Print this page

ዕድል ወጻዕቲ ብተወጻዕቲ’ዩ ዝውሰን

2018-02-25 09:25:36 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2968 times
Rate this item
(0 votes)

ወጻዕቲ ተወጻዒ ኣብ ዘየብሉ ህልውናን ቀጻልነትን የብሎምን። ኣብ መንጎ ወጻዕትን ተወጻዕትን ዝህሉ ዝምድና ብብዙሕ መልክዓትን መዳያትን ዝግለጽ ናይ ረብሓን መሰልን ፍልልይ እዩ። ወጻዕቲ ህልውነኦም ኣብ ወጽዓ ዝተመርኮሰ ስለ ዝኾነ ነዚ ህልውነኦም ንምርግጋጽ ዝተፈላለየ መወጽዒ ሜላታት ይጥቀሙ። ዕረፍቲ ብዘየብሉ ኣገባብ ከኣ ይቕጽልዎ። ወጽዓ ንወጻዕቲ ናይ ህልውና ጉዳይ ስለ ዝኾነ በቲ ኣብ ልዕሊ ተወጻዕቲ ዘውርድዎ በደል ራህሪሆም ዝህብዎ ምሕረት የብሎምን።

ብኣንጻሩ ተወጻዕቲ ንወጽዓ ሓንጐፋይ ኢሎም ርዒሞም ክነብሩ ባህርያዊ ስለ ዘይክነ፡ ኩነታት እንተዘይደሪትዎም ኣንጻር ወጽዓ ካብ ምቅላስ ኣይበኹሩን። ምናልባት ኣብ ፍሉይ ኣጋጣሚ ወጻዕቲ ናይቲ ዝውጽዕዎ ወገን ሓለይቲ መሲሎም ክቐርቡ ስለ ዝፍትኑ በዚ ናይ ሓሶት ስብከቶም ዝተዓሸዉ ውጹዓት ካብቲ ወጻዒ ራህዋ ንክረኽቡ ዝጽበይሉ ኣጋጣሚ ሳሕቲ ይፍጠር እዩ። በዚ መንጽር ኣብ ኤርትራ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት ገለ ወገናት በቲ ህግደፍ ግዜ ንምግዛእን ናይ ወጽዓ መሳርዑ ንምጥጣሕን ንምስራጽን ዝፈጥሮ ዝነበረ ሰላሕታዊ ጉዕዞ ተዓሽዮም፡ “ግዜ ንሃቦ፡ ዓዲ ባዶ እንድያ ጸኒሓቶ፡ ካብ ዝጸናሕናዮዶ ከፊኡና፡ ምርጫ ናበይ ከይከደና …. ወዘተ” ብዝብል ይከላኸልሉ ከም ዝነበሩ ዝዝከር እዩ። እዚ ጥራይ ዘይኮነ እዚ ኣብ ኤርትራ ዝውጽዕ ዘሎ ጉጅለ “ከነወግዶ ዝግበኣና ወጻዕን ጸረ-ህዝብን እዩ” ዝብል ናይ ሓባር መደምደምታ ንምብጻሕ ዝወሰዶ ግዜ’ውን ሓጺር ኣይነበረን። እዚ ዘረድኦ ከኣ ወጻዕቲ እቲ ሓቀኛ ውጻዒ ባህሪኦም ንምሕባእ ዘካይድዎ ናይ ህልውና ጻዕሪ ቀሊል ክም ዘይኮነ እዩ። ክሳብ ሕጂ ንህግደፍ ዝከላኸሉን ወጽዓ ዘወግድ ፍታሕ ካብኡ ንክመጽእ ጭልም ዝብሉን ኣዝዮም ውሑዳት ምህላዎም ከኣ ካልእ መረጋገጺ ናይ ወጻዕቲ ጥበብ ርቀት እዩ።

ከምቲ ዝተጠቕሰ ወጻዕቲ ህልውነኦም ንምቕጻል ዝጥቀምዎ ሜላታት ኣዝዩ ብዙሕን ረቀቕትን እዩ። ሃስያኡ ከኣ ኣብ ውሱን ክፍሊ ሕብረተሰብ ዝድረት ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ኩሉ ኣካላት ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ቀጥታዊ ኣርዑቱ ዘሎ ህዝቢ ዝያዳ ኣሉታዊ ስንብራት ዝገድፍ ምዃኑ ከኣ ኣብ ጉዳይና ንርእዮ ዘለና እዩ። ብመንጽር እዚ ኣንጻር ወጽዓ ዝግበር ናይ ለውጢ ቃልሲ ንኹሉ ኣካላት ዝምልከት ኮይኑ ቀንዲ ከኣ ናይ መላእ ህዝቢ ሓላፍነት እዩ። ከም ህግደፍ ዝኣመሰሉ ወጻዕቲ ንዝምድናኦም ምስ ውጹዓት ኣጸቢቖም ስለ ዝርድእዎን ዝከታተልዎን፡ ነቲ ኣንጻሮም ዝካየድ ጸረ-ወጽዓ ቃልሲ ንምምካን ኣበይ፡ መዓስ፡ ብኸመይን ኣብ ልዕሊ መንን ከጽዕቑ ከም ዝግበኦም ተሊሞም እዮም ዝንቀሳቐሱ። ማእከላይ ስሕበቶም ከኣ ባህላዊ፡ ቁጠባዊ፡ ማሕበራውን መንነታውን ክብርታት ህዝብን ሃገርን ድሂኽካ ብስግኣት ከም ዝወሓጥን ከም ዝደሃልን ምግባር እዩ። ህዝቢ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዝጻወድ ናይ ወጽዓ መፈንጠራ ኣሜን ኢሉ ከም ዘይቅበል ርዱእ ኮይኑ፡ ኣብ ነዊሕ ግዜ ዝተፋሕሰ ውዲታት ወጻዕቲ ብኽምቲ ዝደልዮ ኣገባብ ምስጓም ከም ዘየኸእሎ ግና ርዱእ እዩ። እዚ ማለት ግና ውጹዓት ወጽዓ ንምስዓር ኣይክእሉን እዮም ማለት ኣይኮነን። ሎሚ ብሰንኪ ወጻዒ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝብና ተፈጢሩ ዘሎ ናይ ሕድሕድ ዘይምትእምማንን ንናይ ሓባር ለውጢ ሓቢርካ ዘይምውፋርን ናይዚ ረቂቕ ጥበብ ወጻዕቲ መርኣያ እዩ። ኣብቲ እትውጸዖ ህዝቢ ዘይምትእምማንን ናይ ኣተሓሳስባ ምክፍፋልን ምስራጽ ከኣ ቀንዲ መሳርሒ ናይ ወጻዕቲ እዩ። ስለዚ ወጻዕቲ ኣብ ህዝብና ምክፍፋል እንተፈጠሩ ዘሕዝን እምበር ከም ዘይተጸበኻዮ ተርእዮ ሃንደበት ኣይኮነን። እቲ ተወጻዒ ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ኣጥፊኡ ኣደዳ ውዲት ወጻዕቲ ክኸውን እንከሎ ግና የገርምን፡ የሕዝንን።

ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዓዲ ዘሎ ይኹን ኣብ ወጻኢ ብዛዕባ ወጻዒ ባህርያትን ተግባራትን ጉጅለ ህግደፍ ናይ ኩሉ ብዝበሃል ደረጃ ናይ ሓባር ሚዛን ምሓዙ ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ወጽዓ ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት እዩ። ነቲ ናይ ሓባር ተረድኦ ብናይ ሓባር ጸረ-ወጽዓ ተግባር ከተሰንዮ ዘይምብቃዕ ከኣ ንውጹዓት ዘሻቕል፡ ዘሰክፍን ዘተሓሳስብን እዩ። ንወጻዕቲ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ዘቕስን። ኣብዚ ሓደ ክዝንጋዕ ዘየብሉ፡ ከምቲ ብሓባር ኣንጻር ወጽዓ ክትቃለስ ምብቃዕ ንዓወት ውጹዓት ወሳኒ ዝኸወን ናይ ውጹዓት ብሓባር ዘይምውፋር ከኣ ንወጻዕቲ ብኽንድኡ ደረጃ ዘቕስን ኣጋጣሚ እዩ።

“ወጻዕቲ ኣንጻር ኩሉ መሰላትናን ናጽነታትናን ምዃኖም እንዳተረዳእናን ራህዋ እንዳተመነናን ምእንታኡ እንዳጨራሕናንስ ስለምንታይ ኢና ንኡስ ፍልልያትና ብሕጋዊ ቀጥዒ ኣከኣኢልና ኣንጻሮም ዘይንቃለስ?” ዝብል ሕቶ ኣብ ሕልና ኩልና ውጹዓት ዘሎ ምዃኑ ብዝተፈላለዩ መንገድታት ክንጸባረቕ እንዕዘቦ እዩ። ነዚ ሕቶዚ ዝተፈላለዩ መልስታት ከም ዝህልወና ርዱእ እዩ። ካብ ናይዚ መሰረታዊ ድኽመት ተሓታትነት ከም እንሃድም እውን ፍሉጥ እዩ። ናይዚ ሕቶዚ ሓቀኛ መልሲ ግና እምብዛ ምስጢርን ስዉርን ኣይመስለናን። እቲ ጠንቂ ካብቲ ዓብይ ኣብ መንጎ ወጻዕትን ውጹዓትን ዘሎ መሰረታዊ ፍልልይ ዝያዳ ነቲ ኣብ ሕድሕድ ሓይልታት ለውጢ ዘሎ ክመሓደር ዝግበኦን ዝኽእልን ዘይመሰረታዊ ፍልልያት እንዳጉላሕና፡ ነቲ ኣንጻር ወጽዓ ክቐንዕ ዝግበኦ ናይ ቃልሲ ዓቕሚ ኣብዘይቦታኡ ነባኽኖ ስለ ዘለና እዩ። እዚ ዘይውሁድ ኣካይዳ፡ ኣንጻር ወጽዓ ክውዕል ዝግበኦ ኩለመዳያዊ ዓቕሚ ኣብ ዘይለዓቱ ዘባኽን ጥራይ ዘይኮነ፡ እቲ ወጻዒ ኣብ መንጎ ውጹዓት ኣትዩ ንክዘርግ ዝሕግዞ ምዃኑ እዩ። ስለዚ ዕድል ወጻዕቲ ኣብ ኢድ ውጹዓት እምበር፡ ኣብ ኢዶም ስለ ዘይኮነ፡ በቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዓቕሚ፡ ዕድመ ወጽዓ ነሕጽር።

Last modified on Sunday, 25 February 2018 10:28