Print this page

ኣብ እዋን ኢደይ ኢድካ ኢና ዘለና

2018-10-16 09:54:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2830 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኢድና ካብ ዘሎ ናይ ቃልሲ ጸጋታት ሓደ ኩልና ኤርትራውያን ክበሃል ብዝኽእል ደረጃ፣ ኣብ መንነት ህግደፍን ስርዓቱን ኣብ ሓደ ተረድኦ ምብጻሕና እዩ። እዚ ንቕድሚት ክንስጉም ወሳኒ መንጠሪ ዝኾነና ተረድኦ ኣብ ሓጺር ግዜ ዝተበጽሐ ዘይኮነ፣ ብዝተናውሐ ቃልሲ ዘጥረናዮ ዕግበት እዩ። ሓደ እዋን ገሌና ህግደፍ በደለኛ እዩ ክንብል፣ ገሌና ከኣ ዘይምስሉ ሂብና ከነጸባብቖ መሪር ቃልሲ ኣካይድና። ጉጅለ ህግደፍ ከኣ “ነቲ ኣጆኻ ነቲ ከኣ ወይለኻ” እንዳበለ ከዋገኣና ዘባኸናዮ ግዜን ዘሕለፍናዮ ዕድላትን ኩልና ዘይንዝንገዖ እዩ። ሎሚ እቲ ወሳኒ፣ በዚ ዘባኸናዮ ግዜን ዕድልን ምስትንታን ዘይኮነ ከይንገደግሞ’ሞ መፍቶ ኢሳይያስን ጉጅለኡን ኮይና ጸኒሕናስ መፍቶ ኣብርሃምን ጉጅለኡን ከይንኸውን ምብርባር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዓዲ ንሃሉ ኣብ ወጻኢ፣ ወተሃደራት ንኹን ሲቪል፣ ደገፍቲ ንንበር ተቓወምቲ፣ መንእሰያት ንኹን ነባራት፣ ደቂ ኣንስትዮ ንኹን ደቂ ተባዕትዮ፣ ሲቪላዊ ይኹን ፖለቲካዊ ውዳበታት፣ ኮታ ኩልና ኤርትራውያን ብዛዕባ ሓደገኛ ሃለዋት ሃገርናን ህዝብናን ሓደ ተረድኦ ምሓዝና ኣገዳሲ መንቀሊ ነቲ ዝዓበየ ዝጽበየና ዘሎ ዕማም እምበር ንገዛእ ርእሱ ሸቶ ከምዘይኮነ ርዱእ እዩ። እቲ ዝኸበደን ወሳንን ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም፣ ነቲ ጐዲሉና ዘሎ ናብ ምምላእ ብተግባር ክንነጥፍ ምብቃዕ እዩ። ነዚ ከቢድ ዝገብሮ ኣብ ሚዛን ሓደ ኮይንካ፣ “እሞ እንታይ ንግበር?” ኣብ ዝብል ምፍልላይ ከጋጥም ስለ ዝኽእል እዩ። ኩልና ከም እንዝክሮ ዋላ’ኳ ግናይ ምስሊ ህግደፍ ኣብ ምርዳእ እንተዘይተጸገሙ፣ ብናይ “ግዜ ንሃቦን ሃገር ኣብ ውግእ እንከላን” ምስምስ ዘጸባብቕዎ ኤርትራውያን ውሑዳት ኣይነበሩን። ሎሚ ግና ህግደፍ ግዜ ይኹን ካልእ ዕድል ሂብካ ዝዕረ ከምዘይኮነ፣ ናቱ ድኽመት ተወሲኽዎ ብቃልሲ ህዝብናን ውዳበታቱን፣ ብተግባር ዕርቃኑ ወጺኡ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ህልዊ ኣጨናቕን ወጣርን ኩነታት “ገለ ክትብል” እንዳተጸበየካ ዘይሃነጽካዮን ዘይመወልካዮን ፋብሪካታት እንዳማትካ ክትምርቕ ካብ ምውዓል ዝዓቢ ናይ ጥራሕካ ምውጻእ ገላጺ ኣብነት የለን።

ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ ደቂቕ ዝርዝር ከነቕርብ እንከለና፣ ከከም ኩነታቱ ብፍላይ ንመንእሰያት፣ ንወተሃደራት፣ ንስደተኛታት፣ ኣብ ዓዲ ንዘሎ፣ ኣብ ወጻኢ ንዘሎ፣ ንኣመአንቲ ዝያዳ ዝሃሲ ክመስል ይኽእል። ብዓብይኡ እቲ ጸገም ብመንጽር፣ ብኩራት ልዕልና ፍትሒ፣ ብሕገመንግስታዊ ኣድላይነት፣ ደሞክራስን ሰላምን፣ ቁጠባዊ ሃለዋትን ምኽባር ኩሉ መሰረታዊ መሰላትን፣ ክንርእዮ እንከለና ግና፣ ንኹልና ኤርትራውያን ብማዕረ ዝብጸሓና መስገደል እዩ። ብመንጽር እዚ ነዚ ኩነታት እዚ ናይ ምቕያሩ ሓላፍነት ኣብ ናይ ኩልና ኢደይ ኢድካ ምባል ዝምርኮስ እዩ። ህግደፍ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ብሓደ ግብርን ድምጽን ምብጋስ ዕድሚኡ ከም ዘሕጽሮ ተረዲኡ ክኸፋፍለና ዘይፍንቅሎ እምኒ ከምዘየለ ኣብ ተመኩሮና ርኢናዮ ኢና። እንተኾነ ኣብዚ እዋንዚ ብተግባር ክስነ ናብ ዝግበኦ ናይ ሓባር ተረድኦ በጺሕና ንናይ ህግደፍ ከፋፊልካ ግዛእ ተንኮል ስዕርናዮ ኢና። ናይቶም ዝርካቦም ኣዝዮም ውሑዳት ደገፍቲ ህግደፍ ድምጺ ከኣ መሬት ዘቢጡ ኣብ ዘይስመዓሉ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። እዚ ስዕረት ምሉእ ንክኸውን ኢና ከኣ ኣብ ሜዳ ተግባር’ውን ብሓባር ንገስግስ ንብል ዘለና።

ናይ ጉጅለ ህግደፍ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ዝሕዞን ዝጭብጦን ስኢኑ ዝብሎ ጠፊእዎ ልሳኑ ምዕጻዉ፣ ንናይ ለውጢ ቃልስና ኣገዳሲ መመላእታ እዩ። እቲ መሰረታዊ ዓወትና ግና ኣብ ናይ ህግደፍ ድኽመት ዘይኮነስ፣ ኣብ ናትና ሓይልታት ለውጢ ሓድነትን ብርታዐን’ዩ ክምስረት ዝግበኦ። ብዛዕባ ናይ ህግደፍ ውድቀት ኣይኮነንዶ ሎሚ ባዕሉ ዝዛረብ ምልክታት እንዳርኣየ፣ ቀደም እውን እንጠራጠሮ ኣይነበረን። እቲ ዝያዳ ዘሰክፈናን ጌና ኣብ ኢድና ዘይሓዝናዮን እቲ “ድሕሪ ውድቀቱኸ?” ዝብል ምዃኑ ብሩህ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ ነቲ ኣጸቡቑ ዝረዳዳእ ናይ ለውጢ ኣድላይነትን ህጹጽነትን ቋንቋታትና፣ ብኣዝዮም ንኡሳን መበኣሲና ዘይኮነስ መወዳደሪና ክኾኑ ዝግበኦም ናይ ሓሳብ ፍልልያት ከይተዓንቀፍና “ናይ ጽባሕ ዘተኣማምን ኩነታትና ከነውሕስ ሎሚ ብሓባር ንቃለስ” ንብል ዘለና። ኣብዚ መሰረታዊ ዕማምና ተኸኣኢልና ሓላፍነታውያን ኮይና እንተዘየድሚዕና ናይ ህግደፍ ኣብዚ በጺሕዎ ዘሎ ሰንከልከል ምውዳቕ ጥራይ ንናይ ብሩህ መጻኢ ውሕስነት ክኸውን ኣይክእልን እዩ። መጻኢ ዘተኣማምን ንምውሓስ ከኣ ኢደይ ኢድካ ክንብል እዋኑ እዩ። ኢደይ ኢድካ ንክንብል ኩሉ ፍልልያትና ከነወግድ ናይ ግድን ኣይኮነን። ብግቡእ ከነመሓድሮ ግና ዘይስገር ሓላፍነት እዩ። ምምሕዳሩ ማለት ንፍልልያትካ ዓቂብካ ነቲ ዘሰማምዓካ ቀዳምነት ሂብካ ምስጓም ካብ ማለት ካልእ ምስጢር የብሉን። እዚ ሳይነስ’ዚ ሎሚ ኣባና ዝፍተን መዋጸኦ ዘይኮነ ብዙሓት ወገናት ካብ ክቱር ፍልልይ ናብ ውሑስ ምርድዳድ ዝበጽሕሉ መስርሕ እዩ። ኣባና በጺሑ ዘይከኣል ዝኾነሉ ምኽንያት ከኣ የለን። እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ብሰንኪ ናትና ዘይምብቃዕ እዩ ክኸውን።

ስለዚ ከምቲ “እዛ ጉዋ፣ጉዋ እያ፣ እዛ መሬት መስያ እያ” ዝበሃል ህግደፍ ኣእኪሉ ኣብ ሰንከልከል እዩ ዘሎ። ደጊም ካብ ናትና ድኽመት እንተዘይኮይኑ፣ ካብ ናቱ ብርታዐ ዝልቀብ ዕድመ የብሉን። ኣወዳድቓኡ ዳግማይ ዕዳ ገዲፉልና ዝኸይድ ከይከውን ግና፣ ብሓባር ሰሪሕና እንዳድማዕናን ብሓባር ኣድሚጽና እንዳስማዕናን ኢደይ ኢድካ ንበል።

Last modified on Tuesday, 16 October 2018 12:04