ሰዲህኤ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ንኤርትራን ህዝባን ዝምልከቱ እዋናዊ ሕቶታት ክዘራረቡ ጸዊዑ

ሓው ሓምድ ድራር፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ነቶም ካብ 29 ጥሪ 2012 ጀሚሮም ኣብ ኣዲስ ኣበባ
ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኣስመራ ዘሕልፎ ዘሎ ስቅያት ከም ኣገዳሲ ኣጀንዳ ወሲዱ ክዛረበሉን ህጹጽ መፍትሒ ክገብረሉን ጸዊዑ።ናብ ኣቶ ቲዮዶር ምባሳጎ፡ ፕረሲደንት ሕብረት ኣፍሪቃን ናብ ኣቶ ጃን ፒንግ፡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃን ቅዳሑ ከኣ ናብ
ኵሎም’ቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ መንግስታት ኣብ ዝለኣኾ መዘክር፡ ኣሕዋቶም ኤርትራውያን ኣብ ትሕቲ ጨቈንቲ ስርዓታት ዘሕልፍዎ ስቅያት መዳርግቲ ዘይብሉ ምዃኑ ተገንዚቦም ኣፍሪቃዊ መፍትሒታት ከናድይሉ ጸዊዑ።
1. ... ኣኼባ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጐ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግማይ ውግእ ንኸይባራዕ፡ ኵሉ ዝከኣሎ ክገብር ጠለብ ናይ ኵሎም ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ ምዃኑ ጠቒሱ። ጻሕታሪ ግርጭት ዝዀነ ጠባያት ኢሳያስ ኣፍወርቅን ስርዓቱን ኣዐሪና ንፈልጦ’ኳ እንተዀና፡ ዳግም ውግእ ምብራዕ ግን፡ ነቲ ስቅያት ናይ ህዝቢ ኤርትራን ኣህዛብ ቀርኒ ኣፍሪቃን ዘጋድድ ክኸውን ይብል።
2. ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነቲ “ናይ መወዳእታን ቀያድን” ብይን ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ግብሪ ክውዕል ክደፍእ ይጽውዕ።
3. መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ተቓወምቲ ስርዓት ኤርትራ ኢዮም፤ ዘድሊ ፖለቲካውን ነገራውን ደገፍ እንተደኣ ረኺቦም ከኣ፡ ንዲክታቶርያዊ ስርዓት ኤርትራ፡ ባዕሎም ከልግስዎ ይኽእሉ ኢዮም። ስለ’ዚ፡ ኣፍሪቃውያን፡ ንዘይመንግስታውያን ሲቪላውያንን ፖለቲካውያንን ተዋሳእቲ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ ክድግፍሉ ዝግባእ እዋን ኣኺሉ ኢዩ።
4. ንኤርትራ ካብ ምብትታን ንምድሓንን ነቲ ኣብ መንጐ ጐረባብቲ ሃገራት እናኸፍአ ዝኸይድ ዘሎ ወጥርታት ንምትህድዳእን ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ከም’ቲ ዓረብ ሊግ ኣብ ሱርያ ዝወሰዶ ተበግሶ ክወስድ ኣለዎ። ኤርትራ፡ ልክዕ ከም ናይ ሰብዓታት ኽመር ሩጅ ካምቦድያ ንሓደጋታት ተቃሊዓ ስለዘላ፡ ኣፍሪቃዊ ተዓዛቢ ጕጅለ ክለኣኽ ኣለዎ። መራሕቲ ኣፍሪቃ ተዓዘብቲ ካብ ምዃን ሓሊፎም፡ ስርዓት ኣስመራ፡ እሱራት ፖለቲካ ክፈትሕን ሰላማዊ ምስግጋር ካብ ምልኪ ንዲሞክራሲ ንምርግጋጽ ክድርኹን ይግባእ።
5. ሕብረት ኣፍሪቃን ሰብኣዊ ትካላቱን፡ ነቶም በማእት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ነቶም ኣብ ምድረበዳ ሲና ብነጋዶ ደቂሰባት ኣካላቶም ዝሽየጥ ዘሎ ኤርትራውያን፡ ኢትዮጵያውያንን ሱዳናውያንን ክሕግዙን ክረድኡን ይግባእ። እዚ ናትኩም ተገዳስነት ኣትኵሮን ዘድልዮ ህጹጽ ጕዳይ ናይ ክፍለዓለምና ኢዩ።
መዘክር ኣቦ መንበር ሰዲህኤ ብኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቢሉ ናብ ኵለን ኣባላት ዝዀና ሃገራት ክበጽሕ ትጽቢት ይግበረሉ ኢዩ። ቅዳሓቱ ድማ፡ ብሰዲህኤ ኣቢሉ ናብ ኤምባሲታታት ሃገራት ኣፍሪቃ ተላኢኹ ኣሎ።
ኣኼባ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ’ቲ ብቺና ዝተመወለ 200 ሚልዮን ዶላር ኣመሪካ ዝወድአ ሓድሽ መደበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ሓደ ካብ ዛዕባታት ናይ’ቲ ኣኼባ ኣብ መንጐ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝህሉ ንግዳዊ ዝምድናታት ክኸውን ኢዩ።


