ቃል ደገፍ ተጋ/ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ ንጕባኤ ሰደህኤ ክሊ ሰሜን ኣመሪካ

ክቡራትን ክቡራንን ብጾት ኣባላት ጕባኤ
ኣብ’ዚ ሃገርና ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝዀነ ናይ ታሪኽ መቐያይሮ
ኣብ እትርከበሉ እዋን ቀዳማይ ጕባኤኹም ከተቃንዑ ምብቃዕኩም ዮሃና ክብለኩም ኣፍቅዱለይ። ሎሚ፡ ንሃገራዊ ሓድነትና ጥራሕ ዘይኰነስ፣ ንህላወን ቀጻልነትን ናይ’ታ ብኣዝዩ ክቡር መስዋእቲ ካብ ምንጋጋ መግዛእቲ ሓራ ዘውጻእናያ ሃገረ ኤርትራ ዝፈታተን ብዙሕ ሓደጋታት ኢዩ ኣብ ልዕሌና ዝዝንቢ ዘሎ። እዚ ከኣ፡ ቀጥታውን ባህርያውን ውጽኢት ናይ’ቲ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ን20 ዓመታት ዝቐጸለ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስ ኣፍወርቂ ኢዩ።
ሕጂ፡ ድሕሪ ውድቀት ምሕዝነት ተቓወምቲ ውድባት፡ ህዝብና፡ ኣብ ልዕሊ’ዚ ታሪኻዊ ድሕረ ባይታን ሃገራዊ ኣቃውማን መደብ ዕዮን ዘለዎ ዕሸል ሰልፍኹም ኢዩ ተስፋታት ኣንቢሩ ዘሎ። ሰልፍኹም ዘለዎ ሃገራዊ ዓቕምታትን ብቕዓትን ከኣ፡ ነቲ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ፡ ምእንቲ ሓድነትን ዲሞክራስን ዝካየድ ዘሎ ሃገራዊ ተጋድሎ ክመርሖ የኽእሎ ኢዩ።
ኣብ መደምደምታ፡ ኣብ’ዚ ኣገዳሲ ተረኽቦ ምሳኹም ክውዕል ትምኒተይ’ዩ ነይሩ። እንተዀነ ግን፡ ብሰንኪ’ቲ ኵልኹም እትፈልጥዎ ናይ ጥዕናይ ኵነታት ክሕወሰኩም ኣይከኣልኩን።
ድሕር’ቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝገበርክዎ መጥባሕቲ፡ ናይ ጥዕናይ ኵነታት እናተመሓየሸ’ኳ ይኸይድ እንተሎ፣ ሓካይመይ ግን፡ ሓሓሊፈ መርመራት ክገብር ስለዘማኸሩኒ ኢየ ብዙሕ ዘይገይሽ ዘለኹ።
ሰላምታይን ሰላምታ ስድራይን ተቐበሉ
ንዅልኹም ሰላም ብሓበራ
ሓውኩም/ ኢብራሂም መሓመድ ዓሊ


