ኣብ ክንዲ መንደቕ ድንድል ንህነጽ

2016-02-25 08:58:01 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2417 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ናይ ሓባር ዕማምን ድሌትን እንዳሃለወካ በበይንኻ ምውፋር ክሳብ ክንደይ ከም ዝሃሲ ንርደኦ ኢና ዝብል እምነት ኣለና። ምኽንያቱ እዚ ኣካይዳ ዓቕምኻ ዘድክም፡ ናይ ምፍጻም ክእለትካ ዘጉድልን ተሰማዕነትካ ዘላሕትትን ስለ ዝኾነ። እንተዝጥርነፍ ከድምዕ ዝኽእል ንብረትካ ድማ ተበታቲኑ ብዘይ ፋይዳ ይተርፍ። ብኣንጻሩ ስለእትደላለን ናይ ሓባር ዕላማን ትጽቢትን ስለ ዘለካ ሓቢርካ ምውፋር ክሳብ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ ዘይንኽሕዶ እዩ። ምኽንያቱ ከምቲ “ሓቢረን ዝሰሓባ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንበዓ” ዝበሃል ምስላ፡ ክትሓብር እንከለኻ ኣድማዒ ዓቕሚ ስለ እትድልብ።

ካብ ምህናጽ ምፍራስ ከም ዝቐልል፡ ኣብ ክንዲ ብሓደ ምውፋር ተበታቲንካ ምውፋር ዝቐለለ ይመስል ይኸውን። እንተኾነ እዚ ቀሊል ዝበልናዮ ዘድምዕ ፍረ ከኣ የብሉን። ስለዚ ኣብ ክንዲ ቀሊል ግና እቶት ዘየብሉ ብርቱዕ፡ ግና ዓስብኻ እትሓፍሰሉ መስርሕ ዝያዳ ተመራጺ ክኸውን ናይ ግድን  እዩ። ምኽንያቱ ናይ ዝኾነ ጻዕሪ መእሰሪኡ ውጽኢት ምምዝጋብ ስለ ዝኾነ። እቲ ውጽኢት ዝሕፈሶ ብሓባር ንናይ ሓባር ረብሓ ዝግበር ወፍሪ ዘኽፍሎ ክቡር ዋጋ ከም ዘለዎ ፍሉጥ እዩ። እቲ ከቢድ ዝገብሮ ከኣ እቲ ዋግኡ እዩ። እንተኾነ ቅሩብነትን ድልውነትን እንተልዩ፡ እሞ ንጉዳያት ኣስፊሕካ ብሓላፍነት ናይ ምርኣይ ኣተሓሳስባ እንተ ተወሲኽዎ እቲ ዝኽፈል ዋጋ ዘይከኣል ኣይኮነን።

ነቲ ናይ ሓባር ዕማም ናይ ሓባርካ ምዃኑ ብልቢ ምእማን። ካብ ንእሽቶይ ጀሚርካ ክሳብ ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ብናይ ብሕትኻ ርኢቶ ኣብ ጸቢብ ናይ ፖለቲካዊ ሜዳ ክውድኡ ዘይምሕላን። ኣብ ሓደ ቦታ ጠጠው ኢልካ እቲ ምሳኻ ክወፍር ዝግበኦ ክመጸካን ናትካ ርኢቶ ክርዕምን ጥራይ ዘይምጽባይ። ኣብ ክንድኡ ብኹሉ መለክዒ ከምቲ ክቕርበካ ትደልዮ ንስኻውን ክትቀርቦ ድልዊ ምዃን። ንጉዳያት ከከም ክብደቶም መስርዕ ምትሓዝን ኣብቶም ቀንዲ ኣትኪልካ ወሳንነት ኣብ ዘየብሎም ጉዳያት ጉልበት፡ ግዜን ንብረትን ዘይምህላኽ። ኮታ ሓዳግ ምዃንን ንጉዳያት ብብዙሕ ኣቕጣጫ ምምዛኖምን ካብቶም ክኽፈሉ ዝግበኦም ዋጋታት እዮም። ናይ ብሓቂ ቅንዕናን ሓቀኛ ናይ ህዝቢ ሓልዮትን ንዘለዎ ኣካል እምበኣር እዚ ምኽፋሉ ዘጸግም ዋጋ ኣይኮነን። በዚ እዩ ድማ ብሓባር ከይትሰርሕ ጋሪዱካ ዝጸንሐ መንደቕ ዝፈርስ። ኣብ ክንዳኡ ከኣ ዘራኽብ ድንድል ክንሃንጽ ይግበኣና። ድንድል ብድንድሉ ድማ ሓንሳብ ምስ ኣሳገረ ደሓር ብቐሊል ውሕጅ ዝፈርስ ዘይኮነስ ብቐጻልነት ካብ ምብትታን ናብ ምቅርራብ ዘሰጋግር ጽኑዕ ድንድል።

ጠመተና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ሒዝካ ናብ ጉዳይና ጉዳይ ኤርትራውያን ተቓወምቲ ሓይልታት ምቁማት እዩ። ከምቲ ጭረሖታትና ዘመልክቶ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም ኣዝዩ ዓብይ እዩ። ወጻዒ ስርዓት ኣወጊድካ ብህዝባዊ ስርዓት ምትካእ። ናብዚ ሸቶዚ ንምብጻሕ ክማልኡ ዝግበኦም ቅድመ ተደላይነታት ብዙሓት እዮም። እቲ ቀንዲ ከኣ ክሳብ ሕጂ ብሓባር ከይንስለፍ፡ ጋሪዱና ዘሎ መንደቕ ኣፍሪስካ ዘራኽበካ ድንድል ምህናጽ እዩ። እዚ ድንድል ብሓባር ንምስራሕ ወሳኒ እዩ። ብሓባር ምስራሕን ዘይምስራሕ ድማ ናይ ምዕዋትናን ዘይምዕዋትናን ጥራይ ዘይኮነስ ናይ ምህላውናን ዘይምህላውናን’ውን ወሳኒ ረቛሒ እዩ። ንሕና ነዚ ኣድላይ ቅድመ-ኩነታዊ ዕማም ኣብ ምትግባር፡ ኣብየናይ ደርጃ ከም ዘለና ንምሕባር ኣብ ዝርዝር ኣይንኣቱን ኢና። እንተኾነ ክሳብ ሕጂ ከም ዘይበቓዕናዮ ክንእመነሉ ዝግበኣና እዩ። እቲ ዘሰክፍ ድማ ኣብ ክንዲ ነቲ መንደቕ ዝነበረ ናብ ድንድል፡ ነቲ ድንድል ዝነበረ ናብ መንደቕ ንምቕያሩ ዝረአ ምድንዳን እዩ’ሞ፡ ናብ ልብና ንመለስ “ኣብ ክንዲ መንደቕ ድንድል ንህነጽ” ።

24 ለካቲት 2016

Last modified on Thursday, 25 February 2016 10:01