Print this page

ስቓይ ክልቲኡ ህዝብታት ንምቅላል ደኾን ይሕግዝ?

2018-06-21 06:31:04 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3117 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ መንግስቲ ኤርትራ ከም ብሓድሽ ናይ ንዛተ መጸዋዕታ ምስ ቀረበ፡ ብወገን መንግስቲ ኤርትራ ደሃይ ምጥፍኡ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኮይኑ ጸኒሑ። ናይቲ ምጽቃጥ ምኽንያት እንታይ ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ ብዙሓት ወገናት ግምታቶም ክህብሉ ዝጸንሑ ኣዛራቢ ዛዕባ ነይሩ። ድሕሪ 15 መዓልታት ምጽባይ ከኣ እነሆ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብምኽንያት መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ 20 ሰነ 2018 ኣብ ዝተሰናደአ ጽንብል “ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣውንታይ ኩነታት ንምርዳእ ልኡኽና ናብ ኣዲስ ኣበባ ንሰድድ ኣለና” ብዝብል ሓረግ መሊስዎ። እዚ ኣበሃህላ’ዚ “ሓቂ ድዩ ካብ ሕጂ ጀሚሮም ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ክፈልጥዎ ወይስ ኣቐዲሞም ዘዳለዉዎ ሕብስቲ ክቖርሱ እዮም ዝኸዱ ዘለዉ?” ዝብል ሕቶ ዘልዕል እዩ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቐዲሙ እቲ ኣብ መንጐ ክልቲኡ ሃገራት እተፈጥረ ጐንጺ ሰላማውን ሕጋውን መዓልቦ ክግበረሉ ክጽውዕ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኢዩ። ብመንጽር’ዚ እዚ ናይ ንዛተ ቅሩብነት ጠቓሚ፡ ዘተኣማምንን ነባርን ክኸውን፡ ንሓባራዊ ረብሓታት ናይ ክልቲኡ ኣህዛብ ዘውሕስ ምስ ዝኸውን ጥራሕ ኢዩ ኢሉ ይኣምን።

ካብዚ ሓቂ’ዚ ብምንቃል እዩ ከኣ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ “ኣብ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰላምን ቅሳነትን ሓባራዊ ምጣኔ ሃብታዊ ዕብየትን ብምድግጋፍ ክረጋገጽ ምቅላስ፤ ምስ ኵለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር፤” ብዝብል ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮኡ ንኣህጉራዊ ዝምድና ኣብ ዝምልከት ክፍሊ ኣስፊርዎ ዘሎ።

ስኣን ከም’ዚ ዝኣመሰለ ልቦናን ሕድገትን ምግባር ኢዩ ከኣ፡ ዝሓለፉ ሓያሎ ዓመታት ንህዝብታት ክልቲኡ ሃገራት ከቢድ ማህሰይቲ ኣብ ዘውረደ፡ ናይ “ኣይሰላም ኣይውግእ” ኩነታት ዝጸንሐ። ብሰን’ዚ ናይ ሰንፈላል ኩነታት ከኣ እዩ ኣብ ልዕሊ ክልቲኡ ሸነኻት ስቓይን ሰንፈላልን ሳዕሪሩ ዝጸንሐ። ሕጂ “ዶብ ከይተሓንጸጸ ብዘይ ቅድመ-ኩነትን ክንዛረብ ንኽእል ኢና’” ዝብል ሓሳብ ምምጽኡ ድማ፡ ነቲ ክልቲኡ ህዝብታት ክሳቐየሉ ዝጸንሐ ኩነት ናይ ምቕያር ኣንፈት ዝህብ እዩ።

ብመሰረቱ ኣቶ ኢሳይያስ ንዝኾነ ስጉምቲ ምስ ናቱን ጉጅልኡን ኣብ ስልጣን ምቕጻል ከም ዝዕይሮ ዘዛርብ ኣይኮነን። ንህዝቢ ኤርትራ ግዳይ ኩሉ ዓይነት ሕሰምን መከራን ዝገብረሉ ዘሎ ቀንዲ ምኽንያት’ውን ንሱ እዩ። ሎሚ ነቲ ቅድም ዝሕሰሞ ዝነበረ ሕራይ ንዛተ ናይ ምባሉ ምኽንያት’ውን ካብዚ ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ኢሳይያስ መናሕሰዪ ነይሩ እንተዝኸውንሲ ነቲ ዓፊንዎ ዘሎ መሰላት ውሕስነት ብዘለዎ ኣገባብ ፈቒዱ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣውሪድዎ ዘሎ ሰፍ ዘይብል ዘቤታዊ ናይ ማዕቀብ ኣርዑት ሓጺን መልዓሎ። ኣብቲ ነቲ መጸዋዕታ ናይ ምቕባል መደረኡ በዚ ኣጋጣሚዚ ኣቢሉ ምስ በዓል ኣሜሪካ ክዕረቕ እሞ ንሳቶም ድማ “ዕድመኻ ኣብ ስልጣን ይንዋሕ” ኢሎም መሪቖም ዝትኮብ ክተኹብሉ ዝወጠኖ ምዃኑ ኣንጸባሪቕዎ እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ክመጽእ ዝኽእል ሰላም ተጠቃሚ’ኳ እንተኾነ በየናይ ሕሳብ ይመጽእ ኣሎ ግና ክርደኦን ክከታተሎን ይግበኦ።

ከምቲ ቅድሚ ሕጂ ብተደጋጋሚ ዝገለጽናዮ ንሕና ህዝቢ ኤርትራ ኮነ ናይ ለውጢ ሓይልታት ንምምሕዳር ኢሳይያስን ናይ ጭቆና መሓውሩን ክንቃወመሉ ዝጸናሕና፡ ንቃወመሉ ዘለናን ንመጻኢ’ውን ክሳብ ዓወት እንቃወመሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ምስ ኢትዮጵያን ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራትን ውግኣት ከፊቱ ህልቂት ስለ ዘስዓበ ጥራይ ኣይኮናን። ውድባትናን ተቓውሞናን ቅድሚ’ቲ ጉጅለ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያ ኮነ ምስ ካለኦት ጐረባብቲ ሃገራት ውግኣት ምኽፋቱ ዝነበረ ምዃኑ ከኣ ናይዚ መረጋገጽን መርተዖን እዩ። ስለዚ ቀንዲ ኣንጻር ጉጅለ ህግደፍ እንቃወመሉ ምኽንያት ኣብታ ብመስዋእቲ ደቃ ህያው ዝኾነት ኤርትራ በዂሩ ዘሎ፡ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲ፡ ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ምኽባር ኩሉ መሰላትን ምውሓስን ኣብ ሃገርካ ብሰላም ናይ ምንባር ናጽነትን እዩ። መሰረታዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ተፈቲሑ ዝበሃል ከኣ እዞም ዝተዘርዘሩን ካለኦት ኣብ ኤርትራ በዂሮም ዘለዉ መሰላትን፡ ህዝቢ ብዲሞክራስያዊ ተሳትፎኡ ብዘጽደቖ ሕገ-መንግስቲ ውሕስነት ምስ ረኸቡ ጥራይ እዩ። ምስዚ ግና ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሐ ጉዳይ እንተተፈቲሑ፡ ልብና መሊእናን ኩሉ ዓቕምና ወዲብናን ናብ ውሽጣዊ ጉዳይና ከነድህብ ስለ ዘኽእለና መሰረታዊ ዓወት ከነመዝግብ ጽልዋ የብሉን ማለት ኣይኮነን። ብኽንድኡ ደረጃ ንገለ ጉጅለ ኢሳይያስ ካብ ለውጢ ንምህዳምን ህዝቢ ንምድንጋርን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ መመሳመሲ መሳዂቲ ስለ ዝዓጹ ከኣ ተወሳኺ ኣውንታዊ ነጥቢ ኢዩ።

በዚ ኣጋጣሚ መንግስቲ ኢትዮጵያ እውን ጉርብትናዊ ረብሓ ክልቲኡ ህዝብታት ውሕስነት ዝረክብ ምስ ህዝቢ ማእከሉ ዝገበረ ፍትሓዊ ምምሕዳር ብምጉርባት ምዃኑ ከይዝንግዕ ነዘኻኽሮ። ካብዚ ሓሊፉ ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ምስ ዘይኮነ መንግስቲ ዝግበር ዝምድና ውሕስነትን ቀጻልነትን ከምዘየብሉ ይስሕቶ’ዩ ዝብል እምነትኳ እንተዘይብልና፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጠር ጸረ-ዲሞክራሲ ኮነ ዲሞክራስያዊ ምዕባለ፡ ካብ ኤርትራ ገንፊሉ ናብ ኢትዮጵያ ከም ዝፈስስ ከስተብህል ነዘኻኽሮ። እቶም ንጉጅለ ኢሳይያስ ንሓንሳብ ዝቐጽዕዎ ንሓንሳብ ከኣ ዝምርቕዎ ናይ ግዳም ወገናት ከኣ ኩሉ ግዜ ነቲ ህዝብና ብሰንኩ ዝሓልፎ ዘሎ መዳርግቲ ዘየብሉ ጭቆና ኣብ ግምት ከእትውዎ በዚ ኣጋጣሚ ነዘኻኽሮም።

ብሓባር ንስራሕ ከነድምዕ፡ ብሓባር ነድምጽ ክንስማዕ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪ ንሰማእታት ኤርትራ!

Last modified on Thursday, 21 June 2018 08:38