Print this page

ሕድሪ ሰማእታትና ምሉእ ንክኸውን

2018-06-19 19:01:05 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3012 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሰዲህኤ፡ ንብዙሕነትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓቁፍን ኣለልዩ ዝቃለስን ሰልፊ እዩ። መሰረታዊ ዕላምኡ ድማ፡ ነቲ ህዝቢ ኤርትራ ከይተሓለለ ንነዊሕ እዋን ዝተቓለሰሉ፣ እንተዀነ ግን፡ ብምልካዊ ስርዓት ዝተጠልመ መብጽዓታት ሓርነት፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ምርግጋጽ እዩ።” (እዚ፡ ካብ መቕድም ፖለቲካዊ መድብ ዕዮ ሰዲህኤ ዝተወስደ)

“ዘለኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንሰማእታትና፡ ሰማእታትና ኣብ ልብና ፍሉይ ቦታ ኣለዎም፡ ሰማእታትና ቅሰኑ፡ ስጋ ስዉኣት” ዝብሉ ሓረጋት ወትሩ እነዘውትሮም እዮም። ዕላማ ናይዞም ሓረጋት ምጥቃስና ከኣ ንሰማእታት ዘለና ክብሪ ንምንጽብራቕን ሕድሮም ንዘይምጥላምን ንምምልካት እዩ። እንተኾነ ሕድሮም ምሉእ ዝኸውን ነዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ምቁር ሓረጋት ብምቅላሕን ብምጭራሕን ጥራይ ከምዘይኮነ ኣብ ተመኩሮና ንርእዮ ዘለና እዩ።

“ክሳብ ክንደይ ኢና ንሕድሪ ስዉኣትና ብኽንድቲ ብስሞም ንጭረሖን ንምድሮን ነኽብሮ?” ዝብል ሕቶ ቅድሚ ምምላስና ሕድሮም እንታይ ከምዝነበረ ምርኣይ መሰረታዊ ጉዳይ እዩ። ሰማእታትና ዝገደፉልና ሕድሪ ዓሚቕን ክቡር ዋጋ ዘኽፍልን እዩ። ንሶም ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ፡ ኣብታ ልኡላዊት ኤርትራ ከኣ ኩሉ ናይ ህዝባ መሰላት ክሳብ ዝወሓስን ዝረጋገጽን ቃልስና ክንቅጽል እዮም ሕድሪ ገዲፈሙልና። ስለዚ ክሳብ ክንደይ ሕድሮም ነኽብር ኣለና ንምርዳእ ህልዊ ኩነታት ሃገርናን ህዝባን መሚኻ ክረጋገጽ ዝከኣል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኩነታት ከምቲ ሰማእታትና ሓደራ ዝበሉና ከምዘየለ፡ ጉጅለ ህግደፍ እውን ከይተረፈ ብምስማሳት ኣሰንዩ ዝሰማመዓሉ እዩ። ካብቶም ሕድሮም ንምግሃድ ብጽሒትና ዘይገበርና ጀሚርካ ክሳብቶምም ኣንጻር ሕድሮም ዝኸዱ ዘለዉ ኣካላት ከኣ በብደረጃና ኣብ ቅድሚ ሕድሪ ሰማእታት ተሓተቲ ከም እንኸውን ርዱእ’ዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ሕሉፍ ሓሊፎም ሕድሮም ምኽባርስ ይጽናሕ እሞ “መስዋእቶም ከንቱን ንሽፍትነት ዝተሞተ ሞት’ዩ ነይሩ” ዝብሉ ነቲ “ሰማእታት” ዝብል ክብሪ ነፊጎም “ምዉታት” ክብልዎም ዘይሓፍሩ ወገናት ምቅልቓሎም ከኣ ሰማእታትና ክሳብ ክንደይ ከም እተጠልሙ ዘመልክት እዩ። ርግጽ እዩ ሰማእታትና ዋጋኦም ባዶ ኣይተረፈን። እታ ናይ ኩሉ መጻኢ ባህግታትና መሰረት ዝኾነት ልኡላዊት ኤርትራ ሰንከልከል ኣብ ዘይብል ባይታ ተሰሪታ ኣላ። እቲ ስዉኣትና ኣብ ናጻን ልኡላዊትን ኤርትራ ክነፍስ ዝተመነይዎ ኣየር ግና ክሳብ ሕጂ መሊኡ ኣይነፈሰን። ምእንቲ እዚ ኢና ከኣ ሕድሮም ምሉእ ኣይኮነን እሞ ሃየ ንመልኣዮ ንብል ዘለና። ስለዚ ኣብ ፈቐዶ ጐቦን ስንጭሮን ዝተዘርአ ዓጽሞም ከይወግኣና ሕድሮም ንምምላእ ብጭረሖ ዘይኮነ ብተግባር ክንብገስ እዋኑ ጽባሕ ዘይኮነ ሎሚ ክንከፍሎ ዝግበኣና ዕዳ እዩ።

ኤርትራውያን ሰማእታት ውሱን መዓልቲ ቆጸራ ሒዝካ ዘይኮነ፡ ኩሉ ግዜ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምትና ክዝከሩ ዝግበኦም እዮም። ንዝያዳ ድምቀት ግና መዓልቲ ቆጺርካ ዓመታዊ ዕለት ክሕዘኣሎም ግቡእ እዩ። ሎሚ ኤርትራ ንከምዚ ዓይነት ኣገዳሲ ጉዳያት ዝውስን ሕገ-መንግስቲ ስለ ዘየብላ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ከምቲ ካልእ ጉዳያት በይኑ ዝውሰኖ 20 ሰነ  መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ እያ። ብዘይካዚ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ - ሰውራዊ ባይቶ’ውን 1 ታሕሳስ ከም መዓልቲ ሰማእታት ትዝክሮ ከም ዝነበረት ዝዝከር እዩ። በዚ ኮነ በቲ ኣይኮነንዶ ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ካብኡ ንላዕሊ እንተዝዝከሩ’ውን እንተዘይውሒድዎም ስለ ዘይበዝሖም ዘጸግም ኣይከውንን። እቶም እንዝክሮም ግና፡ ውድባዊ ድሕረ ባይታኦም፡ ተዋፊረምሉ ዝነበሩ መዳይ ቃልሲ፡ ጾታኦምን ዝተሰውእሉ ቦታን ኩነታትን ብዘየገድስ ንኹሎም ኤርትራውያን ሰማእታት ብማዕረ ምዃኑ ግንዛበ ዘድልዮ እዩ።

እቲ ዘሕዝን ናይ ሽዑ ህዝባዊ ግንባር ናይ ሎሚ መራሒ ህግደፍ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብ1991 ኣብ ስታዲዩም ኣስመራ ንመጀመርያ ግዜ መዓልቲ ሰማእታት ክዝክር እንከሎ፡ ከይሓፈረ ተጠሊዑ “ደጊም ብስም ዉድባት ሓሸውየ የለን” ኢሉ ኤርትራ ብድሌትን ውሳነን ናይቲ ደቁ ዝኸፈለ ህዝቢ ዘይኮነስ ብትዕቢት ውሱን ጉጅለ ከም እትምራሕ ነጋሪት ምልኪ ምድሳቑ ነይሩ። እቲ ኣጋጣሚ ከኣ ኣብ ክንዲ ሕድሪ ስዉኣት ዝኽበረሉ ብእዉጅ ዝተጠልመሉ ኣጋጣሚ ነይሩ። እነሆ ከኣ ብእኡ ቀጺሉ። ስዉኣት ከኣ ኣብ ክንዲ ዝቐስኑ እናሻዕ ይቖስሉ ኣለዉ።

ጉጅለ ህግደፍ ብስም ሰማእታት እንዳመሓለ ኣንጻር ሕድሮም ተጓዒዙ ንኤርትራን ህዝባን ኣብዚ ወዲቐምዎ ዘለዉ ስለ ዘውደቖም ኣብ ምጥላም ሕድሪ ሰማእታት እቲ ዝዓበየ እጃም ከም ዝወስድ ፍሉጥ እዩ። እንተኾነ ነቲ ሕድሪ ሰማእታት ዘይምኽባር ናብኡ ጥራይ ጠቕሊልካ ዝድርበ ኣይኮነን። ኩልና ኤርትራውያን እውን “ንሕናኸ ክሳብ ክንደይ በበታ እጃምና ሕድሪ ጀጋኑና ነኽብር ኣለና?” ኢልና ነነብስና ክንሓክኽ ይግበኣና። ሕድሪ ሰማእታትና ከምቲ ዝድለ ክኽበር እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ስርዓት ህግደፍ ክውገድ ናይ ግድን ምዃኑ ምፍሉጥ እዩ። ክሳብ ክንደይ ኣብቲ ነቲ ጉጅለ ንምውጋድ ዝግበር ቃልሲ በቒዕና ከኣ ከም ኣካል ናይቲ ምኽባር ሕድሪ ስዉኣትና ክምዘን ዝግበኦ ምዃኑ ክዝንጋዕ የብሉን። ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ መሰረታዊ ለውጢ ቃልሲ፡ ሓላፍነታውያን፡ ጸዋራት፡ ሓዳጋት፡ ንድሕሪት ዘይኮነ ንቕድሚት እነማዕዱ፡ እንተዘይኮይና፡ ኮታ ናይ ሓባር ናይ ለውጢ ሓይሊ ክንፈጥር ዘይምትጋህና መርኣያ ሕድሪ ስዉኣት ዘይምኽባርና ምዃኑ ከነስተውዕል ይግበኣና።

Last modified on Tuesday, 19 June 2018 21:14