ምእትስሳር ደቂ ኣንስትዩ ሰዲህኤ፡ ብ14 ሕዳር 2020 ብኤለትሮኒካዊ መራኸቢ ብዙሃን ካለኣይ ጉባኤ ኣካይደን። ወ/ሮ ኣድያም ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዩ ሰዲህኤ ንተሳተፍቲ ጉባአ “እንቋዕ ብደሓን መጻእኩም” ብምባል መኽፈቲ ቃል ኣስሚዓ። ኣብቲ ዘስመዓቶ ቃል፡ ጉባኤ ኩሉ`ቲ ንሃገርና ኣካቢብዎ ዝርከብ ፈታኒ ኩነታትን ምዕባሌታቱን ብምጥቃስ ኣብ መስርሕ ምድላዉ ካላኣይ ጉባኤ ንዝተገብረ ዕቱብ ጻዕርታት ዝምልከት ብዝርዝር ኣቕሪባ። ብተወሳኺ ኣብ መጻኢ ነቲ ምትእስሳር ክቢድ ናይ ስራሕ ሓልፍነት ይጽበዮ ከምዘሎ ኣብሪሃ። ከምኡ‘ውን ሓለፍቲ ዞባታት ኣውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ወ/ሮ ኣልጋነሽ ያቆብን ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብን በብተራ ንጽንዓት ቃልሰን፡ ተራ ደቂ ኣንስትዮን ኣግዳስነቱን ብምጥቃስ ኣቕሪበን። ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን፣ ኣባላት ፈጻሚ ሽማግለ ብወገኖም ንጉዳይ ሓርነታውን ማዕርነታውን ኣግዕዞ ደቂኣንስትዮ ኤርትራውያን ብዝምልከት ሰፊሕ መብርህ ታት ህቦም።
ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ሰልፊ ደሞክራስ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ንጥፈታቱን ኣብ ጉዕዞ ዘጋጠምዎ ዕንቅፋታትን ዘጠቓለለ ጸብጻብ ብኣደ መንበር ወ/ሮ ገርግሽ ነጋሽ ድሕሪ ምቕራብ፣ ንዝቐረበ ጸብጻባት ተሳተፍቲ ጉባአ ብዕምቆት ተመያይጠናሉ። ድሕሪኡ ጉባኤ አትመርሕ ስክረታርያ ካብ ጉባኤኛታት ተመሪጻ። ወይዘሮ ኣስገደት ምሕረታብ፣ ወይዘሮ ኣልጋነሽ ያቆብን ወይዘሮ ፈቢን ግድወን ከኣ ኣባላት እታ ሰክረታሪያት ኮይነን።
ንድፊ ውሽጣዊ ሕግን ቅዋምን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ስዲህኤ፣ ድሕሪ ምንባብን አኹል ምምይይጥን ድሕሪ ምክያድን ጉባአ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ኣጽዲቕዎ። ኣብ መጠጨረሽታ፡ ጉባአ ብመሰረት እቲ ዝጸደቐ ቅዋም ምትእስሳር ንመጻኢ ክልት ዓመታት አትመርሕል መሪሕነት ብዲሞክራስያዊ መንግዲ መሪጹ። እተን ምትእስሳር ደቂ-ኣንስትዮ ስዲህኤ ክመርሓ ኣብዚ ጉባኤ ዝተመርጻ ሽውዓተ ኣባላት አዘን ዝስዕባ አየን። ወ/ሮ ኣስገደት ምሕረትኣብ፣ ወ/ሮ ጸጋሂወት ሓጎስ ወ/ሮ ገርግሽ ነጋሽ፣ ወ/ሮ ሳባ ቕለታ፡ ወ/ሮ ምሕረት መኮነን፣ ወ/ሮ ገነት ተስፋገርግሽን ወ/ሮ ግደይ መሓሪን እየን።
ብድሕሪ እዚ ጉባኤ ነዚ ዝስዕብ ኣገደስቲ ውሳኔታትን ለበዋታትን ኣሕሊፉን።
ኣብ መደመደምታ ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮ ስዲህኤ ምስ ኩለን ማሕበራት ደቂኣንስትዮን ውልቀ-ስባትን ኣብ መኣዲ ሓቢርካ ምስራሕ ክጽመድ ደልውነታ ደጊሙ የረጋግጽ። በዚ ኣጋጣሚ`ዚ ነተን ኣብ ጐኒ ጨቋኒ ስርዓት ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ሓርነታውን ማዕርነትውን ቃልሲ ክጽበራ መጽዋዕታና ነቕረብ።
ዓውት ንሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ!
ዓወት ንኣግእዞ ደቂ ኣንስትዮ ኤርትራ!