Print this page

ብዙሕነትና በብመልክዑ

2017-10-26 21:39:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3142 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ

ብዙሕነት ከከም ኣተሓሕዛኡ ጠቓምን ጐዳእን ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ብዙሕነት ብግቡእ ክመሓደር እንከሎ ናይ ሓባር መልክዕን ሓይልን ከም ዝኸውን ብተመኩሮታት ዝተረጋገጸ እዩ። ብኣንጻሩ ብግቡእ እንተዘይተመሓዲሩ  ጠንቂ ምስሕሓብን ምድኻምን፡ ምናልባት እውን ካብኡ ንላዕሊ ኣሉታዊ ሳዕቤን ዘኸትል ከም ዝኸውን  ፍሉጥ እዩ። ቃልስና ኣብዚ መዳይዚ እምበኣር ብዙሕነትና ስኒት፡ ዓቕምን ጽባቐን ዝድርዕ ከም ዝኸውን ንምግባሩ እዩ። ብዙሕነት ካብ ዝግለጸሉ መለክዕታት፡ እምነት፡ ቋንቋ፡ ባህልን ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣን ቅድሚት ዝስርዑ እዮም። እዚኦም ኣብ ኤርትራና ጐሊሖም ዝረኣዩ ናይ ብዙሕነት መግለጺ ክኾኑ እንከለዉ እቲ ካብዚኣቶም ዝምንጩ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ከኣ ጸላዊ ቦታ ኣለዎ።

ካብዞም ዝተጠቕሱ ናይ ብዙሕነት መምዘንታት ከከም ኩነታቱ ሓደ ካብኦም  ዝያዳ ገኒኑ ተወዲቡ ዝቐርበሉ ተመኩሮ ኣሎ። ብጠቕላላ ዓለም-ለኸ ኮይኖም ዝቐርቡ ብዙሕነታት’ውን ኣለዉ። ንኣብነት ናይ ጠቕሚ ብዙሕነት ኣብ ኩሉ ኩርነዓት ብቐጻሊ ክንጸባረቕ ዝጸንሐን ዘሎን ኮይኑ፡ ፖለቲካዊ ክብ ለጠቕ ዘስዕብን እዩ። እዚ ክብ ለጠቕ ብግቡእ ሚዛኑ ሓልዩ እንተዘይተታሒዙ ሳዕቤኑ ሓደገኛ ከም ዝኸውን ፍሉጥ እዩ። ሰባት ካብቲ ናይ ብዙሕነት መለለይታት ነናቶም ከዕብዩ ክደልዩን ክጽዕሩን ባህርያዊ እዩ። ምኽንያቱ ከምኡ እንተዘይገይሮም ካብቲ  ባህሊ ድዩ ሃይማኖት ኣየንኡ ናቶም ምዃኑ ዝገልጽሉ መንግዲ የብሎምን። እዚ ነናብ ናትካ ባህሊ ድዩ እምነት ምድላው፡ ካብቲ ግቡእ መስመሩ ወጺኡ ናብ ናይ ካለኦት መሰል ምጉዕጻጽ ክድይብ እንከሎ ግና ውጽኢቱ በኣሓትን ዘየቀራርብን እዩ ዝኸውን። እቲ ብዙሕነት ኣብ ክንዲ ናይ ሓባር ዓቕምን ጽባቐን ዝድርዕ፡ ድኻምን ምብትታንን ዘኸትል ዝኸውን ከኣ ኣብ ከምዚ ህሞት እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ኣመሓዳድራ እውን ካብዚ ዝተፈልየ ዕድል የብሉን።

ብዙሕነት ብግቡእ ምምሕዳርን ዘይምሕዳርን ናይ ፖለቲካ መራሕቲ ካብ ዝፍተንሉ ኣገደስቲ ጉዳያት ሓደ እዩ። እንተኾነ እዚ ብጽቡቕ ድሌት ናይቶም ዘመሓድሩ ጥራይ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ሰፊሕ ኣረኣእያ፡ ንቕሓትን ቅሩብነትን ናይቲ ዝመሓደር  ህዝቢ እውን ኣገዳሲ እዩ። ስለዚ ግቡእን ዘተኣማምንን ምምሕዳር ብዙሕነት፡ ኣብ ሓፈሻዊ ንቕሓትን ናይ ኣተሓሳስባ ለውጥን ሕብረሰብ ዝምርኮስ እዩ። እዚ ኣገዳስነትን ጸላዊ ግደን ምምሕዳር ብዙሕነት ኣብ ከምዚ ንሕና ንርከበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ህይወት ጥራይ ዘይኮነ፡ ካብ ኩሉ ህይወት ሰባት ፈሊኻ ዝረአ ኣይኮነን። ሰባት ካብ ሓደ ንላዕሊ ብሓባር ኣብ ዝሰርሕሉን ዝነብርሉን ኣጋጣሚ፡ ኣብ መንጎኦም ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት ክንጸባራቕ ባህርያዊ እዩ። ነዚ ብዙሕነትዚ ንኹሎም ብዘርብሖም መልክዕ እንተዘየመሓዲረምዎ ከኣ ውጽኢቱ ጽቡቕ ክኸውን ከም ዘይክእል ሃብታም ተመኩሮ ኣለና። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘየብሉ ጉዳይ ምምሕዳርን ኣተሓሕዛን ብዙሕነት ኣብ ጽቡቕ ድሌት ሰባት ጥራይ ተንተልጢሉ ዝተርፍ ዘይኮነስ ቅዋማዊ ቦታ ክወሃቦ ዘለዎ እዩ።

ብዙሕነት መሰረት ዓቕምን ሓድነትን ከም ዝኸውን ንምኽኣል፡ ኣብ ዝኾነ ብሓባር ዝዕመም መዝነትን ሓላፍነትን ሰባት ካብ ኩሉ ናይ ብዙሕነት መግለጽታት ኣምጺእካ ብማዕረ ብምስላፍ ወይ ብምስራዕ ጥራይ ዝረጋገጽ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ እቲ ሜዳ ብማዕረ ናይ ኩልኻ እምበር፡ መለክዒኡ ብዘየገድስ ናይ ውሱን ዝንባለ ጥራይ ከም ዘይኮነ ዝቕበል ኣተሓሳስባን ሓላፍነታዊ ባይታን ከተጣጥሕ ብምብቃዕ እዩ። ከምቲ ንስኻ ንኣብነት ንሃይማኖትካ ኣዚኻ እትግደሰሉን ሕግታቱ እተኽብርን፡ እቶም ካለኦት’ውን ነቲ ናቶም ከማኻ ከም ዝግደስሉ ብልቢ ኣሚንካ ምቕባል የድሊ። ብዘይካዚ ከምቲ ካለኦት  ንናትካ ናይ መንነት መግለጺ ከኽብርዎ እትጽበዮም፡ ንስኻ’ውን ነቲ ናቶም ግቡእ ክብሪ ክትህቦ ከም ዘለካ ኣሚንካ ምቕባል፡ ካልእ መርኣያ ንምብዙሕነት ናብ ረብሓ ኩልኻ ምውዓሉ እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ኣኤርትራውያን ናይ ለውጢ ሓይልታት፡ ዝያዳ ኩሉ ግዜ ነቲ ክሳብ ሕጂ ዓንቂጹና ዝጸንሐ ዕንቅፋታት ወጊንና ብሓባር ኢደይ-ኢድካ ክንበሃሃል የድልየና ኣሎ። እዚ ማለት ኣብ ክንዲ ዓንቃጺ ኣሰጓሚ፡ ኣተሓሳስባ ከነጥሪ ኣለና ኢና ንብል ዘለና። እቲ ዘቀራርብ ይኹን ዝፈላሊ ኣተሓሳስባ ምስ ናይ ብዙሕነት መለለይና ብግቡእ ኣገናዚብና ከነመሓድር ምኽኣልን ዘይምኽኣልን ርክብ ከም ዘለዎ ብሩህ እዩ። ብዙሕነትና ሓይልን ጽባቐን ከም ዝኸወን ጌርና እንተመሓዲርናዮም ምስኡ ዘሳኒ ኣተሓሳስባ ከም እነጥሪ ርዱእ እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ብዙሕነትና እንተዘይ በቒዕና ግና ዘተሓቛቝፍ ኣተሓሳስባ ኣይክንሕዝን ኢና።

እዞም ናይ ብዙሕነት መግለጺ ዝበልናዮም ረቛሕቲ በበይኖም ፈላሊኻ ዝተሓዙ ዘይኮኑ ኣብ ሕድሕዶም ዝጸላለዉ      እዮም። ንኣብነት ንሓደ ወገን ሃይማኖቱ ኣኽቢርካ ንባህሉ ግቡእ ክብሪ እንተዘይሂብካ ናይቲ ካብ ግቡእ ኣተሓሕዛ ብዙሕነት ዝርከብ ጸጋ ተጠቃሚ ክትከውን ኣይትኽእልን። በቲ እንዳሃነጽካ በቲ ከም ምፍራስ’ዩ ዝቑጸር። ነቲ ናይ ገዛእ ርእስኻ ንናይ ካለኦት መሰል ብዘይሃሲ ምትግባርን፡ ነቲ ናይ ካሎት እንዳኽበርካን ምኻድ ከኣ ኣብ ምምሕዳር ብዙሕነት በብመልክዑ ወሳኒ እዩ።

Last modified on Thursday, 26 October 2017 23:45