ቅልዕቲ ደብዳበ ናብ ኣዳለውቲ ፈሰቲቫል ካስል
ብመጀመርታ ነቲ ዘካየድክምዎ ብርራዊ ኢዮበለ ፌሰቲቫል ካስል ዘሎኒ ናእዳ ወሰን ከም ዘይብሉ ክገልጸልኩም ይፈቱ። ከምዝዝከር ኣብ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ፈስቲቫል ናይ ክብር ዕድምቲ ኮይነ፡ ኣብ ቅድመኹም ቀሪበ መደረ ከስምዕ ተፈቂዱለይ ነቲ ዝተዋህበኒ ዕድል ተጠቂመ ሓሳበይ ከፍስስ ዕድል ተዋሂቡኒ፡ ኣብ ህይወተይ ዓቢ ተመክሮ ኮይኑኑ ተተባቢዐን። ኣብቲ ፈሰቲቫል ንብዙሓት ሰባት ተላልየን ብዙሕ ዓይነት ተመክሮ ደሊበ። ብዙሓት ካብዝኣቶም ድማ ክሳብ ሕጂ ኣያታተይን ምዓድተይን ሃነጽተይን ኣጥርየ። ስለዚ ንዓይ ፌሰቲቫል ካስል ማለት ካብቶም ኣብ ህይወተይ ፍሉይ ጦብላሕታ ዝገደፉለይ ኣጋጣሚታት እየ እንተበልኩ ምግናን ኣይመስለንን። ንዓይ ፈስቲቫል ካስል ፍሉይ ትርጉም እዩ ዘለዎ።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስክዎ ከምዘለዎ ኾይኑ፡ ነዚ ጽሑፍ’ዚ ንኽጽሕፍ ዝደረኸኒ ጉዳይ ክምለስ። ሓቂ እዩ ኣብዚ ብሩራዊ እዮበሊኹም ንኽካፈል ብኽብሪ ዕድመ ከምዝቕረበለይ፡ ብሰንኪ ዝነበረኒ ናይ ስድራቤት ጉዳይ ኣብዚ ታሪኻዊ ባዓል ክኻፈል ከምዘይክእል ነቶም ብኣካል ዝነግሩኒ ዝነበሩ ሰባት ሓቢረዮም እየ። እንተዋሓደ ናይ ደገፍ መልእክቲ ጽሑፍ ንኸዳሉ ተነጊሩኒ ምስቲ ዝነበረኒ ሕጽረት ግዜ ድማ፡ ነቲ ጽሑፍ ከዳሉ ኣይክኣልኩን። እቲ ዝደንጸወኒ ጉዳይ ግን፡ ኣነ ዘይጸሓፍክዎ ደብዳቤ ኣብቲ ዋዕላ ከምዝተነበ ሰባት ነጊሮምን፡ ደንጽዩኒ ትም ኢለ። እዚ ከይኣክል ግን፡ እቲ ብኣይ ዘይተጻሕፈ ናይ ደገፍ መልእኽቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ግንባር ሓገራዊ ድሕነት ተለጢፉ ምስ ርኣኹ ግን ትም ክብል ኣይከኣልኩን። እቲ ዝተባህለ ጽሑፍ ኣብ ትሕዝትኡ ሽግር ስለዘለዎ ዶይኮነስ፡ ስለምንታይ ግን ከምኡ ክግበር ተደልዩ ክርድኣኒ ኣይካኣልን።
ኣብ ርእሲ’ዚ ድማ ከምሰብ ኣነ ዘይጻሓፍክዎ ነገር ክወጽእ ምርኣይ፡ ጽባሕ ንግሆ ድማ ካልእ ብስመይ ክጽሓፍ ምፍቃድ’ውን እዩ። ብመሰረቱ ድማ፡ ከም ሰብ ሰብኣዊ ክብረይ ምግሃስ ስለዘኾነ ትም ኢለ ክሓልፎ ሕልናይ ኣይ ፈቀደለይን። ስለዚ ነዚ ጉዳይ እቲ ዘምልከቶ ኣካል ንመሰለይ ስለዝግሃሰ ግቡእ መንገዲ መልሲ ክውሃበኒ ይሓትት። እዚ ማለት ግን ኣነ ነቲ ዝነበረ ፈስትቫል ዘሎኒ ኣኽብሮት ብምንም ምኽንያት ዘጉድሎ ጉዳይ ኣይኮነን።
እዚ ዝጽሕፈሉ ዘለኹ ምኽንያት እዚ ዓይነት ጉዳይ ከይልመድን፡ ኣብርእሲ’ዚ ድማ ሰብኣዊ መሰለይን ክብረይን ዝግህስ ስለዝኾነ እዩ። ብተወሳኺ ድማ ሰብ ነብሱ ንኽገልጽ ጥራይ ዘይዀነ ናይ ዘይምቅግላ መሰል ከምዘለዎውን ምርዳእ ኢዩ። ኣብ መወዳእታ እቶም ኣዳለውቲ እዚ ፈስቲቫል፡ ነዚ ቅሉዕ ደብዳቤ ብምርኣይ ግቡእ መልሲ ክህበኒ ይጽበ።
የቐንየለይ
| < Prev | Next > |
|---|
ጽሑፋት ትግርኛ
-
መቐጸልታ ከመይን............ኔርና.....ኣሎናን.....ናበይን ? ጆርጅ ኦርወል ኣብቲ Animal Farm and 1984 ዝብል ጽሑፋቱ “” in times...
-
ስለምንታይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘይጐነጻዊ ወይ ከኣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ከም’ቲ ገሊኦም...
-
ጸረ-ውግእ ይኹን ኣተሓሳስባና ኵናት ኣየድልየናን ነህዛብ ዘጥፍእ ፈውሲ ክርከብ ቅንዕና...
-
ሰዲህኤ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ንኤርትራን ህዝባን ዝምልከቱ እዋናዊ ሕቶታት ክዘራረቡ ጸዊዑ ሓው ሓምድ ድራር፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡...
-
2012 ዓ. ም. - ዓመት ምቅርራብን ርእዮተ-ዓለም ምቕያርን (Paradigm Shift) ብደስበ ካሕሳይ (ካብ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ዝተተርጎአመ)...
-
ከመይ ኔርና ...ከመይ ኣሎና .....ናበይከ? እዚ ጽሑፍ እዚ ባህልን ልምድን ፖለቲካ ኤርትራ ካብ 40ታት ጀሚሩ...
-
ህዝቢ ምንጭን ዋናን ስልጣን ክኸውን ኣለዎ ሓፋሽ ኣይትገራህ ኣይትገራህ ምዘኖ ንዅሉ ተመልከቶም ተዓዘቦም ...
-
ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ፍራንክፎርት ኣብ ጉዕዞ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፖለቲካውን፡...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




