Saturday, May 19, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ዘሕጉስ ዜናታት ካብ ኖርወይ

ቀዳም 28 ጥሪ 2012፣ ናይ ሓዲሽ ዓመት ጽምብል ብኣብ ከተማ ኦስሎን (Oslo) ከቢቢኣን ብዝርከቡ ኤርትራውያን ዝቆመ ማሕበረሰብ ኤርትራ ብዓቢ ድምቀት ከቢሩ:: እቲ በዓል ኣብ እዋኑ ኣብ ቀዳሞት መዓልታት ናይ ወርሒ ጥሪ ክበዓል ድለትን መደብን እኳ እነተነበረ፣ ብተክኒካዊ ጸገማት እዩ ክሳብ መወዳእታ ጥሪ ክሰሓብ ክኢሉ::

እቲ ጽምብል ብባህላዊ መግብን ኤርትራዊ ሙዚቃን ተሰንዩ ካብ ከባቢ ሰዓት 6 ናይ ድሕሪ ቀተሪ ምስ ጀመረ ክሳብ ሰዓት 11 ናይ ለይቲ ብድምቀት ቐጸለ:: ልዕሊ 200 ኤርትራውያን ዜጋታት ዝተሳተፍዎ ጽምብል ንኹሉ ደላይ ለውጥን ፍትሕን ተስፋ ዝሃበን ዝማረኸን ክኸውን እንከሎ፣ ንስርዓት ህግደፍን ደገፍቱን ግን ዘሰምበደን ዝደሃለን ናይ መጀመርያ ተርእዮ እዩ ነይሩ:: ሞያውያንን ተበዓት ደረፍትን ሙዚቀኛታትን ከም እኒ ወዲ ኪዳነ፣ ግርማይ (ጥዩስ) ተመስገንን (ተረተር) ካልኦትን ካብ ውሽጥን ስግረዶብን ተንቀሳቂሶም ብምምጻእ በቲ ሞያዊ ክእለቶም ነቲ በዓል ዝያዳ ድምቀት ሂቦሞ፣ ነቲ ተኻፋሊ ድማ ብባህላውን ዘመናውን ሚዚቓ ኣርውዮሞ::

ኣብ ከተማ ትሮንድሃይም (Trondheim)ኖርወይ ዝርከቡ ጥርኑፋት፣ ኤትርራውያን መንእሰያት እውን፣ ብዕለት 14 ጥሪ 2012 ብተመሳሳሊ መንገዲ ሓዲሽ ዓመት ብኽብ ዝበለ ድምቀት ኣብዒሎም:: እዚ ጥራይ ዘይኮነስ ኤርትራውያን መንእሰያት ትሮንድሃይም፣ ነቲ ንምቕሃሞም ዝሃቀነ ብዕለት 21 ጥሪ 2012 ዝተኻየደ ወስታ ህግዲፍ እውን መኪቶም ኣፍሺሎም::

ብኩነታት ህዝቦምን ሃገሮምን ዝተሻቀሉ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ከተማ ትሮንድሃይም ቅድሚ ዓመት እዮም ክጠራነፉ ጀሚሮም:: እዚ ተርእዮዚ ከም ወትሩ ንስርዓት ህግዲፍን ሰዓብቱን ዓብይ ሻቅሎት ብምፍጣር ድቓስ ልለይቲ ከልኦም:: ስለዝኾነ ድማ፣ ስርዓት ህግዲፍ ነዚ ነበልባል ዝኾነ ውልዶ ምንቅስቃስ ዝነደሩ መንእሰያት ገና ከይዓዀኸ ከሎ ከበርዕኖ ብዝተፈላለየ ኣገባብ ሓያለይ ፈተነታት ኣካይዱ::

ሓለይትን ተደናገጽትን ህዝቦም ተመሲሎም ብዘደናግሩ ዋህዮታት ስርዓት ህግደፍ ነዚ ብኩነታት ሃገሩ ተሻቂሉ ኣብ ምምጻእ ዲሞክራስያዊ ለውጢ እጃሙ ከበርክት ንዝተበገሰ መንእሰያዊ ሓይሊ ንምዅላፉ ዘይፈተንዎ ፈተነ ኣይነበረን ይብሉ ገለ ካብ ኣወሃሃድቲ ናይዚ ጥርናፈ:: እንተኾነ ግን ከምቲ መን ምዃንካ ክነግረካ ምስ መን ከም እትኸይድ ጥራይ ንገረኒ ዝብል ምስላ፣ ኤርትራውያን መነሰያት ከተማ ትሮንድሃይም ጋና ክመጹ ከለዉ ካብ መንን ምስ እንታይ ዓይነት መልእኽትን ከምዝመጹ ስለዝፈለጥዎም ኣይተታለሉን፣ እኳ ድኣ በንጻሩ ሰዊዶምን ዓዂኾምን:: ስርዓት ህግዲፍ በዚ ስልቲዚ ዓወት ምስ ሰኣነ፣ ነቲ ባዕሉ ካብ ዝበተኖ ህዝቡ 2% ክምእርረሉን እንተኺሉ ድማ ንዝኾነ ዘሰክፎ ናይ ተቃዎም ምንቅስቃሳት ከምክነሉን ኢሉ ዝመዘዞ ብተኽለ መንግስቱ ብዝፍለጥ ሃዋርያኡ ገይሩ ከቅህሞ ሃቀነ:: ተኽለ መንግስቱ ግን በቶም ተበዓት መንእሰያት ካባ ውርደትን ፍሽለትን ተኸዲኑ ንከተማ ትሮንዲሃይም ክቦ ደርብይላ ንስዊድኑ ኣፈርጠጠ::

ሓላፍነታውያንን ኣብነታውያንን መንእሰያት ትሮንድሃይም ኣብ ልዕሊ ልኡኽ ስርዓት ህግዲፍ ዝኾነ ተኽለ መንግስቱ ኮነ ኣብ ልዕሊ እቶም ሓሶቱ ክሰምዑ ዝመጹ ደገፍትን መገብትን ናይቲ ስርዓት ዝኾነ ዘይሕጋዊ ስጉምቲ ካብ ምውሳድ ተቆጢቦም፣ ብሕጋዊ ኣገባብን ብመሰረታውያን ሕቶታትን እዮም በዲሆሞም:: እቲ ዘሕዝን ግን እቶም መንእሰያት ንሕና ካብ ዝወረደና መዓት ህይወትና ክነድሕን ካብ ሃገር ናብ ስደት ምምራሕና ገበን ምቁጻሩ ከይኣክልስ፣ ወለድናውን በቲ ንሕና ዝወሰድናዮ ስጉምቲ ገበነኛታት ተቆጺሮም ፍርዶም 50,000 ናቅፋ ወይ ማእሰርቲ ምዃኑስ ምስ እንታይ ይቁጸር ንዝብል ሕቶ፣ ልኡኽ ስርዓት ህግዲፍ ወለድኹም እውን ዓብይ እድ ከምዘለዎም ብብዙሕ መጽናዕቲ ስለዝተበጽሐ እዩ ንሳቶም እውን ከም ገበነኛታት ኰይኖም ክቅጽዑ ተወሲኑ ኢሉ መለሰሎም:: ደቁ ክብተንዎን ሃጽ ኢሎም ክጠፍኡሉን ዝምነን ንጥፍኣት ውላዱ ዘቀላጥፍ ወላዲ ወይ ወላዲት ኣብ ታሪኽ ወዲ ሰብ ዋላኳ ክሳብ ሕጂ ዘይተራእየ ይኹን ደኣምበር፣ ካብ ህግዲፋውያንሲ እቲ መልሲ ንሱ እዩ:: እዚ መልሲዚ ንብዓት እተን ደቀንን ሓዳረንን ስኢነን ወትሩ ኣብ ጓህን ሓዘንን ዝነብራ ዘለዋ ኣደታትን ኣሓትን፣ በዕንቲ ህግዲፋውያንን ሰዓብቶምን ዝኾነ ርሕራሔን ፍትሕን ከምዘይብሉ ይሕብር:: እቲ ዝበኣሰን ዘስደምምን ግን እቶም መንእሰያት እዚ መልሲ እዚ ተቆጢዖም፣ እዚ ዘረባዝስ ንዓናን ንወለድናን ምንዓቅን ምውራድንዶ ኣይኮነን ኢሎም ኣብ ዝተቆጥዑሉ ህሞት፣ ገለ ካብቶም ብዕድሚኦም እምበር ብኻልእሲ ናይ ወለዲ ባህርያት ኮነ ልቦና ካብ ዝግወደሎም ሰባት፣ ከይሓነኹ ኣፎም ከፊቶም ንሱ ዘበለኩም ሱቅ ኢልኩም ስምዑ ኣሜን ኢልኩም ከኣ ተቀበሉ፣ ኣይፋሉን ከኣ ነዚ ኣደራሽ ገዲፍኩምልና ውጹ ኢሎም ምውጫጮም እዩ::

መንእሰያት ትሮንድሃይም ግን በዚ ዘይ እናታውን ዘይ ኣባታውን ባህርያት ብዕድመ ጥራይ ዝሸምገሉ ሰዓብቲ ሰርዓት ህግዲፍ እውን ብንእስነታዊ ዕድሚኦም ተፈታትኖም ናይ ጐነጽ ግብረመልሲ ክወስዱ ኣይተረኽቡን:: ብንጻሩ ዋላ ድሕሪ ከይዲ ናይቲ ፈተነውን እንተኾነ ነቶም ትማሊ ትማሊ ዕቁባ ንኽረኽቡ ንሓቀኛ ባህርያት ኣንይቲ ዝኽተልዎ ስርዓት ብምግላጽ ኣብ ኖርወይ ዕቁባ ዝረኸቡ፣ ሎሚ ግን ተመሊሶም ናይ መግስቲ ኤርትራ ዕሱባት ብምዃን ብህይወትን ክብረታትን ህዝቦም ኣብ ሃገር ረብሓታት ክረኽቡ፣ ብሕቡእ ናይ ስርዓት ህግዲፍ ኮይኖም ዝዓዩ ዘለዉ ባእታታት ከሲሶም ነብ ፖሊስ ብምቅራብ ብሕጊ ክጠማጠሚዎም ይርከቡ ኣለዎ::

ኣገናዕ መነሰያት ትሮንድሃይም ካብ ኩሉ ደላይ ፍትሕን ዲሞክራስን!!! እዚ ኣብ መጀመርታ ዓመተ 2012 ኣብ ከተማታት ኦስሎን ትሮንድሃይምን ዝተራእየ ናይ ሓይል ህዝባዊ ጥርናፈን፣ ኣድማዒ መኸተን ኣብ ኩለን ከተማታት ኖርወይ ብምልሓም ኣብ ሒዝናዮ ዘለኦና ዓመት ሓያልን ምእኩልን ጥርናፌ ህዝቢ ንኽምዝገብ ዓቢይ ትጽቢት ኣሎ::

ሃየ እምበኣር ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ኩልና በብዘለኦናዮን ኣኣብዘሎናዮን ሓድነትና ነደልድል፣ ጻዕርታትናውን ነወሃህድ::

ቃልስና ንህዝብና ምስ ህዝብና!!!

 

 

Login Form