ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ፍራንክፎርት

ኣብ ጉዕዞ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፖለቲካውን፡ ማሕበራውን፡ ባህላውን መዳያት ኣገዳሲ ኣስተዋጽኦ ካብዘበርከቱን ገናውን ኣብምብርካት ዝርከቡን ሰፋሕቲ ህዝባዊ
በዓላት ሓደ፡ እቲ ካብ መፋርቕ ሰማንያታት ጀሚሩ ብደሞክራስያዊ ማሕበር መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ጀርመን፡ ጸኒሑ ድማ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ዝካየድ ዘሎ ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ ምዃኑ ታሪኻዊ ሓቂ ኢዩ።ናይ 2012 ዓመታዊ ፈስቲቫል ኤርትራ’ውን፡ መቓልሕ ውጹዕ ኤርትራዊ መንእሰይ ኣብዝቓላሓሉን ኣብዝሃመሉን ዘሎ ግዜ፡ ካብ ዕለት 03-05 ነሓሰ 2012 (August 03-05.2012) ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ክካየድ ምድላዋቱ ጀሚሩ ምህላዉ እንዳሓበርና፤ ኹሉ ደላይ ፍትሕን ደሞክራስን ዝኾነ ዜጋ ክሳተፎ ብኣኽብሮት ንዕድም።
እዚ ብኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር ዝዳሎ ዘሎ ፈስቲቫል 2012 እዚ፡ ናይ ሎሚ መንእሰይ ወለዶ ኣወንታዊ ተመኩሮታት ካብ ቃልሲ ህዝብና ዝወርሰሉ፡ ርእይቶን ሓሳብን መንእሰያትና ሰሚዕካ ንውድቐት ዲክታቶርያዊ ሰርዓት ህግደፍ ንምቕልጣፍ መደባትካ እተዋሃህደሉን ናይ ቃልሲ መድረኽ ምኽፋት ሓደ ካብ ዕማማቱ ገይሩ ተታሓሒዝዎ ምህላዉ እንዳኣረጋገጽና፤ ፖለቲካዊ እምነታትናን ፍልልያትናን ብዘየገድስ፡ ኣብዚ ክፉት ናይ ዘተ መኣዲ’ዚ ንኽትሳተፉ ብኣኽብሮት ንጽውዕ።
ዝርዝር መደባት ፈስቲቫልን፡ ንፈስቲቫል ዝምልከት ዝተማልኤ ሓበሬታን፡
ኣብ ዝመጽእ ክስዕብ ኢዩ።
ብደሓን ምጽኡ!
ኣሰናዳኢት ሽማግለ ፈስቲቫል ኤርትራ
ኤርትራዊ ደሞክራስያዊ ማሕበር


