Print this page

“ክንዳኻ ዘይኣኽሉ ብኣኻ ይወዓሉ”

2017-01-06 19:51:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 4036 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሰባት ብዛዕባኦምን ብዛዕባ ኣብ ከባቢኦም  ዝተዓዘብዎን ክዛረቡን ኣብቲ ጉዳይ ሚዛኖም ከንብሩን ዝተለምደ እዩ። እቲ ብዛዕባ ሓደ ኣካል ዝህብዎ ርኢቶን ሚዛንን ኣብ ጠባዩ፡ ዓቕሙን ክእለቱን፡ ኣብ ዘለዎ ሃብትን ዋንነትን ብፍላይ ድማ  ኣብ  ፖለቲካ ብዛዕባ መርገጹን ናይ ተግባር ጉዕዞኡን ዘተኮረ ይኸውን። እቲ ዝህብዎ ሚዛን ከኣ ኣውንታዊ ወይ ኣሉታዊ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። እቲ ሚዛን ርትዓውን ወድዓውን ወይ ድማ ባዕላውን ዘይርትዓውን ክኸውን ምዕዛብ ከኣ ዝተለምደ።

ብዙሓት ወገናት ነቲ ዝብልዎ እምበር ነቲ ዝበሃልዎ ስለ ዘይግደስሉ፡ ንገዛእ ርእሶም ኣብቲ ኣውንታዊ ወገን ኣቐሚጦም እቲ ሐሕማቑ ናብቲ ብዛዕባኡ ዝዛረብሉ ወገን ምጽጋዕ ዝተለምደ እዩ። ሓደ ኣካል  ብዓቕሙን ኣበርክቶኡን ካባኻ ዝደኸመን ዝተሓተን  ምዃኑ እንዳፈለጥካዮ፡ ሓቀኛ መንነትካ ሓቢኡ፡ ንምጥቃዕካ ዝጥዕሞ ጸሊም ካባ ኣልቢሱ ኣብ ኣሉታዊ ቦታ ከቕምጠካ እንከሎ “ክንዳኻ ዘይኣኽሉ ብኣኻ ይወዓሉ” ኢልካ ክትምልስ ትግደድ።

እዚ ኣበሃህላ ዘመሓላልፎ መልእኽቲ “ሓደ ጉዳይ ኣልዒልና ብዛዕባ ካኦት ቅድሚ ምዝራብ፡ ብዛዕባ ግደና ኣብቲ ጉዳይ ምዝራብ መሰረታዊ፡ ኣገዳስን ኣራምን እዩ” ዝብል ምዃኑ ምርድኡ ዘጸገም ኣይኮነን። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ሚዛና ከነንብር እንከለና ብዛዕባኡ ኣፍልጦ ክህልወና ናይ ግደን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ሓደ ኣካል ኣብቲ ንዛረበሉ ጉዳይ ዘለዎ ድኽመት ወይ ሕጽረት ከእርምን  ክንመክርን እንከለና ቅድም ቀዳድም ንገዛእ ርእስና ከምቲ ንክኾኖ እንመኾሮ ምህላውናን ዘይምህላውናን ምስ ገዛእ ርእስና ክንላዘብ ይግበኣና። ካብዚ ሓሊፉ ካልእ ኣካል ንስኻ ዘይኮንካዮ ክኸውንን ዘይሰራሕካዮ ክሰርሕን ምድላይ ኣብ ማእከል ጐልጐል ምምጽራይ እዩ ዝኸውን። እዚ ኣብ ባህልና እውን ቦታ ኣለዎ። “መኾቢያ ጢጡ  ሰብ ይዛረብ ነናቱ ኣቐሚጡ”  እንዳበልካ ከም ዝድረፍ ኣይንረስዕ።

እዚ ጸገምዚ ሎሚ ብሓፈሻ ኣብ ኤርትራውያን ብፍላይ ድማ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ገኒኑ ዘሎ እዩ። ንገዛእ ርእስኻ ናይ ለውጢ ዓቕሚ ክትከውን ከይበቓዕካ፡ ለውጢ ምጽባይ ናይዚ ሓደ ኣብነት’ዩ። ንስኻ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ባእታ ክትከውን ከይከኣልካ ምናልባት እውን ዓንቃፊ እንዳሃለኻ ናይ ሓድነት ሰባኺ ምዃን’ውን ከምኡ። ካብዚ ሓሊፉ ብዛዕባ ሓደ ፖለቲካዊ ትካል ሰልፊ ድዩ ውድብ ምናልባት’ውን ማሕበር ዘይወድዓዊ ኢደወነናዊ ብይን ምሃብ ይዝውተር ከም ዘሎ  ዝሕበኣና ኣይኮነን። ንፖለቲካዊ ውዳበታት ኣብ ክንዲ በቲ ዝምርሕሉ ፖሊስን መትከላትን ምምዛን፡ ሓደሓደ ግዜ ካብ ንነት እቶም ዝመርሕዎ እንዳነቐልካ ወይ ድማ ባዕልኻ ናይ ሓሶት ግናይ ንነት ሂዝካ “ከምዚ ዝኣደቡ ውድብ ወይ ሰልፊ እዩ” ኢልካ ጸለሎ ምቕባእ እንዕዘቦ ዘለና ኣዕናዊ ተግባር እዩ። እቶም ከምኡ ዝብሉ፡ ነቲ ናብ ሓደ ኣካል ኣላጊቦም  ክቃወምዎ ዝፍትኑ ባህርያት ባዕላቶም ዝውክልዎ ምዃኖም  ክኾኑ እንከለዉ  ከኣ ዝያዳ የገርም። ንኣብነት ሓደ ኣካል ንገዛእ ርእሱ ብሃይማኖት ድዩ ብኻልእ ጸቢብነት ዝተሻበበ ክንሱ፡ ንኻኦት ኣብኡ ዘየለዉ ክንሶም  ብኸምኡ ዓይነት ጸቢብነት ክገልጽ ክፍትን እንከሎ እንታይ ይበሃል።

እዚ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚ ዝግለጽ ክይኑ፡ ናይ ፓልቶክ መድረኻት ናይዚ መናሃርያ ምህላወን ፍሉጥ እዩ። ብሰንኪ እዚ ብዙሓት ወገናት፡ ምስቲ ብግቡእ እንተ ተጠቒምካሉ ኣገዳሲ ዘመናዊ ናይ ሓበሬታ መሳርሒ ዝኸውን ፓልቶክ ክጻልኡ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ኣብዚ መድረኽዚ፡ መንነቶም ብዝሓብኡ፡ ሓላፍነት ብዘይስመዖምን ናይ ተሓታትነት መስመር ብዘየብሎምን ወገናት፡ ውድባት ብዘይወዓለኦ ክኽሰሳን ዘይምልከተን እንታይነት ክወሃበን ምስማዕን ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ቃልስና ክሳብ ክንደይ ዝተሓላለኸ ምዃኑ ዘረደእ’ውን እዩ። ብዙሓት ኣድራሸኦም ዘይፍለጥ፡ ነይሩና ዝብልዎ ጽፍሒ ሓላፍነት ሓቅነቱ ምጽራይ ዘይከኣል፡ ጸልማት ተኸዊሎም፡ “እገለ ውድብ ከምዚ እዩ። እገለ ዝበሃል ባእታ ከምዚ እዩ ኣደቡ” ዝብሉ፡ መርተዖ ክሕተቱ እንከለዉ ድማ ከምቲ ቀደም ኣብ ድንኳናት “ልቃሕ ጽባሕ” ዝብል ጽሑፍ ዝስቀል ዝነበረ፡ ዘይትግበርን ዘይውዳእን ቆጸራ እንዳሃቡ ክሃድሙ  ክትሰምዕ እንከለኻ “ርሑቕ ዓዲ መሕሰዊ” በሎ ይመጸካ።

እዞም ኣብ ከምዚ ዘይንኣድ ኣፍራሲ ተግባራት ተዋፍሮም ዘለዉ ሰባት፡ ምናልባት እቲ ሒዘምዎ ዘለዉ መንገዲ ኣዕናዊ ምዃኑ ስለ ዝጠፈኦም እዮም ኢልካ ምሕላፉ ጥራይ እኹል ኣይኮነን። በዚ ኣቢልካ ንሓይሊ ተቓውሞ ኣብ ሕድሕዱ ምትእምማን ኣጥፊኡ ከም ዝናቖት ናይ ምግባር ዕላማ እንተሃለዎምከ? ኢልካ ምሕታት ለባም ኣተሓሕዛ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ በቲ ዝብልዎ ተሰሊብካ ንሳቶም ናይ ዝስዕስዕሉ ጓይላ መዳመቒ ምዃን ግጉይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ዳሕራዩ ዘጣዕስ እዩ ዝብል እምነት ኣለና። እዚ ተግባርዚ ደጊም “ክሳብ እትኣምን ኪድ ካብዘይትኣምን ተመለስ” ክበሃል እዋኑ እዩ

Last modified on Friday, 06 January 2017 20:55