝምልክዕን ረኣይኡ ዝማርኽን፡ ብዙሕነትና ብግቡእ እንተሓብሒብናዮ ከሐብነና እዩ። ብኣንጻሩ ብዙሕነትና ፈጉፊጎም ንገለኤና (ኣጆኻ)፡ ንገሌን ድማ (ወይለኻ) እንዳበሉ ኣገሪሆም፡ ከተፋንኑና ንዝፍትኑ ወገናት ብንቕሓት ክንቋመቶም ይግበኣና።

ኩሉና ከም እንፈልጦ ኣብ ታሪኽና ዝተፈላለዩ ኤርትራ ከመሓድሩ ዝፈተኑ ወገናት፡ ዕላምኦም ንምዕዋት ቅድሚ ኩሉ ክገብርዎ ዝፈተኑ ንብዙሕነትና መዝሚዞም ሓድነትና እንተተኻኢሉን ፈጺምካ ንምፍራሱ፡ እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ንምልማሱ ከም ዝነበረ ስኑድ ሓቂ እዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ንጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ሃገርናን እምነት ህዝብናን ብምምዝማዝ ገለ ኣካል ሃገርና ናብ ሱዳን ዝተረፈ ከኣ ናብ ኢትዮጵያ መጢኻ ኤርትራን ኤርትራውነታን ንምድምሳስ ተፈቲኑ ሳላ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘበርዓነሉ ተመኩሮ ምስትውዓል የድሊ። ኤርትራን ኤርትራውነትን ንምድኻም እታ ሓንቲ መንገዲ ሓድነት ኤርትራ ምብታን ወይ ምድኻም ስለ ዝኾነት፡ ስርዓት ሃይለስላሰ ንሃይማንቶ መዝሚዙ ብሕብረት ከጎልብብ ፈቲኑ፡ ደርጊ እውን ጀኦግራፍያዊ ኣቀማምጣና መዝሚዙ “ቆላማ” ዝበሃልም ፈጢሩን ፈቲኑን እንተኾነ ኣይኮነሉን። ናይቲ ሓድነት ኤርትራ ንምዝራግ ዝተኻየድ ሃቐነታት ናይ ዘይምዕዋት ምስጢር ከኣ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕነትን ሓድነትን ኣገናዚብካ ናይ ምርዳእ ብቕዓትን ጽንዓትን እዩ።

ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን ብቓልስና፡ ንወጻዒ ጉጅለ ህግዲፍ ኣወጊድና፡ ሕገመንግስታዊ፡ ብዙሕነታውን ኣብ ናጻ ምርጫ ህዝቢ ዝተመስረተ ስርዓትን ክንምስርት ክሳብ ዘይበቓዕና፡ ኣፍና መሊእና “ደጊም በቲ ቅድም ተፈቲኑ ዝሰዓርናዮ ናይ ምክፍፋልና ዘይቅዱስ መንገዲ ዝመጸና ሓደጋ የለን” ኢልና ክንድምድም ኣይግበኣናን። ኣብ ክንድኡ ወትሩ ትኩራት ክንከውን ይግበኣና። ህዝቢ ከፋፊልካ ዕድመ ስልጣንካ ናይ ምንዋሕ ርኹስ ፈሊጥ፡ ንናይ ግዳም ወገናት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ህግዲፍ እውን በዚ ኣገባብ እዩ ንህዝብና ከፋፊልዎ ዘሎ። ህግዲፍ ህዝብና ዝፈላልየሉ ኮነ ኢልካ ዝተሃንደሰ ኣገባባት ኩልና ንፈልጦ ስለ ዝኾነ ኣብ ዝርዝሩ ኣይንኣቱን። ተጋዳላይን ሲቪልን፡ ደጋፍን ተቓዋምን፡ ከምኡ እውን ሃይማኖት ዝመሰረቱ ሸርሕታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። ንሱ ጥራይ ኣይኮነን “ገረብ ብሓይላ” ከም ዝበሃል ኣብ ሕድሕድና ደጋምፍን ተቓዋምን ተበሃሂልና ከም እንናቖት ምግባር እውን ካልእ ገጽ ናይቲ ምክፍፋል እዩ። እቶም ኣብ ምክፍፋል ህዝብና ንረብሕ ኢና ዝብሉ ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን በዚ ህግዲፍ ዝሃንደሶ እዮም ክኣትዉና ዝኽእሉ እሞ ንጠንቀቕ። ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ተገዛዚዕና ኣብ ንሓድነት ህዝብን መሬትን ኤርትራ ዝዋገ ጓይላ ከይንስዕስዕ ሓደራ። ኣብ ክንድኡ ብሓባር እንዋሰኣሉ ጽላል ኣብ ምድኳን ክንበቅዕ ይግበኣና። ከምኡ እንተዘይጌርና ግና ተመሳሳሊ ጌጋ ክንደግም ኢና።

ኤርትራ፡ ናይ ኣስላም ወይ ክርስትያን፡ ናይ ከበሳ ወይ ናይ መታሕት፡ ናይ ሓደ ካብ ኣውራጃታትና፡ ናይ ሓደ ካብ ብሄራትና፡ ናይ ሓደ ካብ ቋንቋታትና፡ ናይ ሓደ ካብ ፖለቲካዊ ድሕረ ባይታና (ጀብሃ-ሻሕብያ)፡ ናይ ሓደ ካብ ሕብረተሳብኣዊ ክፍልታትና (ዝተማህረ-ዘይተማህረ)፡ ናይ ሓዲኡ ጾታትና (ጓለንስተይቲ-ወዲ ተብዕታይ)፡ ዘይኮነትስ ናይ ኩሉና እያ። ድልድል ከም ስኒ ኣድጊ ብማዕረ እትብጸሓና እምበር፡ ሓደ ወዲ ማእከል ሓደ ወዲ ወሰን እንኾነላ ኣይኮነትን። ንሕና ነንሓድሕድና እንተዘይ ተጸዋዊግና ኤርትራና ግና ብማዕረ ከም እትሕቑፈና ርዱእ እዩ። ስለዚ “ኤርትራ፡ ንኹልና ብኹልና” ክነሳ ብጸቢብ ስምዒታት ተሰሊብና ኣብ ምብትታና ከዕይም ንዝደሊሓይሊ ገጽ ክንህብ ኣይግበኣናን።

Last modified on Friday, 07 June 2019 10:32