እቶም ሰብ ጉዳይከ እንታይ ንሓስብ?

2016-03-11 20:22:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3467 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ኣባላት ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ኣባላት ፓርላማን ዓዲ እንግሊዝ ሓደ ንኤርትራ ዝምልከት ኣካል ከም ዝመስረቱ ብ9 መጋቢት 2016 እቶም ኣብ ዝዘርግሕዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም። እዞም ኣባላት ፓርላማ ነዚ ስጉምቲ ዝወሰዱ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ብሓፈሻ እዚ ይጐድሎ ዘይበሃል በደል፡ ብፍላይ ድማ ብኩራት ደሞክራስን ግህሰት ሰብእዊ መሰል ስለ ዘሻቐሎ ምዃኖም ኣብቲ መግለጺኦም ጠቒሶም ኣለዉ። እዚ ኣካል ኣብቲ መግለጺኡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ናይ ስግኣትን ግዱድ ምእዙዝነትን ባህሊ ክነብር ተገዲዱ’ሎ” ምስ በለ፡ ካብቲ ነዚ ንኤርትራ ዝምልከት ኣካል ክምስረት ዘገደደ ምኽንያታት ክገልጹ ከለዉ ድማ “ቀንዲ መመስረቲና ብዛዕባቲ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል እቲ ጉዳይ ኣብ ዝምልከቶም ኣካላት ግንዛበ ንምፍጣር፡ ነቲ ዝፍጸም ዘሎ በደላት ንምምሕያሽ መጽናዕትን ልዝባትን ምክያድን መንግስታት ኣብዚ ጉዳይ ተገዳስነት ከም ዝሓድሮም ንምግባርን’ዩ” ይብል።

እዚ ኤርትራውያን ብዘይኮኑ፡ ግና ድማ ንሓልዮት ኤርትራውያን ዝውሰድ ዘሎ ስጉምቲ እዩ። እዚ ስጉምቲ ንጉጅለ ህግደፍ እቲ ኣብ ቅድሚ ዝተፈላለዩ  መንግስታት ናይ ሓሶት ምስሊ ሒዙ ንምቕራብ ዝገብሮ ዘሎ ምትላል ዘቃልዕ እዩ። ነዓና ነቶም ምእንቲ ደሞክራሲ፡ ፍትሕን ክብሪ ሰብኣዊ መሰልን ንቃለስ ዘለና ከኣ ኣዝዩ ኣገዳሲ መተባብዒ ስጉምቲ እዩ። ናይ ብሓቂ መተባብዒ ስጉምቲ ዝኸውን ግና በዚ ተተባቢዕና ዝያዳ ክንስጉም ተኽኢልና ጥራይ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ኣብቲ ጉዳይና ካልኦት ክሻቐሉን ስጉምትታት ክወስዱን እንከለዉ ዘይግዳድና ተዓዘብቲ እንተኾይና ግና ትርጉም ኣይክህልዎን እዩ። ምኽንያቱ ናይዞም ዘይኤርትራውያን ወገናት ጻዕርን ተገዳስነትን ብናትና ቃልሲ እንተዘይተመሪሑን ተደጊፉን ውጽኢት ስለ ዘይህልዎ። ናትና ጻዕርን ናታቶም ኣብርክቶን ነናቱ ቦታ ዘለዎ ዝደጋገፍ እምበር እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ዝትከኦ ስለ ዘይኮነ።

እዚ እዞም እንግሊዛውያን ኣባላት ፓርላማ ወሲደምዎ ዘለዉ ግዱስ ስጉምቲ መልእኽቱ ናብ ጉጅለ ህግደፍ እንታይ ምዃኑ ንጹር እዩ። ብዘይፍርዲ ትኣስርን ብግዲ ተስርሕን ተዕስክርን ኣለኻ፡ ኣብ ዝሓለፈ 25 ዓመታት ምርጫ ኣየካየድካን፡ ዝጸደቐ ቅዋም ጠሊምካ፡ መሰል ምሕሳብ፡ ምግላጽ ሓሳብ፡ ምውዳብን ምጽሓፍን ነፊግካ …. ወዘተ። ስለዚ ኣብዚ ጉዳያት ዘይተዕሪ እንተኾንካ ክትእለ ይግበኣካ። ንሕና ድማ ኣብ ምእላይካ እጃምና ከነብርክት ኢና ዝብል እዩ። እቲ መልእኽቲ ናብ ህግደፍ ጥራይ ኣይኮነን። ናባና ናብቶም ንህግደፍ ኣወጊድና ብደሞክራሲያዊ ስርዓት ክንትክኦ እንሕልን ዘለና እውን እዩ። ንሕና እዚ ክንገብር ኢና ንስኻትኩምከ እንታይ ትገብሩ ኣለኹም እንተነፊዕኩም ኢደኢደይ ኢልና ለውጢ ነምጽእ ዝብል መልእኽቲ። መልሲ ህግደፍ እንታይ ይኸውን ንዓኡ ይምልከት። መልስና ነዚ ጻውዒትከ እንታይ እዩ ክኸውን። እዚ ክንብል እከለና ንመጀመርያ እዩ ከምዚ ዓይነት ተበግሶ ዝውሰድን ናባና መልእኽቲ ዝመሓላለፍ ዘሎን ማለትና ኣይኮነን። ናይ ክሳብ ሎሚ መልስና ንከምዚ ዓይነት መልእኽቲ ከኣ ዝነኣድ ኣይጸንሐን። ሕጂኸ ገለዶ ተጣዒና ንኸውን እሞ “ ካልኦት’ኳ ካብ ሰብእውነት ነቒሎም እዚ ስጉምቲ ዝወስዱ ዘለዉስ፡ ንሕና ሰብ ጉዳይ’ሞ ነራጥጠሉ ኣይኮነን” ደኾን ንብል ንኸውን? ክብል ከኣ ይግበኣና።

እቶም ኣዒንቶም ብጨው ተሓጺቦም ኣብ ኢርትራ፡ ተገዲዱ ዝዕስከር፡ ጉልበቱ ዝምዝመዝ፡ ብዘይፍርዲ ዝእሰር፡ መሰል ምዝራብ፡ ምጽሓፍን ምውዳብን ዝተኸልከለ፡ ብሰንኪ ወጽዓ ዝስደድ … ወዘተ የለን ዝብሉ ወገናትና፡ ምሕረት ይኣዝዘሎም ኢልና፡ ክሳብ እቲ ሓቂ ካብ ውሽጦም ገንፊሉ ዝወጽእ ንግደፎም። እዚ ዝኾነሉ ግዜ ከኣ ርሑቕ  ኣይክኸውንን’ዩ። ናይቶም እዚ ዝተዘርዘረ ገበናት ኣብ ልዕሊ ዜጋታትና ይፍጸም ከም ዘሎ እንኣምን፡ እሞ ብኣኡ  እንሓዝን ናይ ለውጢ ሓይልታት ግብረመልሲ እንታይ ክኸውን ከም ዝግበኦ ከኣ ክንሓስበሉ ይግበኣና። ቀዳሞት ተሰልፈቲ ኣብ ምምጻእ መፍትሒ ከኣ ንኹን። ክንድዚ ዝኣክል ህዝባውን ሃገራውን ሕድርን ዕዳን ኣቐሚጥና ኣብ ሕድሕድና ምምንጫት ኣዝዩ ዘተዓዛዝብ እዩ። ነቲ “ዝገበረኒያ ክገብር ዓዲ ነየጋብር” ዝብል ለባም ኣበሃህላ ወለድና ዘንጊዕና ኣብ ክንዲ ንቕድሚት ምምዕዳው ንድሕሪት ምርኣይ እንዳሰለጠና ክሳብ መዓስ። ስለዚ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብዚ ሃለዋት ህዝብናን ሃገርናን እምብዛ መሪሩ ሕብረተሰብ ዓለም እተእውየሉ ዘላ ግዜ፡ መፍትሒ ኣብ ምርካብ፡ ንሕና ሰብ ጉዳይ ቅድሚት ክንስራዕ እምበር ብድሕሪት ተዓዘብቲ ክንከውን ክም ዘየብልና ይኣምን። ከም ወትሩ እጃሙ ከበርክት ድማ ቅርቡነቱ የረጋገጽ።

11 መጋቢት 2016

Last modified on Friday, 11 March 2016 21:26