Print this page

ኣብ ክንዲ ዝፈላሊ መንደቕ፡ ዘራኽብ ድንድል

2017-11-14 19:24:03 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3105 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ 

“ንላዘብ ምኽሪ ንኽርከብ” ዝብል ምስላ ወለድና፡ ሎሚ እውን ቁምነገሩ ህያው እዩ። ዘይምርኻብ ዘስዕቦ ኣሉታ ንምንጽብራቕ ከኣ “ካብ ዓይኒ ዝገለለ ካብ ልቢ ገለለ” ይበሃል። እቲ ርክብን ልዝብን ግና ፍንዉን ኣብ ዝኾነ መንገዲ ዝግበር ዘይኮነ፡ ናይ ገዛእ ርእሱ ዝግዘኣሉ ሕግታት ኣለዎ። እቲ ማሕበራዊ ረብሓ ርክብ ከም ርዱእ ወሲድና፡ ርክብ ኣብ ፖለቲካዊ መዳይ ኣድማዒ ንክኸውን ክኽተሎ ዝግበኦ፡ ቀጥዒ፡ ኣሰራርሓን ስርዒታዊ ኣተገባብራን ኣለዎ።

እዚ ርክብ ኣብ መንጎ ፖለቲካዊ ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ክዝውተር ይኽእል። ኣድማዒ ውጽኢት ንክህልዎ ከኣ ተሓታትነቱ ዘነጸረ ክኸውን ናይ ግድን እዩ። እቲ ብውልቂ ዝግበር ርክብ ውልቃዊ ተሓታትነት ይህልዎ። ብስም ሓደ ትካል ዝግበር ርክብ ከኣ ትካላዊ ኣፍልጦ ሃልይዎ ትካላዊ ተሓታትነት ዘስዕብ እዩ። እቲ ብስም ሰልፋዊ ድዩ ውድባዊ ትካል ዝግበር ርክብ ብስርዒታዊ ኣካላት ናይቲ ትካል ኣፍልጦ ክረክብ ይግበኦ። ንርክብ ክትዳሎ እንከለኻ ከሎ ጌና ነቲ ካብቲ እትራኸቦ ኣካል ዝመጽእ ካብ ናትካ ዝተፈልየ ርኢቶ ቦታ ክትህብን ከተኽብርን ምድላው የድሊ።

ኣብ ፖለቲካዊ ዛዕባ ኣብ መንጎ ውልቀ ሰባት ኮነ ውዳበታት ርክብ ክግበር እንከሎ፡ ኣብ ገሊኡ ዛዕባታት ስምምዕ ኣብ ገሊኡ ድማ ፍልልይ ከጋጥም ከም ርዱእ እትጽበዮ እዩ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተዘይከውን ካብ ኣብ ሓደ ውድብ ወይ ሰልፊ ንላዕሊ ኣይመተወደብናን። ፍልልያት ምውጋድ’ኳ እንተዘይተኻእለ ኣከኣኢልካን ኣከባቢርካን ምሓዙ ከም ዝከኣል ግና ኣብ ብዙሕ ተመኩሮታት ተረጋጊጹ እዩ። ናትና ናይ ፍልልያት ኮነ ስምምዓት ኣተሓሕዛ’ውን ካብዚ ወጻኢ ዝርአ ኣይኮነን። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ ንሕናኸ በቒዕናዮዶ ኣይፋልናን? ዝብል ሕቶ ንምምላስ ከካብ ተመኩሮና ነቒልና ነቲ ንዋሰኣሉ ዘለና ፖለቲካዊ ትካላት እውን ክንምርምሮ ይግበኣና። ካብቲ መርሚርና ዝረኸብናዮ ተመኩሮ ከኣ ክንመሃር ይግበኣና።

ዘሰማምዕን ዘፈላልን ሓሳባት ከጋጥመና እንከሎ፡ ረብሓና ኣብ ሓቢርካ ምጉዓዝ ስለ ዝኸውን፡ ነቲ ረብሓና ዘራጉድን ዘሰማምዕን ሓሳባት ከነሕይሎ ክንቃለስ ይግበኣና። እዚ ማለት ኣብ ክንዲ ነቲ ዝፈላሊ ኣግኒንና ዘየራኽብ መንደቕ ክንሃንጽ ሒዅ እንብል፡ ነቲ ዘሰማምዓና ሓሳባት ኣዕኲዅና ዘሰጋግርን ዘራኽብን ድንድል ክንሃንጽ ምስ እንበቅዕ እቲ ልዝብ ኣውንታዊ ውጽኢት ክህልዎ ይኽእል። ከም ኤርትራውያን ዜጋታት፡ ብኤርትራውነትና ማዕረ ኢና። እዚ ብተግባር ኣብ ግዜ ሕማቕ ኮነ ጽቡቕ ዝተረጋገጸን ብክቡር መስዋእትነት ዝተደረዐን ስለ ዝኾነ ብዘይዕጥይጥይ ቀንዲ መሰረት ና መሰማሚዕና እዩ። ይኹን እምበር ኣብ እምነትናን ካልእ ናይ ብዙሕነት መምዘንን ንፈላለ ኢና። ሓደ ክርስትያን ይኸውን እቲ ካልእ ድማ ኣስላማይ። ከምኡ እውን ዝተፈላለየ ቋንቋታት ንዛረብ። ሓደ ኣብ መታሕት ይነብር እቲ ካልእ ከኣ ኣብ ከብሳ። ኮታ እቲ ናይ ብዙሕነት ዝርዝር ይቕጽል። ናይዚ ኩሉ ናይ መንነት ጸጋ ተጠቀምቲ ክንከውን ከኣ ቅድሚ ኩሉ ብሓሳብን ግብርን ኤርትራውያን ክንከውን ይግበኣና። ስለዚ ኣብዞም ኣብ ትሕቲ ኤርትራዊ ጽላል ክጽልሉ ዝግበኦም ፍልልያት ተመስሪትና ዘየራኽቡ መንደቓት ዘይኮና ክንሃንጽ ዝግበኣና፡ ኣብቲ ሓደ ዝገብረና ኤርትራውነት ጸኒዕና ኢና መራኸቢ ድንድል ክንሃንጽ ዝግበኣና። ነቲ ብንኡስ ደረጃ ዝፈላልየና ብዙሕነት ኣወጊድና በይንና ኤርትራዊ ክንከውን ንሃልከሉ ምኽንያት የብልናን። ብኣንጻሩ ነቲ መራኸቢ ድንድል ብዘይሃሲ ኣገባብ ደረቱ ሓልዩ ከም ዝህሉ ኢና ክንገብሮ ዝግበኣና።

ሓደ ኤርትራዊ ዛዕባ ኤርትራዊ ስለ ዝኾነ፡ ብኤርትራውያን እዩ ክተሓዝ ዝግበኦ። ነስተውዕል ኤርትራዊ ክርስትያን ብሃገራዊ ዛዕባ ክዛረብ እንከሎ ካብ ዘይኤርትራውያን ክርስትያን ኤርትራውያን ኣስላም እዮም ዝቐርብዎ። ጉዳይ ኤርትራውያን ኣስላም እውን በዚ እዩ ክተሓዝ ዝግበኦ። ብርኢቶና “ማይን ሑጻን መታርፍቲ” ዝብል ምስላ ዘይርዳእ ኤርትራዊ ኣካል ኣሎ ኣይንብልን። ሓሓሊፉ ከም ዝረአ፡ ሓድሓደ ዘይኤርትራውያን ነቲ ቀዳሞት ወለድና ኮነ፡ ናይ ነጻነት ተቓለስትና ንእምነት ብሃገራውነት እንዳቓነዩ ዝኸፈልዎ መስዋእትነት ብምዝንጋዕ ዝያዳ ተሓለቕቲ መሲሎም ክቐርቡ ዘካይድዎ ዘይቅዱስ ፈተነ፡ ከሎ ጌና ኩልና ኤርትራውያን ብሓባር ክንገንሖ ዝግበኣና እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ብተግባር ኣንጻር ኩሉ እምነታት፡ መራሕቱን ትካላቱን እዩ። ነዚ ንምብራህ ናይ ዝተኣስሩን ካብ ሓላፍነቶም ዝተወገዱን መራሕቲ ኩሎም እምነታት፡ ዝተዓጽወን ዝተራስየን ትካላት ኩሎም እምነታትን ዝተጋህሰ መሰላትን ምዝርዛር ዘድልየና ኣይኮነን። ምኽንያቱ ናይ ኩልና ኤርትራውያን ኣመንቲ ማዕጾ ዝኳሕኮሐን ኣብ እንግደዓ ኩልና ዘሎ ዕዳን ስለ ዝኾነ። እቲ ሓቂ እዚ ክነሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ንእምነት ዝህቦ ክብሪ ዘየለ ምዃኑ እንዳተፈለጠ፡ ናይ ሓደ እምነት ዝያዳ ደጋፊ ኣምሲልካ ምቕራቡ ገበኑ ከተቕልለሉ ከም ምፍታን እዩ ዝውሰድ። እዚ እውን ኣብ ሕድሕድ ዘሰጋግር ድንድል ምስራሕ ዘይኮነ ዘየራኽብ መንደቕ ከም ምንዳቕ ዝውሰድ እዩ። ደሓር ከኣ ነቲ ህግደፍ ናይ ኩሉ ወጻዒ ምዃኑ ኣሚኑ ብሓባር ክቃለሶ ዝግበኦ ዓቕሚ ምድኻምን ከፋፊልካ ናይ ምግዛእ ሕልሚ ህግዲፍ ዘተባብዕን እዩ። ስለዚ ዝያዳ ጠመተና ካብ ኣብቲ ዝፈላሊ ኣብቲ ዘሰማምዕ ምትኳር ክኸውን ይግበኦ።

Last modified on Tuesday, 14 November 2017 20:46