Print this page

እቲ ግህሰት መሊኡ እንክፈስስ

2017-11-02 18:19:20 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3453 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ እንዳ ጉጅለ ህግደፍ ዘይተነግረ’ምበር ዘይተፈጸመ ግህሰት ከምዘየለ ኩልና እንረዳደኣሉ እዩ። እንሆ ድማ ኣብ ቀጻልነት ናይቲ ስርዓት ረብሓ ዘየብሎም ወተሃደራቱ ኣብ ቀንዲ ጐደናታት ኣስመራ ኣንጻር ሰላማውያን ሰባትን ህጻናትን ብግህዶ ወጽዓን በደልን ፈጺሞም ክሳብ ሕጂ ዝርዝሩ ዘይተፈልጠ ጉድኣት ኣውሪዶም። እዚ ናይቲ ስርዓት ተግባራት ሓድሽ ኣይኮነን። ናይቲ ህዝቢ ቅሉዕ ተቓውሞ ግና ብትሕዝቶኡ ዘይኮነ ብኣገባቡ ሓድሽ እዩ። ናይዚ ናዕቢ ቀንዲ መልዓሊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ “ቤት ትምህርቲ ድያእ ኣልእስላምያ” ዘርኣዮ ኢድ ኣእታውነት እዩ። እንተኾነ እዚ ኢድ ኣእታውነትን ግህሰት ናይ እምነት መሰልን ነዊሕ ግዜ ዝገበረን ኣብ ኩሉ እምነታትን ሃይማኖታዊ ትካላትን ኤርትራ ዝበጸሐ ምዃኑ ከኣ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ምዕጻው ቤት ትምህርቲ ካቶሊካዊ ዘርኣ ክህነት ከረንን ምእሳር መምህራኑን ከም ናይዚ ቀረባ ሰሙናት ናይ ግህሰት ተዘክሮ ክጥቀስ ዝከኣል እዩ።

ኣገባቡን ግዜኡን ደኣ ይፈላለ እምበር መራሕትን ሰዓብትን ዝተፈላለያ እምነታት ኤርትራ እውን ኣንጻርቲ ስርዓት ብዝተፈላለዩ መልከዓት ተቓውምኦም ከርእዩ ጸኒሖም እዮም። ንፓትርያርክ ኦርቶደኩሳዊት ቤተክርስያን ወሲኽካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን መራሕቲ ሃይማኖት ክውሰድ ዝጸንሐን ዘሎን ስጉምትታት ከም ኣብነት ዝጥቀስ እዩ። መራሕቲ ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ድሕሪቲ ንዓለም ዘደንጸወ ተረኽቦ ደሴት ላምፓዱሳ ዘመሓላለፍዎ “ሓውኻ ኣበይ ኣሎ?” ዝብል መልሲ ዝደሊ ሕቶ ከኣ ዕምቆት ናይቲ መራሕትን ሰዓብትን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ኤርትራ ከካይድዎ ዝጸንሑ ናይ እምነት መሰል ምርግጋጽ ቃልሲ ዘርኢ እዩ። እዚ ናይ 31 ጥቅምቲ 2017 ተረኽቦ ኣስመራ ከባቢ ኣኽርያ ከኣ፡ እቲ ግህሰት መሰል እንዳገደደ ክኸይድ እንከሎ እቲ ምእንቲ መሰል ዝግበር ቃልሲ ከኣ ማዕሪኡ እንዳዓረገ ከም ዝኸይድ ዘረድእ እዩ።

ስርዓት ህግደፍ ከም መርኣያ ናይቲ ንህዝቢ ከፋፊልካ ኣብ ስልጣን ናይ ምንባር ሕልሙን ሜላኡን ነዚ መላሲ ዘይብሉ ተቓውሞ ከም ንቕሎ ሰዓብቲ ውሱን እምነት ኣምሲሉ ከቕርቦ ከም ዝፍትን ካብ ናይ ቅድሚ ሕጂ ተመኩሮኡ ኣብ ግዜ ምንቅስቓስ በዓል ወዲ ዓሊ ምግንዛብ ይከኣል። እንተኾነ ህዝቢ እንዳተዓሸወ ክነብር ባህርያዊ ሰለ ዘይኮነ፡ ውዲቱ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ኣይክረክብን እዩ። ብእንጻሩ ህዝቢ ኤርትራ እዚ ኣብ ኣኽርያ ዝተወስደ ስጉምቲ፡ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ኤርትራን መሰላቱን ከም ዝተወስደ ገይሩ ከም ዝርደኦ ዘማትእ ኣይኮነን። ነዚ ፈኸም ክብል ጸኒሑ ሃልሃል ክብል ጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞ ብሓባር ከም ዘባረዖ ከኣ ፍሉጥ እዩ።

እዚ እምብዛ ዝመረረ ግህሰት መሰል ዝወለዶ ተቓውሞ፡ ክንደይ ሰባት ተሳቲፈምዎን እንታይ ጉድኣት ኣስዒቡን ብዘየገድስ ናብ ዝተፈላለዩ ወገናት ዘመሓላልፎ ውዑይ መልእኽቲ ኣለዎ። እዚ ተረኽቦ፡ ናብ  ናይ ኩሉ እምነታት ሰዓብትን ደለይቲ ፍትሕን መሰልን ኤርትራውያን፡ ናብ ኩሎም ሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ፡ ናብቲ ኣንጻር ረብሓኡ ክነሱ ዕድመ ናይቲ ዓመጸኛ ጉጅለ  ኣብ ምንዋሕ ዝሰርሕ ዘሎ ወተሃደራውን ጸጥታውን ትካላት ኤርትራን ናብ ሕብረተሰብ ዓለምን ዘመሓላልፎ መልእኽቲ ኣለዎ።

ርግጽ እቲ ጉዳይ ጉዳይና ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ እንነብር’ሞ ድሕሪ ወድቀት ጉጅለ ህግደፍ ብዝገሃድ ራህዋ እንጥቀምን ንምርግጋጹ እንጽዕትን ኤርትራውያን ወገናት፡ እቲ እንብህጎ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ቀንዲ ሰብ ዋኒን ስለ ዝኾና ቅድሚት ክንስራዕ ይገበኣና። ቅድሚት ክንስራዕ ኣለና ማለት ቅድም ነቲ ስርዓት ምውጋድ፡ ደሓር ድማ ብደሞክራስያዊ ስርዓት ኣብ ምትክኡ ኣብ ዘሎ መስርሕ ሓርነታዊ ቃልሲ ተጊህናን “ንዓይ” ዘይኮነ “ንዓና” እንዳጉላሕና ፡ “ንሕናን ንሳቶምን”  እንዳተበሃሃልና ዘይኮነ “ንሕና” እንዳበልና ስንና ነኺስና ንቃለስ ማለት እዩ። እዚ ናይ ትማሊ ናይ ኣስመራ ተቓውሞ ድማ እቲ ዘይከኣል ዝመስል ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ ከም ዝከኣል ዘመላኽት እዩ። ከም ህግደፍ ዝኣመሰለ ፍትሒ ዘይኮነስ፡ ምግዳድን ዓመጽን ዝመሰረቱ ጉጅለ ኣብ ቅድሚ ሓይሊ ህዝቢ ፈራህ እዩ እሞ ክንደፍሮ እምበር ክንፈርሖ ኣይግበኣናን። ከምቲ ብዙሓት ወገናት ዝርድእዎ፡ ትንፋስ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሓይልን ግፍዕን እያ ተሰዂዓ ዘላ። ነዚ ኣብ ምትግባር ኣብ ቅድሚት ኣሰሊፍዎም ዘሎ ከኣ ናይ ጽጥታ ትካላቱ እዮም። ስለዚ ሓይልታት ጸጥታን ምክልኻልን ኤርትራ ዳሕራይ ጉዳያት ካብ ኢዶም ምስ ወጹ ኣብ ክንዲ ምጠዓስ ሕጂ ከሎ ጌና ህዝባዊ ወገናውነቶም ብተግባር ከርእዩ ይግበኦም።

ከባብያውን ዓለም ለኻውን ትካላትን ምእንቲ ኩሉ መሰላት ወዲሰብ ዝሕለቑ ማሕበራትን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ይፍጸም ንዘሎ ግህሰት መሰል ርእዮም ከምዘይረኣዩ ብምሕላፍ፡ ገለን ናይ ስቕ ገለን ድማ ነቲ ስርዓት ናይ ምሕጋዝ ዝንባለታት ከርእዩ ንዕዘብ ኣለና። እዞም ወገናት ቀዳምነት ዝህብዎ ንነናቶም ረብሓ ምዃኑኳ እንተዘተኻሕደ፡ እዚ ግን ብዋጋ ግህሰት መሰል ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን እንከሎ ዓገብ ክበሃል ዝግበኦ እዩ። በዚ ኣጋጣሚ  ነዚ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ዝፈስስ ዘሎ ግህሰት መሰል ከቕልብሉ እዋኑ እዩ። እዚ ብእምኒ ወንጭፍ ዘይትግበር ናይ ካብ ክሳድ ንላዕሊ ማዕቀብ ብምእዋጅ ጥራይ ዝረጋገጽ ዘይኮነ፡ ሳዕቤኑ ንህዝቢ ኤርትራ ብዘይጐድእ ኣገባብ  ዘተግብር ስጉምትታት ንክውሰድ በዚ ኣጋጣሚ ምዝኽኻሩ ኣገዳስን እዋናውን እዩ ንብል።

Last modified on Thursday, 02 November 2017 19:24