Saturday, February 04, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ክሊ ሰሜን ኣመሪካ ሰ.ደ.ህኤ ናይ ዞባ መሪሕነቱ መሪጹ

ክሊ ሰሜን ኣመሪካ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ኣብ ወርሒ ነሓሰ 21፡2010 ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ቀዳማይ ጉባኤኡ ከምዘሰላሰለ ዝዝከር እዩ።ጉባኤ ነቲ ሰልፊ ደሞክርሲ ህዝቢ ኤርትራ ብጉዳይ ዋዕላ ዝወሰዶ ናይ ኣርሒቑ ዝጥምት መርገጽ መሪሕነት ሰልፍና ኣድናቖቱን እንዳኣረጋገጸ ካብ ዝኾነ ጊዜ ንላዕሊ ቃልሱ ከበርትዕ ምኻኑን ኣረጋጊጹ እዩ።

ጉባኤ ብመሰረት ቅዋም ምጽንባራዊ ዋዕላ ፍራንክፈርት ሾሞንተ ዝኣባላታ መሪሕነትን ክልተ ተጠባበቕትን መሪጹ፡ ንሓድነታዊ መስርሕ መሰረታት ሰልፊ ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዛዚምዎ። ሓድነት መስርሕ ከም ምኻኑ መጠን፡ ጊዜን ቃልስን ስለዝሓትት ኣብ መጻኢ መድረኻት ሓድነት ሰልፊ ንምድልዳልን ምዕማቝን ናይ ክሊ ሰሜን ኣመሪካ መሪሕነት ዘለዋ ዓቕምታት ተጠቒማ ዘይሕለል ቃልሲ ከተካይድ ምኻና በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከነረጋግጽ ንፈቱ።

መሪሕነት ክሊ ሰሜን ኣመሪካ ናይ ሹድሽተ ወርሒ ኣብ ንምውጻእ ተታሓሒዛቶ ዘላ መደብ ኰይኑ፣ ኣብ ናይ ፈለማ ኣኼባኣ ንኣባላታ ብስምምዕ እዚ ዝስዕብ መደባት ብምሃብ ደምዲማ። ዝርዝር መደባት ኣባላታ ድማ ከም ዝስዕብ እዩ።

  1. ወልዱ ነጋሲ-------------------ኣቦ መንበር
  2. ያሲን ዑስማን-----------------ሰክረተር
  3. መንግስትኣብ ጐበዛይ-------ናይ ስርርዕ ጉዳያት ሓላፊ
  4. ተኪኤ ወልደማርያም---------ናይ ገንዘብ ጉዳያት ሓላፊ
  5. ኣለም ተስፉ--------------------ናይ ማሕበራዊ ጉዳያት ሓላፊ
  6. ዳዊት ተስፋሁነይ--------------ናይ ዜናን ብህልን ጉዳያት ሓላፊ
  7. ጸጋሂወት ሓጐስ ---------------ናይ ደቂኣንስትዮ ጉዳያት ሓላፊት
  8. ሃብቶም መንግስትኣብ---------ናይ መንእሰያት ጉዳያት ሓላፊ

Login Form