ኤርትራ፡ ውድባታን ስዉኣታን

2016-04-05 06:17:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3177 times

ታሪኽ ኤርትራን ህዝባን ታሪኽ ተኸታታሊ ቃልስን ጽንዓትን እዩ። እቲ ታሪኽ ከምዚ ክኸውን ዝደረኸ ተኸታታሊ መግዛእቲ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ፍትሓውን ሕጋውን እምበር ዓመጸኛ ስለ ዘይኮነ፡ ካብ መግዛእትን ወጽዓን ንምንጋፍ ቃልሱ ብሰላማውን ሕጋውን ኣገባብ እዩ ጀሚርዎ። እንተኾነ ገዛእቱን ናይግዳም ናይ ጠቕሚ ተሓባበርቶምን ንትዕግስትን ሕጋውነትን ህዝቢ ኤርትራ ብዓይኒ ፍርሕን ኣቀጫጭን እዮም ርእየምዎ። ንኤርትራ ብሰንኪቲ ዘለዋ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ግዝኣቶም ክትከውን ስለ ዝወሰኑ  ከኣ ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ትርጉም ኣይሃብዎን። ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ድማ “ወይ ተንበርኪኽካ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ምንባር ወይ ድማ ንቃልስኻ ናብቲ ዝበለሐ ደረጃኡ ኣደይብካ ምቕጻል” ከም ምርጫ ቀረበሉ። ምርጫ ህዝቢ ኤርትራ ብዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ምቕጻል እምበር፡ ምንብርካኽ ኣይነበረን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ብ1961 ብረታዊ ቃልሱ ኣበሲሩ። እዚ ዝበለሐ ኣገባብ ቃልሲ ክጅምር እንከሎ ዝኾነይኹን ሕጽረት ወይ ጉድለት ኣይነበሮን ማለት ከምዘይኮነ ኩልና ነስተብህለሉ እዩ ዝብል ግምት ኣለና።

ናይቲ ዝነበረ ሕጽረታት መንቀሊ ምኽንያታት ብዙሓት ክኾኑ እንከለዉ፡ ጸቢብ ናይ መን ዓብለለ ስምዒት፡ ነጸብራቕ ናይቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ፍልልያት፡ ጸቢብ ሃይማኖታዊ ዝንባለ፡ ገዛእቲ ነቲ ሰውራ ንምብርዓን ዝኣልምዎ ዝነበሩ ውዲታት፡ ናይ ካለኦት ሃገራት ሰውራዊ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ምጥቃም  … ወዘተ ከም ኣብነት ክውሰዱ ዝኽእሉ እዮም። ከም ውጽኢት ናይዚ ዘይተደላዪ ፍልልያት ድማ፡ ብዓብይኡ እቲ ቃልሲ፡ ምእንቲ ናጽነት ሓንቲ ሃገርን፡ ሓርነት ሓደ ህዝብን ክነሱ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ክህሉ ናይ ግድን ኮይኑ። ካብ ሓደ ውድብ ንላዕሊ ምህላው ጥራይ ዘይኮነ እቲ ፍልልያት በቲ ኣሉታዊ መልክዑ ማዕቢሉስ መሪር ውግኣት ሕድሕድ’ውን ተኻይዱ። እዚ ናይ ሓደ ዝዕላምኦም ኣሕዋት ኤርትራውያን ሕድሕድ ውግእ ከኣ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ኤርትራ ኣሉታዊ በሰላ ገዲፉ እዩ። ምስዚ ኩሉ መሪር ውግኣት ሕድሕድን ምንጽጻግን ግና ኩሉ ውድባት ኤርትራ ካብቲ ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ዝሓዞ ኣንፈት ኣልጊሱ መፍቶ መግዛእቲ ኣይኮነን። እቲ ቃልሲ መሪሩን ነዊሑን እምበር፡ ሰውራ ኤርትራ ኣበርዒኑ መስዋእቲ ጀጋኑ ኣይመኸነን። ውድባት ኤርትራ ዋላ’ኳ ኣብ ሕድሕዱ መሪር ውግእን ዓሚቕ ናይ ምጽልላም ወፈራን እንተካየደ፡ እቲ ሓደ ውድብ ነቲ ካልእ ውድብ ከም ሽፍታ ኣይከሰሶን። ነቶም ኣብ ውድባት ዝተሰውኡ እውን ደሞም ንከንቱ ከም ዝፈሰሰ ገይሩ ዝገለጸ ኤርትራዊ ኣካል ኣይነበረን።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሕድሕድ እቶም ምእንቲ ናጽነት ዝተሰለፉ ደቁ ብዝተፈጥረ ውግእ ኣዝዩ ሓዚኑ። ንምትዕራቖም ዝገበሮ ፈተነታት’ውን ዋላ’ኳ ተዘይተዓወተ፡ ኣብ ታሪኽ ቃልሲ ህዝቢ አርትራ ምእንቲ ናጽነት ዓብይ ቦታ ዝወሃቦ እዩ። ምስ  ኩሉ ምረቱን ነቲ ሓደ ኮኒኑ ነቲ ካልእ ክድግፍ ዝወርዶ ዝነበረ ተጽዕኖን፡ ንውድባቱ ከየዳለወ “ የማናይ ዓይንና ጸጋማይ ዓይንና” ካብ ምባል ሓሊፉ ዋላ ንሓደ ውድብ “ሽፍታ ኢኻ” ኣይበለን። ኣብ ኩሉ ውድባት ንዝተሰዉኡ ደቁ ከኣ “ምእንቲ ናጽነት ሃገርን ሓርነት ህዝብን ዝተሰውኡ” ካብ ምባል ሓሊፉ ንክቡር ደሞም “ከንቱ ዝፈሰሰ” ኣይበሎን።  ሕብረተሰብ ዓለም እውን ንሰውራ ኤርትራ፡ “ዝከኣል ዘይምስል ንዝነበረ ዝኸኣለን ካብ ገዛእ ርእሱ ሓሊፉ ንካለኦት ኣካላት ናይ ጽንዓት ኣብነት ዝኾነን” ዝብል ኣብነታዊ ምስክርነቱ ሂብሉ እዩ።

ሰውራ ኤርትራ ዝነበሮ ሓያልን ድኹምን ጐድንታት ርዱእ ኮይኑ፡ ዕላምኡ ምርግጋጽ ናጽነት ጥራይ ኣይነብረን። ካብዚ ሓሊፉ ክሳብ ናይ ህዝቢ ሓርነት ምርግጋጽ ዘማዕዱ እዩ ነይሩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ እቲ ቀዳማይ ምዕራፍ ዕላምኡ ኣብ 1991 ተረጋጊጹ። ኤርትራ ከኣ ብ1993 ናጻ ልኡላዊት ሃገር ኮይና። እዚ ካብቲ ቀንዲ ውጽኢት ናይቲ ዝፈሰሰ ክቡር ደም ኤርትራውያን እዩ። እቲ ዋሕዚ ምርግጋጽ ሓርነት ግና በቲ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ዙፋን ምልኪ ዘቐመጠ ጉጅለ ህግደፍ ስለ ዝተዓንቀፈ እነሆ እቲ ቃልሲ ምእንቲ ሓርነትን ልዕልና ህዝብን ቀጻሊ ኮይኑ።

ሎሚ ኣብ ኤርትራ “እዚ ኢልካ” ክትዝርዝሮ ዘጸግም በደል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣጋጢሙ ኣሎ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ዘይዚ ጸገም ከኣ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ጥልመት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣቲ ሓቂ እዚ ክንሱ ናይዚ ዘለናዮ ኣሻቓሊ ሃለዋት ጠንቂ እቲ ዝተኻየደ ቃልስን ዝተኸፍለ ክቡር መስዋእትነት ኣምሲልካ ንምቕራብ ዝግበር ፈተነ፡ ፈጺሙ መሰረት ዘለዎ ኣይኮነን። ብስምዒት ዝተደፍአ ብዝመስል ኣገባብ ንሰውራ ኤርትራ ብሽፍትነት፡ ንመስዋእትነት ተጋደልቱ ድማ ብከንቱነት ንምግላጹ ዝግበር ፈተነ ብዓንተብኡ ክግታእ ዝግበኦ ኣተሓሳስባ እዩ። ኣብ ሰውራ ዝተኸፍለ መስዋእትነት ግና ናይዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነትን ልዕልና ህዝብን ነካይዶ ዘለና ቃልሲ ቀንዲ መንጠሪ ብምዃኑ፡ ክዕቀብ ከም ዝግበኦ መሰረታዊ እምነት ሰደህኤ እዩ። ከምኡ ተዘይኮይኑ ግና “ትማሊ ዝረሰዐ ሎሚ ከም ዘየለ ይቑጸር” ከም ዝበሃል ክኸውን እዩ።

Last modified on Tuesday, 05 April 2016 08:26