ንዘጋጥም ዘሎ ህልቂት ስደተኛታት ምፍታሕ ሓላፍነት ናይ ኵሉ ኢዩ

2015-05-03 20:28:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 3461 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ 2014 ዓ.ም 4000 ዝኸውን ሬሳታት ካብ ባሕሪ ተዘቝቑ ወጺኡ። ልዕሊ 170,000 ዝዀኑ ስደተኛታት ድማ፡ ከቢድ ብድሆታት ሰጊሮም ናብ ሃገራት ኣውሮጳ ኣትዮም። ካብ'ዚኦም እቶም 150,810 ስደተኛታት ብማረ ኖስትሩም ዝተባህለ ናይ ነብሲ ኣድሕን ፕሮግራም ክድሕኑ ዝኸኣሉ ኢዮም። ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ፕሮግራም ማረ ኖስትሩም፡ ናህሪ ዋሕዚ ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳ ዘተባብዕን ዘዛይድን እምበር ዝንኪ ኣይኰነን ብምባል፡ ነቲ ፕሮግራም ብዶባትን ክሊ ማያትን ሕብረት ኣውሮጳ ምሕላው ጥራሕ ዝተሓጽረ ፕሮግራም ትራይተን (ፍሮንተክስ) ከምዝትካእ ተገይሩ። ንፕርግራም ትራይተን ዝወጽእ ገንዘብ ሓደ ሲሶ ናይ'ቲ ንማረ ኖስትሩም ዝወጽእ ዝነበረ ገንዘብ ኢዩ። ከም ውጽኢቱ ከኣ፡ ኣብ 2015 ዓም ኣብ'ዘን 4 ኣዋርሕ ጥራሕ ድሮ ልዕሊ 4,000 ስደተኛታት መይቶም ኣለዉ። ገለ ምንጪታት ድማ፡ እቲ ኣሃዝ ናይ ዝሞቱ ካብ'ዚ ንላዕሊ ምዃኑ ዝሕብሩ ኣለዉ።

 

ነቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰሜን ኣፍሪቃ፡ ማእከላይ ምብራቕን ዝግሃድ ዘሎ ቅልውላዋትን ሓደገኛ ኵነታትን ኣብ ግምት ብምእታው፡ እቲ ህልቂት ካብ ዓሚ ሎምዘበን ክዛይድ ምዃኑ ርዱእ ኢዩ። እቶም ዝበዝሑ ናብ ኣውሮጳ ዝኣትዉ ዘለዉ ስደተኛታት ሱርያውያን ክዀኑ ከለዉ፡ ኤርትራውያን ድማ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ኢዮም ዝስርዑ። ዒራቓውያን፡ ሶማልያውያን፡ ኢትዮጵያውን፡ ሱዳናውያን፡ ናይጀርያውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃን ውን ግዳያት ናይ'ቲ ዘጋጥም ዘሎ ህልቂት ኣብ ባሕርን ምድረ-በዳታትን ኢዮም።

 

ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት፡ በቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ዝካየድ ህይወት ናይ ምድሓን መደብ ጥራሕ'ዶ ክዕገት ይከኣል ኢዩ? ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ'ኸ ንዶባቶም ብምዕጻው ዋሕዚ ስደተኛታት ደው ክብልዎ ይኽእል'ዶ? እዚ ፈጺሙ ዘይከኣል ኢዩ። ነቲ ሽግር መሰረታውን ነባርን ፍታሕ ንምርካብ እንተደኣ ተደልዩ፡ ጠንቅታቱ ብልክዕ ክፍተሽን ክግጠምን ክኽእል ኣለዎ። ጠንቅታት ናይ ስደት ካብ ዝዀኑ ገለገለ ምኽንያታት ንምጥቃስ፡-

 

ቀዳማይ፡- እቲ ቀንድን መሰረታውን ጠንቂ ናይ'ዚ ሽግር'ዚ፡ ዲክታቶርያውያን መንግስታት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ዝፈጠርዎ ሰብኣዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ቍጠባውን ማሕበራውን ቅልውላዋት ኢዩ።

 

ካልኣይ፡- ኣመሪካን መሓዙቱን ንዲክታቶርያውያን መራሕቲ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ (ዒራቕኝ ሊብያን) ንምእላይ ዝገበርዎ ወራር ሳዕቤናቱ መንግስተ-ኣልቦ ሃገራትን ሕንፍሽፍሽን ምፍጣር'ዩ ኰይኑ።

 

ሳልሳይ፡-  ኣህጕራዊ ናይ ገንዘብ ማዕከናት (ከም IMF World Bank ናይ ኣውሮጳ ናይ ገንዘብ ትካላትን) ዝምውልኦ ናይ ልምዓት ተባሂሉ ዝፍለጥ ንነባሮ ካብ መረበቶም ዝፈናቕል መደባት።

 

ራብዓይ፡-  ናይ እስራኤልን ፍልስጤምን ጕዳይ ፍትሓዊ መዕለቢ ዘይምርካቡ።

 

ሓሙሻይ፡- ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ነዚ ሽግር'ዚ ንምብዳህ ብዕቱብነት ኣይተታሓሓዝዎን። ንኣብነት፡ ስደተኛታት ብሕጋዊ ኣገባብ ናብ ኣውሮጳ ንኽኣትዉ  ዘኽእል ዕድል ጸቢብ ብምዃኑን ንዶባቶም ዝቈጻጸርሉ ዝተራቐቐ መሳርሒታት ስለዘዋደዱን፤ ስደተኛታት ብሓደገኛታትን ነዋሕትን ጕዕዞታት ኣቢሎም ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ክፍትኑ ዘገድድ ምኽንያት ኰይኑ። ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ንግዲ ደቂ ሰባት፡ ሞትን ህልቂትን ንኽብርኽ ምቹእ ኵነታት ፈጢሩ።

 

ሻዱሻይ፡- እስራኤልን ስዑዲ ዓረብን ዶባተን ብሓጹር ምዕጻወንን ንስደተኛታት ካብ ሃገረን ምብራርን፡ ስደተኛታት ዝነውሐን ሓደገኛ ዝዀነ ናይ ማእከላይ ባሕሪ መንገዲ ክጓዓዙ ይግደዱ ኣለዉ።

 

ሻብዓይ፡- ብንግዲ ደቂ ሰባት ዝረብሑ ዝተወደቡን ዘይተወደቡን ገበነኛታት ምብርኻቶም ...ወዘተ።

 

ሻሙናይ፡- ዘይፍትሓዊ ምምቕራሕ ናይ ሃብቲ ወይ ጸጋታት ኣብ መንጐ ሰሜናውን ደቡባውን ክፍለ-ዓለም።

 

መንግስቲ ኤርትራ፡ ብዛዕባ'ዚ በብእዋኑ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ከጋጥም ዝጸንሐ ሓደጋታት ትንፍስ ኢሉ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን ኢዩ። ዓለም ብመላኣ ብዛዕባ ህልቂት ኤርትራውያን ኣብ ላምፓዱዛ ክትዛረብን ክትሓዝንን ከላ፡ ስርዓት ኢሳያስ ዘይሕጋውያን ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ዝሃቦ መግለጺታት ኣይነበሮን። ሬሳታቶም ናብ ሃገር ተመሊሱ ክቕበር እውን ብመንግስቲ ኤርትራ እተገብረ ዕቱብ ጻዕሪ ኣይነበረን። ዋላ ምልክት ምሕዛን ዝሕብር ናይ ሰንደቕ ዓላማ ትሕት ኢሉ ክስቀል ምግባር ይኹን ናይ ሓዘን መዓልታት ምእዋጅ ኣይተገብረን።

 

ሎሚ'ውን፡ ብዛዕባ'ቶም ኣብ ገማግም ሊብያ ዝጠሓሉ 350 ኤርትራውያን ይኹን፡ ብዛዕባ'ቶም ብጥሩፍ እስላማዊ ፖለቲካዊ ሓይሊ ዳዕሽ እተሓርዱ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጭቕ ኢሉ ክዛረብ ኣይተስምዐን። እንቋዕ ደኣ ረኸብዋ ዝብል ናይ ታሕጓስ ስምዒት ዘለዎ ኢዩ ዝመስል።

 

ኢትዮጵያ ግን፡ ንዝሞቱ ዜጋታታ ናይ 3 መዓልቲ ሃገራዊ ሓዘን ክኸውንን ባንዴራኣ ድማ ለጠቕ ኢሉ ክስቀልን ኢያ ክትውስን ተራእያ። ኣብ ዝተፈላልዩ ሃገራት ወጻኢ ዝነብሩ ዜጋታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ነዚ ፍጻሜ'ዚ ብሓባር ክዅንኑን ብሓባር ሓዘኖም ክገልጹን ተራእዮም ኢዮም።

 

እሞ፡ ኣበይ ደኣ'ሎ፡ እቲ ምስ ሃገራት ምዕራብ ክራኸብ ከሎ "ሰብኣዊ መሰላት ከኽብር'የ" ዝብል ናይ ስርዓት ኢሳያስ ናይ  ሓሶት መብጽዓታት? ምስ ሬሳ ናይ ናይዝጊ ክፍሉን ናይ ላምፓዱዛ ሬሳታትን ክበኣስ ዝጸንሐ ስርዓት፡ ሎሚ ምስ ግዳያት ሊብያ ካልእ ባህሪ ከርኢ ኣይንጽበዮን ኢና። ናይ ምውታን ሰብኣዊ መሰላት ዘየኽብር ስርዓት ከኣ፡ ናይ ህልዋት ከኽብር ፈጺሙ ዘይሕሰብ ኢዩ።

 

ጠንቅታት ናይ ስደት ኣብ ሰለስተ ነጥብታት ከፋፊልካ ክርአ ይኽእል ኢዩ። እቲ ቀዳማይ ጠንቂ፡ እቲ ንመንእሰያት ካብ ሃገሮም ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡ ዝገብሮም ዘሎ ደፋኢ (push factor) ምኽንያት ኢዩ። እዚ ኣብ'ቲ ሃገር ሰፊኑ ዘሎ ጭቆና፡ ዓፈና ናይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ስእነት ስራሕ፡ ድኽነት፡ ውግኣት፡ ተስፋ መንእሰያት ዘጸልምት ደረት ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎትን ናይ ባርነት መነባብሮን ...ወዘተ የጠቓልል። እቲ ካልኣይ ጠንቂ ድማ፡ እቲ ኣብ ዓዲ ስደት እትረኽቦ ሰሓቢ ነገራት (pull factor) ከም ስራሕ፡ ትምህርቲ፡ ሕክምና፡ መሰላት ምኽባር፡ ሰላም፡ ገንዘብ ...ወዘተ ዝኣመሰሉ ረቛሕቲ ኢዮም። እቲ ሳልሳይ ምኽንያት ድማ፡ ደላሎን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ነዚ ኵነታት'ዚ መዝሚዞም፡ ኣብ ጸጥታውን ወተሃደራውን ትካላት ናይ ሃገራት ዝሰርሑ ብልሽዋት ኣካላት ብምውህሃድ ንረብሓኦም ክብሉ መንእሰያት ንስደት ከምርሑ ዝደፋፍኡን ዝጕስጕሱን ኢዮም።

 

ስርዓት ኢሳያስ፡ ኵሉ ግዜ ብዛዕባ'ታ ካልኣይቲ ጠንቂ ጥራሕ ኢዩ ዝዛረብ። ኤርትራውያን መንእሰያት ዝሰደዱ ዘለዉ፡ ኣብ ምዕራብ ዘሎ መነባብሮ ወይ ካረሜላ ስለዘህረፎም ኢዩ እምበር ናይ ፖለቲካ ስደተኛታት ኣይኰኑን ኢዩ ዝብል። ከም'ዚ ምባሉ ብመጀመርያ ክሓፍር ነይርዎ። ናይ ህዝቡ ናይ መነባብሮ ኵነታት ከመሓይሽ ዘይኽእል መንግስቲ ወይ ስርዓት መንግስቲ ኢየ ኢሉ ክዛረብ ውን ኣይግብኦን ኢዩ። ብምቕጻል፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ብጾቱን መጋደልቱን፡ ኣብ ልዕሊ ብሕታውያን ጋዜጣታትን ጋዜጠኛታትን፡ ኣብ ልዕሊ ዘይኣምነሎም ወይ ወግዓውያን ኣይኰኑን ዝብሎም ሃይማኖታት ዝፈጸሞ ግፍዕታት'ከ ናይ ቍጠባ ሽግር ድዮም?!!!!! ኣብ ውሽጣዊ ጕዳያት ናይ ሃይማኖት ኣትዩ፡ መራሕቲ ዝሸይምን ዘውርድን ስርዓት፡ ፖለቲካ'ዶ ኣይኰነን ዝሰርሕ ዘሎ? ብሰንክ'ዚ ምትእትታው'ዚ ዝስደዱ ካህናት ሽግሮም ፖለቲካ'ዶ ኣይኰነን? ንመንእሰያት ኣብ ደረት ዘይብሉ ኣገልግሎት ምጽማድ፡ ንሽማግለታት ብረት ምዕጣቕ ፖለቲካዊ ውሳኔ'ዶ ኣይኰነን?

 

ነዚ ኣብ ዓለምና ተኸሲቱ ዘሎ ዝተሓላለኸ ናይ ስደተኛታት ኵነታት መፍትሒ ምርካብ ቀሊል ኣይኰነን። ነቶም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም 3 መሰረታውያን ምኽንያታት ኣብ ግምት ዘእተዉ መፍትሒታት ኢዮም ክድለዩ ዝግባእ። ካብ'ዚ ብምብጋስ፡ እቲ ፍታሕ ግዜ ዝወስድን ናይ ብዙሓት ሸነኻት ተራን ምውህሃድን ዝሓትትን ምዃኑ ንምርዳእ ዘጸግም ኣይኰነን።

 

ንናይ ኤርትራውያን ዋሕዚ ናይ ስደተኛታት ብዝምልከት ግን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከቕርቦም ዝጸንሐን ዘሎን ፍትሓት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።

 

1. ተቓወምቲ ሓይልታት ኤርትራ፡ ንዕምሪ ናይ ዲክታቶርያውያን ስርዓት ኢሳያስ ንምሕጻር ዘኽእል ዕቱብ ስራሕ ከካይዱ ምጽዓር፤

 

2. ንመንግስቲ ኤርትራ ዝውሃብ ልምዓታዊ ደገፋት፡ ምስ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባር ዝተኣሳሰር ክኸውን ኣለዎ፤

 

3. ኣህጕራዊ ማሕበረ-ሰብን ናይ ስደተኛታት ማሕበራትን ተጣባቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዎ ሓላፍነት ክስከሙ ይግባእ። ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ስደተኛታት፡ ሞያውን ኣካዳምያውን ስልጠና፡ ስራሕን ሕክምናን ዝረኽብሉ ዕድላት ምኽፋት፤

 

4. ስደተኛታት ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ሃገራት ምዕራብ ዝኣትውሉ ዕድላት ምስፋሕ፤

 

5. ናይ ምድሓን ህይወት ስርሓት ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ምክያድን ነቶም ስደተኛታት ብፍትሓዊ ኣገባብ ኣብ'ተን ተቐበልቲ ሃገራት ምውዝዖምን፤

 

6. ኣብ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ብፖለቲካዊ ቅልውላት ዝሕመሳ ዘለዋ ሃገራት ሽግራተን ክፈትሓ ምሕጋዝ፤ ኣብ'አን ዝርከቡ ኤርትራውያን ድማ፡ ኣብ ዋሕስነት ዘለዎ ቦታታት ከምዝሰጋገሩ ምግባር፤

 

7. ኣንጻር ነጋዶ ደቂ ሰብን ብልሽውናን ዝካየድ ዝተወሃሃደ ዞባውን ኣህጕራውን ፖሊሲ ምትላምን ኣብ ግብሪ ምውዓሉን።

 

ነዚ ዕላማታት'ዚ ንምዕዋት ሓቢሩ ዝሰርሕ ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ግብረ-ሓይሊ ምቛም ከድሊ ኢዩ።

 

 

Last modified on Sunday, 03 May 2015 22:33