ኣገዳሲ መግለጺ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብስርዓት ህግዲፍ ኣብ ወጻኢ ከኣ ኣብ ደምበ ተቓውሞ ኣጋጢሙ ዘሎ ብጣዕሚ ኣሰካፊ ኵነታት ሃገርናን ህዝብናን መሰረት ብምግባር ኣድላዪ ዝመስሎ መግለጽታትን ሓበሬታታትን ብዝተፈለለዩ መንገዲ ብማዕከናት ዜናን ሓበሬታን (ወብ ሳይት) ብረድዮ ብጽሑፋትን ብፓል ቶክን ካልእ ማዕከናትን ብዓቕሙ ንህዝብና ከመሓላልፍ ጸኒሑ ኢዩ። ካብዚ ሓሊፉ ከኣ ሎሚ እቲ ጸገምና ናይ ብሓቂ እንታዩ? መፍትሒኡኸ ብኸመዩ?
ኵልና ደቂ ሃገር ብዘይ ምንዕዓቕን ምጕርራሕን ብምክብባር ክንመያየጠሉን ክንሰማምዓሉን ይግባእ። ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ከኣ ነዚ ጕዳይዚ ነጻ ኰይኑ ንሓለፍቲ ኮነ ኣባላት ሰልፊ ከምኡውን ንኻልኦት በዚ ጕዳይዚ ዝግደሱ ደቂ ሃገር ከዘራረብን ክሓትትን ክገልጽን ከቀራርብን ክጥርንፍን ኢዩ።
በዚ መሰረት ከኣ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብመጀመርያ ንሓቶን ነዘራርቦን ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል (ደጊጋ) ኣካል ፈጻሚት ሽማገለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ክኸውን ኢዩ። ክትከታተሉና ከኣ ንዕድመኩም።


