ብ2006 ኣብ ተሰነይ ዝተረሸኑ 8 መንእሰያት
መነባብሮ ኣብ ኤርትራ ከፊእዎም ንስደት ናብ ሱዳን ዘምርሑ 7 ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ካርቱም ብእንዳሚካኤል ይመሓደሩ ነይሮም። ሱዳናውያን ጨውዮም ናብ ኤርትራ መሊሶሞም። ብ3 መጋቢት 2006 ድማ 7 መንእሰያትን ሓደ ኣይርሽንን ኢየ ዝበለ ኣባል ሰራዊት ኤርትራን ኣብ ተሰነይ ተረሺኖም።
ሓደ ካብ’ቶም ሽዑ እተረሸኑ መንእሰያት፡ ደበሳይ ስሉስ ዑቝባገብርኤል ዝተባህለ ኰይኑ፡ እዚ ኣብ ስእሊ ንርእዮ ዘሎና ዕሸል ኢዩ።


