Print this page

ሓድሽ ዓምት፡ ምስ፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ

2018-12-30 21:53:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2605 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ናይ ግዜ ናጻን ዘይመዛበልን ጉዕዞን ቀጻልነትን ንምግላጽ “መዓልትን ከልብን ከይጸዋዕካዮም ይመጹ” ዝብል ኣበሃህላ ኣሎ። እነሆ ከኣ ብመንጽር እዚ ዓመተ-2018 ኣፋኒና ዓመተ-2019 ኣብ እንቕበለሉ ደረጃ በጺሕና። ናይ ሓደ ዓመት ምሕላፍ ኣብ ናይ ኩሉ ሰብን ተወጢኑ ኣብ መስርሕ ዘሎ ተግባራትን ዕድመ ዝውስኽ እዩ። ዓመት ሓሊፉ ብሓድሽ ዓመት ናይ ምትካእ መስርሕ ሃንደበት ዝመጽእ ዘይኮነስ “መጻእኩ” ዝብል ምልክት እንዳሃበ ደበኽ ዝብል እዩ። ሓድሽ ዓመት ኣትዩ መዓልታት፡ ሰሙናትን ኣዋርሕን ክሓልፍ እንከሎ ወያ ዓመት ትገማገም ከም ዘላ ዘመልክት መጠንቀቕታ እዩ።

መዕቀኒኡ ሓጺር ይኹን ነዊሕ፡ ግዜ ንኹሉ ወዲ ሰብ ብማዕረ እሞ ከኣ ብናጻ ዝወሃብ  ጸጋ እዩ። እቲ ፍልልይ ዝመጽእ እቶም ንግዜ ብናጻ ዝተወሃብናዮ ኣካላት ብኸመይ ንጥቀመሉ እዩ። ሰባት ንግዜ ገሊኦም ንህንጸት፤ ገሊኦም ንዕንወት፡ ገሊኦም ንሰላም፤ ገሊኦም ንህውከት፡ ገሊኦም ንጭቆና፤ ገሊኦም ድማ ንራህዋን ናጻነትን ይጥቀምሉ። ብመንጽር እዚ ዝኾነ ሰብ ዝተሰለፈሉ መዳይ ብዘየገድስ “እቲ ብናጻ ዝተዋህበኒ ግዜ ኣብ ምንታይን ብኸመይን ኣብ መዓላ የውዕሎ ኣለኹ?” ዝብል መሰረታዊ ሕቶ ክምልስ ይግበኦ። ነዚ ሕቶ ዝህቦ መልሲ ከኣ መሰረታዊ እዩ። እዚ ሕቶዚ ኩሉ ግዜ ክለዓል ዝግበኦ’ኳ እንተኾነ፡ ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሕጂ ንርከበሉ ዘለና ዓመት ኣፋኒኻ ዓመት ናይ ምቕባል ግዜ ኣገዳስነቱ ዕዙዝ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ዝመጽእ ዓመት እንታይ ከም እንሰርሕ ክንውጥን እንከለና ናይዚ ሕቶ መልሲ መበገሲና ስለ ዝኸውን።

ብዛዕባ መጻኢ ዓመት ክንሓስብ እንከለና ናብ ዝሓለፈ ዓመት ምቁማትና ዘይተርፍ እዩ። ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመኩሮና ክንድህስስ እንከለና ስለ ዝተግበርናዮም ዘሕጉሱናን ክንትግብሮም እንዳተገበኣና ስለ ዘይተግበርናዮም ዘጣዕሱናን ክንረክብ ምዃና ፍሉጥ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ቀንዲ ቆላሕታና ክኸውን ዝግበኦ በቶም ዘይተግበርናዮም ምጠዓስ ዘይኮነ፡ ካብኡ ተማሂርካ ብሓድሽ ሓላፍነታዊ መንፈስ ክትትግብሮ ምንቃድን ምትላምን እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ምጠዓስ ግና ከምቲ “ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ”  ዝበሃል፡ ወርቃዊ ግዜኻ ካብ ምብኻን ሓሊፉ ዘምጸኦ ፋይዳ የብሉን።

ዓመት ኣዝዩ ነዊሕ ናይ ግዜ መዕቀኒ እዩ። ህያው ናይ ለውጥን ምዕባለን ኩነታት ኣብ ዝሃለወሉ ከኣ ብዙሕ ዝስረሓሉ እዩ። ኣብ ከምዚ ሕጂ ኤርትራ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ናይ ጭቆና ኣርዑት ዝሃለወትሉ ግና ናይ ሱቕ ኢልካ ምዕዛብ ስለ ዝኾነ ትርጉም መዓልትን ዓመትን ክትፈሊ ዘይትኽእለሉ እዩ። ዲክታቶር ኢሳይያስን ጉጅለኡ ህግደፍን ወይ ናይ ህዝቢ ሕቶ ምምላስ ወይ ንህዝብን ሃገርን ይጠቅም ዝበልካዮ ኣንቂድካ ምስራሕ ኣብ ኣእምረኦም ስለ ዘየለ፡ ከምቲ “ወጮ እንተገልበጥካዮ ወጮ” ዝበሃል፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዳርጋ 20 ዓመታት፡ ዓመት ሓሊፉ ብሓድሽ ዓመት ምትክኡ ትርጉም ኣይነበሮን። ኣብዛ ንፋንዋ ዘለና  ዓመተ-2018 ናብቲ ቀንድን መሰረታውን ኤርትራዊ ጉዳይ ዘድሃበን ንጉዳይ ልኡላውነትና ግምት ዝሃበን’ኳ እንተዘይኮነ፡ ምስ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ ሃለዋት ሓድሽ ግና ድማ ዘይግሉጽን ዘይውሑስን መልክዕ ምሓዙ ከም ሓድሽ ተረኽቦ ዘይውሰድ ኣይኮነን። እቲ ኩሉ ናይ ህዝብና ዘቤታዊ ወጽዓታት ግና ኣብቲ ዘለዎ እዩ ዘሎ። ዓመተ-2019 ግና ምስዚ ህግደፍ ዓቕሉ ጸቢብዎ ዘዕለብጠሉ ዘሎ፡ እቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ክሕቆን ዝጸንሐ ኩለ-መዳያዊ መሰረታዊ ሕቶ ህዝብና  ዝጻዕየሉ ክኸውን ሰብ ምሉእ ተስፋ ኢና። ተስፋና፡ ተስፋ ጥራይ ኮይኑ ከይተርፍ ከኣ፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ሓቢርካ ምስራሕ ከም ዘድልዮ ክዝንጋዕ ዘየብሉ እዩ።

ዓመተ-2018 እቲ ቅድም እውን ካብ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ሃለዋት ዘይነቐለ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዝተላዕለሉ እዩ። ናይዚ ምኽንያት እቲ ንኤርትራዊ መሰረታዊ ጉዳይ ቀልቢ ዘይሃበ፡ ምሕዳስ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን ምዃኑ ሰሚዕና። ብተግባር ከኣ ዲክታቶር ኢሳይያስ ካብ ኮንተይነራት ዓዲ ሃሎ ወጺኡ ወዛሕዛሕ ክብል እምበር፡ ኣብ መሰረታዊ መሰላት ህዝብና ለውጢ ከምጽእ ኣይተራእየን። እኳ ደኣ ኣብ ጉዳይቲ ብእልቢ መስዋእትነት ዝተነድቀ ልኡላውነት ኤርትራ ሻቕሎት ዘሕድር ምልክታት ኣርእዩ። ምናልባት ግና ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ክንበጽሕ ንመመሳመሲ ህግደፍ ጸንቂቑ ኣፍደገ ለውጢ ዝኸፍት’ዩ ኢልካ ምውሳድ ይከኣል ይኸውን። ስለዚ ቀደም እውን ዓወትና ካብ ቃልስና እምበር ካብ ካልእ እንጽበዮ ህያብ ስለ ዘይኮነ፡ ኣብዛ እንቕበላ ዘለና ዓመተ-2019 ተስፋ ሰኒቕና መደባትና ሰሪዕና ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተጻዕነ ዓለም ዘየቕለበትሉ እገዳ ከነምክን ክንነቅል ይግበና። ትስፉዋት ከኣ ክንከውን ይግበና ተስፋ እንተዘየልዩ ቀጻልነት እውን ኣብ ሓደጋ ስለ ዝወድቕ።

ኣብ ዓመተ-2019 ኣብ ደንበ ተቓውሞና ሰፊሕ ናይ ሓቢርና ንወደብን ንቃለስን ተስፋታት ክረአ ጸኒሑ እዩ። ብዙሓት “ከመይ ኣለና፡ መዋጽኦናኸ እንታይ እዩ?” ዝብል ሕቶ ንምምላስ ዝዕላምኦም ሰልፍታት፡ ሰሚናራትን ስምፖዝየማትን ክካየዱ ጸኒሖም። ህግደፍ ብወገኑ እዚ ምንቅስቓሳት ኣንጻር ህልውናኡ ምዃኑ ስለ ዝርዳእ ነዚ ምቅርራባት ንምዕንቃፍ ከዕለብጥ ጸኒሑ። እንተኾነ ኣይተዓወተን። ስለዚ እዚ ምንቅስቓሳትዚ ኣብ ዓመተ-2019 ኣብ ዝድህሰስን ዕድመ መግዛእቲ ዘሕጽርን ደረጃ ክበጽሕ ተስፋና ልዑል እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ 2018 ከም መቐጸልታ ናይቲ ካብ ነዊሕ ግዜ ሒዝዎ ዝመጸ ዕማም ቀንዲ ኣድህቦ ሂቡ ክሰርሓሉ ዝጸንሐ፡ ካብ ተመኩሮኡ ተማሂሩን፡ ብዘይሓቢርካ ምምራሽ ከኩርባኻ ሒዝካ ምጭራሕ ለውጢ ከምዘይመጽእ ብምርዳእ፡ ብሓባር ዘስርሕ መድረኽ ምፍጣር እዩ። ውጽኢት ምንቅስቓሱ ከኣ ማዕረ ትጽቢትን ጠለብን ህዝብና እኳ እንተዘይኮነ፡ ውጽኢታዊ ነይሩ። ምስ ዝተፈላለዩ ተመሳሳሊ ቅርቡነት ዘርኣዩ ወገናት ብሓፈሻ፡ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ (ሃድኤ-ሕድሪ)ን ኤርትራዊ ሕድነት ንፍትሕ (ኤሓፍ)ን ብፍላይ ዝገበሮም ርካባት ከኣ ኣዝዮም ውጽኢታዊ ኮይኖም ይቕጽሉ ኣለዉ። ምስ ሃገራዊ ድሕነት ኤርትራ-ሕድሪ ፍጹም ሓድነት ንምፍጻም ናይ ሓባር ኣሰናዳኢት ሽማግለ ተመዚዛ  ሓባራዊ ጉባአ ኣብ ምድላው ምብጽሑ ከኣ ከም ናይ ዓመተ-2018 ኣውንታዊ ተበግሶ እንወስዶ ኮይኑ፡ ኣብ 2019 ብዓወት ክጽንበል ብዝለዓለ ደረጃ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዩ። ሰዲህኤ ነቲ ምስ ካለኦት ወገናት ወጢንዎ ዘሎ ልዝባት እውን ብምሉእ ልቢ ክደፍኣሉ እዩ። ኩሎም እቶም ዝካየዱ ዘለዉ ተስፋ ዝህቡ ምቅርራባትን ልዝባትን እምበኣር፡ ብናይ ሓደ ወገን ፍሉይ ጻዕርን ሓላፍነትን ዘይኮኑ፡ ብናይ ኩሎም ተዋሳእቲ ወገናት ማዕረ ቅርቡነትን ህዝባዊ ሓልዮትን ዝተታሕዙ እዮም። እዚ ኣብ 2018 ዝተራእየ ቅሩብነታት ኣብ ዓመተ-2019 እውን ምስ ሓድሽ ኣተሓሳባ ኣብነታዊ ኮይኑ ከም ዝቕጽል ርግጸኛታት ኢና።

ሓድሽ ዓመት 2019 ናይ ራህዋን ቅሳነትን ክንገብራ ንቃለስ

Last modified on Monday, 31 December 2018 00:26