Saturday, February 04, 2012
   
Text Size

Site Search powered by Harnnet.org

Share/Bookmark

ጥሙር መግለጺ: ብምኽንያት ባሕቲ መስከረም ምጅማር ብረታዊ ተጋድሎ ህዝቢ ኤርትራ

ልክዕ ቅድሚ 49 ዓመታት ከምዛ ሎም እታ ንፓለቲካዊ ቃልሲ ንናጽነት ኤርትራ: ናብ ብረታዊ ገድሊ ዘሰጋገረት ቀዳመይቲ ንጣር ቁልዒ ሓዊ: ካብታ ብሓርበኛ ሓምድ እድሪስ ዓዋተ እትምራሕ ቀዳመይቲ ጋንታ ሓርነት: አብ እምባ አዳል ተተኮሰት::

አብቲ እዋን: ሒደት ቁጽሪ ዓዋተን እቶም ካብ 13 ዘይበዝሑ ብጾቱን: ተዓጢቖሞ ዝወፈሩ ዓይነት ብረትን: ዓይነትን ትሕዝቶን ንብረቶም ብሓደ ወገን: እቶም ብአንጻሮም ደው ኢሎም ዝነበሩ ገዛእትን ደገፍቶምን: ንሶም ዓጢቖሞ ዝነበሩ ብረትን ከዋፍርዎ ዝኽእሉ ዓቕሚ ሰብን በቲ ካልእ፡ ምስ ዝነጻጸሩ: ናይ ጻጸን ሓርማዝን ፍልልይ'ዩ ነይሩዎም::

ሓይልታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ነዚ ነገራውን ንዋታውን ዓብላልነት ከም መጎልበቢ መሰረታዊ ሕቶ ናጽነትን ሓርነትን ንምግባር፡ ነቲ ፍትሓዊ ሕቶ ንምዕባጥን: ንዓዋተን ሰዓብቱን ሓንሳብ ዘመዛዝን አእምሮ ዘይብሎም ምስ ከውሒ ዝራጸሙ: ሓንሳብ ከም ሸፋቱ ጌሮም ከቕርብዎም ፈተኑ:: በዚ ድማ እቶም ፈሊጦም ዝደቀሱ ገዲፍካ ፡ ግዳያት ናይቲ ገዛእቲ ምእንቲ ጥቕሚ-ነብሶም ዝዝርግሕዎ: ዝነበሩ ናይ ምድንጋር ዘመተ ኮይኖም: ብዛዕባ አድላይነት ሓርነት ገዛእ ርእሶም ዝተጠራጠሩ ደቂ ሃገር ውሑዳት አይነበሩን:: ገለ ዉሑዳት ካብ ምጥርጣር ሓሊፎም "እዝስ ጽላለ እዩ" ዝበሉ አይተሳእኑን::

ታሪኽ ግን ዓቢ መምህርዩ። እቲ አብ ንጹርን ፍትሓውን ዕላማ አናጨመተ ዝምርሽ ደላይ ሓርነት ክዕወት ዓቢ ቁጽሪ ሒዙ ክብገስ ናይ ግድን ከም ዘይኮነ ብግብሪ አብ ባይታ አስተምሂሩና። ውሑዳት ግን ብርኩታት ከቢድ ዋጋ እናኽፈሉ ዘሳለዩዎ ቅዱስ ዕላማ ይንዋሕ ይሕጸር አብ መዓልብኡ ከምዝበጽሕ ክአ ብዓይንና ክንርእይ ስለዝበቓዕና ሎም ይኹን ዘንተእለት ዘየጠራጥረናን ነግ ፈረግ ዘይንብለሉን ትምህርቲ ቀሲምና ኢና።

ይኹን’ምበር ሎም’ኸ፡ ነዚ እተጠቕሰ ትምህርቲ ታሪኽ ዝረስዑ ክንደይ ይኾኑ፧ ነቶም አንጻር ባርነታዊ ጭቆና ደው ዝበሉ፡ ነቶም አንጻር ዘይደሞክራሲያውነት ስርዓት ህግደፍ ክምጉቱ ዝተመቁሑ፡ ነቶም ምስቲ አደንቚርካ ግዛእ ዝብል ፍልስፍና ህግደፍ ክራባረቡ ግዳያት ዝኾኑ ብሉጻት ደቂ ህዝቢ፡  ከም ዘየመዛዝኑ ገይሮም ዝቖጽሩ’ኸ ክንደይ ካባና ይኾኑ፧ ብርግጽ ውሑዳት አይኮኑን። ሕሉፍ ሓሊፍዎም፡  አንጻር ሓርነት ገዛእ-ርእሶም ደው ዝበሉ አለዉና። ገለ ዉሑዳት ሓቂ እናፈለጡ ዝኸነቡ ድማ ‘እዞም ዝቃወሙ ፡ ሓቆም’ኳ እንተኾኑ ውሑዳትን ንዋት ዘይብሎምን እዮም እሞ፡ አበይ ከይበጽሑ’ ዝብሉ ከምዘለው መሰኻኽር ዘየድልየሉ ሓቂ እዩ።

EPDP Magazines

ጽሑፋት ትግርኛ

  • 1
  • 2
  • 3
  • 4
  • 5
  • 6
  • 7
  • 8

Submission Guidelines

The website was constructed for the purpose of conducting a free spirited and constructive discussions and exchange of ideas amongst individuals and groups with different ideas.  All ideas that are rooted in a concept are welcomed.  There are no bad ideas but bad judgments. We also have the right to reject writings with ill intent; distorting facts, writings that attack personalities, writings that are divisive, writings that are based on hate, writings that have no verification of real address and identity.

We encourage all contributors to engage with a spirit of respect for every contributor, accept difference of ideas, focus on solution finding, bring alternative ideas, and applying a unifying tone.

መምርሒ ንኣቕረብቲ ጽሑፋት

እዚ መርበብ ሓበሬታ’ዚ ዝተመስረተሉ መሰረታዊ ዕላማ፡ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ኣተሓሳስባታት ዘለዎም ውልቀሰባትን ጕጅለታት፡ ናጻን ሃናጽን ምልውዋጥ ናይ ርይቶታት ንምክያድ ተባሂሉ ኢዩ። ስለዘዝዀነ ከኣ፡ ኣብ ኣምራት ዝተመርኰሱ ሓሳባት ሓንጐፋይ ኢሉ ከስተናግዶም ድልዊ ኢዩ። ሕማቕ ፍርዲ እንተዘይኰይኑ ሕማቕ ሓሳባት የለን። እዚ ኰይኑ ግን፡ ንሕማቕ ዕላማ ዝተበገሱ፡ ንጭብጥታት ዝጥምዝዙ፡ ንውልቀሰባት ጸለሎ ዝቐብኡ፡ ጐዛዘይቲ፡ ካብ ጽልኢ ዝተበገሱን ሓቀኛ ኣድራሻን መንነትን ዘይብሎምን ጽሑፋት ናይ ምንጻግ መሰል ከምዘሎና ክንሕብር ንፈቱ።

ኵሎም ኣቕረብቲ ጽሑፋት፡ ነንሓድሕዶም ዝከባበሩ፡ ናይ ሓሳባት ፍልልያት ዝጾሩ፡ መፍትሒታት ንምርካብ ዝጽዕሩ፡ መተካእታ ሓሳባት ዘቕርቡን ንሓድነት ዝሕግዝ ቃና ዘለዎምን ክዀኑ ድማ ነተባብዕ።

Login Form