ኣገዳሲ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝምልከት ሓበሬታ ንኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ (ኣባል መ. ፈ/ሽ ሰ.ደ.ህ.ኤ)

ብቀዳምነት ክቡር ኣቶ ኢሳያስ ኣስፍሃ ብወገን ጥዕናኻ ጽቡቕ ክትህሉን
ኣብ መነባብሮኻን ኣብ እተካይዶ ዘይሕለል ህዝባዊ ሓርነታዊ ቃልሲ ዓወትን ኣሳልጦን ንምነየልካ።
ቀጺልና በቲ ብተደጋጋሚ ኣብ ህዝባዊ መርበብ ዜናን ሓበሬታን ካብ ቅጥዓውን ሕጋውን ኣሰራርሓ ናይ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይካ ስለዘሳጣሕካዮን ኣብ ክንዲ ብኣጋባቡ ናብ ክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን ብጽሑፍን ብኣገባብን ክንዲ ምቕራብ ካብ ሰልፋዊ ሕጋዊ መስርሕ ወጻኢ ጉዳይካ ክፍታሕ ከምዘይከኣል ክንሕብር ንፈቱ። ጉዳይካ ኣብ ክንዲ ኣብ ትሕቲ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ቅዋማዊ መስርሕ ኣብ ህዝባዊ ኣደባባይ ስምዑለይን ርኣዩለይ ብምባል ፍታሕ ንምርካብ ምፍታን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ንክጥቀሙሉ ዝደልዩ ኣፍደገ ምኽፋትን ምትሕብባርን፡ ኣብ ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ነቓዓት ኣብ ምፍጣር ድሌትን ባህግን ረብሓ ንዘሎዎም ንምርዋይን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢድ ምትእታታው ሓሊፉ ንዓኻ ፍታሕ ኣየምጸኣልካ ንሰልፍና እውን ኣወንታዊ ውጽኢትን ቅሳነትን ዕቤትን ዝዕድም ከምዘይኮነ ትዝንገዖ ኣይንብልን። በቲ ሓደ ወገን ነቲ ዕላማ ሰልፊ ደጊፍካን ኣብ ሰልፍኻ ጸኒዕካ ጉዳይካ ክፍታሓልካ ምድላይ ንባዕሉ ኣወንታዊ ስለዝኾነ ከኣ ከየመስገናካ ክንሓልፍ ኣይንደልን። ሕጂ’ውን እቲ ፍታሕ፡ በቲ ቅዋም ሰልፊ መሰረት ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ብኣጋባብ ንመሰልካ ይኹን ንሕጊ ሰልፊ ንምክልኻል ንዝኾነ ይኹን ኣባል ይኹን ኣካል ናይ ሰልፊ (ቤ/ጽ) ክትከስስን ንመሰልካ ክትጣበቕን ሕጋዊ መሰል ከምዘሎካ ከነዘኻኽር ንፈቱ። እዚ ማለት ከኣ መሰጋጋሪ ኣቦ-መንበር ፈጻሚ ሽማግለን እስኻን ይኹን ዝኾነ ኣባል ብመሰረት ቅዋም ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ማዕርነታዊ መሰል ኣሎኩም።ከምዘይትስሕቶ መሰል ንበይና እትነብር ኣምር ከምዘይኮነት፡ ግቡእ እትብሃል ብጸይቲ ከምዘላታን ሚዛናውን ቅስኑን ኣተሃላልወኣን ከኣ ከም ኣዳምን ሂዋንን ናይ መውስባዊ ዝምድና ከም ዘሎወን ምዝካር ሓጋዚ ይኸውን። እዚ ማለት ከኣ ብቅዋም መሰረት መሰል ኣባል ክኽበር ከሎ፡ ብተዛማዲ ከኣ እቲ ኣባል ከኣ ብቅዋም መሰረት ግቡኡ ከማልእ ከምዘሎዎ ናይ ሰልፍና ሕጊ ጥራሕ ዘይኮነ ዳርጋ ዓለም-ለኻዊ ሕጋዊ ኣተሃላልዋ ከምዘሎዎ ርዱእ ይኸውን። ከምዘይትስሕቶ፡ ከም ኣብ ሓደ ሰልፍን ጽላልን ጠናኒጉ ሒዙና ዘሎን ብሓባር ንክንሰርሕ ዘኽእለናን ዘራኸበናን ኣብ እቲ ሰልፊ ዘሎና መትከላዊ ናይ ኣረኣእያ ሓድነትን ንዕኡ ንከይጠሓስን ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ዝተሰማማዕናሎም ቅዋማት (ሕግታት) ሰልፊ ምዃኖምን እዮም። ህድሞ ብዘይ ዓንዲ ጠጠው ከምዘይትብል ሰልፍና እውን እንተኾነ ብዘይ ቅዋማዊ ሕግታቱ ጠጠው ክብል ከምዘይክእል ብምፍላጥ እቲ መሰልን ግቡኡን ኣባል እስኻ እውን ይርሓሰና ኢልካ ዝተቐበልካዮን ዘጽደቕካዮን ከምምዃንካ መጠን ትርስዖ ኣይንብልን። ገለ ንጉዳይካ ዝምልከት ሕግታት ነቶም ንዓኻ ንመዘኻኸሪ፡ ንዘይፈለጡ ክፈልጡ፡ ነቶም ብጌጋ ዝውንጅሉን ሕጊ ክጥሓስ ዘተባብዑ ከኣ ክእደቡ እንተሓገዘ ነዚ ዝስዕብ ዓንቀጻት ካብ ቅዋም ሰልፊ ምጥቃስ ንደገ ክቃላሕ እኳ ዘይተመራጺ እንተኾነ ብሰንኪ እስኻ ጉዳይካ ኣብ ቃልዕ ምውጻእካ እዚ ክፍሊ’ዚ ንከውጽኦ ተደሪኹን ተደፋፊኡን ማለት እዩ።
ዓንቀጽ 6፤ መሰላት ኣባል
6.5 ውድባዊ ቦታ ብዘየገድስ፡ ብኣባላት ኮነ ብመሪሕነታዊ ኣካላት፡ ንዝፍጸሙ ጕድለታትን ጌጋታትን ንምእራም፡ ወይ’ውን ኣብ ልዕሊ ፖሊሲታትን ንጥፈታትን ሰልፊ፡ ብውድባዊ መስኖ ኣቢሉ ሃናጺ ነቐፌታ ከቕርብ መሰል ኣለዎ፤
6.6 ኣብ ወግዓዊ ኣኼባታት ሰልፊ ወይ ብውድባዊ መስኖ ኣቢሉ፡ ርእይቶታት፡ ወይ ሓሳባት ናብ ጨንፈር፡ ዞባ፡ ወይ መሰጋገሪ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፤ ከቕርብ ወይ ኣብ ልዕሊ ውሳኔ ወይ ስጉምቲ ወይ ፖሊሲ ተቓውሞኡ ክገልጽ መሰል ኣለዎ።
6.7 ኣባል ውድብ፡ ንዕኡ ዝምልከት ክስታት ዘጠቓለለ ውሳኔ ኣብ ዝውሰደሉ ክስታቱ ከፈልጥን ንነብሱ ክከላኸልን መሰሉ ኢዩ።
6.8 ኣብ ልዕሊ ገለ ካብ መሰላቱ ኣብ እተወስደ ውሳኔ፡ ትዕዝብቲ ወይ ዘይዕግበት ምስ ዝህልዎ፥ ንሕቶኡ ብስርዒታዊ መስኖታት ኣቢሉ ናብ ዝለዓለ ኣካል ከብጽሕ መሰል ኣለዎ፤
ዓንቀጽ 7፤ ግቡኣት ኣባል
7.3 ንሕግታትን መምርሕታትን ሰልፊ ምእዙዝ ይኸውን፤
7.7 ሓድነት ሰልፊ ይሕሉን፡ ሰልፋዊ ዲሲፕሊን የኽብርን፡ ንውሳኔታት ሰልፊ ብምእዙዝነት ይትግብርን፣ ምስጢራት ሰልፊ ይዕቅብን፤ ፍሉይ ሓሳባት ወይ ተጻራሪ ርእይቶ ንዘለዎም ኣባላት፡ ርእይቶኦም የኽብርን መሰላቶም ይከላኸልን።
7.8 ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ደሞክራስያዊ ልምድታት ንኸስርጽ ይቃለስ፤ ጸረ ዕላማታት ሰልፊ ኮነ ጸረ መሰረታዊ ረብሓታት ህዝቢ ንዝፍኖ ፕሮፓጋንዳዊ ወፈራታት ንምምካንን፡ መትከላት ሰልፊ ንምክልኻልን ይጽዕር፤
7.9 ንሰልፊ ክኸፋፍል ዝኽእል ወስታታት ይከላኸልን፡ ኣንጻር ዓሌታውን ሃይማኖታውን፡ ትምክሕትን፡ ኣተሓሳሳባን ይምክትን
ዓንቀጽ 8፤ ምውዳቕ ኣባልነት
8.5 ንፖለቲካዊ ፕሮግራም ሰልፍን መትከላቱን ዕላማታቱን ምስ ዝጻረር፤ ንክብሪ ሰልፊ ዝሃሲ መርገጽ ወይ ዘመተ ምስ ዘካይድ፤
8.6 ናይ ገንዘብ ወይ ንብረት ሰልፊ ምጥፍፋእ ከምዝገበረ ብተጸባጻቢ ኣካል ምስ ዝረጋገጽ
8.7 ካብ ላዕለዎት ኣካላት ንዝመጸ መምርሒታት ምስ ዝጥሕስ፤
8.8 ንሰልፊ ዘጸልም ተግባራት ምስ ዝፍጽም፤
8.9 ምስጢር ሰልፊ ኣሕሊፉ ምስ ዝህብ፤
8.10 ምውዳቕ ኣባልነት ብኣቦ መንበር መሰጋገሪ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይጸድቕ።
8.11 ኣባልነቱ ብውሳኔ ዝወደቐ ኣባል፡ ኣብ ውሽጢ ሰላሳ መዓልቲ ናይ ይግባይ ደብዳቤ ከቕርብ መሰል ኣለዎ።
8.12 ምምላስ ዝወደቐ ኣባልነት፡-
8.12.1 ብዘይ ብቑዕ ምኽንያት ዝተሰጐ ኣባል፤
8.12.2 ነቐፌታኡ ኣልዒሉ፡ ግቡእ ኣማሊኡ፡ ክምለስ ድሉው ዝዀነ፤
8.12.3 ምምላስ ዝወደቐ ኣባልነት፡ ብመሰጋገሪ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይጸድቕ።
ዓንቀጽ 9 ፤ ስነ-ስርዓታዊ ስጕምቲ፡-
9.1 ብኣባላት ሰልፊ ዝፍጸሙ ጌጋታት፡ ብደረጃታቶም ዝተፈላለዩ ስለዝዀኑ፡ እቲ ዝውሃብ ስነ-ስርዓታዊ ስጕምቲ እውን፡ ማዕረ’ቲ እተፈጸመ ጌጋ ክኸውን ኣለዎ። ከም ሓፈሻዊ መምርሒ ግን፡ ንዝፍጸሙ ጌጋታት ንምእራም እንኽተሎም ኣገባባት እዞም ዝስዕቡ ኢዮም።
9.1.1 ነቐፌታ፤
9.1.2 መጠንቀቕታ፤
9.1.3 ገንዘባዊ መቕጻዕቲ፤
9.1.4 ኣባልነት ምዕጋት/ምውንዛፍ
9.1.5 ኣባልነት ምውዳቕ (ምስጓግ)።
ክፍሊ ኦዲትን ምቁጽጻርን ጥርዓንን ብዓንቀጽ 8 መሰረት ኣብ ሰልፊ ግህሰት መትከላትን ብልሽውናን ንኸይስዕርር ዝከላኸልን፡ ኣካል ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ማለት ከኣ ኣባል መሰሉ ከይገሃስ በቲ ሓደ ወገን ሕግታት ሰልፊ ከይጥሓስን ንውሽጣዊ ጥዕና ሰልፊ ዝከታተል ኣካል ከምምዃኑ መጠን እስኻ መሰላትካ ክኽበር እቲ ሕጊ ናይ ኩላትና ከኣ ክኽበር ዝቖመ ትካል ሰልፊ እዩ። ኣሰራርሕኡ ኣተሃላልውኡን ነጻ ስለዝኾነ ከኣ ብቅዋም መሰረት ብዘይንሓፍነት ዝተሰከሞ ሓላፍነት ኣብ ግብሪ ክትርጉም ከምዝጽዕት ንሕብረካ። ክዝንጋዕ ዘይብሉ ግን እቲ ቅዋማዊ ሕጊ ምጥሓስ ማለት ናይ’ቶም ንዕኡ ዘቖምዎ ውለቀ-ኣባላት መሰላቶም ምግሃስ ማለት ምዃኑ እውን ኣብ ግምት ክኣቱ ዘሎዎ ኮይኑ ይስመዓና። እዚ ከኣ ናይ ውልቀ ሰብ መሰል ክኽበር እቲ ናይ ብዙሓት መሰል ዋልታ ሕጋዊ ቃል-ኪዳን ዝኾነ እንሕበነሉ ቅዋም ሰልፊ እውን ክኽበር ናይ ነፍሲ-ወከፍና ሓላፍነታዊ ምኽባርን ካብ ምግሃስ ምክልኻልን ሓላፍነታዊ ግቡእና እዩ።
በዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ሕግታትን ዝተገልጸ መረዳእታን እቲ ተበዲለ ወይ ሕጊ ተጣሒሱ ዝብል ኣባል ክኸስስ በቲ ሓደ ወገን ከኣ እቲ እተኸሰሰ ኣባል ይኹን ቤ/ጽ ንዝመጾ ክሲ ብሕጊ ዘፍቅደሉ ክከላኸልን መሰል ከምዘሎዎ ርዱእ ይመስልና። ነዚ ክልቲኡ ወገናት ብዘቕርብዎ መርትዖታት ከኣ ኣቲ ጥርዓኖም ዝሰምዕ ኣካል እንተተኻኢሉ ብሽምግልና እንተዘይተኻኢሉ ከኣ ብዘይ ጸግዒ ምሓዝ ኣብ ቅዋም ተመስሪቱ ሕጋዊ መዕረፊ ይገብረሉ። እቲ ሕጋዊ መዕረፊ እቲ ዝተጋገየ ኣካል እንተዘይዓጊብሉ ከኣ ናይ ይግባይ መሰል እዚ ዝስዕብ ዓንቀጻት ኣብ ቅዋም ሰ.ደ.ህ.ኤ. ከምዘሎ ንምልከት ።
30.3 ዝኾነ ይኹን ሰብ ጉዳዩ ብፍትሓዊ ዓይኒ ክርኤ፤ ኣብ ቅድሚ ሕግታት ናይዚ ሰልፊ’ዚ ድማ ነብሱ ናይ ምክልኻል ኮነ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐርብ ክስታት ወይ ቅሬታታት ክፈልጥ ከምእውን ኣብ ልዕሊኡ ዝወሰድ ሕጋዊ ስጉምትታት ክፈልጥ፤ ንናይ ይግባይ መሰላቱ ዘጠቓለለ መሰላቱ ሕሉው እዩ።
30.5 ክስታትን፤ ቅሬታታትን፡ እኹል ሕጋዊ ባይታ እንተዘይብሉ፤ ወይ ንቅዋምን ውሽጣዊ ሕግታትን ብምጥሓስ ዝተመስረተ ምስ ዝኸውን፤ ክንጸግን ከም ውዱቕ ክሕሰብን ይኽእል
30.6 ናይ ይግባይ መሰላት ብሰንሰላታዊ መንገዲ ክሳብ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ክበጽሕ ይኽእል፤ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ድማ ባዕሉ ወይ ንሱ ብዘቑሞ ፍሉይ ሽማግለ፡ ነቲ ጉዳይ ይምርምርን ውሳነ ይወስደሉን። ናይ መሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ውሳኔ ብዛዕባ ከምዚ ዝበለ ጉዳያት ፍጹምን ቀያድን እዩ።
30.7 ብዛዕባ ክስታት ኮነ ቅሬታታት እዚ ዝስዕብ ስጉምታት ክውሰድ ይከኣል
30.7.1 ንዝቐረበ ክሲ ወይ ቅሬታ ምንጻግ
30.7.2 ንዝቐረበ ክሲ ወይ ቅሬታ ምምዝጋብን ካልእ ስጉምቲ ዘይምውሳድን
30.7.3 ንከሳሲ ወይ ተኸሳሲ ወይ ንኽልቲኡ ሸነኻት ምኽርታት ምልጋስን ንመጻI ንጥፈታቶም ዘገልግል ኣገባብ ኣሰራርሓ ምስራዕን
30.7.4 ብመሰረት ዓንቀጽ 9 ዝግባኦ መቕጻዕቲ ምውሳን
መደምደምታ፡
ክቡር ኣቶ ኢሳይስ ኣስፍሃ፡ ንዝመጸን ንክመጽእ ዝኽእል ውሽጣዊ ሽግራት ኣካል ፍታሕ ምዃንን በቲ ዝግበኦ ስርዒታዊ መንገዱ ክፍታሕ ከምዘየሽግር እስኻ እውን እትሰማማዓሉ ጉዳይ ኮይኑ ይሰማዓና። ብኣንጻሩ ግን ንጉዳይካ ኣብ ዘይምልከቶ ቦታን ምስ ዘይምልከቶም ኮንካ ምጉህሃሩ ንናትካ ክብርን ንናይ ሓባር ዕላማና ዕቤትን ነቲ ህዝባዊ ሓላፍነት ተሰኪምናዮ ዞሎና ዕላማታት ከነዐውት ከምዘይንኽእል ኣብ ጸብጻብ ብምእታው ብሓደ ወገን ናይ መሰላትና ተኸላኸልቲ በቲ ሓደ ወገን ንሕግታትና ተማእዘዝቲ ክንከውን ይግባእ። መሰላትካ ዋላ ብፈጻሚ ቤ/ጽ ተጋሂሱ ዝብል ዕግበት እንተሃሎውካ እውን ነቲ ዝተጋህሰካ መሰል በቲ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ መስርሓት እቲ ክቡር መሰልካ ክኽበር ከምዝከኣል ባዕልኻ እትፈልጦ ጉዳይ እዩ። ብዛዕባ ውሳኔታትን ኣሰራርሓን መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ ዘየዕገበካ እንተኾይኑ እውን ነቲ ዝበዝሐ ኣካል የዕጊብካ ብመሰጋገሪ ማእከላይ ባይቶ ክትቅየር ከምዝከኣል ኣይትስሕቶን። ስለዚ እታ ፈጻሚ ኣካል ልእኽቲ ናይ ማእከላይ ባይቶን ናይ ኣባላት ሰልፊ ምዃና እውን ቅዋም ሰልፊ ይሕብር እዩ። ስለዚ ምምእዛዝ ናይ ዝተሰማማዕናሉ ቅዋም ሰልፊ መምዘኒና ኣብ ጽባሕ ኤርትራ ንቅዋም ሃገር ምእዙዝነትናን ዘይምእዙዝነትና ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ዘቃልሕ ምዃኑ ሕጂ ኣርኣያ ክንከውንን ደሞክራስያዊ ባህርን ምእዙዝነትን ከነዘውትር እቲ መሰረታዊ ረቛሒ ናይ ህዝባዊ እምነት እዩ። እዚ ማለት ከኣ ህዝብና ኣከያይዳናን ኣሰራርሓናን ኣብ ሕቶ ደሞክራስን ደሞክራስያዊ ጠባያትናን እዩ ዝመዝነና። እቲ ብሓላፍነት ዘሎ ኣካል እውን እንተኾነ መሰል ናይ ኣባላት ብምኽባር ብሕጊ ተገዛኢ ኮይኑ ኣብነት ክኸውን እዩ እቲ እንጽበዮ። ብወገና ነፍሲ ወከፍ ኣባል ማዕርነታዊ መሰል ኣብ ኩሎም መሰላትን ማዕርነታዊ ግቡእ ኣብ ሰልፋዊ ስርሓትናን ከምዘሎና መጠን፡ ብቅዋም መሰረት ንመሰልካ ከምእንጣበቐን፡ ብሕጊ ሰልፊ ዝገሃስካዮ እንተሃልዩ ከኣ ከምዘይንንሕፈካን ነቶም መሰልካ ዝገሃሱ እንተሃልዮም ከኣ ከምዘይንሓፉ ደጊምና ከነረጋግጸልካ ንፈቱ። ካብ’ዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ወጻኢ ወይ ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓና ወጻኢ ጉዳይካ ክትቅጽል እንተመሪጽካ ግን እቲ ውሳኔ ናትካ ጉዳይ ኮይኑ ብወገና ሕጊ ናይ ሰልፊ ካብ ምክልኻል ሓሊፍና ንገብሮ ጉዳይ ከምዘየሎ ነፍልጥ።
ኣብ’ዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ፡ ኣባልነት ምዕጋት/ምውንዛፍ ቅዋም ከምዘፍቅድ ዓንቀጽ 9.1.4 ይሕብር። ከምእውን ዓንቀጽ 8.10 ምውዳቕ ኣባልነት ብኣቦ መንበር መሰጋገሪ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ይጸድቕ እዩ ዝብል። ስለዚ ካብ ቅዋም ሰልፊ ወጻኢ ዝካየደ ክስታት ነቲ ዝኸስስ እውን ዘምዝን ምዃኑ እውን እስኻ ይኹን ኣንበብቲ ይርድእዎ ዝብል ትጽቢት ኣሎና። እንተድኣ ብዛዕባ ዘጽደቕዎ ቅዋም ዘይተረድኦ ኣባል እንተሃልዩ ደጊሙ ቅዋም ከንብብን ክበርሃሉ እውን ክሓተና ይኽእል። ስለዚ ብወገን ኣባል መሰጋገሪ ፈጻሚ ኣካል ይኹን ዝኾነ ኣባል ሓላፍነቱ ብዘየገድስ ግህሰት ሕጊ ምስ ዘካይድ ብዓንቀጽ 9 መሰረት ስጉምቲ ክወስድ ቅዋም ብዘፍቅደሉ መጠን ብወገና እቲ ሽግር ካብ ሕጊ ወጻኢ ምስ ዝጥቀመሉ ነቲ ዓንቀጽ ዝሃቦ ሓላፍነትን ወይ ከኣ ነቲ ሓላፍነት ዝተዋህቦ ኣብ ተግባር ከየውዓለ ሕጊ እንዳተጣሕሰ ሸለልትነት ምስ ዘርኢ እውን ተሓታቲ ምዃኑ ምፍላጥ ኣሎ። ስለዚ ኩላትና ናይ መሰልና ተጣበቕቲ፡ ናይ ሕጊ ተማእዘዝቲ፡ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ስለእንቃለስ ከኣ ደሞክራስያዊ ምእዙዝነት ከነዝውትር ይግባእ። ብኣንጻሩ፡ ብዝበዝሐ ድምጺ ስለዝተሳዓርካ ብካልእ መንገዲ መመኽነይታ ደሊኻ ንዝደለኻዮ ከተማልእ ኣብ ውሽጣዊ ቅሳነትን ሓድነትን ሰልፊ ህውከት ንምግባር ዝህቀኑ ነገራት እንተሃልዮም ሓቢርና ኣብ ጽላል ቅዋማዊ ሕግና ኮይና ክንከላኸል ናይ ኩሉ ኣባል ሓላፍነትን ግቡእን እዩ። እዚ ክፍሊ’ዚ ከኣ ዝተዋህቦ ሓላፍነት ብግቡእ ክጥቀመሉ ከምዝኾነ ንሕብር።
መሰል ኣባል ኣብ ትሕቲ ቅዋም ክኽበር ኣሎዎ፡።ኣባል ግቡኡ ናይ ሕጊ ምምእዛዝ ከዘውትርን ብደሞክራስያዊ ኣገባብ ነፍሲ ወከፍና ክንሰርሕን ደሞክራስያዊ ባህርይ ከነዝውትርን ነቲ ሕዝባዊ ሕድራዊ ዕላማና ኣብ መዓልኡ ኣብጺሕና ስልጣን ናይ ህዝቢ ምዃኑ ብተግባር ክንሰርሕ ዝኣቶናዮ ቃል-ኪዳናዊ ስምምዕ ስለዝኾነ ኩላትና ሓደራ ንብል።


