Saturday, February 04, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

መልእኽቲ ኣቦ መንበር ሰልፊ ናብ ቀዳማይ ዞባዊ ጉባኤ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ኣብ ሰሜን ኣመሪካ

wa2

 

 

 

 

 

ዝኸበርኩም ኣባላት ዞባዊ ጉባኤ ሰ.ደ.ህ.ኤ. ሰሜን ኣመሪካ፣

 

ኣብ ከተማ ቶሮንቶ ዝካየድ ዘሎ ጉባኤኹም፡  ዓወታት ንኸሰንዮን ዘተኣማምንን ውጽኢት ንኽህልዎን እናተመነኹ፡ ብስም መላእ መሪሕነትን ኣባላትን ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ስላምታይ ከምሓላልፍ ደስ ይብለኒ።

ስልፍና፡ ምምስራቱ ካብ ዝተበሰረሉ ዕለት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከተካይድዎ ብዝጸናሕኩም ጸዓት መሰረት፡  ኣብ ሓያሎ ከተማታት ኣመሪካን ካናዳን ጉጅለታትን ጨናፍርን ኣቚምኩም፡ ውፉይ ስራሕ ኣካይድኩም ኢኹም። እንሆ ድማ ሎሚ ነዚ ንመላእ ሰሜን ኣመሪካ ዝሓቖፈ ጉባኤ ከትካይዱ ክንርኢ እንከሎና፡ ንፍርያት ጻዕርኹም ኣኽሊል ትደፍኡሉ ምህላውኩም ዘርኢ ህያው ምስክር እዩ። ተዓዊትኩም ኣዓዊትኩምና ኢኹም እሞ ምስጋና ይብጻሕኩም።

ዝኽበርኩም ኣባላት ጉባኤ!

ንመሰረታዊ ዕዮና ብዝምልከት፣ ማለት ንስርዓት ህግደፍ ስዒርና፡ ኣሳታፊ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምትካል፡ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ ዘካየድናዮ ቃልሲ፡ ኣብ ውሽጢን ኣብ ግዳምን ኣወንታዊ ውጽኢት ዝነበሮ፡ ነቲ ስርዓት ንምንጻል ተራኡ ዝዓመመ ምንባሩ ስዉር ኣይኮነን። ይኹን’ምበር፡ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘውርዶ ዘሎ ግፍዒ ይቕጽል ብምህላዉ፣ መንእሰያትና ንሃገር ጠንጢኖም ክስደዱ ይግደዱ ብምህላዎም፣ ጥሜትን ዓጸቦን ሱር ይተክል ስለ ዘሎ፡ ማሕበራውን ቁጠባውን ብልሽውና እውን ይስዕርር ስለዘሎ፡ ጌና ዕማምና ኣይወዳኣናን። ዕጣቕና ሸጥ ኣቢልና ኣብ ቃልሲ ቀጸልቲ ኢና። ሰልፍና ድማ ሃገር ከይቀሰነት ኣይክቐስንን እዩ።

ቃልስና ሓደ ገጽ ዘለዎ፡ ወይ ኣብ ሓደ መዳይ ጥራይ ኣይነበረን። ጸረ ህግደፍ እነካይዶ ቃልሲ ኣብ ቦታኡ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ደምበ ተቓውሞ ብዝተኸፍተልና ዘይደለናዮ ሓድሽ ግንባር እውን ተጸሚድና ጸኒሕና ኢና። መጀመርያ ስምረት ውድባትና ዘስግኦም ሓይልታት ንሓድነትና ክፈታተኑን ክዝርጉን ዝሃቀኑ ውሑዳት ኣይነበሩን። ሓድነትና ብዕሸሉ ንኽቚጸ ተፈቲኑ እዩ። ቀጺሉ ድማ ብጉዳይ ሃገራዊ ዋዕላ፡ ነዊሕን ኣድካምን ክርክር ድሕሪ ምክያዱ፡ ንዓና ኮነ ንሓያሎ ክፍልታት ተቓውሞ ዝነጸለ፣ ነቲ ዝጨራሕናዮ መሰረታዊ ተረድኦን ዕላማን ዝሰሓተ፣ ንደንበ ተቓውሞ  ናብ ደንበታት ዝመቐለ መጋባእያ ተሰላሲሉ እዩ። የግዳስ፡ ከምቲ ዝተኣመተልና ኣይተጐዳእናን። ብኣንጻሩ ኣናሓደረ ዝስስን ሰልፊ ኮይና ክንቅጽል ምብቃዕና ድሮ ኣመስኪርና ኣሎና።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዋዕላ፡ ንሕና ከም ሰልፊ፡ በቲ ዝኸዶ መንገዲ ክኸይድ ዘይደገፍናዮን ዘይተሓወስናዮን ኣግላሊ ተረኽቦ ብምንባሩ ዝተጓዕዘሉ መስርሕ ኮነ ውጽኢቱ ንዓና ዝምልከት ኣይኮነን። ክንቅበሎ ኮነ ክንቅየደሉ ዘገድድ ኩነት ከም ዘይብልና ድማ ርዱእ እዩ። ብመሰረቱ ግን፡ ኣብ መጻኢ ቅኑዕን ጠርናፍን ሃገራዊ ዋዕላ ንምክያድ ካብ ምጽዓር ኣይክንቁጠብን ኢና።

ዝኸበርኩም ተሳተፍቲ ጉባኤ!

እቲ ሳልሳይ ግንባር ናይ ብድሆና፡ ድልዱልን ዘዕውትን ሰልፊ ምህናጽ እዩ። ቀንዲ ዕማም ናይዚ ጉባኤ’ዚ ድማ ኣብዚ ግንባርዚ ከዐውተና ዝኽእል ዞባዊ መደባት ዕዮ ምሕንጻጽን፡ ነዚ መደባት ዕዮ ብብቕዓት ከተተግብር እትኽእል ዞባዊት መሪሕነት ምምራጽን እዩ።

ብደረጃ መሰጋገሪ ፈጻሚ ሽማግለ፡  ብኣትኩሮ ካብ ዝተራእዬ፣ ብደረጃ ዞባታትኩም እውን ኣድህቦ ክወሃቦን መደባት ክወጸሉን ካብ ዘድሊ ቀንዲ ዕማማት ነዚ ዝስዕብ እጠቅስ፥

  1. ኣብ መዳይ ስርርዕ

ዋላኳ ብመሰረት ዕድመ ሰልፍና፡ ኣብ ስርርዓዊ መዳይ ሓያሎ ጉዳያት ኣሰላሲልና ኢና እንተበልና፡  ካብኡ ንላዕሊ ክንዓምም ብቕዓት ከም እንውንን ንኣምን ኢና። ኣብ ደንበ ተቓውሞ ዝተጋህደ ፍልልያት እውን፡ ንውድባዊ ዕዮናን ኣትኩሮናን  ኣልዩዎ ጸኒሑ እዩ። ምድልዳል ስርርዕና ናይ ቀጻልነትና ውሕስነት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናይ ዓወትና ቅድመ ኩነት እዩ። በዚ መሰረት፡ ሓደ ኣባል ሰልፊ፡ እንተወሓደ ሓደ ሓድሽ ኣባል ኣብ ወጻኢ ሓደ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ከፍሪ ከም እዋናዊ መደብ ተታሒዙ ኣሎ። እዚ ዘይከኣል ኣይኮነን። ነፍሲ ወከፍና ኣብ ሽድሽተ ወርሒ ሓደ ወይ ክልተ ኣባላት እንተ ኣፍርዩ፡  ጉባኤ ሰልፊ ኣብ እንገብረሉ እዋን ብክልተ-ሰለስት ዕጽፊ ደልዲልና ክንጸንሕ ንኽእል ኢና።  እዚ ጉባኤኹም’ዚ ንዕቤትና ዝእምት መደባት ከም ዝሰርዕን፡  ዘይዕገት ናህሪ ከም ዝድልበልናን ጥርጥር የብልናን።

   2. ኣብ መዳይ ገንዘባዊ ዓቕሚ ሰልፊ ምድልዳል

እቲ ካልእ በዳሂ መዳይ ዕዮና፡ ገንዘባዊ ዓቕሚ ሰልፍና ምድልዳል እዩ። እዚ ጉዳይዚ ኣብዘን ዝሓለፋ ኣዋርሕ፡ ናይ ሰልፍና ድኹም ጐድኒ ኮይኑ ጸኒሑ እዩ። ብሰንኪ ምድኻም ፊናንሳዊ ሓይልና፡ ሓያሎ ከነሰላስሎም እንኽእል ተወሳኺ ዕማማት ካብ ምፍጻም ተመቊሕና ጸኒሕና ኢና። ሕጂ ብደረጃ  ገንዘባዊ ክፍሊ ናይ ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ዝምራሕ መጽናዕታትን ንጥፈታትን ክካይድ መዲብና ኣሎና። ጉባኤኹም እውን ብደረጃ ክሊ ሰሜን ኣመሪካ ዝትግበር ፕሮጀክታት ክስእልን ውሳኔታት ከሕልፍን ዓቢ ትጽቢት ኣሎና።  

   3. ኣብ መዳይ መጻኢ ሰልፋዊ ጉባኤና ምዕዋት

ኣብ ቅድሚ ኩሉኹም ብሩህ ከም ዝኾነ፡ ብመሰረት ውሳኔ ኮንፈረንስ ሰልፍና፡ ጉባኤኡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ከካይድ እዩ። ካብ ሕጂ ክንዳለወሉ ስለ ዘሎና፡ ብደረጃ ሰልፊ ኣብ ሓጺር እዋን እትእወጅ ኣሰናዳኢት ሽማግለ ኣብ ምቛም ትርከብ። ቅዋምና ኮነ ፖሊቲካዊ መደብ ዕዮና፡ ዳግም ንኽርኤን ንኽመሓየሽን ከም ንድፊ ናብ መላእ መሰረታት ክወርድ እዩ። ኣብዚ ዕማምዚ ዓቢ ተራ ከም ዝህልወኩም ኣይጠራጠርን። ንምዕዋት መጻኢ ጉባኤና ናይ ኣእምሮ፡ ጉልበትን ንዋትን ዓቕምታትኩም ንኸተበርክቱ ድማ ጻውዒት መሪሕነት ሰልፊ ኤመሓላልፈልኩም።  

   4. ኣብ መዳይ ውሽጣዊ ሓድነት ሰልፊ ምድልዳል

ንዕላማ ህዝቢ ዘዐውትን ዘገልግልን ድልዱል ሰልፊ ክንሃንጽ እንኽእል፡ ንቑሕን ውሽጣዊ ሓድነቱ ዘዕቆበ መሰረታት ክንውንን ምስ እንኽእል እዩ። ውሽጣዊ ሓድነትና ዝድልድል ድማ፡ ኣብ ፖሊቲካዊ ፕሮግራምናን፡ ኣብ ቅዋምናን ዘትከለ፡ ንልዑላውንት ሕጊ ዝምእዘዝ ስርርዓት ክንሃንጽ ምስ እንኽእል እዩ። ጉባኤኹም ንሰልፍና ኣሕሊፉ ዘይህብ ድልዱል ስርርዕ ምህናጽ ከም ዝኽእል እናተኣማምንኩ፡ ዘይነቓነቕ ውሽጣዊ ሓድነትኩም ኣደልዲልኩም ክትወጹ አተባብዓኩም።  

   5. ኣብ መዳይ ግዳማዊ ዝምድናታትና ምድልዳል

ዓወትና ኩሉ መዳያዊ ክኽውን፡ ብውሽጥን ብግዳምን ኢና ክንሕይል ዘድልየና። ኣብ ቅድሚ መላእ ዓለም፡ ወከልቲ ረብሓታት ህዝብና  ምዃንና ከነመስክርን፡ ብደረጃ መሰረታት ዝሰላሰል ዲፕሎማስያዊ ዕዮ ከንካይድን የድልየና። ድፕሎማስያዊ ዕዮና እምበኣር፡ ኣብ ኩሉቲ ጉጅለታትናን ጨናፍርናን ዝዋስኣሉ ቦታታት እዩ ዝጅምር። ካብዚ ተረድኦዚ ብምብጋስ፡ ዞባዊ ጉባኤኹም፡ ኩሎም ኣባላትና ዝዋስኡሉ ዲፕሎምስያዊ መደብ ዕዮ ክሕንጽጽ ንጽበዮ። ኣብ ህላዌ ሰልፍና ዘለዎ ከተማ፡ ምስ ቦታዊ መንግስታዊ ሰበስልጣን ኮነ ምስ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቕቲ ውድባት፣ ምስ ኣካዳምያዊ ትካላት ኮነ ምስ ገቢረ ሰናይ ውድባት ዘተኣማምን ዝምድናታት ክትፈጥሩ አተሓሳስበኩም።  

   6. ኣብ መዳይ ዜናዊ ትካላትና ምምዕባል

ህላዌና፡ ጭቡጥ፣ ኣሳልጦታትና ድማ ምርኡይ ዝኸውን፡ ከምኡውን ሓያሎ ሰዓብትን ደገፍትን ዘለውዎ ሰልፊ እንሃንጽ፡ ኣብ ዜናዊ መዳይ ብርታዐና፡ ከነንጸባርቕ ምስ እንኽእል እዩ። ርግጽ’ዩ ብስራሕና ናይ ሎሚ ዜናን ናይ ጽባሕ ታሪኽን ኣብ ምስራሕ ንርከብ። ብመሳጢ ኣገባብ እንተዘይተዳልዩን እንተዘይቀሪቡን ግን ከገልግለና ኣይክእልን። ዜናዊ ጸብጻባት እነቃልሕ መጀምርያ ንሕና ባዕልና ክንከውን የድሊ። ስለዚ ቅድም ንዜና ንሰርሖ ደሓር ድማ ብብቕዓት ጸብጻባቱ ነቕርቦ ንሕናምበር ናይ ካልኦት መቓልሕ ተጸበይቲ ክንከውን ኣይግባእን። ዜናዊ መሳርሒና እቲ ውፉይ ኣባልና እዩ። ኣብ ኩሉ ዘመናዊ ሓይሊ-ሚድያ ተዋፊርና፡ ብዝንበብን ዝስማዕን ዝርአን መዳያት፡ ንሰልፍና ከነገልግል ብቕዓት ዘለዎም ኣባላት ከም ዘለውና ንኣምን ኢና። ጉባኤኹም ነዚ መዳይዚ  ዕቱብ ግዜ ክህቦን፡ መደባት ሰሪዑ ንጡፍ ምንቅስቓስ ክገብረሉን ዓቢ ትጽቢት ኣሎና።

ብዘተረፈ፡ ደጊመ ዕውት ጉባኤ ከተካይዱ፡ እምነየልኩም

ወልደሱስ ዓማር

ኣቦ መንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ።

21 ነሓሰ 2010


 

 

Login Form