ሓደ መስከረም ዘልኣለም ትኽበር
ናጽነትና ብባዕዲ ምስ ተዘምተ
ክንመልሶ ብናይ ዕጥቂ መኸተ
መጀመርያ ብረት ዓጢቑ ዝኸተተ
ጅግና ተጋዳላይ ሓምድ ዓዋተ
ብሓደ መስከረም ተዅሲ ከፈተ
ብ61 ሓድሽ ምዕራፍ ተኸስተ።
ኣብቲ መዋእል ዝሑል ኲናት
ምዕራባውያን ደጊፈን ንዘውዳዊ ስርዓት
ሶቭየት ሕብረት ንደርጋዊ ዴስነት
ለጊሰን ፋንቶም ሚግ ታንክታት
መዳፍዓት ፈኲስን ከቢድን ብረት
ሕልሚ ገዛእቲ ኣይህዝብን ዘድልየና መሬት።
ዘይተኣደነ ኩምራ ብረት ጠያይቲ
ካብ ድምጺ ዝቕልጥፋ ነፈርቲ
ዝድብድባ ብዘቃጽል ነተጕቲ
ጨካናት ሰራዊት መግዛእቲ
ህዝቢ ኣኪቦም ዝርሽኑ ዘንድዱ ኣባይቲ
ዘየናሕስዩ ንቘልዑ ንኣረገውቲ
ፍርዲ ኣልቦ ብጃምላ ኣህለቕቲ።
መከትናዮ’ድኣ ብኤርትራዊ ሃገርነት
ብዘይንቕነቕ ናይ ህዝብና እምነት
ተሳዒሮም ተጐምጒሞም ሕፍረት
ተዓቚቡ ባሕርና ምስ መሬት
ሸቶና ወቒዕና ጨቢጥና ናጽነት።
ኵሉ ይስምዓዮ ናይ ጅግንነት ዜና
እዚ’ዩ እቲ ሞያ እዚ’ዩ ቲ’ዝና
ዝወረስናዮ ካብ ኣቦታትና
ተኻይዱ ቃልሲ ብተባዕ ህዝብና
መግዛእቲ ደምሲስና ልዑላውነትና ኣዊጅና።
ኣብ ጀብሃ ኰነ ሻዕብያ ዝነበረ
ብመስዋእቱ ሕቖ መግዛእቲ ዝሰበረ
ብጁዋት ንሃገር ጀጋኑ ሰብ ስረ
መበቆሎም ሓደ ኵሎም ደቂ ኤረ
ዝኽርን ክብርን ንዅሎም ብማዕረ
ሂወቶም ወፍዮም ካብ ኵሉ ዝኸበረ።
ንጹር’ዩ ነይሩ መትከልና ዕላማና
መግዛእቲ ጸሪግና ጕሒፍና
ክንመልሶ ሰብኣዊ ክብርና መሰልና
ብቕዋም ልዕልና ሕጊ ተመሪሕና
ብደሞክራስያዊ ምርጫታት ኣቢልና
ክንሃንጽ ከነማዕብል ዝፈረሰት ሃገርና
ብሰላም ብራህዋ ክንነብር ቀሲንና
ንሱ እዩ ነይሩ ሕልምና ባህግና
ክንበጽሖ ኢና ብቐጻሊ ቃልስና።
| < Prev | Next > |
|---|
ጽሑፋት ትግርኛ
-
መቐጸልታ ከመይን............ኔርና.....ኣሎናን.....ናበይን ? ጆርጅ ኦርወል ኣብቲ Animal Farm and 1984 ዝብል ጽሑፋቱ “” in times...
-
ስለምንታይ ዘይጐነጻዊ ኣገባብ ቃልሲ ዘይጐነጻዊ ወይ ከኣ ሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ከም’ቲ ገሊኦም...
-
ጸረ-ውግእ ይኹን ኣተሓሳስባና ኵናት ኣየድልየናን ነህዛብ ዘጥፍእ ፈውሲ ክርከብ ቅንዕና...
-
ሰዲህኤ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተኣኪቦም ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ ብዛዕባ ንኤርትራን ህዝባን ዝምልከቱ እዋናዊ ሕቶታት ክዘራረቡ ጸዊዑ ሓው ሓምድ ድራር፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡...
-
2012 ዓ. ም. - ዓመት ምቅርራብን ርእዮተ-ዓለም ምቕያርን (Paradigm Shift) ብደስበ ካሕሳይ (ካብ ብቋንቋ እንግሊዝ ዝተጻሕፈ ዓንቀጽ ዝተተርጎአመ)...
-
ከመይ ኔርና ...ከመይ ኣሎና .....ናበይከ? እዚ ጽሑፍ እዚ ባህልን ልምድን ፖለቲካ ኤርትራ ካብ 40ታት ጀሚሩ...
-
ህዝቢ ምንጭን ዋናን ስልጣን ክኸውን ኣለዎ ሓፋሽ ኣይትገራህ ኣይትገራህ ምዘኖ ንዅሉ ተመልከቶም ተዓዘቦም ...
-
ፈስቲቫል ኤርትራ 2012 ኣብ ፍራንክፎርት ኣብ ጉዕዞ ሃገራውን ሓርነታውን ቃልሲ ኤርትራውያን፡ ኣብ ፖለቲካውን፡...
- 1
- 2
- 3
- 4
- 5
- 6
- 7
- 8




