ቃለ መሓትት ምስ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ሓላፊ ክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ምስ ድምጺ ሓርነት ኣህጕራዊ ፈነወ፡ ብዕለት 26 ግንቦት 2010 ዝገበሮ ቃለ መሓትት።
ሕቶ፡- ህልዊ ኵነታት ኤርትራ’ዶ ኣሕጽር ኣቢልካ ምገለጽካልና?
መልሲ፡- ስርዓት ኣስመራ፡ ብዅሉ መዳያዊ ቅልውላዋት ተሓሚሱ’ዩ ዘሎ። ህዝቢ፡ ካብ ዕለት ናብ ዕለት ካብ’ቲ ስርዓት እናርሓቐ ይኸይድ ኣሎ። ቍጠባ ሃገርና ባይታ፡ ዘቢጡ ምህላዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ኢዩ። ካብ ደገ ዝመጽእ ይኹን ካብ ውሽጢ ንደገ ዝኸይድ ሃለኽቲ ኣቝሑ የለን። እታ ሓንቲ ዘላ ምንጪ ናይ ሃለኽቲ ኣቝሑ ሱዳን ኢያ። ከምኡ ውን፡ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቝሑ፡ ክጽወር ኣብ ዘይክእል ደረጃ’ዩ በጺሑ። ስራሕ ኣልቦነት ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ’ዩ ዓሪጉ ዘሎ። እታ ሓንቲ ስራሕ ተባሂላ እትጽዋዕ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ትብሃል ናይ ኣስገዳድ ዕስክርና መደብ’ያ ዘላ። ኣብ’ዚ ውን፡ ስማዊ ደሞዝ እንተዘይኰይኑ፡ ምስ ስራሕካን ክብደቱን ዝመጣጠን ደሞዝ ስለዘይውሃበካ፡ እትረፍዶ ንቤተሰብካ ንነብስኻ ውን ክትዕንግለላ ተኽእል ኣይኰነትን።
ትምህርታውን ሕክምናውን ኣገልግሎት ዳርጋ የለን ኢልካ ምዝራብ ይሓይሽ። ምኽንያቱ ከኣ፡ ብሓደ ሸነኽ ንኸብዱ ዝኸውን ዝብላዕ ዘይረኸበ ህዝቢ ብዛዕባ ትምህርቲ ክሓስብ ወይ ድማ ንሕክምና ዝኸውን ገንዘብ ክረክብ ይኽእል ኢዩ ኢልካ ክትሓስብ ፈጺምካ ዘይከኣል ኢዩ። ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ትምህርቲ ይኹን ጥዕና፡ በቲ ስርዓት ቀዳምነት ዝውሃቦ መዳይ ናይ ኣገልግሎት ኣይኰነን። ቀዳምነት ዝውሃቦ ዘሎ ዕማም ውትህድርና’ዩ። ብሰንኪ’ዚ ኣስገዳድ መደብ ዕስክርና፡ ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ስድራ ቤታት ውን ከምዝበታተና ኰይነን ኢየን። ስድራ ቤት፡ እንተዘይሃልያ ድማ፡ እቲ ካብ ስድራ ቤት ዝርከብ ማእለያ ዘይብሉ ረብሓታት ክርከብ ኣይክእልን ኢዩ።
ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ኵሉ ኣብ ላዕሊ ዝዘርዘርክዎ ሓቅታት ከኣ፡ መንእሰያትና ናብ ስደድ ከምርሑን፣ ንዝተፈላለየ ሓደጋታት ክቃልዑን ይርኣዩ ኣለዉ።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ከኣ፡ ስርዓት ኢሳያስ፡ ብሰሪ’ቲ ሓሓሊፉ ዝወልዖ ውግኣትን ዝገበሮ ጣልቃ ኣእታውነትን፡ ንኤርትራ ካብ ኵሎም ጐረባብቲ ሃገራት ከምእትንጸል ገይርዋ ኢዩ። ምስ ኡጋንዳ፡ ሩዋንዳ፡ ከንያ …ወዘተ ዝነበረ ምውቕ ዝምድናታት ውን፡ እናዝሓለ ክኸይድ’ዩ ተራእዩ። ኣብ ዓረባዊ ዓለም፡ ብዘይካ ምስ ሊብያን ቀጠርን ምስ ካልኦት ድልዱል ዝምድና ኣይጸንሖን። ሕጂ ድሕሪ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበሮ ማዕቀብ ግን፡ ንሃገራት ኣዕራብ ንምኽሳብ ላዕልን ታሕትን ክብል ይርአ ኣሎ።
ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ግጉይን ኣዕናውን ፖሊሲታት ናይ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ንሃገርና ከም መዕቆቢት፡ ደጋፊትን መሰጋገሪት ኣጽዋር ውግእ ናይ ሽበራ ሓይልታት ኰይና ክትርአ ገይርዋ ኢዩ። ካብ’ዚ ተበጊሱ’ዩ ውን፡ ኣህጕራዊ ማሕበር-ሰብ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ኤርትራ፡ ናይ ኣጽዋር፡ ገንዘብን ምንቅስቓስን ማዕቀብ ኣንቢሩ ዘሎ።
ምሉእ ስእሊ ብዛዕባ ኤርትራ መታን ክህልወና፡ ብዛዕባ ደምበ ተቓውሞ ገለ ምባል ዘድሊ ኰይኑ ይስምዓኒ። ብሓጺሩ ደምበ ተቓውሞ፡ ዝተኸፋፈለ፡ ክሳብ ሕጂ ከድምዕ ዝኽእል ስራሕ ከካይድ ዘይከኣለ፡ ኣብ ሕሉፍ ዝነብር፡ ንመጻኢ ዘይጥምት፡ ማዕረ’ቲ ንህዝብና ዘጋጥሞ ዘሎ ብድሆታት ክብ ክብል ዘይከኣለ ዘሎ ድኹም ደምበ’ዩ ክበሃል ይከኣል። ህዝብና ከኣ፡ በቲ ናይ’ቲ ስርዓት ይኹን ናይ ደምበ ተቓውሞ ዝኣረገ ኣተሓሳስባታት ክሳቐ ይርከብ ኣሎ።
ሕቶ፡- ሰልፍኹም መን’ዩ? እንታይ ዕላማታት’ከ ኣለዎ?
መልሲ፡- ሰልፍና፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ዝብሃል። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ 2009 ኢዩ ብምጽንባር ናይ 4 ውድባት ተመስሪቱ። እቶም እተጸናበሩ ውድባት ሰልፊ ዲሞክራሲ ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ህዝባዊ ምንቅስቓስ፡ ምንቅስቓስ ዲሞክራስያዊ ተቓውሞ ኤርትራ-ጋሽ ሰቲትን ሰልፊ ህዝቢ ኤርትራን ኢዮም። እዞም ውድባት”ዚኣቶም ገሊኦም ናይ ህዝባዊ ግንባር፡ ገሊኦም ድማ ናይ ተሓኤ ድሕሪ ባይታ ዘለዎም ኢዩ።
ዕላማታት ሰልፍና ንምፍላጥ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮና ምንባብ’ዩ ዝምረጽ። ኣብ ወብሳይት ሓርነት.ኦርግ ኣቲኻ፡ ወይ ድማ፡ ኣብ ዘሎኻዮ ከባቢታት ካብ ዝርከባ ጨናፍር ናይ’ቲ ሰልፊ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ክርከብ ይከኣል ኢዩ። ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ግን፡ ዕላማታት ሰልፍና፡-
- ሓድነት ህዝባን መሬታን ዝዓቀበት፡ ሰላምን ፍትሕን ዝሰፈና፡ ኣብ ትሕቲ ሃገራዊ ቅዋም እትመሓደርን ንኣህጉራዊ ሕግታትን ውዕላትን እተኽብርን ብልጽግቲ ኤርትራ ምህናጽ፤
- ሰብኣውን ዲሞክራስያውን መሰላት ህዝቢ ኤርትራ ምርግጋጽ፤
- ንዅሉ መሰላት ህዝብና ዘኽብር ብዝሐ ሰልፋዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካል፤
- መሰል ምውዳብ፡ ምዝራብ፡ ምጽሓፍ፡ ከምኡውን መሰል ሰላማዊ ተቓውሞ ምኽባር፤
- ነጻነት እምነትን ኣምልኾን ምኽባርን፡ ኣብ እምነት እተመርኮሰ ዝኾነ ይኹን ኣድልዎን ጽቕጠትን ምውጋድን፤
- ንመሰልን ማዕርነትን ጥቑዓት ክፍልታት ሕብረተሰብና ማለት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናት፡ ኣረጋውያን፡ ጥሮተኛታት፡ ኣካለ ስንኩላን …ወዘተ ምጥባቕ፤
- ንሰብኣዊ መሰላት ዝከላኸላ ሲቪላዊ ማሕበራትን ሞያዊ ትካላትን ክቖማን ስርሐን ብምሉእ ናጽነት ከካይዳ ምትብባዕን፤
- ሃገራዊ ኣገልግሎት ብቅዋም ክውሰን፤ ግዜኡ ድሩት ኰይኑ ንሲቪላዊ ኣገልግሎት ቀዳምነት ዝህብ ክኸውን ምቅላስ፤
- መሰል ምቛም ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምርግጋጽ፤
- ብነጻ ተሳትፎን ምርጫን ምሉእ ህዝቢ ኤርትራን ዝጸድቕ ቅዋም (ሕገ-መንግስቲ) ክህሉ ምቅላስ፤
- ስልጣን፡ ኣብ መንጐ ሓጋግን ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ዝተኸፋፈለ ክኸውን ንኣምን፤
- ማእከላይ መንግስቲ ንዅሉ ኤርትራዊ ሕብረተ-ሰብ ዝውክል ክኸውን ምጽዓር፤
- መንግስታዊ ስልጣን ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ በብደረጅኡ ተኸፊሉ፡ ህዝቢ ብቐጥታ ኣብ ምምሕዳር ነብሱ ተሳታፊ ክኽውን ዘኽእሎ ብቅዋም (ብሕገ-መንግስቲ) እተረጋገጸ ዘይምእኩል ቅርጺ ምምሕዳር ክህሉ ምቅላስ። ታሪኻዊ ምትእስሳር ናይ ህዝብና ኣብ ግምት ዘእተወ፡ ብህዝቢ ተቐባልነት ዘለዎ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ተጸኒዑ ክሳብ ዝቐርብ፡ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል ነቲ ታሪኻዊ ኣቋውማ ኣውራጃዊ ምምሕዳራት ሃገርና ዝሕሉን ዘኽብርን ቅርጺ ክሕዝ ምግባርን፤
- ናይ ፖለቲካን ሃይማኖትን ሕድሕዳዊ ምትእትትው ዘየፍቅድ መንግስቲ ምቛም፤
- ትግርኛን ዓረብኛን ዕላውያን ቋንቋታት ክዀና፡ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ውን፡ ክዓብያን ክምዕብላን ዘኽእለን መሰል ከምዝረኽባ ምግባር፤
- መሬት ናይ ህዝቢ ዋንነት ምዃኑ ምእማን፤
- ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ዘሎ ዘይተመጣጠነ ደረጃ ምዕባለ ምምዕርራይ፤
- ኣገልግሎት ሕክምናን ትምህርትን ምስፍሕፋሕ።
ሕቶ፡- ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዝምስረት ክሳብ ሕጂ እንታይ ዘሳለጦ ዕማማት ኣለዎ?
መልሲ፡- ሓድሽ ሰልፍና ካብ ዝምስረት 5 ኣዋርሕ ጥራሕ’ዩ ኰይኑ ዘሎ። ኣብ’ዚ 5 ኣዋርሕ ካብ ዘሳላጦም ዓበይቲ ጕዳያት ከኣ፡ ነዚ ዝስዕብ ምጥቃስ ይከኣል።
1. ንኣባላት፡ ንብረት፡ ኣብያተ-ጽሕፈታት፡ ገንዘብ ወዘተ ጸናቢሩ ብሓደ ቅዋምን ፖለቲካዊ መደብ ዕዮን ክምራሕ ገይሩ።
2. ንክፍሊ ዜናን ባህልን ሰልፊ ንምምዕባል ዘኽእል ሓያሎይ ግብራዊ ስጕምትታት ወሲዱ። ከም ኣብነት፡ ሓድሽን ምዕቡልን ወብሳይትን ካልእ መሳለጢታትን ኣታኣታትዩ ኣሎ። ኣብ ሰሙን ሓደ ግዜ፡ ብዓረብኛን ትግርኛን ናብ ኤርትራን ከባቢኡን ዝፍኖ ድምጺ ሓርነት ዝብል ናይ ረድዮ ፈነወ ኣሎና።
3. ኣብ ዲፕሎማስያዊ መዳይ ድማ፡ ልኡኽ መሪሕነት ሰልፊ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ፡ ኣምባሳደራት ኣርባዕተ ኖርዲክ ሃገራት ተራኺቡ፡ ንሃገርን ሰልፍን ደምበ ተቓውሞምን ዝምልከት መብርሂታት ሂቡ።
4. ኣቦ መንበር ሰልፊ፡ ኣቶ ወልደሱስ ዓማር፡ ብጒዳይ ዘይሕጋዊ ተግባራት ኤምባስታት ኤርትራ ኣብ ኤውሮጳን፤ ብጒዳይ ጸገማት ስደተኛታት፡ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ዝሞቱን ዝሳቐዩን እሱራትን ኤርትራ፡ ናብ ዋና ጽሓፊ ሕቡራት ሃገራትን፡ ናብ መንግስቲ ስዊዘርላንድን፡ ጀርመንን፡ ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ዘይመንግስታውያን ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ህጹጽ ቈላሕታ ዝሓትት እተደጋገመ መዘክራት ከመሓላልፍ ጸኒሑ።
5. ናይ ኣባላትን ክፉት ናይ ህዝቢ ኣኼባታትን ክካየድ ጸኒሑን ኣሎን። ብመሪሕነታዊ ባእታታት እውን ብዘመናዊ መራኸቢ ኣቢሉ ብዙሕ መግለጺታት ንህዝቢ ተገይሩ።
6. ምስ ኣባላት ውድባት ኪዳን ብተናጸልን ምስ መሪሕነት ኪዳንን ውን ተራኺቡ ብዛዕባ ምጽንባራዊ ዋዕላን ውሳኔታቱን መብርሂ ሂቡ። ከምኡ ውን፡ ብዛዕባ ዋዕላ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ተፈጢሩ ዘሎ ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ ን2 ኣዋርሕ ዝኸውን ግዜ ክዘራረብ ጸኒሑ።
7. ካብ 6-8 ነሓሰ 2010 ናይ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ቀዳማይ ፈስቲቫል ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ኣሎ።
ሕቶ፡- ጽቡቕ፡ እቲ ንዋዕላ ዝምልከት ምስ ውድባት ኪዳን ዝገበርክምዎ ርኽክባት ኣይተዓወተን። ብድሕሪኡ ድማ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ’ቲ ዋዕላ ከምዝሰሓበ ገሊጹ። እንታይ’ዩ እቲ ምኽንያታት መስሓቢኹም? ዋዕላ ክግበር ኣይትድግፉን ዲኹም?
መልሲ፡- እቲ ዝሰሓብናሉ ምኽንያታት፡ ብኣዋጅ ድዩ ወይስ ብመራኸቢ ብዙሓን ንህዝቢ ክንገልጾ ጸኒሕና ኢና። እቲ ፍልልይ ዋዕላ ይገበር፡ ኣይገበር፡ ኣብ ዝብል ኣይኰነን። ዋዕላ ክግበር፡ ኣብ’ቲ ዋዕላ፡ ኣብ ኪዳንን ካብ ኪዳን ወጻእን ዝርከቡ ውድባት፡ ሲቪላውያን ማሕበራት፡ ምሁራት፡ መራሕቲ ሃይማኖት …ወዘተ ክሳተፍዎ፡ ዋዕላ ብዝተኻእለ መጠን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ክካየድ ኵላትና ዝተሰማማዕናሉ ጕዳይ ኢዩ።
እቲ ፍልልይ፡ ንሕና፡ እቲ ዋዕላ ዕዉት ንክኸውን ዘኽእሎ ምድላዋት ኣይተገብረሉን፣ ከምኡ ውን፡ ንዋዕላ ዝምልከት ውሳኔታትን ቅዋምን ናይ ኪዳን ዝጠሓሰ ስጕምታት ይውሰድ ኣሎ፡ እቲ ዕዉት ዋዕላ ንምክያድ ክስርሓሉ ዝነበረ ግዜ ብኸንቱ ከይተሰርሓሉ ሓሊፉ፡ ሕጂ ተብተብ ኢልካ ኣብ ክልተ ወይ 3 ኣዋርሕ ዝዳሎ ዋዕላ ዕዉት ክኸውን ኣይክእልን ኢዩ ኢና ንብል ዘሎና። ርእይቶ ናይ’ቲ ካልእ ሸነኽ ከኣ፡ ዋዕላ ካብ ዝብሃል ነዊሕ ግዜ ኰይኑ ስለዘሎ፡ ሕጂ ክሰጋገር ኣይክእልን ኢዩ። ኵሉ ዘድሊ ምድላዋት ተገይርሉ ስለዘሎ ኣብ’ቲ ተወሲንሉ ዘሎ ዕለት፡ ማለት ኣብ ሓምለ 2010 ክግበር ኣለዎ ዝብል ኢዩ።
ንሕና ዕዉት ዋዕላ ክንብል እንከሎና፡ ንኪዳን ካብ’ዚ ዘለዎ ድስኩል ሃለዋት ዘውጽኦ፡ ዝዓበየ ህዝባዊ ደገፍ ክረኽበሉ ዘኽእሎ ዋዕላ ማለትና ደኣ’ምበር፡ ኪዳን ዝዀኑ ቍጽሪ ናይ ሰባት ክእክብ ኣይክእልን’ዩ ማለትና ኣይኰነን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ናይ ዕዉትን ዘይዕዉትን ዋዕላ መዐቀኒና፡ ህዝባዊ ደገፍ ምርካብን ዘይምርካብን፡ ከምኡ ውን፡ ኪዳን ካብ ዝነበሮ ሃለዋት ናብ ዝሓሸ ሃለዋት ምስግጋርን ዘይምስግጋርን ኢዩ።
ሕቶ፡- ኣብ ዋዕላ የለናን፡ ኣብ ኪዳን ግን ኣሎና ምባል ተጋራጫዊ’ዩ ዝብሉ ኣለዉ። ነዚ ጕዳይ’ዚ እትህብዎ መልሲ ኣሎኩም’ዶ?
መልሲ፡- ኣብ ህልዊ ቻርተር ይኹን ህልዊ ቅዋም ኪዳን፡ ኣባል ኪዳን ክትከውን ውጽኢት ዋዕላ ክትቕበል ኣሎካ ዝብል ዓንቀጽ የለን። ብኻልእ ኣገላልጻ፡ ኣብ ዋዕላ ምስታፍን ዘይፍስታፍን ናይ ኣባልነት ረቋሒ ኣብ ኪዳን ኰይኑ ኣይጸንሐን። ብድሕሪ ሕጂ ክመጽእ እንተዀይኑ ከኣ፡ ሽዑ ንርእዮ። ብተወሳኺ፡ ምጽንባራዊ ዋዕላና፡ ንሕና ብቻርተርን ቅዋምን ናይ ኪዳን ምእዙዛት ምዃና’ዩ ኣረጋጊጹ።
ሕቶ፡- መስርሕ ምስንዳእ ዋዕላ ይቕጽል’ዩ ዘሎ። ሰልፍኹም ፈትዩ ጸሊኡ ኣብ መወዳእታ ክቕበሎ’ዩ ዝብል ኣለዉ። ነዚ ኣብሃህላ’ዚ ዘሎካ መልሲ እንታይ ኢዩ?
መልሲ፡- እወ፡ እቲ መስርሕ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ጌጋታት ውን ይደጋገም’ዩ ዘሎ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ጕዳይ ዝያዳ ዝሓላልኽ እምበር ዘቃልል ኣይኰነን። ሰልፍና ድማ፡ ኣብ ዘይዕወት ዝብሎ ዋዕላ ተገዲዱ ዝኣትወሉ ምኽንያት የብሉን። ገለገለ ውን፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዋዕላ ክሳተፍ ተሰማሚዑ እናበሉ ክዛረቡ ይስምዑ ኢዮም። እዚ ግን፡ ሓቅነት ዘለዎ ኣይኰነን። ንምንታይ ከምኡ ይብሃል ኣሎ ንዝብል ሕቶ ግን፡ ካልኦት ተረፍና ኢሎም ኣብ ዘይኣምንሉ ዋዕላ ክሳተፉ ንምግባር ዝዓለመ ናይ ምድንጋር ስልቲ ምዃኑ ደርሆ ጻሕቲራ ትረኽቦ ምስጢር ኢዩ። ንሕና፡ ከም’ቲ ካብ ዋዕላ ምስሓብና ብእዉጅ መልክዕ ዝገለጽና፤ ኣብ ዋዕላ ክንሳተፍ እንተደኣኰይና ብእዉጅ ኣገባብ ኢና ንገልጾ። ተሓቢእና ንኣትወሉ ምኽንያት የብልናን። ክሳብ ሕጂ ግን፡ ንናይ ምስሓብ ውሳኔና ክንዓጽፍ ዘገድድ ለውጢ የለን።
ሕቶ፡- ዓሰርተ ውድባት ዋዕላ ክግበር ተሰማሚዐን እንከለዋ፡ ስለምንታይ’ዩ ሰልፍኹም ንበይኑ ዝቃወም ዘሎ? ብድምጺ ናይ ብዙሓት ኣይትቕየዱን ዲኹም።
መልሲ፡- ጽቡቕ ሕቶ’ዩ። እቲ ምድንጋር ከኣ፡ ቻርተር፡ ቅዋምን ኣቃውማን ናይ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ካብ ዘይምፍላጥ ዝነቅል ኰይኑ’ዩ ዝስምዓኒ። ብቐዳምነት፡ መሪሕነት ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ኣይኰነን ዝቐውም። እንታይ ደኣ፡ ነፍስወከፍ ውድብ፡ ዕብየቱን ተራኡን ብዘየገድስ፡ 2 ወከልቱ ኣብ ኪዳን ኢዩ ዘቕርብ። ነፍስወከፍ ውድብ ከኣ፡ ማዕረ ድምጺ ኣለዎ። ካልኣይ፡ ብመሰረት ቅዋም ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን፡ ማእከላይ ባይቶ፡ ብምሉእ ስምምዕ ወይ ኮንሰንሱስ ኢዩ ውሳኔኡ ዘመሓላልፍ። ብናይ ብዙሓት ድምጺ ዝብሃል የለን። ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት ከኣ፡ ንውሳኔታት ማእከላይ ባይቶ ምፍጻም ጥራሕ ስለዝዀነ ስርሑ፡ ብ3/4 ድምጺ ውሳኔ የሐልፍ።
ስለምንታይ’ዩ ኪዳን ውሳኔታቱ ብምሉእ ስምምዕ ወይ ብዳርጋ ምሉእ ስምምዕ ማለት ብ3/4 ክሓልፍ ኣለዎ ዝብል ዓንቀጽ ኣብ ቅዋሙ ዘስፈረ ኢልካ ምሕታትን ምሕሳብን ኣገዳስነት ኣልዎ። መልሱ ድማ፡ ዝምድናታት ውድባት ኪዳን ኣዝዩ ተኣፋፊ ኰይኑ ስለዝጸንሐን ስለዘሎን ኢዩ። ብተራ ብዝሒ ድምጺ ወይ ብ2/3 ድምጺ ዝውሰድ ውሳኔታት፡ ንሓድነት ኪዳን ኣብ ሓደጋ ከእትዎ ዝብል ዕግበት ኣብ ውድባት ኪዳን ስለዝነበረና ኢዩ። በዚ ስምምዕ’ዚ መሰረት ከኣ ኢዩ እቲ ናይ 3ን ናይ 7ን ውድባት ብሎካት ናብ ሓደ ጻላል ክመጽእ ዝኸኣለ። ሕጂ ግን፡ ዝበዛሕና ስለዝተሰማማዕና ድላይና ክንገብር ንኽእል ኢና ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ፡ ንቅዋም ኪዳን ዕሽሽ ኢልካ ምኻድ ይርአ ኣሎ።
ፈጻሚ ቤት ጽሕፈት፡ ንቅዋም ኪዳንን ንውሳኔታት ማእከላይ ባይቶን ጥሒሱ፡ ዝወስዶ ውሳኔታት፡ ሕጋዊ ስለዘይኰነ፡ ብዙሓት ይደግፍዎ ውሑዳት ብዘየገድስ ቅቡል ኣይኰነን። ካብ ሕጋዊ ኣሰራርሓ ወጻኢ ድማ፡ ዲሞክራሲ ዝብሃል ነገር ክህሉ ከምዘይክእል ርዱእ’ዩ ዝመስለኒ። ተኣኪብካ ሕጊ ምጥሓስ ዲሞክራስያዊ ኣይገብረካን ኢዩ። ንሕና፡ ብቅዋም ኪዳን ንማእዘዝ ኢና ንብል ዘሎና።


