Print this page

ወጽዓ ህግደፍ ደድሕሬኻ’ዩ ዝስዕብ

2016-12-07 07:45:25 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3330 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ሃገሮም ራሕሪሑም፡ ውሕስነት ብዘየብሉ መንገዲ ናብ ስደት ብጃምላ ምውሓዝ ካብ ዝጅምሩ ሓያሎ ዓመታት ኮይኑ። እዚ ክንብል እንከለና ብዛዕባቲ ድሕሪ ናጻነት ኤርትራ እሞ ድማ ብብዝሒ ዝዝውተር ዘሎ ዘይተጸበናዮ ስደት ንዛረብ ኣለና እምበር፡ ስደት ኣብ ኤርትራስ ነዊሕ ዕድመን ታሪኽን ዘለዎ ምዃኑ ብምዝንጋዕ ኣይኮነን። ስደት ኤርትራውያን ኣብዚ እዋንዚ ንዓና ጥራይ ዘይኮነ ንመላእ ዓለም ኣጨኒቖም ካብ ዘለዉ ተርእዮታት ሓደ እዩ። ስደት ክልዓል እንከሎ ሓቢሮም ክለዓሉ ናይ ግድን ካብ ዝኾኑ ዛዕባታት ሓደ “ጠንቂ ናይቲ ስደት እንታይ’ዩ” ዝብል እዩ።

ናይዚ ስደት ጠንቂ ብዝምልከት ንህግደፍ ወሲኽካ ዝተፈላለዩ ወገናት ነናቶም ምኽንያት እዮም ዘቕርቡ። ህግደፍ ቀንዲ ምኽንያቱ ካብ ተሓታትነት ንምህዳም ክኸውን እንከሎ፡ ነቶም ዝስደዱ ዜጋታትና ክትደግሞ ብዘሰክፍ ቃላት ክገልጾም ጸኒሑ። ንኣብነት “ናይ ሕብረተሰብ ሓተላ” ዝብል ዘስገድግድ ቅጽል ይልጥፈሎም። እዞም ኤርትራውያን ዑቕባ ዝሓትወን ሃገራት እውን እንተኾና ነቲ ጠንቂ ንሕቶኦም ምንጻግ ብዝጥዕመን ኣገባብ ክገልጸኦ እየን ዝህቅና። ብመንጽር እዚ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ክትስደድ ዘገድድ፡ ሰብኣውን ደሞክራሲያውን ግህሰታት ጓስየን፡ “ዝሓሸ መነባብሮ ንምርካብ” ብዝብል ዝገልጸኦ ሃገራት እንዳበዘሓ ይኸዳ ምህላወን ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ብእምንቶና ግና ዝተማህዘ ምኽንያት እንተተማህዘ ከምቲ “እንተዘይትደፍኣኒ መን መጽደፈኒ” ዝበሃል ደድሕሪ ዝኾነ ምኽንያት ንሕስያ ዘየብሉ ወጽዓ ጉጅለ ህግደፍ ኣሎ።

“ስደት ግዝያዊ ሩፍታ’ምበር መሰረታዊ መዋጸኦ ኣይኮነን” ዝብል መደምደምታ ንኹልና ዘረዳደኣና እዩ። እዚ ማለት ከኣ እቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ሓይሊ ክሳብ ዘሎ፡ እቲ ኣርዑት ኣብ ዝኸዱ እንተኸዱ ካብቶም ስደት ዝመረጹ’ውን ኣይወርድን እዩ። ብመሰረቱ ሓደ ሰብ ንነብሱ ጥራይ ኣይኮነን ዝነብር። ናይቶም ብህግደፍ ጀሆ ተታሒዞም ዘለዉ፡ ቤተሰቡ፡ ሃገሩን ህዝቡን ሓላፍነት ኣለዎ። እዚኣቶም ኣብ መጋርያ ወጽዓ እንዳሃለዉ፡ ኣብ ዓዲ ስደት ክቐሰን ከቶ ዘይግብራዊ እዩ። ኣብቲ ዝተሰዶ ተዘይሰሊጥዎ ከኣ እቲ ጾር ዝያዳ ይኸብድ። ብመንጽር እዚ እቲ መሰረታዊ ፍታሕ ምስዳድ ዘይኮነ ንጠንቂ ስደት ምውጋድ እዩ ዝብል መደምደምታ ኩሉ ሳዕ ሓቂ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ዓቕሙ ተዘይደሪትዎ፡ ንሃልሃልታ ወጽዓኡ ናብ ኩሉ ኤርትራዊ ዘለዎ ክልሕሞ ድሕር ኣይብልን እዩ። ንኤርትራውያን ደድሕሪኦም እንዳሰዓበ ክስልይሉ፡ ካብ ዝሰርሕዎ ገንዘብ ክኸፍልዎ፡ ንፕሮፖጋንዳ ኣብ ዝውድቦ መድረኻት ተሳቲፎም ከዳምቕሉ ይጽወዖም ጥራይ ዘይኮነ የገድዶም። ኣብዚ እዋንዚ  ድሌት እቲ ጉጅለን ኣብ ባይታ ዘሎ ውጽኢትን በበይኑ ምዃኑ ጉጅለ ህግደፍ ይሰዓር ከምዘሎ ዘመላኽት’ኳ እንተኾነ ጌና ትልኽ ካብ ምባል ኣይዓረፈን። እዚ ጉጅለ ካብቲ ከምስል ኣብ ኣደባባያት ዝቃወሞ ጉዕዞ ናብ ስደት ከይተረፈ ዝዝርገሖ ናይ መኽሰብ መርበባት ኣለዎ። ብዙሓት ካብ ስቪላውን ወተሃደራውን ሓለፍቱ ኣብ ሰባት ናብ ስደት እንዳፋነኻ ናይ ምኽሳብ ቀላይ ጥሒሎም ምህላዎም ከኣ ናይዚ መግለጺ እዩ።

እዚ ጉጅለ ደድሕሪ ኤርትራውያን ስደተኛታት እንዳሰዓበ ዘውርዶ በደል መምስ ኩነታት ናይተን እዞም ኤርትራውያን ዝተዓቑቡለን ሃገራት ይፈላለ እዩ።  ድሌቱ ግና ኣብ ኩሉ ከባቢ ኩሉ ግዜ ተመሳሳሊ እዩ። ዘይረዊ ዓመጽ። ንኣበነት ኣብ ከም ደቡብ ሱዳን ዝኣመሰላ ሃገራት ነቲ ምዝማት ገንዘብ ብሰበብ 2%ን ካልእ ምኽንያታትን ሓሊፍዎ ክሳብ ኣብ ዓደማቱ ንብረት  መዝጊብካ ናይ ምሓዝ ደረጃ ከም ዝበጸሐ ሓበሬታታት ኣሎ። ድሕሪ’ዚ ዝመጽእ እቲ ዝተመዝገበ ንብረት ኣምጽእዎ ምባል ከም ዝኸውን ከኣ ካብ ተመኩሮኡ ምርዳእ ዝከኣል እዩ። ኣብ ሰሜን ሱዳን ኤርትራውያን ካብ ገዛውቶም እንዳዓፈነ ናብ ኣስመራ ምውሳድ እውን ካብዚ ፈሊኻ ዝረአ ኣይክኮነን።

ኣብዚ እዋንዚ እዚ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ርኹስ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ዘይርደኦ ኤርትራዊ  የለን። እንተኾነ ገለ ወገናት ከምቲ ዝርድእዎ ናይ ዘይምዃን ጸገም ኣለዎም። “ኣብ ዓዲ ካብ ዝፍጠር ቤተሰባዊ ጉዳይ ከይንፍለ” ዝብል እቲ ቀንዲ ኤርትራውያን ርእዮም ከምዘይረኣዩ ኮይኖም ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ዘይጭክንሉ ምኽንያት እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ኣብ መንጎ ህግደፍ ከም ስርዓትን ኤርትራ ከም ሃገርን ዘሎ ፍልልይ ምርኣይ ስኢኖም፡ ንጉጅለ ህደፍ ምስዚ ኩሉ ኣበሩ ክድግፉ ከለዉ ንኤርትራ ከም ሃገር ዘኽብሩን ዘገልግሉን ዘለዉ ኮይኑ ዝስመዖም ውሱናት ኤርትራውያን  ከም ዘለዉ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን።

ዜርና ዜርና ናብ መፍትሒ ኢና ንመጽእ። ዓዲ ገዲፍካ ምስዳድ፡ ዋላ’ውን ኣብቲ ዝኸድካዮ ተጠዓመካ፡ ጌና እቲ ዕዳ ኣብ ዝባንካ ምህላዉ ምስትብሃል የድሊ። ኣብ ዓዲ ኮነ ኣብ ወጻኢ ክትቀስንን ኣብ ዝመሰየካ ክትሓድርን ነቲ ጠንቂ ስደት ምውጋድ መተካእታ ከም ዘየብሉ ምፍላጥ ዘይስገር’ዩ። እዚ ሓላፍነት ዋላ’ኳ ርኢና ከም ዘይረኣና ክንሰግሮ ተፈተና፡ ንሱ እቲ ወጽዓ ግና ደድሕሬና ስዒቡ ዝድህከና እምበር ዘናሕስየልና ከምዘይኮነ ምርዳእ ናይ ግድን እዩ። ኣብ ክንዲ ኣትኪልና ምውግኡ፡ ካብቲ ጸገም ንርሕቕ ዘለና መሲሉና ብማዕዶ ምዕዛብ ግና መፍትሒ ከምዘይኮነ ንርእዮ ኣለና። እቲ ክንጥንቀቐሉ ዝግበኣና ካልእ መዘዝ ከኣ እቲ ጉጅለ ኣብ ሕድሕድና ከፋፊሉ ከናቑተና ናይ ዝፍትኖ ግዳይ ከይንኸውን እዩ።

Last modified on Wednesday, 07 December 2016 08:50