Saturday, February 04, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

መልእኽቲ ሰዲህኤ ብኣጋጣሚ መበል 49 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ

epdp-logo3

 

 

 

 

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኣጋጣሚ መበል 49 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና፡

 

ንህዝቢ ኤርትራ፡ እንቋዕ ሓጐሰካ ዝብል ናይ ዮሃና መልእኽቱ የመሓላልፍ። ከምኡ ውን፡ ሃገራዊ ናጽነትና ክውን ንምግባር ክቡር ዋጋ ንዝኸፈሉ ደቂ ሃገርን ፈተውትን ምስጋናኡን መጐሱን ይገልጽ።    

ብጅግና ሓምድ ኢድሪስ ዓዋተ ዝምርሑ፡ ኣረጊት ብረት ዝተዓጥቁ ውሑዳት ተጋደልቲ፡ ኣብ ጎቦ ኣዳል ዓስኪሩ ኣብ ልዕሊ ዝነበረ ሓይሊ ፖሊስ ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ብ1 መስከረም 1961 ዓ.ም ብዝወሰድዎ መጥቃዕቲ ኢዩ ሰውራና ተባሪዑ። እዛ መቃልሓ ኣብ መላእ ዓለም እተሰምዐት ናይ መጀመርያ ጥይት ከኣ’ያ፡ ቀስ ብቐስ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ኣልዓዒላ፡ ኣንጻር መግዛእታዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ደው ክብል ዘብቅዓቶ።

እዚ ልዕሊ 65,000 ኤርትራውያን ዝተሰውእሉ፡ በማእት ኣሽሓት ዝተሰደድሉ፡ ከተማታትን ገጥራትን ዝበረሰሉ፡  ሓደ ካብ’ቶም ኣብ ዓለምና ዝተኻየዱ ዝነውሑን ማእለያ ዘይብሉ ዓቕምታት ዘህለኹን ውግኣት ኢዩ ነይሩ።

ድሕሪ ናይ 30 ዓመታት ተጋድሎ፡ ብ21 ግንቦት 1991፡ ሰራዊት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ካብ ሃገርና ተጸሪጉ፡ ኤርትራ ድማ፡ ናጻ ሃገር ኰይና። ይኹን ደኣ’ምበር፡ እቲ ህዝብና ዝተበገሰሉ መሰረታዊ ዕላማታት ናይ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ዲሞክራስን ግን ጌና ኣይተረጋገጸን’ዩ ዘሎ። ብሰንኪ’ቲ ሓደ ሰብ ዘሕምቖ ዲክታቶርያዊ ስርዓት፣ ናይ ሓርነትን ዲሞክራስን ሕልምታትና በኒኑ፣ ናይ 30 ዓመታት ተጋድሎናን መስዋእትናን ተኻሒዱ፣ ሃገራዊ ፍቕርናን ጽንዓትና ተሸርሺሩ፣ ከምውጽኢቱ ከኣ፡ ሃገርና ንኣዝዩ ከቢድ ዝዀነ ቅልውላዋት ተቓሊዓ ኣላ።

ልክዕ ከም’ቲ፡ “እምቢ ንመግዛእቲ፡ መጻኢ ዕድልና ባዕልና ኢና ንውስን”፡ ካብ ዝብል እምነት ተበጊስና፡  ብባሕቲ መስከረም 1961 ኣንጻር ዘውዳዊ ስርዓት ኢትዮጵያ ዘጕሃሃርናዮ ብረታዊ ተጋድሎ፡  ናጽነትና ክንጓናጸፍ ዝኸኣልና፤ ሕጂ ውን፡ እምቢ ንምልኪ፡ እወ ንፍትሕን ዲሞክራስን ኢልና፡ ንመሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላትናን ክብርታትናን ክንቃለስ መድረኽ ይጽውዓና ኣሎ።

ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መንጐ ሓርነትን ጭቆናን ዘሎ ፍልልያት ብምግንዛብ፡ ነቲ ብምልካዊ ስርዓት ኤርትራ ተጨውዩ ዘሎ ናይ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዕላማታት ንምርግጋጽ ከይተሓለለ ዝቃለስ ሰልፊ ኢዩ።

መበል 49 ዓመት ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎና ኣብ እነኽብረሉ ዘሎና ዕለት፡ ብእኩብ ድዩስ ብተናጸል፡ ንዝሓለፍናዮ መድረኽ ብግቡእ ክንመዝን፣ ንህዝብና ክጥርንፉ ዝኽእሉ ናይ መጻኢ ራእይታት ክንውንንን፣ ንዅሉ ሃገራዊ ዘሳትፉ፡ ስትራተጂታት ክንሕንጽጽን፤ ንህዝብና ካብ ጭቆና ንምንጋፍ ቃል ክንኣቱን ይግባእ። በዚ ጥራሕ ከኣ ኢና፡ ነቲ ብባሕቲ መስከረም ዝተበገስናሉ፡ ናይ ሰላም፡ ፍትሕን ዲሞክራስን ዕላማታት ከነረጋግጽን፣ ንምልኪ ስዒርና ዲሞክራስያዊ ስርዓት ክንሃንጽ እንኽእል።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ንመንእሰያት ድማ ብፍላይ፡ ናይ መጻኢ ዕድሎም ባዕሎም ወሰንቲ መታን ክዀኑ፡ ተሳትፎኦም ኣብ ቃልሲ ከኻዕብቱ ንጽውዕ። ከምኡ ውን፡ ኣባላት ዋርሳይ ይከኣሎ፡ ወጊድ ንጭቆና ኢሎም ኣብ ጐድኒ’ቲ ምእንቲ ፍትሕን ዲሞክራስን ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ቃልስታት ደው ክብሉ ንጽውዕ።

 


 

 

Login Form