Print this page

ጉዳይና፡ ጉዳይ ህዝቢ ካብ ኮነ!

2016-11-10 09:02:02 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3462 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ተቓወምቲ፡ ጉዳይና ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ምዃኑ ወትሩ እነንጸባርቖ ዕላማና እዩ። ነዚ ዓብይ ጉዳይ፡ ምስቲ ቀንዲ ዋንኡ ህዝቢ ኤርትራ ኮይና ኣብ መዕርፎኡ ከነብጸሖ ከም እንደልን ናብኡ ዘብጽሕ ዓቕሚ ከም ዘለናን እውን ወትሩ እንጠቕሶን ከም ቀንዲ ዕላማና እንወስዶን እዩ።  እዚ ከም ዘለዎ ኮይኑ፡ ነዚ ኣብ ምትግባር ብዙሓት ዘይሰዓርናዮም ብደሆታት ከም ዘለዉ ከኣ ደጋጊምና ንገልጽ። “ድሌትናን ዕላማናን ሓደ፡ ኣዋፍራና ከኣ በበይኑ” ምዃኑ ከኣ ናይ ዘይምዕዋትና ፍሩይ መግለጺ እዩ።  ጸገምና ምርዳእ ጥራይ ዘይኮነ ናይ ጸገምና ጠንቂ እንታይ ምዃኑ ከም ዘይጠፍኣና’ውን ብዙሕ ግዜ ነመላኽት ኢና። ኣንጻር ሓደ ክውገድ ዝግበኦ ኣይኮነንዶ ንሕና ዓለም ዘለለየቶ ጸረ ህዝቢ ክትቃለስ እንከለኻ፡ ከምቲ ንቡር ቀንዲ ዕንቅፋት ክኾነካ ዝግበኦ ንሱ እቲ ኣንጻሩ ትቃሶ ዓመጸኛ እዩ። ካለኦት ባዕላውን ወድዓውን ጸገማት ኣይህልዉን ማለት ግና ኣይኮነን።

እዚ ጉዳይዚ ኣባና ክመጽእ እንከሎ ግና ፍልይ ዝበለ መልክዕ ምሓዙ ንግንዘብ። እቲ ኣንጻሩ ንቃለሶ ዘለና ዘይህዝባዊ ሓይሊ ብሰንኪ ኣሻዅ ባህርያቱ እንዳ ሓደረ ዝምንምን ዘሎ ብምዃኑ ቀንዲ ዓንቃፊና እዩ ኢልካ ምጥቃሱ የጸግም። ከም ውጽኢት ምድኻሙ ኣባና ዘንጸባርቕ ብርታዐ ግና ትሕቲ ክኾኖ ዝግበኦ እዩ። ንሕና ከኣ ነቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ባህግናን፡ ዓቕምናን  ኣውሃሂድና ንቃለዓለም ዘይኮነስ ብልብን ብዘይቀያየር ቀጻልነትን “ጉዳይና ጉዳይ ህዝቢ” ምዃኑ ኣዕሚቑ` ክሰርጸና ዘይምኽኣሉ ከም ቀንዲ ጸገምና ኮይኑ ቀሪቡ ኣሎ። ብዙሓት ከም ዝብልዎ፡ “ምእንቲ ህዝቢ ዝተሰለፍኩ እየ” ምባልን ብተግባር ምእንቲ ህዝቢ ምውፋይን ይፈላለ እዩ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታትና ናይ ብሓቂ ምእንቲ ህዝቢ ዝተሰለፈ ኮይና ክንበቅዕ ዝተርፈና ብዙሕ እዩ።  ከም ሓቂ ናይ ምትግባሩ ውሱንነት እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ብሓቂ ምእንቲ ህዝቢ ዝተሰለፈ ወገን ንምዃን ከነማለኦ ዝግበኣና እውን ኣይመጠፈኣናን። እቲ ጸገም ኣብ መንጎ ንውልቃውነትካ ወይ ጉጅላውነትካን ምዃንን ንባህጊ ህዝቢ ምዃንን ዘሎ ናይ ኣተሓሳስባን ምድብላቕ ዝፈጠሮ እዩ።

ምእንቲ ህዝቢ ዝተወፈየ ዘተኣማምን ሓይሊ ንምዃን፡ ክኽፈል ካብ ዝግበኦ ክቡር ዋጋ ንጸቢብ ድሌትካ ብናይ ህዝቢ ድሌትን ባህግን ከም ዝግዛእ ክትገብሮ ምብቃዕ መሰረታዊ’ እዩ። ዝተፈላለዩ ጸበብቲ ዝንባሌታትካ ውሒጥካ ናይ ብሓቂ “ኣነ ንህዝበይ’የ” ኣብ ክንዲ ምባል፡ ክልተ፡ ሰለስተ ዝንባሌታትን ኣተሓሳስባታትን እንዳቛሰኻ ምኻድ ኣየዕውትን እዩ። በቲ ሓደ ወገን “ኣነ ንህዝበይ” ዝብል ጭረሖ ሒዝካ በቲ ሓደ ወገን ድማ፡ ንሃይማኖታዊ፡ ንብሄራዊ፡ ንቋንቋውን ንቦታውን ጸቢብነታት ብውዱብ ይኹን ብዘይውዱብ  መልክዕ ልዕሊ ጉዳይ ህዝቢ ክትሰርዕ ምፍታን ውጽኢቱ ኣብ ዘለኻዮ ዕንክሊልን ደውታት እዩ። ምናልባት እውን ካብኡ ንታሕቲ ሻታሕታሕ ምባል ይኸውን።

ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት፡ ነየናይ ወሲድካ ነየና ትገድፍ፡ ነየናይ ኣደይብካ ነየናይ ተውርድ፡ ኮታ ነየናይ ተቐቢልካ ነየናይ ትነጽግ ክትውስን’ሞ ውሳነኻ ከኣ ርትዓዊ ክኸውን ኣተሓሳስባታትን ተረኽቦታትን ምግምጋምን ምምዛንን ኣገዳሲ እዩ። ናይ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝኸውን ከኣ ሚዛንካ ኣብ ርትዓውነት ዝተመስረተ ኮይኑ ናይ ውጽኢ’ቲ ገምጋምካ ምእዙዝን ቅዩድን ክትከውን እንከለኻ እዩ። እዚ ዘይምግባር ከኣ ኣዝዩ ግጉይ እዩ። ከምቲ ግጉይ መንገዲ ናብቲ ዝሓሰብካዮ ዘይወስድን ካብ ናይ ህዝቢ ውክልና’ውን ዘውጽእ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ብኒሕ፡ ብህልኽ፡ ብሓንሳብ ካብ ጀመርኩዎ ንድሕሪት ኣይምለስን ተሰንዲሕካ ንዝረአን ዝድህሰስን ክዉን ሓቂ “ይረኣየኒ የለን” ዝዓይነቱ መንገዲ ምምራጽ ቦታኻ ከምቲ ኣፍካ ዝደርፎ ወገን ህዝቢ ዘይኮነስ ኣብቲ ኣንጻሩ ዘሎ ኩርናዕ እዩ ዝኸውን። ካብዚ ናይ “ዓይኒ የብለይ ስኒ የብለይ” ኣካይዳ  ወጺእካ ብግብሪ ጉዳይ ህዝቢ ዘቐድም ርትዓዊ መንገዲ ክትሓዝ ተወፋይነት ዝሓትት እዩ። ተወፋይነት ኣብ ዓውዲ ውግእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ከምዚ ዘለናዮ ሃለዋት ንባዕላውነት ኣወጊዱ ጉዳይ ህዝቢ ዘቐድም ኣተሓሳስባ ምሓዝ እውን ውፉይነት እዩ። ኣብዚ ዝዕወቱ ከኣ ጀጋኑ እዮም። ብእንጻሩ፡ “ንውልቃዊ ወይ ጉጅላዊ ድሌተይን ጸቢብ ስምዒተይን ዘየንጸባርቕ እንተኾይኑ፡ ዋላ ጉዳይ ህዝቢ ይኹን ይጠንጠን” ምባል ከኣ ናይ ስሰዐ መግለጺ እዩ። ስሰዐ ኣብ ንዋይ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ኣተሓሳስባ’ውን ይረአ እዩ።

ኣብ ክንዲ ቅኑዕ ህዝባዊ ኣተሓሳስባ ምሓዝ ጸቢብ ህርፋንካ ከተርዊ ምምራጽ ነቲ ዓወቱ ዘይተርፍ ባህጊ ህዝቢ ተገደደስ የደናጎዮ እምበር ጠጠው ከብሉ ኣይክእልን። ጉዳያት ብናይ ገዛእ ርእሶም ናይ ምቕጻል ባህሪ ስለ ዘለዎም። ቅኑዕ ናይ ህዝቢ ሕቶ ኣብ ሓደ እዋን ክዕወት ናይ ግድን እዩ። እቲ ዘይቅኑዕን ዘየስርሕን ክነሱ “ቅኑዕ እዩ” ኢልካ ትምድረሉ ከኣ ናይ ግዜ ጉዳይ ደኣ ይኸውን እምበር ብኣሉታ ምምዝጋቡ ናይ ግድን እዩ። እቲ ንሓደ ተረኽቦ፡ ኮነ ኢሉ ብናይ ህዝቢ ድሌት ኣጐልቢቡ፡ ንጸቢብነቱ ሓሸውየ ክጻወት ዝፍትን ኣካል ከኣ ብውሕዱ ብሕልንኡ ክውቀስ ምዃኑ ዘይተርፍ እዩ። ህዝቢ’ውን  “ንዓኻ ኣሚነ ነዓይ ኣብ ዘይውክል መስርሕ ተስፋ ኣንቢረ መዋጸኦ ከይደሊ ዘሪዕካኒ ጸኒሕካ” ዝብለሉ መድረኽ ከም ዝመጽእ ምዝንጋዕ ኣይግባእን። 

Last modified on Thursday, 10 November 2016 10:08