Wednesday, February 22, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ሰዲህኤ ንብጽሖት ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ ኣመጒሱ

epdp-logo3

 

 

 

 

ቤት ጽሕፈት ኣህጕራዊ ዝምድናታት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ አርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንኣቶ ኣንቶንዮ ጉተረስ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽነር

ሕቡራት ሃገራት፡ ብዛዕባ ሃለዋት ኤርትራውያን ስደተኛታት ብኣካል ንምድህሳስ ኢሉ ብ12 ጥሪ 2012 ኣብ መደበር ስደተኛታት ሸገራብ፡ ሱዳን፡ ዝገበሮ ብጽሖት ምስጋናኡ ገሊጹ።

ቤት ጽሕፈት ኣህጕራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ፡ ብ16 ጥሪ 2012 ናብ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ ንኣንቶንዮ ጉተረስን ምስኡ ዝተጓዕዙ ልኡኻትን፡ ገዳይም ይኹኑ ሓደስቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳን ንዘጋጥሞም ዘሎ ሽግራት ንምግንዛብ ዘርኣይዎ ተገዳስነት ከም ዘዕገቦ ገሊጹ።

antonio-guteres

ኣቶ ኣንቶንዮ ጉተረስ ምስ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሸገራብ፡ ሱዳን

ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጕራዊ ዝምድናታት ሰዲህኤ ናብ ኣቶ ጉተረስ፡ ቅዳሑ ድማ ናብ’ቲ ኣብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝመደበሩ፡ ቤት ጽሕፈት ኣፍሪቃ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፤ እቲ ኮሚሽነር ምስ’ቶም ስደተኛታት ብዛዕባ ዘጋጥሞም እዋናዊ ጸገማት፡ እንተላይ እዞም ኣብ ታሕቲ ተጠቒሶም ዘለዉ፡ ተዘራሪቡ ክኸውን እምነቱ ምዃኑ ገሊጹ።

1. ብዛዕባ’ቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብነጋዶ ደቂ ሰባት ዘጋጥሞም ዘሎ ኣሕዛኒ ጸገማት፡ እንተላይ ናይ ጅሆ ገንዘብን ናይ ክፍለ ኣካላቶም ምቕንጣብን፤

2. ናይ’ቶም ስደተኛታት ጕዳይ መፍትሒ ዘይምርካቡን ገለ ካብኦም ንልዕሊ 40 ዓመታት ኣብኡ ምህላዎምን፤

3. ንመሰረታዊ ጠለባት ስደተኛታት ዝምልስ እኹል ዓቕምታትን ጸጋታትን ዘይምህላው።

እቲ መልእኽቲ ናይ ምስጋና ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ፡ ንመንግስቲ ኤርትራ ከምዘየለ ቆጺሩ፡ ብዛዕባቶም ብብዝሒ ዝስደዱ ዘለዉ ኤርትራውያን ክሓስብ ዝጽውዕ ውን’ዩ ነይሩ። ከምኡ ውን፡ ሰዲህኤ፡ እቲ ንኤርትራ ተባሂሉ ተመዲቡ ዝነበረ እሞ ሕጂ ደው ኢሉ ዘሎ ብምልዮናት ዝቝጸር ገንዘብ፡ ኣብ’ቶም ኣብ ሱዳንን ኢትዮጵያን ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት ክውዕል፡ ንሕብረት ኣውሮጳ፡ ንኣባላት ሕቡራት ሃገራት ዝዀና መንግስታትን ካልኦት ዞባውያን ትካላትን ከዘኻኽር ከምዝጸንሐ ኣብ’ቲ መልእኽቲ ተጠቒሱ ኣሎ።

Login Form