Print this page

ሕጊ ምኽባርን ምጥሓስን

2017-06-28 09:03:57 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4840 times
Rate this item
(1 Vote)

ሕጊ ወይ ስርዓት ሰፊሕ ትርጉም ኣለዎ። ኣገዳስነቱን ዝህቦ ኣገልግሎት’ውን ከምኡ ሰፊሕ እዩ። ብውሑዱ ግና ናይ ሓደ ትካል ኣካላት ናይ ሓባር ዕላምኦም ንምዕዋት ብሓባር ክጐዓዙ ዘኽእል መጥመሪ እዩ። ተልእኾ ሕጊ እዚ ኮይኑ፡ ከከም ደረጃ ናይቲ ዝግልገለሉ ትካል ዕምቆቱን ስፍሓቱን ክፈላለ ይኽእል። ኣብ ክሊ ሓደ ዓብይ ትካል፡ ኣብ ታሕተዎት ኣካላት ዝስርሓሎም ሕግታት ኣብ ሕድሕድ ክናበቡን ከሳንዩን ናይ ግድን እዩ። ንኣብነት ኣብ ሓደ ሃገር ቅዋም ናይ ኩሉ ሕግታት ዝለዓለ እዩ። እቲ ካልእ ፖለቲካዊ፡ ምምሕዳራዊ፡ ቁጠባዊ ይኹን ፍርዳዊ ሕግታት ከኣ ምስዚ ቅዋም ዝጻረር ክኸውን ኣይፍቀድን። እንተተፈተነ’ውን ኣፍራሲ’ዩ። ኣብ ሰልፍታትን ውድባትን እንተመጻእና እውን ሰልፊ ይኹን ውድብ ዝምረሓሉ ቅዋም ብጉባአ የጽድቕ። ድሕሪኡ ብዝተፈላለዩ ጽፍሕታትን መዳያትን ዝወጹ ሕግታትን መምርሕታትን ምስዚ ቅዋም ከም ዘሳንዩ ኮይኖም ክሕንጸጹ ግድን እዩ።

ሕጊ ናይ ብሓቂ ሕጊ ንክኸውን ክሓልፎ ዝግበኦ መስርሕ ኣለዎ። ሕጊ ምስ ኮነ ዝመርሕሉ ኮነ ዝምርሕሉ ኣካላት፡ ኣብ ምፍጣሩ ንበሎ ምጽዳቑ፡ ይሳተፉ። እቲ ኣሰታትፋ ከከም ምርጫ ናይቲ ነቲ ሕጊ ዘጽድቕ ትካል ወይ ውደባ ቀጥታዊ ድዩ ዘይቀጥታዊ ክፈላለ ይኽእል። ቀንዲ ሕመረት ናይቲ ተሳትፎ እቶም ተሳተፍቲ ሕጊ ኮይኑ ምስ ጸደቐ፡ ክቕየድሉ ስለ ዝኾኑ ኣቐዲሞም ናትና  ክብልዎን ፈትዮም ክኣትዉዎን እዩ። ኣብዚ ዘይዝንጋዕ ቀንዲ ባህርያት ቅዋም ምግዳድ እዩ። ቅዋም “ከምዚ ክግበር ይግባእ” እንድሕሪ ኢሉ ከምኡ ይትግበር። “ከምዚ ክግበር ኣይግበኦን” እንተይሉ ድማ ኣይትግበርን። እዚ ኣብ ወለንታ ዝምርኮስ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብ ብዙሓት ሰልፍታት “ዝኾነ  ኣባል ንሕግታትን መምርሕታትን ሰልፊ ምእዙዝ ይኸውን፤” ዝብል ዓንቀጽ ንረክብ። እዚ ናይዚ ሰልፊ ኣካል ኮይንካ ንክትቅጽል ኣገዳዲ እዩ።

ኣብ መስርሕ ምትግባር መደባት ናይ ሕጊ ኣገዳድነት ቅድሚት ኣይመጽእን እዩ። ብዝከኣል ጉዳያት ብድሌትን ናይ ሓባር ስምምዕን ንክትግበር እኹል ጻዕሪ ይግበር። ንሓደ ጉዳይ በዚ እንተዘይወዲእካዮ ግና ብሕጊ ክውዳእ ናይ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ናብ ናይ ሓባር ስምምዕ ንምብጻሕ ዘይጻዒ ክትሓቁን ምንባር ስለ ዘይከኣል። እዚ ሓደ ካብቲ ኣድማሳዊ ባህሪ ኣጠቓቕማ ሕጊ እዩ።  ናይ ሕጊ ሴፍ ክትምዘዝ እንከላ ነቶም ኣብ ሓደ ጉዳይ ናይ ሓባር መረዳድኢ ክፈጥሩ ዘይከኣሉ ኣካላት ማዕረ ምቓረት ኣይትህቦምን እያ። ንገሊኦም ብዕግበት ንገሊኦም ድማ ብቀይዲ እያ እትሕዞም። ነቶም ነቲ ውሳነ ዓጊበምሉ ዘይኮነስ፡ ምእንቲ ሕጊ ከኽብሩ ዝምእዘዙ ይመሮም እዩ። ግና ድማ ብዘይካ ብመራራ ምቕባል ካልእ መተካእታ የለን። ካብዚ ወጻኢ እንተኾይኑ ሳዕቤኑ ሕማቕ ስለ ዝኸውን። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ብሕጊ ትግደድ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ድማ ብኣንጻሩ ንስኻ ትዓግብ እቲ ካልእ ወገን ድማ ይግደድ። እቲ መስርሕ ብክብ ለጠቕ ይቕጽል። ኣብዚ መስርሕ ተፈቲንካ ክትሓልፍ ካብ ኣነነት ወጺእካ ምራቕካ ውሒጥካ ዕጉስ፡ ጸዋርን ልዕልና ሕጊ እትግንዘብን ክትከውን ግድን የድሊ።

ቅዋም ብሓፈሻ ዘገድድ ተባሂሉ ዝሰፍር ጥራይ ዘይኮነ ንዝተፈላለዩ ኣካላት ነናቶም ናይ ሓላፍነት ደረት ይምጥን። ውሳነታት ካብ ላዕሊ ንታሕቲ፡ ለበዋታትን መተሕሳሰብታትን ድማ ካብ ታሕቲ ናብ ላዕሊ ከመይ ከም ዝውሕዙ ብንጹር እዩ ዘስፍር።  ኮታ ግደን ሓላፍነትን ላዕለዎትን ታሕተዎትን ኣካላት ሰልፍን ውድብን ይድርት። ካብዚ ሓሊፉ ሰባት ኣብ ሓደ ዛዕባ ብኣረዳድኣ ክፈላለዩ ከም ዝኽእሉ ኣብ ግምት የእቱ። ካብቶም ብሓሳብ ዝፈላለዩ ገሊኦም ብዙሓት ገሊኦም ከኣ ውሑዳት ክኾኑ ባህርያዊ እዩ። ኣብዚ እውን ናይ ብዙሓት ይኹን ናይ ውሑዳት ግደን ሓላፍነት ይንጸር። ከም ኣብነት ናይ ብዙሓት ሰልፍታት ቅዋም እንተተወከስና “ኣቦ-መንበር ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዕላዊ ተሓታትነትን ውክልናን ኣለዎ።” ዝብል ዓንቀጽ ንረክብ።

ካብዚ ዝተጠቕሰ ከም እንርደኦ ኣድላይነት ወይ ግደ ቅዋም ገኒኑ ንቕድሚት ዝወጽእ ኣብ ኣረዳድኣ ጉዳያት ምፍልላይ ወይ ምፍሕፋሕ  ከጋጥም እንከሎ እዩ። ገለገለ ሰባት ግና ኣብ ናይ ርኢቶ ፍልልይ እንተበጺሕካ ደኣ እንታይ ሕጊ ኣሎ ዝብል መስሓቕ ዘረባ የምጽኡ እዮም። ሓደ ኣካል ሕጊ ኣኽቢሩ ዝበሃል እቲ ሕጊ ዝሃቦ ደረት ሓላፍነት ከይጠሓሰ እንተ ብዕግበት ወይ ብሕጊ ብምቕያድ ኣብቲ መስመር ገጥ ክብል እንከሎ እዩ። ኣብቲ ዝቕየደሉ ውሳነ ዘይዕግበትን ትዕዝብትን የብሉን ማለት ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ሕጊ ጥሒሱ ዝበሃል ልዕሊ እቲ ሕጊ ዝሃቦ ናይ ሓላፍነት ክሊ ክምጠጥ ዝህቅንን ጉዳያት በቲ ነዓይ ቅኑዕ ኮይኑ ዝረኣየኒ ጥራይ ክተሓዙ ኣለዎም ዝብልን ወይ ንጉዳያት ባህ እንተኢለሙኒ እምበር፡ ባህ ተዘይኢሉኒ ኣይቅበሎን ክብል እንከሎ እዩ።

ንኣብነት ብመሰረት ቅዋም ሓያሎ ሰልፍታት “ኣቦመንበር ሰልፊ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ዕላዊ ተሓታትነትን ውክልናን ኣለዎ።” ዝብል ብንጹር ዝተቐመጠ ኣሎ። ናይዚ ትርጉም ድማ ካብ ኣካላት ሰልፊ ናብ ኣቦመንበር ማለት ላዕለዋይ ኣካል ዝቐርቡ ናይ ምግዳድ ባህሪ ዘየብሎም ለበዋታትን መተሓሳሰብታት እምበር ንሓላፍነቱ ጅሆ ዝሕዙ ኣይኮኑን ዝብል መልእኽቲ እዩ ዘመሓላልፍ። ኣቦመንበር ብስም መሪሕነት ሰልፊ ናብ ታሕቲ ዝወርዱ ውሳነታት ግና ናይ ምግዳድ ባህሪ ኣለዎም። ምናልባት ኣቦመንበር ነቲ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብዘይግቡእ ክጥቀመሉ እንተፈቲኑ እዩ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ዝሕተት። ኣብ ተመኩሮ ደንበ ተቓውሞና ዝረአን ጠንቂ ምፍልላይ ዝኸውንን ግና እቲ ሓቀኛ ድሌት ካልእ እንዳሃለወ ብሕጋዊ ጥሕሰት ኣመኻኒኻ ንገዛእ ርእስኻ ናይ ሕጊ ተሓላቒ መሲልካ ክትቀርብ ምፍታን እዩ።

ሓደ ቅዋም ወይ ሕጊ ጸዲቑ ኣብ ግብሪ ክውዕል ምስ ጀመረ ካብቲ ዝተጸበኻዮ ወጻኢ ድሌትካ ዝዓግት ክኸውን ይኽእል እዩ። ንስኻ ድማ ካልእ ዝያዳ ንድሌትካ ዘንጸባርቕ ትብህግ። እዚ ግና ነቲ ኣብ ኢድካ ዘሎ ሕጊ ብምጥሓስ ዘይኮነ፡ ኣብ ሕጋዊ መድረኽ ንኣብነት ኣብ ጉባአ ብኻልእ ሕጊ ብምትካእ ጥራይ ኢኻ እተረጋግጾ። ባህ ንዘይበሉኻ መራሕቲ’ውን ከምኡ። ካልእ ኣቋራጭ ብስምዒትን ውልቃዊ ድሌትን ዝድፋእ ምርጫ ግና መንገዲ  ደሓን ኣይከውንን።

Last modified on Wednesday, 28 June 2017 11:10