Print this page

ብሓባር ምስራሕ፡ ምርጫ ዘይኮነስ ግድነት’ዩ!

2018-03-20 21:24:29 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2979 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ብሓባር ምስራሕ ሓደ መርኣያ ናይ ጽቡቕ ዝምድና እዩ። ዝምድና ከኣ ኣብ መንጎ ካብቲ ምዝማድ ማዕረ ዝጥቀሙ ኣካላት ዝግበር ውዕል እዩ። እዚ ካብ ኣብ መንጎ ውልቀ-ሰባት ጀሚሩ ክሳብ ዓበይትን ሓያላትን ሃገራት ዝዝውተር እዩ። ብፍላይ ኣብዚ ዓለምና ብሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ናብ ንእሽቶ ቁሸት ትልወጠሉ ዘላ ግዜ ብሓባር ምስራሕን ምዝማድን ምርጫ ዘይኮነ ግድነት ኣብ ዝኾነሉ ደረጃ ኢና እንርከብ ዘለና።

እዚ ዝምድናን ብሓባር ምስራሕን፡ ብናይ ተዛመድቲ ጽቡቕ ድሌትን ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ዝረጋገጽ እምበር፡ እቲ ሓደ ናይቲ መዛምድቱ ኢድ ጠውዩ ዘረጋግጾ ኣይኮነን። እንተ ተፈተነ’ውን ኣይሰምርን። ናይ ሓባር ቅሩብነት ክህሉ ከኣ በቲ ብሓባር ምስራሕን ጽቡቕ ዝምድናን ኣቢልካ ዝረጋገጽ ናይ ተዛመድቲ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ክህሉ ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ሃገርና ኤርትራ ብውሽጢ ይኹን ብደገ ኣብ ጸገም ኣላ። እቲ ጸገም ከኣ ኣብ ልዕሊ ኩልና ደለይቲ ለውጥን በሃግቲ ፍትሕን ተጻዒኑ ዘሎ ኣርዑት ሓጺን እምበር ንውሱናት ጥራይ ዝምልከት ኣይኮነን። እሞ ኩልና ዶ ነቲ ጉዳይ ብሓላፍነታዊ መንፈስ ነስተማቕሮ ኣለና? ዝብል ግና ነብሱ ዝኸኣለ ዳህሳስ ዘድልዮ እዩ። ናብቲ ራህዋ ንኽንበጽሕ ነቲ ተጻዒኑና ዘሎ ኣርዑት ሓጺን ምስባር ናይ ኩልና ድሌት ምዃኑ ዘዛርብ ኣይኮነን። እቲ ካልእ ሓቂ እቲ ተጻዒኑና ዘሎ ጸገምን ዝጽበየና ሓላፍነትን ናይ ኩልና ደለይቲ ለውጥን ፍትሕን ምዃኑ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ መዋጸኦ ብናይ ኩልና ናይ ሓባር ቃልሲ ጥራይ ዝረጋገጽ ምዃኑ እውን እዩ። እቲ ሓቂ እዚ እንዳሃለወን ደኣ ስለምንታይ ብሓባር ናይ ምስራሕ መንገድና ዘይጣጠሐ? ዝብል ሕቶ ኩልና ተዓዘብቲ ዘይኮነስ ኣካል ናይቲ ጸገም ኮይና ከካብ ገዛና ብምጅማር ክንምልሶ ዝግበኣና መሰረታውን መድረኻውን ሕቶ እዩ።

ኣገዳስነት ብሓባር ምስራሕ ምስ ግዜን ኲነታትን ክብን ለጠቕን ዝብል ኮይኑ፡ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ኣብቲ ዝለዓለ ጥርዙ ከም ዝርከብ በብኹርናዑ ዝቃላሕ ዘሎ ብሓባር ዘይምስራሕ ዝፈጥሮ ሻቕሎት ክንጸባረቕ እንዕዘቦ ዘለና እዩ። እዚ ሻቕሎት ሓድሽ ዝፍጠር ዘሎ ዘይኮነ ምስ ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ እንዳወደቐ እንዳተንሰአ ዝጐዓዝ ዘሎ ጌና ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ክንፈትሖ ዘይከኣልና እዩ። ብሰንኪ ነዚ ዘይምብቃዕና ኣብቲ መሪር ብረታዊ ቃልስና ዘኽፈለና ዋጋ ነይሩ። ሕጂ እውን ምረቱን ኣገባቡን ደኣ ይፈላለ እምበር ዋጋ የኽፍለና ኣሎ። ካብዚ ንምውጻእ ዝግበር ቃልሲ ከኣ ጌና ካብ መእገር ኩልና ኣይወረደን።

ኣብ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ምትግባር ከጋጥም ዝጸንሐን ንድኽመትና ዘንጸብርቕን ዘይምዕዋቱ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፡ ኣድላይነት ብሓባር ምስራሕ ምርጫ ዘይኮነስ ግድነት ምዃኑ ክለሳ-ሓሳባዊ ግንዛበ ካብ ዝረክብን ናብ ተግባር ካብ ዝመጣጠርን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ምስ ኩሉቲ ሓጐጽጐጻቱ መስርሓት ምሕዝነት ሃገራዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳንን ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጥን ከኣ ነዚ ዘመልክቱ ፈተነታት እዮም። ኣብዚ ዝሓለፈ ብሓባር ናይ ምስራሕ ዘይዕዉት ፈተነታት ዝተራእየ ድኽመታት ዘተሓሳስብ’ኳ እንተኾነ፡ ብእኡ ሰኪሕና “ከምቲ ሕልሚ ፈሪሕካ ከይደቀስካ ኣይሕደርን” ዝበሃል፡ ካብ ብሓባር ዘስርሕ ባይታ ናይ ምፍጣር ጻዕሪ ጠቕሊልና እንሃድመሉ ግና ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ካብዚ ዘይዕዉት ፈተነታትን ውረድ ደይብን ተማሂርናን ኣብኡ ዝተራእዩ ሕጽረታት ብምእራምን ተተባቢዕና ኢና ክንቅጽል ዝግበኣና። ናይቲ ዘይምዕዋትና ምስጢር “መትከል ብሓባር ምስራሕ” ጌጋ ስለ ዝኾነ ዘይኮነ፡ እቶም ነቲ መትከል ከዕውቱ ዝግበኦምን ምእንታኡ ዝተሰለፉን ስለ ዘይበቕዕዎ ጥራይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ እንቃለሰሉ ዘለና መትከል ምውጋድ ዲክታተርያውን ጸረ ኩሉ መሰላት ህዝብን ዝኮነ ስርዓት ህግደፍ፡ ብደሞክራስያዊ፡ ቅዋማውን ህዝባውን ስርዓት ምትክኡን ካብ ኮነ፡ እቲ ናብዚ ዝወስድ መንገዲ ሕጂ’ውን ብሓባር ምስራሕ ጥራይ ምዃኑ ዓይኑ ኣፍጢጡ ዝርእየና ዘሎ መተካእታ ዘየብሉ እዩ።

ብሓባር ክሰርሑ ዝግበኦም ውገናት ፍልልይ ሰለ ዘየብሎም ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ናይ ሓባር ተጠቃምነት ንፍልልያቶም ኣፍልጦ ሂቦም ኣብቲ ዘሰማምዕሉ ጉዳያት ብምትካል ምዃኑ ብዙሕ ግዜ ዝበልናዮ ሓቂ እዩ። ናይቲ ሓደ ኣካይዳ ነቲ ካልእ ወገን ባህ ዘይብሎ ክኸውን ይኽእል። እንተኾነ ከምቲ “ተመሊስካ ንእትረድኦ ሓዲካዮ ኣይትእቶ” ዝበሃል፡ ኣብ ሕድሕድና ሓደ ነቲ ሓደ ከታትዮ እምበር ክረግሖ ናብ መዋጸኦ ዝወስድ መንገዲ ኣይኮነን። ሓሓሊፉ ከም ዝረአ ክልተ ተጻራሪ ነገራት፡ በቲ ሓደ ወገን ብሓባር ክትሰርሕ ምጭራሕ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ክቱር ጽልእን ምንጽጻግን ኣየሳንዩን እዮም። እዚ ማለት ግና ኣብቲ ምሳኻ ብሓባር ክሰርሕ ዝግበኦ ሓይሊ ሃናጺ ትዕዝብትን ነቐፈታን ኣይሃልኻ ማለት ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ ሓድሽ እዩ’ኳ እንተዘይተባህለ ተስፋ ዝህብ ብሓባር ናይ ምስራሕ ንቕሎታት ይረኣዩ ኣለዉ። ብምኽንያት 8 መጋቢት ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ ኮነ ብዝኽሪ መበል 54 ዓመት ስርሒት ተጐርባ ዝተራእዩ ምንቅስቓሳት ተስፋ ዝህቡ እዮም። በዚ ኣጋጣሚ እዞም ንቕሎታት ካብቲ ከሳቕየና ዝጸነሐ ሓደ ንቕሎ ምጅማር እምበር ዘይምቕጻል፡ ባህሊ ወጺኦም ቀጸልቲ ክኾኑ ንትስፎ። ካብዚ ፈሊኻ ዘይርአ ብፍላይ ኣብ መንጎ ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ዝግበር ብሓባር ናይ ምስራሕን ፍልልያት ምጽባብን ተበግሶታት፡ ንመሰረታዊ መትከላትን ሕጋዊ ኣሰራርሓታትን ናይቲ ዝዋሳኣሉ ትካላት መመሊሱ ዘሰውድ ክኸውን ይግበኦ።

Last modified on Tuesday, 20 March 2018 22:39