ካብቲ ናይ ተጎሩባ ንያት

2016-03-15 09:46:52 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰደህኤ Published in EPDP Editorial Read 2868 times

ሳላ’ቲ ነዊሕን ተኸታትልን ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ምእንቲ ነጻነትን መሰልን፡ ብዙሓት ከባብታት ሃገርና ነናተን ዝናን ቅያን ኣለወን። ካብዚኣተን ሓንቲ ተጎሩባ እያ። ተጎሩባ በቲ ዘለዋ እስትራተጂካዊ ናይ ኣቀማምጣ ጸጋ ብዙሕ ቅያ ዝተሰርሓላ ኮይና እቲ ዝያዳ ዝነኣ ዝገነሉ ግና በቲ ናይ 15 መጋቢት 1964 ቅያኣ እያ። ኣብዛ ቦታ እዚኣ ቅድሚ 42 ዓመታት ጀጋኑ ኤርትራውያን ተጋደልቲ፡ ንመጀመርያ ግዜ ኣንጻር ናይ ጸላኢ ምሩጽ ሓይሊ ፊትንፊት ገጢሞም ንደንበ ሰውራ ዝኾለዐ፡ ንደንበ መግዛእቲ ድማ ዘርዓደ ጅግንነት ዘመዝገቡላ ዕድለኛ ቦታ እያ። ኣብዚ ውግእ እዚ ወተሃደራዊ ጅግንነት ጥራይ ኣይኮነን ተፈጺሙ። ቀንዲ ኣርሒቑ ዝጥምት ናይ ዘይተንበርካኽነት ረዚን መልእኽቲ እዩ ናብ ፈታውን ጸላእን ተመሓላልፉ። ኣብዚ ውግእ’ዚ ጸላኢ ሓይልሰብን ኣጽዋርን ጥራይ ኣይኮነ ከሲሩ፡ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣንዊሑ ዝጠመተን ዘይሰዓርን ምዃኑ እዩ ተነጊርዎ።

ነዚ ታሪኻዊ ፍጻመ ሎሚ ክንዝክሮ እንከለና ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምጥማት ንድሕሪት ንምምላስ ኣይኮነን። እንታይደኣ ኣብቲ ንቕድሚት እንገብሮ ስጉምቲ ካብዚ ቅያዚ ዝርከብ፡ እሞ ሎሚ እውን ዘይበለየ ንያትን ፍናንን ንምውራስ እዩ። ናይ ሎሚ ኮነ ናይ ሽዑ ቃልሲ ኩሉ ማእከሉ ረብሓ ህዝቢ ኮይኑ ዋሕስ ዓወቱ ድማ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ንክልቲኡ የመሳስሎ። ዘለናዮ ዓለማዊ ኩነታት፡ ከባቢያዊ ምዕባለ፡ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን እቲ ክረጋገጽ ዝድለ ማእከላይ ዕላማን መሰረት ጌርና ክንመዝኖ እንከለና ግና ፍልልይ ኣለዎ። ምእንቲ እዚ ኢና ከኣ ነቲ ናይ ሽዑ ተመኩሮ ከም ዘለዎ ክንወስዶ ዘይንኽእል። እቲ “ክዕወት እየ” በሃልነት፡ እቲ በጃ ህዝቢ ቅሩብነት፡ ህዝቢ ዝዋንኡ ቃልሲ ናይ ምዕዋት ግድነት ግና ሕጂ እውን ምስ ግዜ ዘይኣርግ ርዝነት ስለ ዝኾነ ሎሚ’ውን ክንወስዶ ዝግበኣና ኣብነት እዩ።

ብስርሒት ተጎርባን፡ ድሕሪኡ ዝተፈጸመ ቅያታትን ዘይሕበን ኤርትራዊ የለን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ድማ ቅያን ኣስማትን ነቲ ስርሒታት ዝፈጸሙ ጀጋኑ ወርትግ ተጻሓፍናሉን ተተዛረብናሉን ኣይምኖን። እዚ ድማ ነቶም ጀጋኑ ናይ ዘለና ክብሪ መግለጺ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እዚ ግና ንዓኣቶም እኹል ካሕሳ ኣይኮነን። እቲ ቀንዲ ካሕሰኦም ንሳቶም ክቡር ዋጋ ከፊሎም ዝኣመምዎ ዕላማ ኣብ መፈጸምታኡ ብምብጻሕ እዩ ዝግለጽን ዝዕቀንን። ሎሚ ነዚ ጉዳይዚ መልዓሊና ቀንዲ ምኽንያት ድማ ኣብዚ ቅያዚ ተመስሪትና ኣብ መጻኢ እንታይ ክንገብር ከም ዝግበኣና ግዜ ሂብና ንክንሓስብ ንምዝኽኻር እዩ።

ኣብዚ ንዛረበሉ ዘለና ንብዙሓት ተኣምራታዊ ስርሒታት ኣፍደገ ዝኸፈተ ፍጻመ ዝወዓሉ ጀጋኑ ሎሚ ብኣካል ኩሎም ሓሊፎም እዮም ዝብል ግምት ኣለና። ተግባሮም ግና እነሆ ሕጂ’ውን ከም ኣገዳሲ ኣብነት ንዛረበሉ ኣለና። ምዝራብ ጥራይ ዘይኮነ እቲ ሎሚ እውን ዝሕግዘና ሸነኹ፡ ማለት ነቲ ትብዓትን ተስፋ ዘይምቑራጽን ክንወርሶ ኢና። እዚ እዩ ከኣ ብእትሓልፍ ህይወት ዘይሓልፍ ታሪኽ ምስራሕ ማለት። ታሪኽ ኣብ ሓደ ቦታ “ደጊም ኣኺልዎ እዩ” ኢልካ ዓጺፍካ እተቐምጦ ዘይኮነስ ወለዶታት እንዳሕደስዎ ዝነብሩ ቀጻሊ ዋሕዚ እዩ። ናይቶም ተተኻኻእቲ ኣካላት ንባብ ኣብቲ ታሪኽ ግና ክፈላለ ይኽእል።

ታሪኽ ተጎርባን ካልኦት ታሪኻዊ ፍጻመታትን እውን ምስ ምሕላፍ ፈጸምቱ “ደጊም ኣኺልዎ” ተባሂሉ ዝስገር ዘይኮነስ፡ እቶም ተካእቲ ኣብ ጀግንነት ቀዳሞት ተሓቢእካ ንምንባር ዘይኮነ፡ ነቲ ሕጂ ንዋሰኣሉ ዘለና መድረኽ ብዘሰውድ መልክዑ ከነሕድሶ ዝግበኣና እዩ። ሎሚ ነዚ ጉዳይ’ዚ ኣብቲ ዕለቱ ናይ መዘከሪና ምስጢር ከኣ እዚ እዩ። ከምቲ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ናይ ሎምን ናይቲ ቅድሚ 42 ዓመት ዝነበረን ብደሆ ብዙሕ ዝፈላለየሉ ኣሎ። ግና ድማ ዝመሳሰለሉ እውን ብዙሕ እዩ። ብቐንዱ እቲ ናይ ሽዑ ቃልሲ መሊኡ ኣብቲ ክበጽሖ ዝሓለኖ ቦታ ስለ ዘይበጸሐ ኢና ንቃለስ ዘለና። እዚ ቃልስና ናቱ መቐጸልታ’ምበር ምስኡ ርክብ ዘየብሉ ሓድሽ ምዕራፍ ኣይኮነን። ብሰንኪ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻትን ፍሉይ ናይ ሓይልታት ኣሰላልፋን ዝካየድ ብምዃኑ ከኣ ፍልልይ ኣለዎ። በዚ ይኹን በቲ ግና እቲ ናይ ሽዑ ንያትን ሓቦን ሕጂ’ውን የድልየና’ዩ እሞ ንዓቅቦ።

Last modified on Tuesday, 15 March 2016 10:48