Print this page

ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ

2017-07-10 22:00:11 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3904 times
Rate this item
(1 Vote)

ህይወት ሰባት ሓባራዊ እዩ። እዚ ሓባራውነት ኣብ ኩሉ መዳያት ማለት ኣብ ስራሕ፡ ንግዲ፡ ቃልስ ሓጐስን ሓዘንን ኮታ ኩሉ ዕለታዊ ምንቅስቓስን ዝንጸባረቕ እዩ። ሓባራውነት ኣብ ናይ ሓባር ተረባሕነት ዘተኩር ክኸውን እንከሎ፥ ኣብ መንጎ ሰባት ዘሎ ናይ ሓሳባት ምጽልላውን ምድግጋፍን እውን ዘንጸባርቕ እዩ። ሰባት ነዚ ዘይተርፍ ምጽልላው ክገልጹ እንከለዉ “ንሰብ መድሃኒቱ ሰብ እዩ” ብዝብል ይገልጽዎ። እዚ ሓባራውነትን ምጽልላውን ብምትእምማን ክስነይ እንከሎ ዝያዳ ጠቓሚ ይኸውን። ኣብ ሚዛኑ ዘይሓለወ ምክሕሓድ፡ ምንዕዓቕን ምጥርጣርን ዝሰረተ እንተኾይኑ ግና ውጽኢቱ ሃናጺ ኣይከውንን እዩ። እዚ ሓባራዊ ምጽልላው ብምትሕልላይ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊ ዝሕለወሉ ኩነታት እውን ኣሎ።

ሓባራውነት ኣብ ሕድሕዶም  ዝጻረሩ ግና ድማ ተኸኣኢሎም ዝኸዱ ስምዒታት እዩ ዝነብር። ናይ ዕድመ፡ ናይ ጾታ፡ ትምህርቲ፡ ሃብትን ሓላፍነትን ፍልልያት ነቲ ተጻራርነት ካብ ዝወልዱ መዕቀንታት እዮም። እቲ ተጻራርነት ብብዙሕ መልክዑ ዝግለጽ ኮይኑ ብቐንዱ ኣብ ሓደ ዛዕባ ብዝፍጠር ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ እዩ ዝቃነ። ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ ኣተሓሳስባኦም ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ሓንሳብ ምስ ተታሕዘ ኣብኡ ዝነብር ዘይኮነ ኣብ ማዕባሊ መስርሕ እዩ ዝነብር። ናይ ሰባት ኣተሓሳስባ ብከባብያዊ ጽልዋ ኮነ ኣብቲ ሰብ ብዝፍጠር ውሽጣዊ ምቅይያራት ዝምዕብል እዩ። ንኣብነት ዕድመ፡ ትምህርትን ተመኩሮን እንዳደልብካ ምስ እትኸይድ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዝነበረካ ኣረዳድኣ ናበየናይ ኣቕጣጫ ይኹን ይቕየር እዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ማዕባሊ መስርሕ ከኣ ትኣምኖ ዝነበርካ ክትጥርጥሮ፡ ትፈትዎ ዝነበርካ ክትጸልኦ፡ ትቕበሎ ዝነበርካ ክትነጽጎ ….. ወዘተ ንቡር እዩ። እዚ ለውጥታት ኣዚ ደረጃታቱ ደኣ ይፈላለ እምበር ኣብ ኩሎም ሰባት እዩ ዝረአ። ስለዚ ኣብ ሓደ ጉዳይ ናይ ኣረኣእያ ለውጢ ከተሕድር እንከለኻ እቲ ካልእ ወገን እውን ብናቱ መንገዲ ዝምዕብል እምበር፡ ናትካ ኣተሓሳስባ ተጸባዪ ጌርካ ምርኣዩ ጌጋ እዩ። ኣብ ሓደ እዋን ብልቢ ዝኣምነካን ንኹሉ ኣተሓሳስባኻ ዝቕበልን ዝነበረ ኣብ ካልእ መድረኽ፡ ዝመረጽካዮ መንገዲ ግጉይ ኮይኑ እንተተራእይዎ፡ “ደጊም እዚ ምርጫኻ ምርጫይ ኣይኮነን” ክብለካ ምዃኑ ከሎ ጌና ምርዳእ ልቦና እዩ።

ገለ ሰባት ቀደም ኣብ ስራሕ፡ ኣብ ትምህርቲ፡ ኣብ ቃልስን ካልእ ኣጋጣምን ዝተላለይዎን ዝተዓራረኽዎን ኣካል፡ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብኣተሓሳስባ ደረጃ ከምቲ ቀደም ዝኣምኖምን ዘዝበልዎ ዝገብርን እናመሰሎም ተሰካሚ ሓሳቦም ገይሮም ከጋልብዎ ይደልዩ።  ከምቲ “ከም ቀደም ይመስለክን ውሕጅ ይወስደን” ዝበሃል ከኣ ተቓውሞ ክገጥሞም እንከሎ ይስንብዱ። ብኣንጻሩ እቲ ብኽምዚ ዝተጠቕሰ ዝገመትዎ እሞ ካብ ግምቶም ወጻኢ ዝጸንሐ ኣካል፡ ናቱ ኣተሓሳስባ ኣማዕቢሉ “የለን ንስኻ ኢኻ ግጉይ ዘለኻ እሞ እንተኾነ ናብ ልብኻ ተመለስ እንተዘየል ሓሳብካ ቅቡል ኣይኮነን“ ክብሎም እንከሎ ተኣምራት ከም ዝተፈጥረ ይሰንብዱ። ብፍላይ ምስ ጉዳይ ሃገር፡ ህዝብን ፖለቲካዊ ውዳበን ዝተኣሳሰሩ መርገጻትን ውሳነታትን ንኽብሪ ናይ ቀደም ዕርክነትን ምቅርራብን ወይ ካልእ ግዝያዊ ጠቕሚ ኢልካ ዘይኮነ፡ ሕግን ስርዓትን እንዳተወከስካ ብናይ ገዛእ ርእስኻ እምነትን ሓቅን ዝተሓዝ መርገጽ እዩ። ነዚ ናይ ሰባት ናይ ገዛእ ርእሶም ሓቅን ሚዛንን ኣነኣኢስካ፡ ናትካ ኣተሓሳስባ ተሰከምቲ ክኾኑ ክትደፋፍእ ወይ ከተመንግግ ምድንዳን ግና ቅቡል ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ናይ ሰባት መሰል ምግሃስ’ውን እዩ።

ቅኑዕ ኮይኑ ዝተራእካ ሓሳብ ምንጽብራቕ ሓጥያት ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ መሰል እውን እዩ። እንተኾነ ነቲ ንስኻ ቅኑዕ እትብሎ ኣተሓሳስባ ብዛዕባ ሓደ ተረኽቦ ሒዝካ ናብ መቀራረቢ ሓሳብ ምስጓም እምበር ካልኦት ናብቲ ናትካ ክርዕሙ ሓደ ኩርናዕ ሒዝካ ምጽባይ እሞ ድማ ምስ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክራጸም እንከሎ  ሃናጺ ኣይኮነን ጥራይ ዘይኮነ ግጉይ እዩ። ከምቲ ንስኻ ነቲ ናትካ ሓሳብ ናይ ምክልኻልን ምዕጋብን መሰል ዘለካ፡ ካለኦት እውን ካብቲ ናትካ ሓሳብ ዝተፈልየ ምናልባት’ውን ዝጻረር ሒዞም ከዕግቡኻን ክጸልዉኻን መሰል ከም ዘለዎ ብጭረሖን መደረን ዘይኮነ ብግብሪ ቅሩብ ምዃን የድሊ። ብኣንጻር እዚ ክትቅበል ቅሩብ ዘይኮንካ ክንስኻ፡ ካለኦት ክቕበሉኻ ምምህላል ውጽኢት ኣይህልዎን። ከምዚ ገለ ወገናት ንሳቶም ሕግን ስርዓትን እንዳጠሓሱ ንኻለኦት ብጥሕሰት ዝኸስሉ ዘይቅርዑይ ኣካይዳ። ብሓጺሩ እቲ ካለኦት ክትግብርዎ እትደልዮ፡ ኣቐዲምካ ናይ ምትግባር ኣርኣያ ክትከውን ግድን እዩ። ካብቲ ካለኦት ክገብርዎ ዘይትደልዮ ድማ ቅድም ንስኻ ተዓቀብ።

Last modified on Tuesday, 11 July 2017 00:08