ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡
የሕዋትናን ኣሓትናን ኣብዝተፈላለያ ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግር ትስሕትዎ ኣይንብልን። ብፍላይ ድማ ኣብ ሊብያ ዘጋጥምም ዘሎ ኢሰብኣዊ ኣተሓሕዛን ካብኡ ዝገደደ ድማ ስጋብ ን ኤርትራ ናይ ምምላስ ዕድል ኣጋጢሙ እዩ። ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ሳምንታት ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ኣባላት ኤምባሲ ኤርትራ ናብዘን ኤርትራውያን ተኣሲሮምለን ዘለው ቦታታት ብምብጻሕ መዝጊቦሞም ኣለው። ቕድሚ ሒደት ኣዋርሕ ድሕሪ ኣባላት ኤምባሲ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ምግባሮም ኤርትራውያን ካብ ሊብያ ናብ ስርዓት ህግደፍ ከምዝተመልሱ ዝዝከር እዩ። ኣብዚ እዋን ድማ እዞም ኣብ መሓዩር ሊብያ ዝርከቡ የሕዋት ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ከም ዘለው ክንሕብር ንደሊ።
ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት አትሒዝና ኣብ ዋሺንግተን ዲሲ ዝርከብ ናይ ሊብያ ኤምባሲ ክንራኸብ ጸኒሕናን አሎናን። በቲ ኩሉ ኤርትራዊ ዝገበሮ ጸቕጢ ኩነታት ናይዞም እሱራት ቁሩብ ንጊዚአኡ ተመሓይሹ እንተነበረ ንሓዋሩ ዝኾነ ፍታሕ ኣይተረኸበን። ንሓዋሩ ዝኸውን ፍታሕ ንምምጻእ ኩላትና ነተን ኣብ ከባቢና ዝርከባ ናይ ሊብያ ኤምባሲ እንዳደወልና ፍታሕ ንኽገብሩልና እጃምና ከነበርክት ብሽም እዞም ኣብ ሊብያ ተኣሲሮም ዘለው የሕዋት ጻዊዒት ንገብር። እዚ ጻዊዒት ከም ናይ ውልቃዊ ሓላፍነትና ወሲድና የሕዋትና ፍታሕ ስጋብ ዝግበረሎም ድካምና ከይጸብጸብና ክንድውልን ክንጽሕፍን ንላቦ። ስልኪ ቁጽሪ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝርከባ ናይ ሊብያ ኤምባሲታት ኣብዚ ተወከሱ፡
http://www.libya-watanona.com/libya1/embassy.htm
ኣብዚ እዋን ኣስታት 180 ዝኾኑ ኤርትራዊያን ካብ ሰባሕ ን ምዕራብ ኣብ እትርከብ ኣል-በራቅ ዝበሃል ቦት ኣብ ኣብትሕቲ መሪት፡ ንፋስ ዘየእቱ፡ እኩል መግብን መስተን ዝይብሎም ኣብ ክልተ ክፍሊ ከምዘለው ንሕብር። ካብዞም 180 እቶም 10 ትሕቲ ዕድመ ክኾኑ ከለው ገለ 3 ድማ ልዕሊ 50 ዝዕድሚኦም እዮም። ካብኣቶም ኣስታት 35 ዝኮኑ ካብ ኩቱር ማሕረምቲ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ክርከቡ ከለው 2 ኤርትራዊያን ድማ ተጨውዮም ምስ ከድ ኣበይ ከምዘለው ሓበሪታ የለን።
ሂወት የሕዋትናን ኣሓትናን ንምድሓን ኩልና ኢደይ ኢድካ ንበል።
Eritrean Youth for Change
Email: This e-mail address is being protected from spambots. You need JavaScript enabled to view it
408-603-7040
ሓበሬታ፡ እዚ ጻዊዒት መቀጸልታ ነቲ ብሓልዮት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ዝተገብረ ምኾኑ ንሕብር።
| < Prev | Next > |
|---|
Youth Corner
-
Interview with Youth Who Defy YPFDJ Bullying As it is recalled on August 13th PFDJ in the San Francisco Bay Area held their annual Festival in Oakland...
-
THERE IS ALWAYS CHANGE: CHALLENGING PFDJ FESTIVAL IN OAKLAND, CALIFORNIA August 13, 2011 People’s Front for Democracy and Justice (PFDJ) hosted a festival in support of the...
-
Popular uprising across the region: Are we there yet? By Samrawit Who is not inspired by the movement and demand for change in the Middle East and North...
-
Integrating the Eritrean Youth into the Struggle for Peace and Democracy Those political parties and civic organizations, who the Eritrean people can trust to responsibly struggle...
-
NEVER even if you took me at the middle of the night Tied my hands backward with toothed ropes Even if...
-
Tadese overwhelms field in Castelbuono CASTELBUONO, Italy -- It was to be an epic match-up: Olympic Marathon gold medalist Samuel Wanjiru of...
-
ዝኸበርኩም ኤርትራውያን፡ የሕዋትናን ኣሓትናን ኣብዝተፈላለያ ሃገራት ዘጋጥሞም ዘሎ ሽግር...
-
In Eritrea, the Young Dream of Leaving AMMAN, Jordan — Long before he learned to dunk on warped wooden backboards, Awet Eyob nursed a dream:...
- 1
- 2




