Print this page

ደጊም ናይ ምስምስ መጋረጃ ተቐሊዑ እዩ

2018-07-15 18:30:45 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3170 times
Rate this item
(1 Vote)

“…. መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ናጽነትን ሉኣላውነትን ኤርትራ ክረጋገጽ ኣብ ናይ 1993 ረፈረንዱም ዝወሰዶ መርገጺ፡ ብትግባረ ውሳነ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ ከረጋግጾን፡ ብምስረታ ጽቡቕ ጉርብትናዊ ዝምድናን ሓድሕዳዊ ምክብባርን ኣብ መንጎ ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ክዛዝሞን ይጽውዕ።

መንግስቲ ህግደፍ፡ ምርግጋጽ ዲሞክራሲያውን ሰብኣውን መሰላት፡ ምስረታ ቅዋማዊ መንግስትን ግዝኣተ ሕግን፡ ማሕበራዊ ፍትሕን ርግኣትን ኣብ ኤርትራ ከይረጋገጽ፡ ንኣብያ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምምልካት ዶብ ከም ረቛሒ ጌሩ ዝህቦ ምስምስ ይዅንን።” (እዚ ካብቲ ኣብ 2ይ ጉባአ ሰዲህኤ ንኣይሰላም ኣይውግእ ኩነታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝምልከት ዝወሰኖ ውሳነ ዝተወስደ’ዩ")

መራሒ ህግደፍ ኣብ 20 ሰነ 2018 መዓልቲ ሰማእታት ኣብ ዘስመዖ መደረ ካብ ዝጠቐሰን ብዙሓት ኣዛረብት ሓረጋት “ጸወታ ተወዲኡ (Game is over )” እትብል እያ። ንሱ ብዛዕባ ናይ መን ጸወታ ይሕጭጭ ከም ዝነበረ ፍሉጥ እዩ። እቲ ቀንዲ ጸወታ ተወዲኡ (Game is over) ክበሃል ዝግበኦ ግና እቲ ንሱ በቲ “ካብ ባድመ ወጻእና ማለት ጸሓይ ዳግማይ ኣይክትበርቕን እያ” ዝበሎ እሞ ደሓር መልሓሱ ዝሓየኸሉ ከይተማህረ ሎሚ ድማ እቲ “ዶብና ከይተሓንጸጸ ኣብ መኣዲ ዘተ ኣይንቐርብን ኢና” እንዳበለ ህዝቢ ከዕሽወሉ ዝጸንሐ ደሓር ከም ኣመሉ ዝጠንጠኖ ጸወታኡ እዩ።

ዝርዝር ናይቲ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ መንጎ ኢሳይያስን ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ዝተፈረመ ሓድሽ ስምምዕ ክንዕዘብ እንከለና ዋላ’ኳ እታ ንውሳነ ኮሚሽን እትምልከት ሓሳብ ንፍርዲ ኣይርትዑና ጽግዕ ኢላ እንተተጠቕሰት እቲ ዝርዝር ብትሕዝቶኡ እቲ ኣቶ ኢሳይያስ ክሕሰሞ ዝጸነሓ ናይ ኢትዮጵያ በዓል 5 ነጥቢ ፖሊሲ እዩ። ኢሳይያስ “ዶብ ከይተመልከተ ኣይንዛተን ኢና” ንዝብል ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ መኸተ “ብዘይቅድመ ኩነት ተቐቢልናዮ ኢና ኢሎምና እንድዮም” ብዝብል መህደሚ እንተደበሶ ምስልባጥ ናይ ቀደሙ ስለ ዝኾነ፡ እምብዛ ንህዝብና ሓድሽ ኣይመኾኖን። እቲ ዘገርም ነዚ ከም ሓቂ ወሲዶም ከመላኽዕዎ ዝፍትኑ ኤርትራዊ ወገናት ክትረክብ እንከለኻ እዩ።

ሰልፊ ድሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጎ ክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክብርታቱን ልኡላውነትን ተሓልዩ ኩለመዳያዊ ሰላማዊ ዝምድናን ምትሕግጋዝን ክፍጠር ይድግፎ‘ዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ ክቃለሰሉ ከም ዝጸንሓ እቲ ኣብ መቕድም ናይዚ ርእሰ-ዓንቀጽ ካብ መደብ ዕዮኡ ተቐንጭቡ ሰፊሩ ዘሎ ሓሳብ ብቑዕ መረዳእታ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሰዲህኤ እቲ ዝምስረት ዝምድና ቀጻልን ዘተኣማምንን ንክኸውን ኣብ ሃወኽሃወኽ ዘይኮነ ኣብ ድልዱል ባይታ ክስረት ኣብ ድሌት ህዝቢ ዘድሃበ ክኸውን ከም ዝግበኦ ይኣምን።

ኩልና ከምዘይንስሕቶ ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰላማዊ ዘይኮነ ስርዓት ምስ ጐርባብቱ ዝምስርቶ ሰላም ዘተኣማምን ክኸውን ኣይክእልን እዩ። ብመንጽርዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ዓዱ እንዳመቑሐን እንዳቐተለን፡ ቅርዑይ ምምሕዳር እንዳነፈገ፡ ፍትሒ እናኸለአ፡ ብዘይሕገመንግስቲ እንዳገዘአ፡ ሰብኣውን ዲሞክራሲያውን መሰል ዜጋታቱ እንዳጋሃሰ ከመይ ዓይነት ዓርኪ ክኾኖ ይሓስብ ከም ዘሎ እንድዒ።

ሰዲህኤ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክውዳእ ዝደልየሉን ዝቃለሰሉን ምኽንያት፡ ስርዓት ህግደፍ ካብ ለውጢ ንክሃድም ተሓቢእሉ ዝጸንሐ በዓቲ ብምዃኑ እዩ። እቶም ንህግዲፍ ከመላኽዕሉ ዝጸንሑ ደጊም ዝብልዎ እንድዒ። ክሳብ ሕጂ ኣገዳስነት ለውጢ ኣብ ኤርትራ ከተምጸኣሎም እንከለኻ “ኣብ ደረጃ ኣይውግእ ኣይሰላም እንከለኻ ከይመይ ጌርካ እዚ ሕቶ’ዚ ይለዓል” ዝብል መመሳመሲ ምኽንያት እዮም ከቕርቡ ጸኒሖም። ድሕሪ ሕጂ’ውን ዝስናዕ መመሳመሲ ኣይሰኣንን ይኸውን። እንተኾነ ድሕሪ ሕጂ ዝመሃዝ መሕብኢ በዓቲ እምብዛ ከምዘየዕቅል ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኢና ከኣ “ደጊም ናይ ምስምስ መጋረጃ ተቐሊዑ እዩ” እንብል።

ኣብ ኤርትራ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ዝካየድ ዘሎ ናይ ኣእላፍ ጀጋኑ መስዋእቲ ዝተኸፍለሉ ቃልሲ፡ ምእንቲ ሰላም፡ ደሞክራሲ፡ ልምዓት ፍትሒ፡ ልዕልና ህዝብን ፍትሕን …. ወዘተ ምስቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈጢሩ ዝጸንሐ ጸገም ክደባለቕ የብሉን። ብዙሓት ነቲ ኣብ ኤርትራን ህዝባን ተዳዕኒኑ ዘሎ ከቢድ ጸገም ጋሊሆም ክርእዩ ዘይከኣሉ ወይ ርእዮም ከም ዘይረኣዩ ክኾኑ ዝደልዩ፡ ነዚ ምስ ኢትዮጵያ ጀሚሩ ዘሎ መዓልብኡ ዘይፍለጥ ዝምድና ተተርኢሶም ኤርትራን ህዝባን ኩሉ ጸገሞም ከም ዝተገፈፈ ገይሮም ክወስድዎ ትዕዘብ ኢኻ። ግደ ሓቂ ግና ኤርትራዊ ዘቤታዊ ኣጀንዳን ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይጸላለዉ ደኣ እምበር ናይቲ ሓደ ፍታሕ ንናይቲ ካልእ ፍታሕ ኣይትከኦን እዩ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝፍጠር ዘሎ ሰላም “ሓደ በለለይ” ኢሉ ዓቂቡ፡ ናብቲ ቀንዲ ዜቤታዊ ጉዳዩ ከድህብ ኣለዎም። ነቲ ተበጺሑ ዘሎ ደረጃ ግቡእ ክብደቱ ሂቡ ከይተዛነየ “ደጊም ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና” ክብል ይግበኦ። ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብኢትዮጵያ ዝቕረበ ሓሳብ ሰጥለበጥ ኢሉ ዝተቐበሎ ፈትዩ ዘይኮነስ፡ ካብቲ እምቢ እንተ ኢሉ ዝወርዶ መቕጻዕትን ተነጽሎን፡ ተቕቢልካ ዝመጽእ መዓት ምቕባል ይሓይሽ ብዝብል ናይ መጻብቦ መንፈስ እዩ። ጥዑይ ምምሕዳር መንግስቲ እንተዝነብር ግና ካብ ተጽዕኖ እቲ ጸሚዱ ዝሓርሶም ዘሎ ሓይሊ ወጻኢ፡ ተጽዕኖ ህዝቡ ክኸብዶን ከፍረሖን መተገበአ። ጉዳይ ህግደፍ ግና ብግልባጡ እዩ። ስለዚ እዚ ንርከበሉ ዘለና ህሞት፡ ህዝቢ ኤርትራ “ደጊም ናይ ምስምስ መጋረጃ ተቐሊዑ እዩ” ዝብል መኸትኡ ከተርንዕ ዝጥለበሉ ዘሎ ውሳኒ ወቕቲ እዩ።

15.07.2018

Last modified on Sunday, 15 July 2018 20:40