ደጊም “ኩሉ ወዮ” የኽትም

2015-12-02 21:27:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2645 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰደህኤ

ተቓወምቲ ውድባት ኤርትራ ካብ ዝሕመያሉ ብዙሕ ኢንታታት ሓደ ዘይምኽኑይ ምርባሕ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ፍልልያተን ኮነ ተመሳሳልነተን ሕልዊ ኮይኑ ብሓባር ክሰርሓ ዘይምኽኣለን ድማ ዝያዳ ዘሻቕል መለለይአን ኮይኑ ዝጸነሐን ዘሎን እዩ። እዚ ብሓባር ናይ ዘይምስራሕ ስኽፍታ በቲ ብደገ ኮይኑ ገለን ብፍላጥ ገለን ድማ ብዘይፍላጥ በቲ ኣተሃላልወአን ዝሓምን ዝሻቐልን ጥራይ ዘይኮነ፡ እዚ ሻቕሎት በተን ውድባት እውን ተቐባልነት ዝረኸበን ንምዕራዩ ካብ ነዊሕ ግዜ ክጸዓረሉ ዝጸነሓን ዘሎን ድኹም ጐድነን እዩ። ነዚ ድኽመት ምዕራይ ናይ ኩለን ውድባት፡ ሰልፍታትን ማሕበራትን ዘይትግበር ጭረሖ ኮይኑ ምጽንሑ ድማ ናይዚ ምስክር እዩ። “ፍልልያትና ኣወጊድናን ካለኣይ ደረጃ ኣትሒዝናን፡ ኣብቲ ንህዝብና ድሂኹ ንሃገርና ደዊንዋ ዘሎ ዲክታተር ናይ ምውዳቕ ህጹጽነት ሓደ ዝገብረና ንኡስ ፕሮግራም ብሓባር ንስራሕ” ኢልና እንእውጅ ብዙሓት ኢና። ኣካል ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና ጌርና እነስፍሮ’ውን ከምኡ። እቶም ነዚ ዝኣወጅናዮ ከነተግብሮ ብቕንዕና እንተግህከ ክንደይ ኢና? ግና ዘዛርብ እዩ። ምጭራሕ ብዘይ ተግባር ከኣ ትርጉም የብሉን። ኣብዚ መዳይ ናይ ክሳብ ሕጂ ድኽመትና ተቐቢልና ንምእራሙ እንቃለሰሉ እምበር እንሓብኦ ኣይኮነን።

ምሕዝነት፡ ኪዳንን ባይቶን መስሪትካ ንምዕዋት ዝተኻየደ ጻዕርን፡ ከምኡ’ውን ብኽልተን ሰለስተን ኣርባዕተን … ወዘተ ውድባት ክካየዱ ዝጸንሑ ልፍንታዊ ምቅርራባትን ፈተነታትን፡ ብውሕዱ ብሓሳብ ንኣገዳስነት ብሓባር ምስራሕ ዝህብኦ ቦታ ዕዙዝ ምዃኑ ዘርእዩ ፈተነታት እዮም። እዚ ፈተነታት’ዚ ዘተባብዕ ነይሩ ከብቅዕ ክሳብ ሕጂ ካብ ኩሎም ፈተነታት ዳርጋ ኩሎም ክፍጸም ዘይምኽኣሎም ከኣ ዘሕዝን እዩ። ብዘይተፈጸሙ ፈተነታት ምሕዛን ናይቲ መስርሕ መወዳእታ ስለ ዘይኮነ፡ ሕጂ እውን እቲ ፈተነታት ቀጻሊ’ዩ ዘሎ። ክሳብ ኣብቲ እንደልዮ በሪኽ ቦታ እነብጸሖ ከኣ ክንቅጽሎ ኢና። ናይዚ ቀረባ ግዜ ተመኩሮ ዓውደ-መጽናዕቲ ፍራንክፈርትን ኮንፈርንስ ሃገራዊ ምምኽኻር ናይሮብን ከኣ ናይ’ቲ ከይተሓለልካ ዝፍተን ዘሎ ቀጻሊ ኣብነት ቃልሲ’ዩ። ህላወ ብዙሓት ሰልፍታት፡ ውድባትን ማሕበራትን ብኣና ዝተጀመረ ኣይኮነን፡ ግን ኣባና ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ ዘሎ ሕጽረት፡ ብፖሊሲ ብዙሕነታዊ ሓድነት ተማእዚዝና ብሓደ ክንገጥም ዘይምብቃዕና እዩ።

ስለዚ እቲ ቀንዲ ኣፍደገ ለውጢ ብውሽጢ እምበር ብግዳም ስለ ዘይክፈት፡ ንዝጅመር ሓባራዊ ተበግሶ ይብዝሑ ይውሓዱ ንምዕዋቱ ዝውስኑ እቶም ኣንቀድቱ ኤርትራውያን እዮም። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ እቶም እቲ ሓባራዊ መስርሕ ክጸልዎም ዝኽእል ዝተረፉ ውድባት ይኹኑ ማሕበራት ናብቲ ዝኸይድ ሓድነታዊ መስርሕ ተጽዕኖ ክህልዎም ዘይተረፍ ኮይኑ፡ ግምታት ክወሃቦ ቅኑዕ’ዩ። ኣብ ደንበ ተቓውሞና ዝተወሰና ውድባት ብሓባር ንምስራሕ ወይ መሊእካ ንምስማር ዝፍጠር ዓቕሚ ረብሓኡ ኣብተን ተዋሳእቲ ፖለቲካዊ ኣካላት ጥራይ ተገዲቡ ዝተርፍ ዘይኮነስ፡ ነቲ ወርትግ እንሓልሞ ግና ክሳብ ሕጂ ዘይበጻሕናዮ ናይ ኩልና ዘተኣማምንን ቀጻልን ኣንብሎ ጽላል ክንበጽሕ ዘይምኽኣልና’ዩ። እዚ ተደላዪን ንጽዕተሉ ዘለናን ሓባራዊ ግንባር፡ መተካእታ ህግደፍ ክኸውን እንተበቒዑ ኣብ መስርሕ ምርግጋጽ ደሞክራሲያዊ ስርዓት ሓደ ስጉምቲ ንቕድሚት ምዃኑ ክዝንጋዕ ኣይግበኦን። ካብዚ ተበግሶ’ዚ ብምንቃል’ውን፡ ገለ ዝተወሰና ውድባት ጥራሕ ዝወስዳኦ ተበግሶት ኣድማዕነቱ እኹል ኣይኮነን። ነዚ ንናይ ለውጢ ሓይልኻ ዝድርዕ ተበግሶ ምንኣድን ምትብባዕን ይትረፍ’ሞ፡ ሓደሓደ ንምዕንቃፉ እንሃልኽ ምህላውና ስንፍናናን ስስዐናን ካብ ምቅላዕ ሓሊፉ ሜዳ ጸላኢና ጉጅለ ህግደፍ ዘለምልም እዩ’ሞ ከነስተብህለሉ ይግበኣና። ብመንጽር እዚ ንተበገሶ ፍራንክፍርትን ናይሮብን ከነዕኩኾን ከነተባብዖን እዩ ዝግበኣና።

ነቲ ብዙሓት ብቑጽሪ ጥራይ ዘይኮነስ ብዙሕነትና፡ ብእምነት፡ ብጀኦግራፍያዊ ኣሰፋፍራ፡ ብዕድመን ተመኩሮ ቃልስን፡ ብብሄራዊ ስምዒትን ብፖለቲካዊ ኣረኣእያን ብዘንጸባርቕ ኣገባብን ብሓባር ዘስርሕ ቀጥዕን ሰፊሕ ጽላል ምምጻእ ቀሊል ኣይኮነን። ነዚ ንምዕዋት ብምዕራፋት ዝተኸፋፈለ ቅርጥው ግና ድማ እኹል ግዜ ምሃብ ኣድላይ እዩ። ጸዋራት፡ ሓላፍነታውያን፡ ብናተይ ጥራይ እዩ ቅኑዕ ዘይዓወሩ፡ ጉዳይ ህዝብን ሃገርን ዘቐድሙ፡ ከዕውትዎ ንዝደልዩ ነገራት ዘነጸሩን ምስ ዓቕሞምን ከባቢኦምን ዘገናዝቡ፡ ካብ ጸቢብ ፖለቲካዊ ኩዳ ወጺኦም ናብ ኩነታት ህዝቢ ዝቋመቱን ተዋሳእቲ ከኣ የድልዩ። እዚታት ኣብ ዘይተማለኣሉ እዚ ኣቐዲምና ዝጠቐስናዮ ጓሲኻዮ ክሕለፍ ዘይከኣል፡ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምዃኑ እንኣምነሉ ጽላል ግቡእ መስርሑ ሒዙ’ምበር ብኣቋራጭ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ። እዚ ንብዙሓት ኣከኣኢሉ ብሓባር ዘቃልስ እሞ ክንፈጥሮ ንቃለሰሉ ዘለና ናይ ሓባር መድረኽ፡ ምናልባት ብሓደ ንግሆ ኩልኻ “ሆ” ኢልካ ትድኩኖ ዘይክኸውን ይኽእል። እቶም ዝፍልሙ ውሑዳት ኮይኖም እቶም ዝፍጽሙ ግና ብዙሓት ክኾኑ ይኽእሉ። ናትና ናይ ናጽነት ቃልሲ ኣጀማምራን ኣፈጻጽማን ተመኩሮ ዘርእየና እውን ከምዚ እዩ። ናይ ብዙሓት ወገናት ናይ ቃልስን ዓወትን ታሪኽ እውን በዚ ውሑዳት ኮይንካ ጀሚርካ ብዙሓት ኮይንካ ኣብ ዓወት ምብጻሕ ዝቃነ እዩ። እቲ ብውሑዳት ዝተጀመረ ናይ ብዙሓት እንዳኾነ ንክዓቢ ግና በቶም ናይ መጀመርያ መድመድቲ ኮነ በቶም ድሒሮም ክሳተፍዎ ዝግበኦም ኣካላት ክኽፈል ዝግበኦ መስዋእቲ ኣሎ። እቶም ናይቲ ተበግሶ ፈለምቲ፡ ካብ “ንሕና ስለ ጀመርናዮ ንሕና ጥራይ ኢና ኣብ መወዳእታ ነብጸሖ” ዝሕመረቱ ጸቢብነት ክወጹ ይግበኦም። ዝጐድሎም ሓይሊ ከም ዘሎ ተረዲኦም፡ ዝበዝሕሉን ዝሕይልሉን እምበር ነቶም ምስኦም ዘይጀመሩ ዝቐጽዕሉ ዓጋቲ መርበብ ክዝርግሑ ኣይግበኦምን። እቶም ብባዕላዊ ድዩ ብወድዓዊ ምኽንያት ኣብቲ መጀመርታ ኣካል’ቲ ተበግሶ ዘይኮኑ ኣካላት ድማ፡ መዓስ፡ ብመንን ኣበይን ተወጢኑ ብዘየገድስ ጽባሕ ኣካሉ ከም ዝኹኑ ተገንዚቦም ንድኽመታቱ እንዳኣረሙን ርትዓዊ ነቐፈታ ኣንዳሃቡን፡ ነቲ ኣውንታዊ ጐድኑ ድማ ብፍትሓዊ ናእዳን ምትብባዕን ከሰንይዎ ይግበኦም። እዚ ኣገባብ’ዚ ብሓባር ናይ ምቅላስ ቅሩብነት እንተልዩካ፡ ፈቲኻ እትኽተሎ ጸሊእካ ድማ እትሕሰሞ ዘይኮነ ግድን ክትስዕቦ ዘለካ ሓላፍነታዊ ኣካይዳ እዩ። ኣብ ናይዚ ቀረባ ተበግሶ ፍራንክፈርትን ናይሮብን ዝወዓሉን ዘይወዓሉን ወገናት ክኽተልዎ ዝግበኦም ኣተሓሕዛ’ውን ካብዚ ውጻኢ ክኸውን የብሉን ዝብል እምነት ኣለና።

እቲ ኣዝዩ ዘተሓሳስብ፡ ኩልኻ ብዜግነት ኤርትራውያን፡ ብፖለቲካዊ ሚዛንካ ኣንጻር ህግደፍ፡ ብዕላማ ኣብ ክንዲ ህግደፍ ብዝህዝቢ ዝምረጽን ብሕገ-መንንግስቲ ዝቕየድን ብዙሕነት ዝጸውር ስርዓት ክትምስርት እትተግህ እንዳሃለኻ፡ ኣምበርዶኸ ናይ ሓባር ዕላማ ኣለና እዩ ክሳብ ዘብል፡ ሓደ ኣጋጣሚ ወይ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ መጋባእያ ክፍጠር እዩ ክበሃል እንከሎ፡ ጌና ብዛዕባ ምንታይ ከም ዝዛረብን ኣብ እንታይ ውሳነ ከም ዝብጻሕን ከይተፈልጠ ንዘይምስታፍካ ምኽኑይ ክትገብር ክትብል ዝፍጠር ዓንቃፊ ደሮና እዩ። ገለ ወገናት ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ገለ ዘይትገብሩ ይብሉኻ። ንኣብነት ብሓባር ዘስርሕ ናይ ለውጢ ሓይልታት ጽላል ከም ምፍጣር። ደሓር ምስተበገስካ ድማ ኣብ ክንዲ “ኣጆኻ” ዝብሉኻ፡ ተጻባእትኻ ይኾኑ። ሽዑ ከኣ እዩ “ኩሉ ወዮ” እምበር ኮይኑ ክትብል ዘገድደካ። ካብ ተመኩሮና ተማሂርና፡ ንህልዊ ኩነታትናን ከባቢናን ኣብ ግምት ኣእቲና ነዚ ንዕዘቦ ዘለና ብሓባር ናይ ምስራሕ ንቕሎታት ከኣ ከነመጉሶን ክንስዕቦን ይግበኣና።

2 ታሕሳስ 2015

Last modified on Wednesday, 02 December 2015 22:30