መፍትሒ ገዲፍካስ መናውሒ
ኣብ መርበብ ሓበሬታ ንነዊሕ እዋን ኣይጽሓፍኩን። ዘይመጽሓፍየይ ምኽንያት ግን ካልእ ዝዓበየ ዋኒን ስለዝሓዘኒ እምበር ኣብ ቃልሲ ተስፋ ብምቝራጽ ወይ ትህኪት ስለዝተዓዛዘረኒ ኣይነበረን። ሎሚ ግን ኣጋጣሚ ረኺበ’ሎኹ። ክዛረቦን ክገልጾን ዝደሊ ከኣ ሕጂ’ውን ብዛዕባ’ቲ ናይ ሎምዘበን ዋዕላ ኢዩ። እዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ሃገራዊ ዋዕላ ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝተሰየመ ብኸመይ ከም ዝተዳለወ እንታይ ጕድለታት ከም ዝነበሮ ብዙሓት ኣእውይናን ጠሪዕናን ኢና። ጕያ ዓብሊሉ ስለዝነበረ ግን ሰማዒ እዝኒ ኣይተረኽበን።
ሎሚ ኣነ ናይ ኣብ ዋዕላ ዘይተሳተፉን ንኣገባብ እቲ ዋዕላ ዝተቓወሙን ደጊፈ ክዛረብ ኣይደልን።
ምኽንያቱ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ኵነታት ብዝተፈላለዩ ኣካላትን ውልቀሰባትን ኣኺሉ ዝተርፍ ስለዝተገልጸ። እቲ ክዛረቦን ክገልጾን ክሓቶን ዝደሊ ግን ነቶም ከማይ ዝኣመሰሉ ብዘይካ ዕርቅን ሰላምን ራህዋን ህዝብና ሎሚ ካልእ ረብሓ ዘይብሎምን ንመጻኢ እውን ካልእ ውልቃዊ ጠቕሚ ዘይጽበዩን ኢዩ።
ዋዕላ ትዓዊቱዶ ኣይትዓወተን ንታሪኽ ገዲፈ እቲ ዋዕላ ኣነ እካፈሎ ኣይካፈሎ ብዘየገድስ ረብሓይ ኣብ ምዕዋት እምበር ኣብ ምፍሻል ዋዕላ ከም ዘይኰነ ኣቐዲመ ዘረጋገጽኩዎ ጕዳይ ኢዩ። እቲ ኣነ ዝደልዮን ዝሓልሞን ዝነበረ ዓወት ስለዘይርኣኹ ግን ገለ ሕቶታት ክሓትት እሞ ብቕንዕና ዝምልስ እንተተረኺቡ ኣነ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ ህዝቢ ክፈልጦምን ክመሃረሎምን ዝደልዮም ነጥብታት ኣለዉኒ።
ስለምንታዩ እቲ ንዋዕላ ዘሰናደወ ኪዳን ጸገም ኣለዎ እናተባህለን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ሕጊ ይጠሓስ ኣሎ። ንሕና ኪዳን ተፈላሊና ኣሎና። ኣይተረዳዳእናን ኣይትኣማመንናን እናበለ ከሎ እቲ ካብ ኪዳን ወጻኢ ብስቪካዊ ማሕበራት ተወኪሉ ወይ ብውልቁ ዝኸደ ዝበሃል ሎሚ ብስም ዘይሻራዊ ህዝቢ ዝጽዋዕ ዘሎ ተኻፋሊ ዋዕላ ኣቐዲሙ ንናይ ኪዳን ኣካላት ክዓርቕን ከላዝብን ከሰማምዕን ዘይተገደሰን ዘይደኸመን?
እሞ ናይ ብሓቂዶ እዚ ህዝቢ እዝስ (ዋዕላኛ) ዘይሻራዊ ነሩዩ?
ብእምነተይ ካብ ሓደ ሽሕ ዘይተወደበ ህዝቢ ዓሰርተ ዝተወደቡን ዝተጠርነፉን ሰባት ብዝያዳ ከም ዘስልጡ ካብ ተመክሮይ ተማሂረ ኢየ። እሞ እዞም ብውደባ ተጠርኒፎም ኣብ ኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ኪዳን ዝተጸውዔ ሓደ ጽላል ዝተኣከቡ ዓሰርተ ሓደ ውድባት እንተዝሰማምዑን ተሳንዮም ንድሕነት ሃገርን ህዝብን እንተዝሰርሑስ ካብዚ ኣብ ዋዕላ ዝተኣከበ ብኣሽሓት ዶላራት ገንዘብ ዝፈሰሶ ካብ ሰለስተ ሚእቲ ንላዕሊዶ ኣይመስለጡን?
እቲ ኣብ ዋዕላ ዝቐረበን ዘካትዔን ነጥብታት እንተዀይኑ እቲ ኣብ ኪዳን ንዓመታት ክዛረቡሉን ክካትዑሉን ዝጸንሑ ጕዳያት ኢዩ። ሎሚ ኣብቲ ዋዕላ እውን እንተዀነ ተዘራሪቦሙሉን ተኻቲዖሙሉን እምበር ብዛዕባኡ ዝተሰማምዑሉን ዝበጽሑዎን ውሳኔ ኣይሰማዕኩን። እቶም ናይ ብሔራት ውድባት ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ብሔራት ንመጻኢ ከይጽቀጡን ከይዕብለሉን ብሔራዊ ውድባናን መርገጽ ፖለቲካዊ መደባትናን ኣይንቕይርን ኢዮም ዝብሉ ዘለዉ። እቶም ሃይማኖታውያን ውድባት እውን እንተዀኑ ነቲ ዝተበገሱሉ ዕላማ ክቕበልን ከኽብርን ዝኽእል መደብ መጻኢ መንግስቲ ክህሉ ብቕሉዕ ይኹን ብምስጢር ምክያድ ኣየቋረጹን።
ስለዚ እቲ ቀንዲ ሽግርና ዘይምትእምማን እምበር ካልእ ኣይኰነን። ምትእምማን ከኣ ካብ ብዙሓት ኰንካ ብዋዕላ ሒደት ክዛራረቡሉን ክሰማምዑሉን ይቐልል። ስለዚ እቶም ውድባት ክሰማምዑሉን ክቕበሉዎን ዘይከኣሉ ጕዳይ ዘይተወደበ ህዝቢ ካብ ርሑቕን ቀረባን ትኣኪቡ ክፈትሖ ኣይክእልንዩ። ዋዕላ ከኣ ንዝተሓንጸጸን ዝተሰርዔን ጕዳያት ርእይቶ ንምሃብን ንዝጐደለ ንምምላእን ንምጽዳቕን እምበር ከምዚ ዝሰማዕናዮ ብዘይ ሓደ ኣጀንዳን ሕንጹጽ መደባትን ክካየድ እሞ ኣብ ሓባራዊ ስምምዕ ክበጽሕ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኢዩ። ምኽንያቱ ከኣ ካልእ እንተተረፈስ እቲ ዓቕምታት ናይቶም ተኻፈልቲ ከይተረፈ ስለዘይቀራረብ።
ስለዚ እውን ይዀኑ እቲ ኣብ ወርክሾፓት በበይኖም ዝተመያየጡሉ ጕዳያይ ኣብ ሓባራዊ ኣኼባ ብምቕራብ ብሓባር ከጽድቑዎን ክሰማምዑሉን ዘይክኣሉ።
እቲ ዋዕላ ነቶም ሎሚ ዓመት ዘይተኻፈሉ ንዓመታ ንኽካፈሉ ምእንቲ ሓደ ዓመት ተቛጺሩ ከም ዝወጸ ኣንቢብና። ኣብቲ ዋዕላ እቶም ዘይተኻፈሉ ስለምንታይ ኣይተኻፈሉን ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ዝመጽእ ድሕሪ ዓመት ዝግበር ዋዕላ’ውን ንኽካፈሉ ብኸመይ? እንታይ ጻዕርታትን ውሳኔታትን ክግበር ከም ዝግባእ ሓላፍነት ወይ ለበዋ እቲ ህዝቢ ዝበሃል ተሰኪሙ ዝወጸ ኣካል ከም ዘሎ ኣየንበብኩን። እዚ ወጺኡ ዝበሃል ዘሎ ሽማገለ ብዘይካ ነቲ ዝመረጾ ዋዕላ ኣብ ውሽጢ ዓመት ንኻልእ ጸብጻብ ከም ዘይህብን ጌጋ ይግበር ቅኑዕ ይስራሕ ዝቆጻጸሮን ዝከታተሎን ዝመኽሮን ኣካል መን ምዃኑ ስለዘይተነጸረ ከኣ ቅድሚ እቲ ንዓመታ ዝግበር ዋዕላ ዝገበረ እንተገበረ ከም ሓጥያቱ ማለት ኢዩ።
እሞ በዚ ዓይነት’ዚ እቶም ሎሚ ዓመት ዘይተኻፈሉ ንዓመታው’ውን ኣብ ዋዕላ ክካፈሉ ወይ ኣየድለዩን ኢዮም ወይ ከኣ ተረሲዖም ኣለዉ ማለት’ዩ። እሞ እዝስ ነዚ ዘሎ ስርዓት ኢሳያስ ብጣዕሚ ደስ ዘብልዶ ኣይከውንን? ኣይኰነንዶ ንኽንድዚ ዝኣክል ጕዳይ ሃገር ንማንም ቀሊል ጕዳይከ ምስ ኣሕዋትካን መቓልስትኻን ምምኻርን ምርድዳእን ከይተረኽበስ ንበይንኻ ዋዕላ ስለዝገበርካ ክመጽእ ዝኽእል ዓወት እንተልዩ ድኣሞ ብመሰረቱ እቲ ዋዕላስ ምዓስ የድሊ ነሩ።
እሞ ነዚ ዝተኻየደ ኰነ ዝመጽእ ጕድለታትን ጌጋታትንከ ትሓታቲ መንዩ? መን ተጋግዩ መንከ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ኣሎ ዝግምግምን ዝፈርድንከ መንዩ?
ከም ሓቂ እቲ ዘይሻራዊ ዝበሃል ህዝቢ ክኸውን ነሩዎ።
ኣነ ብወገነይ ነቲ ኣሰናዳዊ ኣካል ኮነ ነቲ ኣብ ዋዕላ ዝተኻፈለ ከምኡ’ውን ነቲ ኣብ ዋዕላ ዘይተኻፈለ ኮነ ጌጋታት ዝሓበረን ዝኸሰሰን ኣይሓምን። ናይ ብሓቂ ክሕመን ክንቀፍን ዝግብኦ ብኣይ ወገን እቲ ኣብ ነጻ ዝዀኑ ሃገራት ዝነብር ብፍላይ ምሁር ህዝቢ ኢዩ። ጀጋኑ ኣቦታትና ነቲ ኣብ መንጎ ጀብሃን ሻዕብያን ዝነበረ ውግእ ሓድሕድ ኣሕዋት ንምዕራፍ እቲ ኵሉ ዝነበረ ጸገማት ጸጥታን መግዛእትን ምቍጽጻርን ጸላኢ ከይዓንቀፎም ናይ ትራንስፖርት ኮነ ናይ መራኸቢ ሽግራት ከየሰናኸሎም ብጥሜትን ጽምኣትን እናተሳቐዩ ካብ ደንከል ክሳብ ባርካ ገባር ተዋጺኦም ንኽልቲኤን ውድባት ጀብሃን ሻዕብያን ንምዕራቕ እንታይ እንታይ ከም ዝገበሩ ማለት ዝኣክል መርመራታት ኣካይዶም ነቲ ሓቂ ክፈልጡን መፍትሒ ክረኽቡን ጽዒሮም ኢዮም።
ኣብ መወዳእታ ከኣ ጀብሃ ኮነ ሻዕብያ ነቲ እቶም ሽማግሌታት ነጻ ኰይኖም ንኽልቲኤን ውድባት ክምርምሩን ሓቂ ክፈልጡን ብጽሑፍ ከይተረፈ ፈሪሞም ዝሃቡዎም ፍቓድ ጥሒሶም ክልቲኦም ውድባት ነቶም ናትና ኣይኰኑን ኢሎም ዝጥርጥሩዎም ዓረቕቲ ሽማግሌታት ክቐትሉዎምን ክጨውዩዎምን ፈቲኖም ኢዮም። እሞ እቶም ዝኣክል ትምህርትን ክእለትን ዘይነበሮም ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ዳርጋ ካብ ምሉእ ኤርትራ ትኣኪቦም እቲ ኵሉ ጻዕርታትን ድኻምን ካብ ፈጸሙስ እዞም ብተሌፎን ክንዛረብን ብነፋሪት ክንበርርን ኣብ ሆቴል ክንድቅስ ኮነ ጸላኢ ከይረኽበና ዘይንፈርሕ ብምቾት ተሰንጢቕና ዘሎና ህዝብስ ነቲ ኣብ መንጎ ውድባት ኪዳን ዝተሰምዔ ቀሊል ናይ ዘይምርድዳእ ጕዳይ ንምፍታሕ ዘይምፍታን እንታይ ከም ዝዓዘመ ዘይገርም ኣይኰነን።
ዕርቂ ኮነ መፍትሒ ዝመጽእ ከኣ ህዝቢ ምስ ዝነቅሕን ዝነፍዕን ጥራሕ ኢዩ።
እቲ ካብ ኵሉ ዝገረመኒ ከኣ ንሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ 2 ቦታ ንሕዝኣሉ’ሞ እንተ መጸ ጽቡቕ እንተዘይመጸ’ውን ጽቡቕ ኢልካ ዝሓለፈ ውሳኔስ ናይ ብሓቂ እቲ ሻራ ዘይብሉ ዝበሃል ጉባኤኛ ተሰማሚዑሉ ንኽትብል ዘጸግም ኢዩ። እሞ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ዝተተዅበሉ ንዅሉ ኣባል ዋላ ነቲ ሓሙሽተ ኣባላት ጥራሕ ዘለዉዎ ኣባል ኪዳን ዝዀነ ውድብ ዝተዋህበ ክልተ መናብር የቕንየለይ ኣየድልየንን ብማለት ነጺጉዎ ኣሎ። ሕቶይ ኵርሲ ምውሓድን ምብዛሕን ዘይኰነ ሕቶ ቅዋም ኪዳንን ኣገባብ ኣሰራርሓን’ዩ ብማለት ከኣ ነቲ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ክግበር ዝተባህለ ዋዕላ’ውን ከም ዘይሳተፎ ካብ ሎሚ ሓቢሩ ኣሎ።
እሞ መንዩ እቲ ሎሚ እዚ ካብ ኰነስ ከምዚ እንተገበርናኸ ኢሉ ካልእ መንገዲ ሃሰስ ክብል ዝኽእል? ነቲ ሽማገለ ዋዕላ ብዘይካ ንጉባኤ ምድላው ካልእ ዝተዋህቦ ስልጣንን ሓላፍነትን ንጹር ስለዘይኰነ እቲ ጕዳይ ነቲ ንዓመታ ዝጋባእ ዋዕላ ክግደፍዩ ማለትዩ። ንሱውን ናይቶም ኣብ ዋዕላ ዘይተኻፈሉ ወገናት ከምዚ ናይ ሎሚ ዓመት ከይተረስዔ ከልዕሎ ዝኽእል ኣካል ወይ ውልቀሰብ እንተተረኺቡ ማለት ኢዩ።
እሞ ሰማይ ዝሃገርኩም እዝስ መፍትሒ ገዲፍካ መናውሒ ኣይመስልን?
እዚ ማለት ንስርዓት ኢሳያስ እንተወሓደ ክሳብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመት ተሰማሚዕና ገለ ክንገብር ከም ዘይንኽእል ውሕስነት ሂብናዮን ብጭብጢ ኣረጋጊጽናሉን ኣሎና ማለትዩ። ኣየ ዕንክሊል! ሎምስ ብሓጺሩ ከምቲ ወ. ሃንሱ ዝበልኦ ብዘይካ ካብ ኣምላኽ ካብዞም ናይ ሎሚ ምሁራትና ኮነ ፖለቲከኛታትና ቍምነገርን መፍትሕን ኣይርከብን’ዩ ዝብል እምነት ከይሓድረና’ውን ዘሰክፍ ኢዩ።
ዓወትን ራህዋን ንቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ
ዘለዓለማዊ ዝኽሪ ንስዉኣት
| < Prev | Next > |
|---|
ጽሑፋት ትግርኛ
-
ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት ኣቐዲሙ ተሓቢሩ ከምዝነበረ፡ ብኤርትራዊ ዲሞክራስያዊ ማሕበር...
-
ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ዘካይዶ ዝነበረ ልሙድ ስርሓት ደው ኣቢሉ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ኣብ ኤርትራ ከተካይዶ ዝጸንሐት ዓበይቲ...
-
24 ግንቦት፡ መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ኢትዮጵያዊ መግዛእቲ ሓራ ንምውጻእ፡ ንልዕሊ...
-
መደረ ኣቦ መንበር ስድሪ ኣብ ሲምፖዝየም ለንደን ዝኸበርክንን ዝኸበርኩምን ብመጀመርያ እንቛዕ ብደሓን መጻእኩም።...
-
ሰላማዊ ሰልፊ ን25 ግንቦት ኣብ ከተማ ፍራንክፎርት (ኒደራድ) ህዝብና ኣብ ገዛእ ሃገሩ ሰብኣዊ ክብሩ ተገፊፉ ኣደዳ ግፍዕን ማእሰርትን...
-
ምስጋና (ዝተኣረመ) ሓፍትናን ኣዴናን ጽንዕቲ ተቓላሲት ጻዕዳ በለጠ ካብታ ዝዓረፈትላ...
-
ግንቦት እናኽትመጽእ ዝግንፍል ሕራነ ትማሊ ቐዳም 12 ግንቦት 2012፡ ኤርትራውያን ዜጋታት ንለውጢ፡...
-
ኣብ ዓይኑ ዘሎ ጕንዲ ገዲፉ፡ ኣብ ዓይኒ ካልኦት ዘሎ በሰር ዝርኢ ስርዓት መሰረታዊ ጸገም ናይ ህዝብና፡ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ኢሳያስን ናይ...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




