Print this page

ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ!

2018-04-27 19:03:39 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2996 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብዚ እዋን”ዚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሕልፎ ዘሎ ስግኣትን ጸገምን ከምዚ ኢልካ ክትገልጾ ዘስደምም እዩ። ናይ”ዚ ጸገም ቀንዲ ጠንቂ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ምዃኑ ዘዳዲ ኣይኮነን። ናይዚ ጸገም መፍትሒ ኣብ ምምጻእ ሓላፍነትን ረብሓን ዘለና ወገናት ብዙሓት ኢና። ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ውድባትን ማሕበራትን ከምኡ ከኣ ናይቲ ወጽዓ ተሰካሚ ህዝቢ ኤርትራ እቶም ቀንዲ ጸገማት ኣብ ምጽብጻብ ዘይኮነ ፍታሕ ኣብ ምምጻእ ሓላፍነት ክንወስድ ዝግበኣና ኢና። ዝያዳ ኩሉ ድማ ናይ ኤርትራዊ መንእሰይ ወለዶ ትውልዳዊ ሓላፍነት ኣዝዩ ዕዙዝ እዩ።

እቲ ወጽዓ መሊኡ ካብ ዝፈስስ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ማዕረ ዕድመ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍዩ ምባሉ’ውን ይከኣል። ኣብዚ እዋን”ዚ እቲ ኣብ ኣመዛዝና እንታይነት ጉጅለ ህግደፍን በደላቱን ዝነበረ ሓላፍዘላፍ ተወጊዱ “ኣብ ኤርትራ ክቱር ወጽዓ ኣሎ። እዚ ወጽዓ ከኣ ህዝቢ ብዘሳትፍ መንገዲ ክፍታሕ ኣለዎ። ነዚ ኣብ ግብሪ ንምውዓል ከኣ ክንቃለስ ይግበኣና” ዝብል ሓሳብ ናይ ሓባር መረዳድኢና ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብ”ዚ እዋን”ዚ ብዙሓት ኤርትራዊ ፖለቲካዊ ሰልፍታትን ውድባትን፡ ማሕበራትን ካለኦት ናይ ሓባር መድረኻትን ምህላወን ከኣ ናይዚ ግንዛበ መርኣያ እዩ። እዚ ናይ ሓባር መረዳእታ ኣብ ሕልና ናይቲ ዘይተወደበ ኤርትራዊ እውን ዘሎ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና በብግዜኡ ብዙሓት ኣኼባታት፡ ሰሚናራት፡ ዓውደ መጽናዕትታት፡ መግለጽታትን መጸዋዕታታትን ምዕዛብ ዝተለምደ እዩ። ዜና ጉባአታትን ኣዋጃትን እውን ከምኡ ልሙድን ብዙሕን ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብዞም መድረኻት ዝንጸባራቕ ድሌትን ትጽቢትን ከኣ ሚእቲ ካብ ሚእቲ’ኳ እንተዘይተባህለ ኣዝዩ ዝመሳሰል እዩ። እዚ ናይ ሓሳባት ምምስሳል ኣብ ዝንጸባረቐሉ ዛዕባታት ብሓባር ተጓዒዝና ኣንጻር ወጽዓ ከነድምዕ ዘይምብቃዕና ከኣ ንኣተሃላልዋና ዘገርም ይገብሮ። እሞ ከኣ እቲ መዋጸኦ ብሓባር እምበር በበይንና ብእንኸዶ መንገዲ ከምዘይኮነ እንዳተረደኣናን እናዘምርናሉን። “መዓስ?” ክበሃል እንከሎ ግና ብዘይካ ንመጻኢ ምምልካትን ምውንዛፍን ንሎሚ ኣይንጥቀመሉን ዘለና። “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ንዝብል ብሂል ግቡእ ትርጉም ብዘይምሃብ ከኣ ብዙሓት ዕድላትን ኣጋጣምታትን ኣሕሊፍና ኢና። እዚ ናይ ክሳብ ሕጂ ኣካይዳና ዘየሕጉስ ኮይኑ፡ ሕጂ እውን በቲ ዝሓለፈ ክንጠዓስ ዘይኮነ ንመጻኢ ከነማዕዱን ኣብ ክንዲ ጽባሕ ሎሚ ክንጅምርን ናይ ግድን እዩ።

ናይዚ ብሓባር ክንሰርሕ እንዳተገበኣና ብሓባር ዘይምውፋርና ምኽንያታት ከከም መዛኒኡ ብዙሕን በበይኑን ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ግና ድማ ኩልና እንረዳድኣሎም ፍሩያት ምኽንያታት’ውን ኣለዉ። ማእከላይ መዕቀኒና ሰባት ዘይኮኑስ ራኢኦም ክኸው ከም ዝግበኦ ዘይምቕባል፡ ኣብ ክንዲ ንብሩህ መጻኢ ምምዕዳው ኣብ ዝሓለፈ ዘቀሓሕር ጉዳያት ምድሃብ፡ ንብዙሕነታዊ ፍልልያት ኣብ ክንዲ ኣኽቢርካ እተመሓድሮም መበኣሲ ሜዳ ክትገብሮም ምህቃን፡ ንህዝብን ንፖለቲካዊ ትካልን ዝምልከቱ ጉዳያት ፈላሊኻ ዘይምርዳእ፡ ኣብ ክንዲ ከካብ ሳንዱቕካ ወጺእካ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ልዕሊ ኩሉ ምስራዕ ንጸቢብ ድሌት ከተበርኽ ምፍታን ካብቶም ፍሩያት ጸገማትና እዮም ዝብል እምነት ኣለና። እቲ ኣብዚ ዝዝንጋዕ ዘሎ መሰረታዊ ጉዳይ፡ ኤርትራን ህዝባን ከየድሓንካ፡ እቲ በሪኹ ክረኣየልካ እትደልዮ፡ ብሄር፡ ሃይማኖት፡ ቋንቋ፡ ከባብን ካልእ ንኡስ ናይ መንነት መለለይን ክዕወትስ ይትረፍ ክህሉ እውን ኣጸጋሚ ምዃኑ እዩ።

ብዛዕባ ህዝብን ሃገርን ክትሓስብ እንከለኻ ብዛዕባ ቋንቋኻ፡ ብሄርካ፡ እምነትካ … ወዘተ ኣይትሓሰብን ኣይትግደስን ማለት ኣይኮነን። ብዛዕባዚ ብዙሕነታት”ዚ እትሓስቦ ግና ነቲ ቀንድን መሰረታውን ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ብዘዘንግዕ ወይ ብዝዕብልል ኣገባብ ክኸውን ኣይግባእን ንምባል እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣበይን መዓስን ኣየናይ ዛዕባ ቅድሚት ይስራዕ ምስትብሃል ከኣ ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ ቀዳማይ ምዕራፍ ቃልሲ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ነካይደሉ ዘለና መድረኽ፡ ቅድሚት ክስርዑ ዝግበኦምን ከይተዘንግዑ ዝተሓዙን ጉዳያት ምልላይ ኣገዳስን ውሕሉልን ኣካይዳ እዩ። ብዘይካዚ ኣብ ውሱን ሰልፋዊ፡ ውድባውን ማሕበራውን መድረኻትን ኣብ ናይ ሓባር ሰፊሕ ጽላላትን ክንዋሳእ እንከለና ክንሕዞም ብዛዕባ ዝግበኣና ጉዳያት ብግቡእ ምስትብሃል ካልእ ውሕልነት እዩ። ልዕሊ ኩሉ ከኣ ወትሩ ጀማሪ ምዃን ዘይኮነ፡ ኣቐዲምካ ኣብ ሕጋውን ወግዓውን መድረኻት ዝሓዝካዮ ኣቕጣጫ ምዕቃብን ምምእዛዝን ኣብ ርእሲኡ እንዳመላእካ ምጉዓዝን ካልእ ኣገዳሲ ጉዳይ እዩ። ነንዝሓለፈ ተመኩሮ ጥዕዩን ሕሙሙን ሓሓጢጥካ ምድርባይ ግና ንቕድሚት ዘሰጉም ኣይኮነን።

ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ኣጸጋሚ መድረኽን ኣተሃላልዋን ፍታሕ ኣብ ዝናደየሉ “እዚ ናተይ እዩ” እትብሎ ሓሳብ ሒዝካ ምቕራብ ኣገዳሲ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ግድን እዩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) በቲ ሓደ ወገን እማመ ዘተ ንሕባራዊ ስራሕ ፖለቲካዊ ውድባት ኤርትራ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ መደብ ምሕዳስ ሰልፊ ተሊሙ ዝንቀሳቐስ ዘሎ ከኣ ካብዚ ኣገዳስነዚ ብንቃል እዩ። እዞም መደባትን ንቕሎታትን ግና ብዘይቅርቡነት መሓዙ ውድባትን ግዱሳት ኤርትራውያን በሃግቲ ለውጥን ራህዋን ኣብ ውጽኢት ክበጽሑ ኣይክእሉን እዮም። ስለዚ ሰዲህኤ ከምቲ “ግዜ እንከለካ ግዜ ኣይትጸበ” ዝበሃል ኣብ ክንዲ ብዘባኽናዮ ግዜ ምስትንታንን ተመዓዳዲኻ ምርእኣይን በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዕድልን ግዜን ክንጥቀም ከም ወትሩ መጸዋዕታኡ የቕርብ።

Last modified on Friday, 27 April 2018 21:07