Print this page

ሓድነት፡ ሓይሊ ስለ ዝኾነ!

2019-02-17 08:39:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2759 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሓድነት ዝተበተነ ዓቕሚ፡ ንዋትን ግዜን ኣወሃህዱ ዘተኣማምን ብቕዓት ስለ ዘውሕስ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወትና ግደኡ በሪኽ እዩ። ከምዚ ስለ ዝኾነ ኢና ከኣ “ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንበዓ” ኢልና እንምስል። “ሺሕ ፈልጺ መእሰሪኡ ልሕጺ” ዝብል ዘረባ ኣበው እውን መንፈሱ ግደ ሓድነት ምዕዛዝ እዩ። ብኩራት ሓድነት ዘኸትሎ ኣሉታዊ ሳዕቤን ንምጥቃስ ከኣ “ብሓደ ኢድ ኣይጣቓዕን” ንብል። ንዕዙዝነት ሓድነት ኣገዳሲ ካብ ዝገብርዋ ቁምነገራት ሓደ ናይ ሓባር ረብሓ  መረጋገጺ መሳርሒት ምዃና እዩ። ሓድነት ከምቲ ስማ ዝሕብሮ ናይ ብሓቂ ሓድነት ንክትከውን ከቢድ ግና ድማ ዝከኣል ዋጋ ትሓትት እያ።

ሓድነት ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክትስረትን ቀዳልነታን ኣድማዕነታን ንከተውሕስን ናይቶም ፈጠርታ ቅሩብነትን መጽናዕትን የድልያ። ዝያዳ ኩሉ ከኣ ብሚዛናዊ ኣተሓሳስባ ክትስነ ናይ ግድነት እዩ። ከምኡ እንተዘይኮይኑ ወይ ኣድማዕነታ ይሓጽር ወይ ድማ ርትዓውነት ይጎድላ’ሞ ቀጻልነታ ኣብ ሓደጋ ይወድቕ። ካብቲ ብመጽናዕቲ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዝረጋገጽ፡ ዘሰማምዓካን ዝፈላልየካን ኣሎዶ? እንተልዩኸ ኣየንኡ ይዓዝዝ? ዝብል በዚ መጽናዕቲ ኣቢልካ ይረጋገጽ። ድሕሪ እዚ እቲ ዝፈላሊ መሰረታዊ እንተዘይኮይኑ ክትሰግሮ ትብዓትን ቅሩብነትን የድሊ። ሎሚ ዘይኮነስ ጽባሕ ክትፈትሖ ዝገበኣካ፡ ህዝባዊ ተሳትፎን ሕገ-መንግስታዊ ቀጥዕን ዝሓትት ፍልልያት እንተልዩካ ከኣ ነቲ ጽባሕ ክዕመም ዝግበኦ ሎሚ ክትውድእ ጉልበትካ ኣብ ክንዲ እተባኽን፡ ከተመሓድሮ ምብቃዕ ካልእ ኣብ መስርሕ ሓድነት ዝሕተት ቀሊል ዝመስል ረዚን ውሕልነት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ንፍልልያት ከም ቁርን ኣስሓይታን ምፍራሑ ዘይኮነ ከም ናይ መማረጺ ሓሳባት ጽቡቕ ዕድል ጌርካ ምውሳዱ ዓብይ ጉዳይ እዩ። ብሓሳብ ንዝተፈልየካ ኣብ ክንዲ ከም መወዳድርትኻ ወሲድካ ብሓሳብ ምስዓር፡ መጻልእጥኻ ጌርካ ብምውሳድ ንከተጥፈኦ ከይደቀስካ ምሕዳር፡   ክውገድ ዝግበኦ እዩ። ዝያዳ ኩሉ ድማ ናይ ይከኣልን ኣውንታዊ ቅሩብነትን ብሩህ መጻኢ ምምዕዳውን የድሊ።

ከምቲ ኩሉ ግዜ እንብሎ ሕጂ’ውን ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ናይ ለውጢ ባይታ ንዕዘቦ ዘለና ኣገዳስነት ምውሓስን ሓድነት፡ ግዜ ዘይህብን ዘይስገርን ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። በብወገና ነዚ ንምውሓስ ብዝተፈላለየ ኣገባባት ነርእዮ ዘለና ግና  ኣብቲ ንደልዮ ድማዕ ዘይበጽሐ ንቕሎታት ነዚ የመልክት። ከምቲ  መብዝሕትና ዘይንስሕቶ፡ ኣብ ከምዚ ተጸሚድናሉ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ምሓዝ ኣባና ዝተጀመረ ኣይኮነን። ኣመሓዲርናዮ ንቕድሚት ክንደፍእ ዘይምኽኣልና ግና ቀይዱ ሒዙና ዘሎ ናይ ድኽመትና መርኣያ ክኸውን ይኽእል። ስለዚ እቲ ዘይንቡር ብሓሳብ ምፍልላይና ዘይኮነ ንኣምር ፍልልያዊ ሓድነት ከነተግብር ዘይምኽኣልና እዩ። ንሕና ንሓድነት ከም መሰረታዊ ናይ ዓወት መሳርሒ ክንወስዶ እንከለና፡ ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ካብ ምፍልላይ ዝድረሩ ጸረ-ሓድነት ወገናት ግና፡ ንሓድነት ኣይቅበልዋን ጥራይ ዘይኮነ ክዘርግዋ ዘይፍንቅልዎ እምኒ ከምዘየለ ክንርደኦ ዝግበኣና እዩ።

ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ -ሕድርን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ዘየደቅስ ኣተሃላልዋ ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ከም ኩሉ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ግዱሳት ኤርትራውያን ባእታታትን ከሻቕሎም ዝጸንሐን ዘሎን እዩ። ነቲ ሻቕሎት መፍትሒ ምርካብ እምበር፡ ንሻቕሎት ምኩምሳዕ፡ መፍትሒ ከም ዘይኮነ ክልቲኦም ወገናት ስለ ዝተረድኡ፡ መዋጽኦ ንምርካብ በብወገኖም ክሰርሑ ምስ ጸንሑ፡ ጻዕሮም ብሓደ ናይ ምጽማድ ተበግሶ ካብ ዝወስዱ ነዊሕ ኮይኑ። እቲ ናይ መጀመርያ ዳህሳሶም ከኣ በበይኖም ንክኾኑ ዘገድድ ምኽኑይ መንደቕ ከምዘየብሎም፡ እኳደኣ ብሓባር እንተሰሪሖም ኣብቲ ሓይልታት ለውጢ ናብ ናይ ሓባር ጽላል ንምምጻእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ኣበርክቶኦም ከም ዝብርኽ ስለ ዝተረድኡ ናብ ፍጹማዊ ሓድነት ክበጽሑ ተሰማሚዖም ብግብሪ ይሰርሕሉ ኣለዉ። በበይንኻ ጸኒሕካ ናብ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ምምጻኡ ከቢድ ስራሕን ረዚን ሓላፍነትን ዝሓትት እዩ። ምክእኣል፡ ምጽውዋርን ሓልዮትን ዝዕጥቁ ቅሩብነት እንተልዩና ግና ከም ዝከኣል ናይ ክሳብ ሕጂ ጉዕዞና ናብ ሓድነት ኣረዲኡና ኣሎ። ክሳብ ሕጂ በጺሕናዮ ዘለና መስርሕ፡ ተሪፉና ንዘሎ ንኡስ ጉዳያት ወጊንና፡ ብዘይስልኪ ኣበርክቶ መሰረታት ክልቲኡ ወገናት፡ ኣብ ዘተኣማምን ኣብነታዊ ሓድነት ከም እንበጽሕ  ኣውንታዊ ሓባሪ ምልክት ይህበና ኣሎ።

ኣብዚ ሓድነታዊ መስርሕ ክንኣቱ እንከለና፡ እቲ ገዚፍ ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይሊ ብሓባር ዝሰርሕ ናይ ዘይምብቃዕ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ ብናትና ኣበርክቶ ጥራይ ከም ዝዕመም ብምእማን ኣይኮነን። ብእንጻሩ ግደን ተራን ናይ ካለኦት ናይ ለውጢ ሓይልታት ኣብ ቦታኡ ምዃኑ ከም ርዱእ ብምውሳድ እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ኢና ድማ ነዚ ተተሓሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ፍጹማዊ ሓድነት ዓቂብና፡ ምስ ካለኦት ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ግንባራትን ማሕበራትን ዘተን ምቅርራባትን ንምግሃድ ንቕጽል ዘለና። እዚ ተበግሶታት’ዚ እውን ከከም ባህሪ ናይቲ ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያቱ ናብ ፍጹማዊ ሓድነት ወይ ድማ ናብ ፍልልያቱ ዘመሓደረን ቀዳምነታቱ ዝሰርዐን ጽኑዕን ቀጻልን ጽላላት ከም ዝምዕብል ርግጸኛታት ኢና። ህልዊ ኤርትራዊ ኩነታት ዝጠልቦ’ውን እዚ እዩ። ስለዚ ሓድነት ሓይሊ ካብ ኮነ፡ ኩልና ቅዳምነታትና በብምዕራፉ ሰሪዕና ወሳኒ ግደ ህዝቢ ኤርትራ ከይዘንጋዕና ክንሰርሓሉ ዝግበኣና ሓላፍነት እዩ።

Last modified on Sunday, 17 February 2019 09:53